ዓለም/ለኸ ምጥርናፍ ሕዝባዊ ምንቅቃሳት እንታይ ማለት ኢዩ
2015-12-29 06:04:36 Written by ብፍስሓ ናይር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2279 timesOrganizing Global Diaspora Eritrean Civil Society Movement- what does it mean?
ኣድላይነት ናይ ምጥርናፍ ኤርትራዊ ሕዝባዊ ምልዕዓል ካብቲ ኣብ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድጋፍ ኮምስዮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተራእየ ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ ከተማ ንዩዮርክ ዝተራእየ ተሳታፍነት ናይ ሕዝቢ ኢዩ፣ ነዚ ምልዕዓል ንቅጽልን ዝያዳ ኣድማዒ ኮይኑ፣ ሕዝቢ ኣካል ናይዚ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን፣ ናቶም ብርኪ ናይ ሓላፍነትን፣ንክዕወት ድማ ግደኦም ክጻወቱ ዘዕድም ኢዩ፣ እዚ ድማ መር ኣያ ሕዝብና ክሳብ ክንደይ ድልዊ ከምዘሎ ዘር እየና ምልክት ኢዩ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ደሞክራስያዊ ስር ዓት ተሳትፎ ሕዝቢ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ከሎ ኢዩ ብዙሕ ግዜ ተሳታፍነት ዝርኤ፣ ኣብ ህልዊ ኩነታትና ግን ተሳትፍነት ናይ ሕዝቢ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ካብ ብሕጂ ተሳትፎ ኡ ምስ ዘረጋግጽ እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልክነት ክርከብ ዝከኣል ሓደጋታት እውን ዕድል ኣይረክብን ደጊሙ ናብ ሓዲሽ ምልክነት ከየመርሕ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሔ ናይ ሕዝቢ ተሳትፍነት ንምስሓብ ከም ንኣብነት ዋ ዕላታት ፣ ሰሚናራት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እውን ሓደ መድረኻት ኢዩ ነሩ፣ እዚ ዋዕላታት እዚ ድማ ዕላማታቱ ምትእምማንን፣ ምርግጋጽ ተሳታፍነት ናይ ኩሎም ተዋሳእቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ ዝነበረ፡፤
እቲ ኣገዳሲ ናይ ተሳታፍነት ወኪል እቲ ብማሕበራዊ ጉዳያት ተመራመርቲ ( Social Scientist)፣ በርገሳዊ ማሕበር (Civil Society) ብዝብል ዝፍለጥ ኢዩ። በርገሳዊ ማሕበር ማለት እኩባት ማሕበራት ኣብ ዝኾነ ማሕበር/ሰብ ዝቅልቀል፣ ነጻ ካብ መንግስቲ ብመሰል ዜጋታቱ ዝጣበቅ ማለት ኢዩ፣ ንሱ ድማ፣ ማሕበር ጠበቃታት፣ ማሕበር ሰብኣዊ መስላት፣ ማሕበር ስፖርተኛታት፣ ናይ ሙያ ማሕበራት፣ ናይ ሰራሕታኛታት ማሕበራት፣ ዝኾነ ምጥርናፍ ብድልየቱን ነጻ ኣቋቁማን ዘለዎም ዝምስርትዎ ኣወዳድባ ኢዩ፡፤ እዚ ኣብ ደንበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝድለ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት ከረጋግጽ ዝኽእል ምስዚ መጽናዕቲ በዞም social scientists ዝቀረበ ክለሳ ሓሳብ ይሰማማዕዶ ወይስ ንድሕሪ ሕጂ እየን ክቆማ ዘለወን፣ ን ኣብነት፣ እቲ ኣብ ቱኒስያ ኣብ ምስግጋር መስርሕ ደሞክራስያ ከም መንጎኛ ኮይኑ ዓቢይ ግደ ዝተጻወተ ማሕበራት፣ ናይ ጠበቃታት ማሕበር፣ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር፣ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት፣ ኮንፈደራላዊ ማሕበር ኢንዱስትርን ንግድን ማሕበራት ብሳላኦም እቲ ናይ 2011 ብጃስሚን ዝፍለጥ ቃልሲ ንደሞክራስዊ ለውጢ ብሰላም ከምዝሰጋገር ኣኽኢልዎ፣ እምበኣር ግደ በርገሳዊ ምጥርናፍ ዓቢይ ምዃኑ በዚ ኣብነታት እዚ ክንርድኦ ንኽእል፡፤
What is civil Society?
Civil society is the conglomeration of organizations and associations which spring up in any society. They are independent of government or political parties and reflective of the interests of their citizens. They are voluntary and autonomous in their formation. The role of civil society associations in the Eritrean perspective need more academic analysis. The discussions going in Eritrean Paltalks are not based on scientific studies but simple general views of the discussants of the group in each room of talks. Let us instead perform study groups in each resident country where we live.
More on democratization and conflicts in Africa will follow.
ሐደ ደሞክራስያዊ መስርሕ ብዘይ ጥዑይ ተሳታፍነት ክረጋገጽን ክድልድልን ኣይኽእልን፣ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ መንጎ ሕዝብን ፖሊቲካዊ ውድባትን ዝዋሳእ ነጻ ምንቅስቃስ ናይ ሕዝቢ ኢዩ። በዚ ውደባ ናይ በርገሳዊ ምንቅስቃሳት ኣቢሉ ድማ ሕዝቢ ዝሳተፍን፣ ንፖሊቲካዊ መራሕቲ ወይ መንግስቲ ዝነቅፍን፣ እቲ ናይ በርገሳዊ ምጥርናፍ ሓያልነት ናቱ ነጻ ወሳነታት ምውሳድ ኢዩ፡፤ በዚ ምኽንያትዚ ድማ ኢዩ መስርሕ ምጥርናፍ ኣብ ተሳትፍነት ናይ ሕዝቢ ዓቢይ ግደ ዘለዎ። በርገሳዊ ምንቅስቃሳት ካብ መርሕነታት ፖሊቲካዊ ውድባት ይኹን መንግስቲ መመርሕታት ኣይወስድን፣ በርገሳዊ ምንቅስቃሳት ከም መስኖ ናይ ተሳታፍነትን፣ ከም ኡ ድማ ናይ ምቁጽጻርን፣ ምምዛንን ንፖሊቲካዊ ሰልፍታትን መንግስትን ኮይኑ ተሓታትነትን፣ ግሉጽነትን ብዘረጋግጽ መገዲ፣ ብፍላይ ድማ ፖሊቲካዊ ውድባት ድኹማትን፣ እቲ ሕዝቢ ዝጠልቦ ከማልኣ ኣብ ዘይኽእላላኡ እዋን ዝነጥፍ ምንቅስቃሳት ናይ ሕዝቢ ማሕበራት ኢዩ።
Civil Socity acts both as a channel for participation and to provide useful checks and balances on political parties and government, ensuring accountability and transparency. The guiding principles in any democratic system are accountability, transparency and participation.
ብስነ/ሓሳብ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ በርገሳዊ ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ውድባትን፣ ነንሕድሕዱ ዘሕይል እምበር ዝጻረር ኣይኮነን። በርገሳዊ ምንቅስቃስ ደሞክራስያውነት ዝቅበል ጥራሕ ዘይኮነ ብኣንጻሩ፣ ነቲ መስርሕ ናይ ምስግጋር ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ዘቀላጥፍ ኢዩ፡፤
ፖሊቲካዊ ኣፈታትሓ ጉዳያት ኩሉ ግዜ ብሕዝቢ ምስ ዝውነኑ ዕዉታት ይኾኑ፣ ኣገዲድካ ብሓይሊ እተምጽኦ ፍታሕ ነባሪ ኣይኮነን፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዚ ናትና ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ክሰጋገራ ከለዋ እቲ መስርሕ ንኩሎም ኣኪቡ ዘይኮነስ ንገለ ኣግሊልካ ወይ ገዲፍካ ምስቶም ምሳኻ ዝሰማምዑ ጥራሕ ምስዝኸውን፣ እቶም ኣግሊልካ ዝገደፍካዮም ነቲ መስርሕ ክዕንቅፍዎ ይኽእሉ፣ ሰለዚ መስርሕ ናይ ዘተ ንኩሉ ዝጥርንፍ ክኽውን ኣለዎ፣ እቲ መስርሕ ናይ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብዚ መትከል ናይ ኩሉ ዝብል ክምስረት ኣለዎ፡፤
ግደ ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ መርስሕ ምስግጋር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንምቅያር ይቃለሱ፣ ፖሊቲካዊ ውድባት ማለት ዜጋታት ሃገር ናቶም ፖሊቲካዊ ምርጫታቶም ዘመሓላልፉሉን ዝሳተፉሉን ፖሊቲካዊ ዓውዲ ኢዩ፡፤ እሞ ኣብዚ ግዜዚ ግደ ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ክልለን ክፍለጥን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ይኹን ክሳብ ሕጂ እቲ ዝምድናን ኣሰራርሐን ንጹር የለን፣ ክልቲኦም ኣወዳድባን ግደን ከምተወዳደርቲ ክወስድዎ ጸኒሖምን አለዉን፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ተረድኦ ኣብዚ እዋንዚ፣ ፈሊጥናን ነቂሕናን እንተዘይጸናሕና እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልክነት ክንምስርቶ ንደልዮ ናይ ሕዝቢ መንግስቲ ዋሕስና ኣይክረክብን እሞ ሳዕበናቱ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝብትን ከይከውን ካብ ሎሚ ጀሚርና፣ እቲ ኣብ ምልዕዓል ናይ ሕዝቢ ኣብ ዳያስፖራ ኤርትራ ንደንበ ተቃውሞ ዘሕይልን ዘሳልጥን፣ ከምኡ ድማ ቅድመ/ኩነት ኣገዳሲ ንምሕናጽ ደሞክራስያዊ ማሕበረ/ሰብ ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ ዘዘሎናዮ ሃገራት ዘተ ከነካይድን ክንውድብን መብጽዓ ናይዚ ዓመትዚ ይኹን።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290