መድረኽ መንጎኛ ኣቓራራቢ ክኽውን ይክእልዶ ?

2015-12-25 10:28:37 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3474 times

         ብዛዕባ ጉዳይ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምምክኻርን ናይ ሓባር መረዳእታ ክህሉዎም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ ኣብ ጀርመንን ከንያን ርክባት ፖለቲካውያን ውድባትን ገለ በርገሳውያን ማሕበራትን ምክያዱ ይዝከር ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነዞም ዝተገብሩ ኮንፈረንሳት ከሞጉሱ እንከዉ ፣ ካልኦት ከኣ ከምዘይተሓጎሱ ብልዙብ ቓላት ኣብ ክንዲ ምግላጽ ፣ ናይ ዓመታት ቆጺሮሞ ዝጸንሑ መርትዖ ዘይብሉ ሃበስ ቀደስ ፣ ንሓዲሽ ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ገዳይም ተገደልትን እቲ ኮንፈረንስ ክጥቀሙሉ ቀኒዮም ። ። እንተኮነ እቲ ኣገዳሲ እዞም ብሕጂ ዝካየዱ ኮንፈረንሳት ካብቶም ዝሓለፉ ኮንፈረንሳት ብዘይ ታሕዋኽ ኩሉ ዘድሊ ቅድመ ኹነት ተማሊኡ ብዓወት ክዛዘም ምግባር ናይቶም ኣዳለውቲ ቀዳማይ ዕማም እዩ ። ለውጢ ናይ ኣታሕሳስባ እምበር ፣ ለውጢ ናይ ቦታ ፍልልይ ዘምጽእ ኣይኮነን።

       ዝኸበርኹም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት ፣ ዝኮነ ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ ፣ ኹናት ዘይኮነ ዘተን ሽምግልናን ገርኻ ምፍትሑ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብሉን ። መድረኽ ሓቀኛ መንጞኛ ክኸውን እንተ መሪጹ ይርሓሰና ! እንተኾነ መድረኽ ኣብዚ ሕጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ምቅርራብ ክዕወት እንተኾይኑ ሻርነት ክርእዩ የብሎምን ። እዚ ማለት ንሓደ ውድብ ካብቲ ኻልእ የሻርዉ ማለት ጥራሕ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይተን መላግቦ/ቀለቤት ክንኣስረለን ዝበሉውን ውድባት ክኾኑ የብሎምን ።

       ኣቓራራቢ (Facilitator )ክብሃል እንከሎ ሓደ ኪኢላ (Expert)ኾይኑ ፣ ንመስሪሕ ናይ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ግርጪት ኣብ ውሽጢ ትካላትን ጉጂለታትን ዝምጭዉ ንምፍታሕ ዝነጥፍ ኣካል እዩ ፣ ዋንነት ናይቲ ጉዳይ ከይወሰደ ፣ እቶም ተሳተፍቲ ብሓባር ተዛቲዮም ብሉጽን ሓናጽን ዝኮነ ውሳኔ ክበጽሑ ይገበር ብኻልእ ኣዛራርባ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ናይቲ ዛዕባ (Content) ከይወሰደ ፣ ነቶም ሰብ ጉዳይ ሓላፍነት ተቀቢሎም እቲ መሪሕ ተራ ክህሉዎም ይገበር ።ስለዚ መደረክ ነዚ መደብ ዕዩ እዚ ከሰላስል ካብ ተበገሰ ኣሳልጦ ክረክብ እንተ ኾይኑ፣ብቀዳምነት ንኩሎም ፖለቲካውያን ውድባት ብማዕረ ክዕደሙ ኣለዎም ። ኣይተዓደምናን ኣዋሲኖምና ዝብሃል ከይህሉ ። ካልኣይ ፣ መደረኽ ኣብ ሽማግለ Adhock ብማዕረ ምስተን ውድባት ክስራዕ የብሉን ።እዚ ነቲ ናቱ ዘይሻራነት (Neutrality ) ሓኒቁ ዝቀትል እዩ። ምክንያቱ ናይ ረብሓ ግርጪት ( Conflict of Interest ) ከስዒብ እውን ስለ ዝክእል  

ኣብ ጉዳይ ኣሳላጥት (Structure and Process) ዝብሃል ተቛም ኣሎ ። ከም ዝፍለጥ ሓደ ገዛ ክትሰርሕ መሳርሒ ዝኾኑ ኣቅሑት የድሊዩኻ ። ምክንያቱ ብጥራሕ ኢድኻ ገዛ ክትሰርሒ ስለ ዘይኸኣል። እዚ ማለት ማርቴሎ ፣ ማሳ ፤ ምስማር ፣ ወዘተ ክትጥቀም ትግደድ ። እዚ እቲ መስሪሕ(Process )እዩ እዚ ከኣ እዩ መደረኽ መላግቦ ወይ ቀለቤት ኮይኑ ነዘን ኤርትራውያን ውድባት ክወሃህድ ከም ዝተበገሰ ዝገልጽ ።

መደረኽ ግን ኣብቲ (Structure ) ህንጻ ተዋሒጡ ከሰርሕ ይርኤ ኣሎ ። መድረኽ ኣካል ናይቶም ነቲ ገዛ ዝቆሙ ከም መሰረት ፣ ዓንዲ ፣ ገመል ፣ማሕወጽ ፣ ሓርኾም ፣ወዘተ ክኽውን ኣይግብኦን ። እቶም ፖለቲካውያን ውድባትን ተዓደምቲ ወልቀሰባትን ፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብቀሊል ክሰግሩዎ ኣይነበሮምን ሕጂ እውን ክምብል በለ እምበር ኣይፈሰስን ክምዝብሃል ፣ ኣብ ማሕጎማ ከይበጽሓኻ ነቲ ጉዳይ ምእላይ ናይ ለባማት ስራሕ እዩ ። ምኽንያቱ ጽባሕ ሓደ ጸገም ምስ ተፈጥረ ፣ ክስታት ክውሕዙ እዮም ። ርሑቅ ከይኸድና እዚ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክድገም የብሉን። ተራ ናይ ህዝብን ኣገደስቲ ውልቀሰባት ርእይቶን ድምጽን ክሕተትን ክስማዕን ይግባእ።

ኣቓራራቢ ዘይሻራዊ ኮይኑ ድምጺ ወይ ድጋፍ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ክህሉዎ ናይ ግድን ይኽውን ።ብድሕሪዚ ፣ ኣብቲ ዝኻየድ መስሪሒ (Process ) ዓቅሙን ክእለቱን ብዝግባእ ክጥቀመሉን ነቲ በቶም ውድባት ዝቀረበ ኣጀንዳ ተቀቢሉ ንሓሳባት ናይዘን ውድባት ኣጣሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ መደብ ከማዕብልን ፣ ድሕሪ ዘተን ልዝብን ኩሎም ተሳተፍቲ ዝርዓምዎ ብሓባር ተግባራዊ ክገብሩዎ ዝግባእ ዝጸደቀ ሰነድ ሒዞም ክወጹ ይጽዕት ። ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘይሻራዊ ኣቓራራቢ ከትኩሮሎም ዘለዉ ነጥብታት፡ ጉጂለታት ብሓባር እተሰማምዑሎም ሕግታትን መምሪሒታት ምምእዛዝ ፤ መንፍስን ዝምድናታት ምምዛን ፣ ርእይቶታትን ለበዋታትን እናለገሰ ካብቲ ቀንዲ ክፍታሕ ዘለዎ ኣርእስቲ ከይወጸን፣ ዋና ናይቲ ጉዳይ ከይኸነን ንቅድሚት ከምዝስጉሙ ምግባር ይኽውን ።

ብዝኾነ መድረክ ኣብ ዝተፈለለየ መግለጺኦም ምንቅስቓስ እምበር ውድብ ከም ዘይኮኑ እናገለጹ እንከለዉ ፣ ምስኡ ኣታሓሕዞም ግን ንመጻኢ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ምዃን ተክእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ኣይሓብኡን ።ነዚ ዘረጋግጾ ከኣ ኣብ ከንያ ተኣኪቦም 27 ዝኣባላቱ ባይቶ ከምዝመረጹ እውን ይፍለጥ ። ሚዛን ናይ ሓቅነት ግብሪ ስለ ዝኮነ ፣ መድረኽ ዝገብርዎ ዘለዉ ምስቲ መግለጺታቶም ዝኸይድ ኣይኮነን ።

ክብሮም ግረነት ።

12/24/15

,


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Friday, 25 December 2015 11:52