ሰልፍታትን ሲቪላዊ ምንቅስቓሳትን ብማዕረ ክምዕብሉ ይግባእ

2016-01-22 08:49:53 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2364 times

ኣብ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ዘይሓንጸጾ ቅዋምን፡ ህዝቢ ዘይመረጾ መንግስትን ዝትከል፡ ነቲ ዜጋ ንከገልግል ዘይኮነስ ተገልጋሊ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ህሞት እዚ ከኣ ኩሉ እቲ ጸጋታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ገበተ ኢድ ውሑዳት ስለዝወድቕ እቲ ቁጠባዊ ትሕዝቶን መነባብሮን ህዝቢ ዝደኸመ ይኸውን እሞ ብድኽነት ክላቐ ይነብር ።

እቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መንስቲ እምበኣር፥ ንመሰላትን ፍትሕን ዲሞክራስን ከተኣታቱ እንተኾይኑ እታ ረብሓኡ ክትጠፍእ ምዃኑ ስለዝግምት ኣይቀርባን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝቢ ብምዃኑ ከምድላዩ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ስለዘይክእል። እቲ ዘገርም ግን እቲ ነዚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ለዊጡ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያን ዲሞክራሲያውነትን ከስፋሕፍሕን፡ ፍትሒ ከንግስን ኢሉ ዝብገስ ኣካል እውን እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከውዕል ኣይርከብን።

ብዙሕ ምንቅስቓሳት ነቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ደረኽቲ ዝኾኑ ምስ ተላዕሉ ነቲ ዝተላዕለ ጨውዮም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን መደያይቦ ይጥቀምሉ፡፡ ከም ኣብነት ኣብ 1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ሃይለማርያም ግርም ገይሩ ብዝኣለሙ መሰረት እቲ ስልጣን ኣብ ኢዱ ጨቢጡ። ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ ከኣ “ወይለኺ ዲሞክራሲ” ብዝብል ኣምር ተዋሒጡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድከቱ ኣስትይዎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ነቲ ህዝባዊ ጠለብ ከማልእ ዝግበኦ ክንሱ ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ናይ ስልጣን ምግባት ገጹ ኣድሂቡ።

እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ኣረዳድኣ ማዕረ እንተዘይኮይኑ ሓላፍ ዘላፍ ይኸውን እሞ ዲሞክራሲ ውሕስነት ኣይህልዎን። ከመይሲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲ ኣብ ህዝቢ ከስርጽን ነተን ዘለዋ ሰልፍታት ንዲሞክራሲ ብኸመይ የተግብርኦ ምክትታትልን ስለዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣንጻር ሰልፍታት ክስለፍ ይኹን ንህላዌ ሰልፍታት ምንጻግ ግና ፍትሕን ሰላምን ከውሕስ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ንዲሞክራሲ ብኣፍ ጥራሕ ክጭርሕዋ እንተኾይኖም ምልካዊ ስርዓት እዩ ክዕምብብ። ምኽንያቱ ንርእይቶ ህዝቢ ሰሚዒካ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተግብርን ዝከታተልን ዝቆጻጸርን እንተዘየልዩ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣይትከልን እዩ። እዚ ከእ ምስ ርእይቶን ድሌትን ህዝቢ ይገራጮ እሞ ህዝቢ ኣብ ኣገልጋልነት ደረጃ ወዲቑ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸቕጢ የጓንፎ። ዲሞክራሲ ከምቲ ግቡእ ምስ ክብርን ስራሕን ተወሃሂዱ ክኸይድ ከሎ እዩ ትርጉም ዝህልዎ እሞ ሰልፍታት ንጠለብ ህዝቢ ተግበርቲ፥ ምንቅስቓሳት ከኣ ንጠለብ ህዝቢ ኣቕረብቲ ክኾና ኣለወን። ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን እምበኣር ነንበይነን ወይ ከኣ ከም ተጻረርትን ሓድሕደን ተጓነጽትን ጌርካ ምቕራብ ወይ ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት እምበር ሰልፍታት ኣየድልያን ምባል ንምልኪ ምዕዳም ጥራሕ እዩ

ካብዚ ብዝተረፈ፥ ብስም ዲሞክራሲ እናጨረሐ ዝወዳደብ ሰልፍታት ይኹን ምንቅስቓሳት ኩሉ ንሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ይበቕዖን የተግብሮን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ኩነት እዚ እቶም ተበለጽቲ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ናይ ዲሞክራሲያ ጭርሖ ተሓቢኦም፡ ነቶም ነታ ዲሞክራሲ ክሰርሑላ ዝጽዕሩ ከናሽው፡ ከነኣእሱን ከቖናጽቡን ስረሐይ ኢሎም ኢዮም ዝተሓሓዝዎ። ሽዑ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ እቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ዘሎ ወገን ንኸይዓስል ከም ዝዕገት ምስ ገበሩ ከኣ ንሰልፍታት ከም መነሃሃሪ ሽግር ገይሮም ክቕርቡ ይፍትኑ።ተሳትፎ እቲ መሰረት ኣልሲ ዝኾነ ህዝቢ እንተደኣ ትሑት ኮይኑን ከምኡእውን እቲ ዝነበረ ቁጽሪ መሰረት ቃልሲ እናተባሕጎጐ ከይዱ ዓቕምን ክእለትን እተን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝጎድል ንድልየታት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ክሰርሓ ይሽገራ። እቲ ኣንጻር ሰልፍታት ዝግበር ጐስጓስ ህዝባዊ ተቐባልነት ስኢነን ነቲ ዝኽተለኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እቲ ህዝቢ ከም ዝይበሎ ምግባር ዝዓለመ እዩ።

ከምዚ ካብ ኮነ፡ ውድባት ወይ ሰልፍታት መሰረታት ኣብ ዝወሓድሉ ወይ ከኣ ኣካል ህዝቢ ዝኾኑ ተራ ኣባላት ዘይብሉ ውደባ በየናይ መገዲ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ውድብ እኮ ገንዘብ፥ ተወፋይነት ክኢላ ዓቕምን ሰብኣዊ ጉልበትን የድልዮ። ብዘይ እዞም ዝተጠቕሱ ባእታታት ውድብ ይኹን ሰልፊ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ተመሊስካ ነተን ሰልፍታት ምሕማይን፡ዲሞክራሲ እናጨራሕካ ውድባት ኣየፍረያን ውድባት ፈሽለን እየን እናበልካ ብምምጽዳቕ ዲሞክራሲ ኣይዕንብብን እዩ።

ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፉ ህዝብን ሰልፍታትን ንምፍልላይ ብማለት ንኣድላይነት ሰልፍታት ንምድምሳስ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላው እዩ ዝእምት። እዚ ከኣ ልክዕ ምስቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ ፈለማ መደርኡ ውዳባት ሰልፍታት ኣየድልያን እየን ዝበሎ ዝሰማማዕ እዩ።

ልክዕ እዩ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደራኺ ሓይሊ ናይ ለውጢ ኮይኑ ንሓደ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ እውን የቀላጥፍ እዩ። እዚ ግን ብዘይህላዌ ሰልፍታት ክኸይድ እንተኾይኑ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ብመሰረቱ ናይ ብሓቂ ንህዝባዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ይውክል’ዲዩ? ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ትካላት ኣለዎ’ዶ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መሳርሒ ኮይኑ መላእ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ራኢ ይውንን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን የዋህነት እዩ። ነዚ ዝተፈላለየ ራኢ ናይ ህዝቢ በተን ዘለዋ ሰልፍታት እዩ ዝምእከል።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተግባራት ጽልዋ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እተን ሰልፍታት ክተሓባበራን ክደጋገፋን ይግባእ። እዚ ምስ ዝህሉ እዩ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት፥ ለውጢ ኣብ ባህሊ ክዕምብብ ዝኽእል። እቲ ንግርጭታትን ረብሓታትን ናይ ምምእካልን ጸጋታትን ስልጣንን ናይ ምምቕራሕ ክሰላሰል እተን ሰልፍታት ህዝቢ ብዝጠልቦ ክቕየዳ ይኹን ህዝቢ ዝጠልቦ ንኽፍጽማ ከኣ ይግደዳ።

ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 22 January 2016 09:52