ኣብ ሓንቲ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝህሉ፥ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዜጋ ዝኣምነሉ ሕግ-መንግስቲ ምስ ዝሕንጽጽ፥ ባዕሉ ዝመረጾ መንግስቲ ምስ ዝህልዎን፥ እቲ ዝተመርጸ መንግስቲ እውን ኣብ ትሕቲ ምእዙዝነት ህዝቢ ምስ ዝኸውን እዩ። ካብ ምቁጽጻር ህዝቢ ወጻኢ ኮይኑ ዝትከል ስርዓተ- መንግስቲ ግና ተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣየውሕስን። ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስቲ ማለት በቲ ህዝቢ ይውክሉኒ እዮም ኢሉ ዝመረጾም ሰባት ኣቢሉ ይቐውም። እዚ ባይቶ ወይ ፓርላማ እዩ ዝበሃል። ከመይሲ ህዝቢ ብምሉኡ ኣባል ባይቶ ከኸውን ስለዘይክኣል። ግሪኻውያን፥ ኩሉ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ኣገባብ እዮም ዘካይዱ ዝነበሩ። እዚ ግን ግዜ እናወሰደ ኣብ ዝኸደሉ ተግባራውነቱ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ቁጽሪ ህዝቢ ክሳነ ኣይከኣለን። በዚ ዝኣክል ኣብ ክንዲ ተሳትፎኣዊ ዲሞክራሲ፥ ውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝብል እናተተከአ መጸ።
እቲ ብውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝመሓደር፥ ንኹሉ ብዙሕነታዊ ምስሊ ሕብረትሰብ ናይ ሓንቲ ሃገር ወኪሉ ብዝምስረት ባይቶ ኣቢሉ እዩ ዝግለጽ። እዚ ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ባይቶ እዚ ብተዘዋዋሪ መገዲ ናይ ተሳትፎኣዊ ዲሞክራሲ ምልክት ኣለዎ። ልክዕ እዩ መላእ ሕብረተሰብ ኣባል ናይ ባይቶ ክኸውን ዘይከኣል እዩ። ብውከልቱ ኣቢሉ፥ ነቲ ንሱ ዝመረጾ ባይቶ ክቆጻጸር ይኽእል። ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ዝምስረት ባይቶ ኣሳታፊ ክኸውን ከሎ እዩ፥ ኩሉ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ዝኽእል። ምኽንያቱ እቲ ንመላእ ሃገር ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ክውጽእን ርእይቶታት ክፈልጥን እንተኾይኑ ተሳትፎ ህዝቢ ክህሉ ኣለዎ። ብዝተረፈ ሰለስተ ርብዒ ናይ ሓደ ህዝቢ ተሰማሚዑ ሓደ ርብዒ ምስ ዝቦኲር እቲ ስምምዕ ሃገራዊ ጥምረትን ስኒትን ኣይፈጥርን እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ድሌት መላእ ህዝቢ ክማእከል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እሞ፥ ምዕሩይን ዲሞክራሲያውን ዝኾነ ምሕደራ ሱር መሰረቱ ይብሕጎግ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መሰረት ኣብ ኤርትራ ባይቶ ኣሎዶ እንተልና ምናልባት ኣሎ ኢሉ ዝምልስ ክህሉ ይኽእል። ህላወነቱ ዘይኮነስ ኣገባብ ኣመሳራርትእኡ እዩ እቲ ዘገድስ። ካብዚ ብምብጋስ፥ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ባይቶ የለን። ንህዝቢ ካብ ዘይውክል ከኣ ቅኑዕ መሕደራ ይኹን ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ክህሉ ዝኽእል ናይ ገባትን በሓትን ኣገባብ ምሕደራ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ህዝብን ሃገርን ቀሳነት ከሊኡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው የእትዩ ህዝቢ ፍትሒ ይስእን እሞ ንኣደዳ ስደትን ውርደትን ይቃላዕ። ብተወሳኺ ተወጻዕትን ተረባሕትን ዝፍጠረሉ ህሞት ይኸውን እሞ እቲ ዝወሓደ ነቲ ዝበዝሐ ይዶቚሶ። ስለዚ ህዝባዊ ሰረት ዘይብሉ ወይ ከኣ ኣሳታፊነት ብዝጐደሎ ዝምስረት ባይቶ ከይዱ ከይዱ ንቅልውላውን ምፍልላይን እምበር ንስምረትን ውህደትን ዘውሕስ ኣይከውንን።
ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒኸ ካብዚ ሕጽረት እዚ ናጻ ዲና ዝብል ሕቶ ከልዓል ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ መብዛሕትኡ ቀልቢ ደምበ ተቓውሞ፥ ኣብ ከመይነት ኣነ ይዕብልልን ድምጸይ የስምዕን ዝብል እምበር ከመይ ሃገራዊ መልክዕ የትሕዝ ኣይኮነን ዘሎ። በዚ እንኸዶ ዘለና ኣገባብ፥ እቲ ሓቂ ፍሉጥ ክንሱ ንሓቂ ጓዕጺጽናዮ ክንስጉም ከምዘይንኽእል ግዜ የርእየና ኣሎ። ኩልና ናይ ስርዓት ለውጢ ንደሊ ኢና፥ ምእንትኡ እውን ንቃለስ ኣሎና። ግን ከኣ ነቲ ኩሉ ዝሳተፎ እዩ መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ ዝብል ኣምር ንጎድኒ ገዲፍና ፊን ብዝበለና ንጎዓዝ። ብኣፍ ከኣ መስረታዊ ለውጢ እምበር ጽገናዊ ለውጢ ኣይንደልን ዝበሃል ጭርሖ ነልዕል። ስለዚ ኩልና ብጉዳይ ሃገር ክንሓስብ ከሎና እቲ ከነመዝግቦ እንደሊ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ፥ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ዜጋ ምስ ዘውሕስ ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ካብዚ ተረድኦ እዚ ኢና እምበኣር ንዝኾነ ይኹን ዝምስረት ባይቶ ሓባራዊ ሓላፍነት ተሰኪምና ንሓባራዊ ተሳትፎ ዝዕድም ኣገባብ ክነትሕዞ ዝግበኣና።
ድራር መንታይ