ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮቢ ዝቐረበ መግለጺ፡

2016-01-19 12:13:01 Written by  ብመሓመድ ብርሃን ብላታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2338 times

ህጹጽ ጸዋዒት ንኹሉ  ኤርትራዊ  ዜጋ
 

Mohammed Brhan Blataዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡

ብቐዳምነት ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ዕዙዝ  ሰላምታይ ብምቕዳም፡ እዚ ዓብን ኣገዳስን ንእዋናዊ ጠልብ ሲፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዩ  ንሃገር ንምድሓን ቁዱስ ሃገራዊ ዕማም ሒዙ ዝጋባእ ዘሎ ገለ ክፋል ናይ ሓይልታት ተቓውሞና  ክቡር ሰውራዊ ሰላምታትይ እንዳቕረብኩ ኣብዚ ዝገዝኣና ዘሎ ተኣፋፊ ህልዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና ንኽንኣልዮ ፍታሕ ክንረኽበሉ  ምእንቲ መድረኽ ይሓተናሎ`ሞ ንሰውራውን ሃገራውን ዕማምና ሃየ  ነበግሶ  ብዕቱብ  ንሓዞ  መታን ከነዕውቶ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን  ነዚ ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጽንኩርን ኣዝዮም ዝተሓላለኹ  ኩነታትን ብምግንዛብ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምና  ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልሲተሞኩሮ ዝተሞርኮሰ ዓቕምና ንዘሎና  ሓሳብን ርእይቶን ከነቕርብ ድልዋት ክንከውን   ክብል ከሎኹ፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ብሃገራዊ ሓላፍነትን ሕልናን  ርኢና ንሕሉፍ ልዕሊ 20 ዓመት ዝወሰደ ናይ ተቓውሞ  ተመኩሮና ብዕቱብ ዳህሲስና ንኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታትና ገምጊምና እቶም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝብድሁና ዘሎዉ ጸገማትና ብዑምቀት ፈሊጥና ነዚ ተበጉስናሉ ዘሎና ቅዱስ ዕላማ ሃገር መታን ከነዕውቶ ኣብ ሓባራዊ ኣስራርሓ ዝኣምን ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ምትእታው ነጻ ኮይኑ ብኤርትራዊ  መንነቱ ዝኾርዕን ዝሕበንን፡ ሓደ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ከነቕውም እዋናዊ መድረኽ ይሓተናን ይጽበየናን ስለ ዘሎ ከይተማእታእና ግዜ ከይወሰድና ክንሰርሓሉ ንዳሎ። 

እዚ ክብል ከሎኹ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ልዑላውነት ህዝብን ምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማዕርነትን ግን  ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ ዝርከብ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ሰላሳ ዓመት ተባዕ ቃልሱ ኣዝዩ ፍሉይን እምብዛ ዘኹርዕን ዘሕብንን  ታሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ  ኣብ ፓሎቲካዊ ተመኩሮኡ ዝተሞርኮሰ ዝተራጋገጸ ናጽነት፡  ናቱ ታሪኽ ዘሎዎ እኳ እንተኾነ፡  ኣብዘካየዶ  ቃልሲ ውጽኢቱ ግን ንረብሓ እቲ ዝተቓለሰ ሰፊሕ ህዝቢ ከምቲ ዝደለ ከብጸሖ   ኣይበቕዖን ኣይተዓወተን  እዩ ዘሎ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋትና ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ  እዩ ብምባል ሓላፍነት ከነሰክሞ ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፡  ብመንጽሩ  ንሕና ኸ እቶም ብሓይልታት ተቓውሞ ንፍለጥን ንጽዋዕን ነዛ ሃገር ንምድሓን ንምልካዊ ስርዓት ካብ ስሩ መታን ክነልግሶ ከምቲ ዝደለ ክንሰርሕ በቒዕናዮዶ ኣይበቓዕናዮን  ንዝብሉ  ሕቶታት   እቲ  ጉዳዩ ብቐንዱ ንዓና ዝምልከት ኮይኑ ብተግባር  ሃገር መታን ከነድሕና ክንምልሾ  ዝጽበየና ዘሎ ህመትና ከም ዝኾነ ክንስሕቶ ኣይግበእን። 

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምና ክንርኢ እንተኾና ካብኦም ከም መወከሲ ተጠቒምና  ክንመሃረሎም  ንኽእል፡ መዳርግቲ ዘይብሎም ብኣወንታን ኣሉታን  ዝግለጹ ተሞኩሮታት፡ ከም ዘለዉ  ኣይሰሓትን ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰውራ ኣካይዱ ሃገር ወኒኑ መንግስቲ ወላኳ እንተኣቖመ ናይ መጻኢ ዕድላቱ ጽልግልግ ዝበለ ዘደናግር መታን ከይከውን ዋሕስ ክገብረሉ ዝግባእ ዋንነትን ኣተዓዳድላን ኣማቛራርሓን ፖሎቲካዊ ስልጣን ስለ ዘየነጸረ፡ ከምኡ ውን ብሰንኪ በሓትነት ናይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝጸንሖ ኣብ  ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዝተሞርኮሰ ሕልምታቱ ስለ ዝተጎርሸ፡ ሎሚ ኢርትራ ኣብ እዝዮም ግናያት ዝኾኑ  ንኽትገልጾም ዘጸግሙ ኣብ ኣእዳው ውሑዳት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ውልቀሰባት ወዲቓ ትሳቐ  ምህላዋ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ከሎ፡ እዞኦም   እዮም  እቶም ዛጊት ክንዕወተሎም  ዘይከኣልና  መዳያት ክበሃል ይከኣል።

ናይዞም ዝተጠቕሱ ከምቲ ዝድለ ከነዕውቶም ዛጊት ዘይከኣልና፡ ከም ሳዕቤናቶም ኸኣ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚእዋን’ዚ ከቢድ ዋጋታት ይኸፍል ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሻቐለሉ ዘሎን ርኡይ ተራኽቦታት  ክኸውን ከሎ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተግባር’ዚ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና መብዛሕተኦም ናይ ኣብ ከባቢ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያትና  ክሳብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ  ዘሎዉ ዜጋታትና ውን ከይተረፉ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ዘመን ባዕዳዊያን ጸላእትና ዝኽፍአ ተግባራት፡ ካብ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡  ዝወርዶም ዘሎ እከይ ተግባራት ክድሕኑ ክብሉ ተገዲዶም ዶብ ክሰግሩ፡ ኣብ ጉዕዞኦም ናይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ  ንኣደዳ ሞትን ካልእ ንክትገልጾ ዘሰክፍ እከይ ተግባራት ይቃልዑ  ከም ዘሎዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮን ንሰምዖን  ኣሎና፡ ነዚ ዝጓነፎም ዘሎ  ፍታሕ ክህሉ ኣሎዎ ንዝብሉ ሕቶታት  ኩልና ደቂ ሃገር ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ብቐንዶም ናትና ሓላፍነት ኮይኖም ዘላቒ ፍታሕ ከነናዲየሎም  ዝጽበዩና  ዘሎዉ  ክኾኑ ከሎዉ፡ እዚ ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነትና  ከም ዝኾነ ውን ኩሉ ወዲ ሃገር ክስሕቶ ኣይግባእን።

ከም ሕብረተሰብን ሃገርን ንዝገጠመና ፍሽለት ምጽብባቕን ምግናንን ዘድልዮ ኣይኮነን፡ ንዘይምዕዋትና ክንሽፍን ብሰንኪ ፍላንዶ ዕላን ኢልና ከነፍኩሶን ክንነጽጎን እንተጀሚርና ፈጺምና ክንእርሞ ውን ኣይክንበቅዕን ኢና። እዚ ዘኹርዕን ዘሕዝንን ፖሎቲካዊ ተሞኩሮን’ዚ ግን ንታሪኽን  ንምንዮትን ምስትንታናትን ጥራይ ዝግደፍ ውን ኣይኮነን፡ ስለምንታይ እቲ ንኾርዓሉ ዝተሰርሐ ቅያን ሓያል ታርኽን፡ እዚ ዘጋጠመና ዘሎ ፍሽለትን ብምግንዛብ ብእኡ ዝተበገሰ ዲናሚካውነትን ከም ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ንኣወንታታትና ዓቂብና ኣሉታትና ኣወጊድና ሓድሽ ማሕበራዊ ሰውራ ንምህናጽ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሃገርን  መታን ክትከውን ብተግባር ክንቃለስ ይግባኣና፡ እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግበኣና ማሕበራዊ ሰውራ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላሰልናዮ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ዝተሓላለኹን ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥሙና እዮም። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላምን ራህዋን ምዕሩይ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣተዕዳድላን ከምኡ ዉን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ማዕረ ዕዳላ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት መሉእ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራውን መንፈሳውን ባህላውን ድልየታቱን ጠለባቱን ንምምላእ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዝረጋገጸሉ ህመት እንተዘይ ፈጢርናሉ ኤርትራ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና  ንውሉድ ወሎዶ ወትሩ ኣብ ናይ ጽልግልግ ጎደና ሓደጋታት ዝተሰጥሐት ኮይና ክተርፍ ማለት፡ ንዓና ነቶም ንነዊሕ ዝተቓለስና ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ ብተግባር መልሲ ክንረኽበሉ ዝብደሃና ዘሎ ግዙፍ ሃገራዊ  ህመት እዩ ክበሃል ይከኣል።

እዚ ክብል ከሎኹ ካብ እንውንኖ ሃብታም ተመኩሮናን  ናይ ነዊሕ ቃልስናን ከምኡ ውን ብቐረባ ናይ ጎረባብትና መንግስትታን ሕብረተሰባትን፡ ሃገራት ዓለምና ዝሓለፍኦን ዘጋጠመንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግራተን ብምርኣይን ምንቃልን እቲ ሓደጋታት ንዓና ውን ዝምልከት ኮይኑ ክጸልወና ውን ስለ ዝኽእል፡ ካብኦም ከም መጠንቀቕን መምሃርን ወሲድና ሃገር ንምድሓን ክንሰርሓሎም ዝግበኣና ሜላታትን ምትዕጽጻፍን ክህልወና  ይግባእ።

ወትሩ ኣብ ግዝየን ዝተፋላለዩ ኩነታት ዝቀያየሩ  ባዕላውን ወድዓውን ተርእዮታት ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም፡ ነዚኦም ከምዚ ብሽም ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ኣብ ክንዲ ነዚ ኔኤርትራን ህዝባን ዘጽንት ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስተባሂልና፡ ካብኡ ብምንቃል  ሓድነትና ዓቂብናን ኣደልዲልናን ኣብ ምውዳቑ ንቃላጠፍ  ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ደገ ኮይና ከነተግብሮም ዘይንኽእል ዝተፋላለዩ ሕቶታት ኣልዒልና ንዓመታት ኣብ ንረብሓ ሃገር ዘይኮነ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኮለል ንብል ምሃላውና  እሞ እዚኦም ንታሪኽን ቃልሲ ሰፊሕ ህዝብና ዘይውክሉ ከምዝኾኑ  ብሃገራዊ ሕልና ብዑምቀት ፈሊጥና፡  ናይ ሓባር ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰብኣውን ንረብሓ ሰፊሕ ህዝብና ኮይኖም ንጹር ሃገራዊ ራእይ  ሃልዩና፡  ቃልስና ኣመዓራሪና፡  ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ድልየትን ሕልምን እንተዘይብልና ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ሃገራዊ ስትራተጂካዊ  መደባትና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና ማለት  እዩ ዘስምዕ። ንመሰል ዴሞራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ሕመረት ተወሲዶም ኣብ ወረቓቕቲ ብውሕሉል ኣገባብ ተጻሒፎም ኣብ ቡዙሕ ኣጋጣሚታት ንኽትዕን ምይይጥን ዝቐርቡ ውሑዳት ኣይኮኑን ምናልባት ገሊኦም ብሓቅነቶምን ሚዛኖምን ንሃገር ከገልግሉ ዝበቕዑ ኮኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብዚ ክርዳእና ዘሎዎ ግን ኣብ ኢድካ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይጨበጥካ  ክትግበሩ ከምዘይክእሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ተቓውሞ ተመኩሮና በሪሁልና ክነሱ መመሊስና ንዓመታት ንዕኦም ክንደጋግም እንተኼና ከም ማይ ኣብ ኢድካ ምዕሟኽ ዝመስል  ዘይትግበር ሕልሚ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ብተግባር ተረጋጊጹ እዩ።

ኩሉና ዘይንፋላለየሎም ንሃገር ዝምልከቱ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብሓይልታት ተቓውሞ ዝቐርቡ ዘስተባሃልናሎም ኣገደስቲ ሃገራዊ ስትራትጂ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም፡ ገለ ካብእቶም ንምጥቃስ ኣምበኣር፦ 
1.  ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮሰ ልዑላውነት ሕጊ ትኣምን ሃገር ክትከውን
2.  መሰል ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን  ሃልዩ  ሓጋጊ ኣካል ሓላፍነቱ ወሲዱ  ብተግባር ክሰርሓሉ ክኽእል።
3. ናጽነት ናይ ሓጋጊ ኣካልን ፈራድን ፈጻምን ሃልዩ ብተግባር ክስራሓሉ፡
4. ህዝቢ ዝቕበሎም ብዙሒነት ፖሎቲካዊ ሰልፍታት  ሃልዮም ንረብሓ ሃገር ክሰርሑ፡
5.  ፕረስ  ኣብ ሕጊ ዝተሞርኮሰ  ምሉእ ናይ ምውሳእን ምክትታልን ናጽነት ክህልዎ፡
ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ናይ ኩሉና ድልየትን እምነትን ከምዝኾኑ ኩሉና ንሰማማዓሎም እዮም። ይኹን’በር እዞም ዝተገልጹ ዓበይቲ ነጥብታት ክትግበሩ እንተ ኾይኖም ብቐዳምነት ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዝኽልክለና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ስልጣን  እንተ ዘይለጊሱ ኩሎም  ኦዞም ዝተጠቕሱ፡ ዘይትግብሩ ሕልምታት ኮይኖም ኣዮም ዝተርፉ እሞ ነዚኦም ኣለሊና ቃልስና ኣሐይልና ናብቲ ንደልዮ ሽቶና ክንበጽሕ እንተዳኣ ኲና፡ ብቐድምነት፡ ነዊሕ ተቓሊሶም ሃብታም ተሞኩሮታት ዝውንኑ ኤርትራዊያን ብብዝሒ ስለ ዘሎዉ፡ ከምኡ ውን ደቀንስትዮን መንእሰይን ዝለዓለ እጃሞም ከበርክትሉ ዝኹእሉ ክነት ፈጢርና ክንጋባእ ክንክእል፡ እሞ ካብኡ ዝመንጨወ ከቃልሰናን ከዕውተናን ዘኽእለና ሓደ ሓያል   ሃገራዊ ግንባር ክነቕውም የድልየና ከም ዘሎ ኣይሰሓትን። ናብኡ ክንብጽሕን ክንዕወትን  ምእንቲ ኸኣ፡  ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓዋማይ  ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ጥሙር ሓያል ቃልሲ ከነካይድ   ከም ዘሎና  ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

ኣብ ዝተፋላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ብዝገበርኩዎ ድህሰሳ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ነዚ ጠለብ’ዚ ብዝውንኖ ዓቕምታቱ ይቃለሰሉን ይደፍኣሉን ከም ዘሎ ብንጹር ይበርህ ኣሎ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቅታት፡  ንሕና  ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ልኡኻት ስለ ዝኾና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንሕድሪ ሰማእታትናን ንሓቀኛ ድልየት ህዝብን ክንምልሽን ከነዕውቶን መድረኽ  ይሓተናን ይጽበየናን ከም ዘሎ ኣይሰሓትን።
                                                

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና         
ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ   ኤርትራ።

መሓመድ ብርሃን ብላታ

Last modified on Tuesday, 19 January 2016 13:27