ዞባ ኣውሮጳ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2015-04-19 12:07:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2178 times

ብ17 ሚያዝያ 2015 ኣኼባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ -ዞባ ኣውሮጳ ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ዞባ ኣውሮጳ፡ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ብሓፈሻ ብዛዕባ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ጣልያን ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ህልቂት ናይ ስደተኛታት ንህልቂት ናይ ላምፓዱዛ ዝመሳሰል ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ሓዘንን ጓህን ህዝቢ ኤርትራ ጌና ኣይተወድአን ኢሉ።

ብዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ናብ ሃገረን ዝርዓዳ መንግስታት ኣውሮጳ ድማ፡ ናብ ኤርትራ ልኡኻተን ብምስዳድ፡ ነዚ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ደው ዘብላሉ ብልሓት ንምርካብ ይጽዕራ ከምዘለዋ ኣብሪሁ። ሃገራት ኣውሮጳ፡ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዝገብርዎ ርክብ፡ ጠንቂ ናይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘይምህላው፡ ውልቃዊ ናጽነታት ዘይኽበረላ ሃገር ስለዝዀነት ኢያ'ሞ ኣብ'ዚ መዳያት'ዚ ምምሕያሻት ክተኣታቱ ክጠልቡ ከለዉ፤ ስርዓት ኤርትራ ከኣ፡ ከም'ቲ ልሙድ፡ እቲ ጸገም ንሕና ዝዓነወት ሃገር ኢና ተረኪብና፡ ኣብ ኣይውግእ ኣይሰላም ዝዀነ ኵነታት ኢና ንርከብ፤ ሓገዝ እንተተገይሩልና ግን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክንድርቶ ኢና፤ ይቕሬታ ንዝሓተቱ ብዘይ ሕጊ ካብ ሃገሮም ንዝወጹ ዜጋታት ምሕረት ክንገብር ኢና፡ ቅዋም ክንነድፍ ኢና ዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ክገብር ኢዩ ዝስማዕ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ እቲ ብይን ናይ ዶብ ኣብ ግብሪ ኝክውዕል ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጥታት ክገብራ፤ ነቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ንሃገር ዝኸድዑ ገይሩ ናይ ምቕራብ ፈተነታት ከምዘካይድ ሓቢሩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ሃገራት ኣውሮጳ፡ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ናዕቢታት ዘስዓቦ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታትን ጥሩፍነትን ስለዝሰግኡ፡ ንረብሓኦም ክብሉ ምስ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ክተሓባበሩ ከምዝኽእሉ ህልው ኵነታት ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ ኢሉ። ነዚ ኵነታት'ዚ ንምብዳህ፡ ኵሎም ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝዀኑ ውድባት፡ ሰልፍታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ቅዋም፡ ግዝኣተ-ሕጂ፡ ሰላም፡ ልዑላውነት፡ ሓድነት ናይ ህዝቢ ንምርግጋጽ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ብምጽዋዕ መግለጺኡ ደምዲሙ።

ብድሕር'ዚ፡ ኣብ'ቲ ዛዕባታት ናይ'ቲ ኣኼባ ብምእታው፡ ንሰፊሕ በዓል (ፈስቲቫል) 2015 ዝምልከት ክሳብ'ዚ እዋን'ዚ ተገይሩ ዘሎ ምድላዋት ብዝርዝር ሓቢሩ። ኣስዕቡ፡ ብዛዕባ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መሰረታት ወሪዱ ዘድሊ ምይይጥ ተኻይድሉ፡ ንምምሕያሽ ዝምልከቱ ርእይቶታትን ለበዋታትን ናብ ዝምልከቶ ኣካል በጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ። ንድፊ ቅዋም ከኣ፡ ናብ መሰረታት ወሪዱ ኣሎ። ናይ መሰረታት ርእይቶ ብስርዒታዊ መስኖታቱ ኣቢሉ ናብ ዞባ ሽማግለን ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ጕባኤን ክበጽሕ ምዃኑ ውን ኣብሪሁ። ብዛዕባ ጕባኤ ዞ ብዝምልከት ከኣ፡ ድሕሪ ጕባኤ ሰልፊ እንተዀነ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣኼበኛታት፡ ኣብ'ቲ ብኣቦ መንበር ዝቐረበ ዛዕባታትን መግለጺታትን ብዕምቆት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ሃናጽን ጠቓምን ሓሳባትን ለበዋታትን ብምቕራብ፡ ኣኼባ ብናይ ምርድዳእን ናይ ንስራሕ ዝብል መንፈስን ተዛዚሙ።

Last modified on Sunday, 19 April 2015 14:10