መተሓሳሰቢ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

2016-01-16 11:00:35 Written by  ኤምዲሰመ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2034 times

EMDHRLogo

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንምብርዓን፡ እንተስ ብምትላል እንተስ ጸቕጢ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘየሎ ዘረጋግጽ ክታም ካብ ኤርትራውያን ክእክብ ተዋፊሩ ይርከብ።

እቲ ሓቂ ኩሉ ከምዝፈልጦ ግና ጠንቂ ስደትን፡ ሕስረትን፡ ምብትታንን፡ ሞትን ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉድለት ግዝኣተ ሕጊ እዩ። ምስ ባርነት ዝዳረግ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተወሲኽዎ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ክነብር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለዝበጽሐ፡ ዓዱ ገዲፉ፡ ብብረት ዝሕሎ ዶባት ሰጊሩ ናብ ዓዲ ጓና ክስደድ ተቀሲቡ ኣደዳ ሓሳረ መከራ ኮይኑ ኣሎ።

ኣዝዮም ውሑዳት ኤርትራውያን ግና ነቲ ሓቂ እንዳፈለጡ እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብረብሓ፡ እንተስ “ዘይሰን ሑጻ ቖርጥመሉ” ዝብል ኣተሓሳስባ፡ መጋበሪ ኤምባሲ ክኾኑ መሪጾም ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም መንግስቲ ኤርትራ ኣጋፊዑና፡ ኣብ ዓድና ክነብር ኣይከኣልናን ብምባል ዑቕባ ሓቲቶም ክንሶም፡ ተገምጢሎም ግና መንግስቲ ዝበደሎ የብሉን፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እዮም ብሓሶት ንመንግስትና ዝጥቅኑዎ ዘለዉ እንዳበሉ ነዚ ብህይወት ዜጋታቱ ዝጻወትን ብመጻኢ ዕድል ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ዝጣላዕን ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ክሕለቕሉ ዝፍትኑ ዘለዉ።

ሃገርን ህዝብን ካብ መንግስቲ ሊኻ ምርኣይ ብልሒ’ዩ። ነቲ "ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ዝኽሰስ ዘሎ መንግስቲ ምጥባቕ ማለት ኣብቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ገበን ተሳታፊ ምዃን ማለት እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኤምዲሰመ ንኹሎም እቶም መጋበሪ መንግስቲ ክኾኑ ዝመረጹ፡ ናብ ልቦም ክምለሱ፡ ምስቲ ውጹዕ ህዝቦም ክውግኑ የተሓሳስብ። እንተዘይኮነ ግና ብሕጊ ተሓተቲ ምዃኖም ክግንዘቡ ይግባእ። ጸብጻቦም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠበቓታት ንሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕቡራት መንግስታትን፡ ነተን መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ዘወን ሃገራት ኤምባሲታትን ከሓላልፎ ምዃንና ኣቐዲምና ነጠንቕቕ። ንዝመጽእ ሳዕቤን ተሓተቲ እቶም ምስ ኣሬመናዊ መንስቲ ዝደናገጹ ውሑት ውልቀሰባት ምዃኖም ፍልጥ።

ኤምዲሰመ

15 ጥሪ 2016

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

Last modified on Saturday, 16 January 2016 12:37