ወዲ ሰብ ኣብዛ ብራህዋን መከራን ብርሃንን ጸልማትን ሰላምን ህውከትን ዝወዳደሩላ ዓለም፡ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ምስ ዓቕሙን ልዕሊ ዓቕሙን ካብ ምቅላስኣዕሪፉ ኣይፈልጥን።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኣካል ናይ‘ዚ መስርሕ‘ዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሂወቱ ንዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋር ብውልቀ ይኹን ብሓባር ንለውጢ ኣብ ምቅላስ ተጸሚዱ እኳ እንተ ሃለወ፡ ሕቶኡ ብዝምልስ ዓቕምን ሜላን ከም ዘየካየዶ ግን፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎ ሓቂ ባዕሉ ምስክር እዩ።
ኣብዚ ንዘይምዕዋቱ ብዝምልከት ክንርእዮም ዝግባኣና እንተልዮም፡-
እቲ ስርዓት ድዩ ሓይሉ ወይስ ህዝቢ እዩ ደኺሙ፡ ዝብል ሕቶታት ምምላስ ውሁብ ኣድላይነት ኣሎዎ። ብርግጽ ንምዝራብ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ እምነትን ተቐባልነትን ተጠቒሙ፡ ደረትን ልጓምን ብዘየብሉ መገዲ ህውከትን ዕንወትን መሪጹ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ሸሚሙዎም። ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት፡ ኣብ ክንዲ ምዕብልና ድሕረት፡ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ዕንወት፡ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልእን ፍርሕን፡ ኣብ ክንዲ ምትእኽኻብ ምብትታን ኣብ ዝምለለይኣ ኣሰካፊት ሃገር ንነብር ኣሎና። እዚ ከኣ፡ እቕረ ዘይበሃሎ ጥልመት ሕድሪ ስዉኣትን ክድዓት ረዚን ዕላማን ቃልሲ ህዝብን ባህግታቱን‘ዩ።
ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፡ እትረፍዶ ንኤርትራዊ ዜጋስ፡ ንኩሉ ብኤርትራ ዝግደስ ህዝቢ ዓለም‘ውን፡ ዘዛርብን ኣበይ ክወድቕ‘ዩ ዝብል ኣሰካፍን ውዑይን ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣሎና። እዚ ድማ ንዓና ንሰብ ጉዳይ ዝጽበ ዘሎ ዕዮ ገዛ ኣብ ክንዲ ንሰርሕን፡ መሰልና ክግፈፍ ንብረትና ክውረስ ተካእትና ክጸንቱ እናርኤና ዓገብ ኣብ ክንዲ ንብልን፡ ግዳይ ናይ ህግደፍ ዝወሰኖ ዘይፍትሓውን መኣዝኑ ዘጥፍአን መመሊሱ ዝኸፍአን ሂወት ነሕልፍ ኣሎና።
እዚ ሃለዋት‘ዚ፡ ብፍላይ ነዚ ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ዳሕረዎት ወለዶ ክብል ነታ ዝኸበረት ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ዝግባእ ኣይኮነን ዘብል እኳ እንተኾነ፡ ብመሰረት ድሕሪ ነጻነት ዝተኸተልናዮ ናይ ምእዙዝነት መስርሕ ግን፡ እዚ ክመጽእ ወይ ክርአ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰልካ ምሕላው ሓላፍነትካ እምበር ካብ ካልኦት ክምጽወተልካ እትጽበዮ ግንዖ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ደረትን ቀይድን ተቖጻጻርን ካብ ዘየብሉ ስርዓት ሰናይ ምሕደራ ምጽባይ የዋህነት ጥራሕ ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ እምበኣር ክልተ ዘይሕለፉ ጌጋታት ክንርኢ ይግበኣና፡-
-
እቲ ኣምላኻዊ እምነት ዝተገብረሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመሪሕነት ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዝገበሮ እቕረ ዘይበሃሎ ክሕደትን ጥልመትን፤
-
ህዝቢ ኤርትራ ታሪኹን ባህሉን ወግዑን ሕግታቱን ጥራሕ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ናይ ብሰላም ምንባር መሰሉ እናተጋህሰ ምጽቃጡ፤ እቲ ቀዳማይ ቍልዒ ሓዊ እቲ ካልኣይ ድማ መባርዒ ላምባ ኮይኖም፡ እንሆ ንሃገርና ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ገምገም ኣብጺሖሙዋ።
እቲ ድሒሩ ዝመጽእ ሕቶ ከኣ፡ “ እሞ ሕጂኸ እንታይ እገበር ? ” ንዝብል ዛዕባ ምምላስ‘ዩ። ብወገነይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ክልተ ብሰንጣቒት ዝፈላለዩ፡ ማለት ጀግንነትን ኣላሽነትን ዝመግለጺኡ ታሪኽ ክህልዎ ስነ-መጎታዊ ሓቂ ኣይኮነን። እዚ ሓደ ርብዒ ዘመን ዘርኣዮ ስቕታን ምእዙዝነትን እምበኣር፡ ዘይተጸንዐ ተበግሶ ብምውሳዱ፡ ነታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኽበት ስማዊት ነጻነት ከይስእናን፡ ዕላማ ቃልሱ ከንቱ ከይከውንን ኣብ ምስትብሃል ዝተመርኮሰ ስቕታ እዩ ኢልካ ክምኽነ እኳ እንተተፈተነ፡ ክሳብ ክንድ‘ዚ ዝኣክል ሃገራዊ ዕንወት ዘስዕብ ‘‘ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እናበልካ ” ምጥቓዕ ግን ዘየገርም ኣይኮነን፡፡
ድሕሪ‘ዚ ኩሉ ስቕታን ሳዕቤናቱን ግን፡ ሎምስ ፦
-
እዚ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምጽራግ ዓቢ ተራ ዝነበሮ መሪሕነት፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ካብኡ ዝልዓለ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል‘ዩ ዝብል፡ ኣስተብህሎ ዘይተገብረሉ እምነት፡ ግጉይን ሓደገኛን ምዃኑ፤
-
እዚ ምሉእ እምነት ዝተለገሰሉ ገባርን ሓዳግን ኢሳያስ ትዕቢት ሰንጢቑዎ፡ ሰብኣዊ ሕልናን ስነምግባርን ኣጥፊኡ ኣብ ኣራዊት ዝተቐየረ ፍጡር ምዃኑ ንምስትብሃል፡ ልዕሊ‘ቲ ንነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ ደጊምና ክንከስር ምኽኣልና ብዘየዳግም ተማሂርናሉ ክንከውን ይግባእ።
እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ‘ዚ ስርዓት‘ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሰናይን ፍትሓውን ምሕደራ ክህሉ ከም ዘይክእል፡ በዚ ናይ ትማሊ ዘውጽኦ ግዜ ዘይህብ፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጐደሎ፡ ህጹጽ ምእዋጅ ናይ ኣብ መስርሕ ዘሎ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣረጋጊጹዎ እዩ።
እዚ ኣዋጅ‘ዚ እምበኣር፡ ነቲ ጨጓሩ ንታሕቲ ልሙጹ ንላዕሊ ጌሩ እናተሳቐየ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ነቲ ሓቀኛ ጀግንነታዊ ባህሪኡ ደጊሙ ከመስክር ዝጽውዕ መድረኻዊ ናይ ቃልሲ ደወል እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ፡ መልሲ ህዝብና ክልወጥ (ክጽረግ) ዘለዎስ፡ ስርዓት ህግደፍን ፖሊሲታቱን እምበር ናቕፋ ኣይኮነን ኢሉ፡ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ሓቢሩ ንለውጢ ክብገስ፡ እቲ ቀንድን ኣማራጺ ዘየብሉን ናብ “ድሕሪ ጸልማት ዘሎ ብርሃን> ዝወስድ ጐደና ምዃኑ ተረዲኡ ነዚ ሰሪቡ ዘሎ ናይ ተስፋ ደበና ክጥቀመሉ ይግባእ።
ፍትሒ ይንገስ!
ምልኪ ይፍረስ!
ዓንድጽዮን ግርማይ
ጀርመን
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290