ንዝኽሪ ንጹሓት ኣብ ሊብያ ዝጠፍኡ፣ ኣብከተማ ጀኔቭ፣ ሰላማዊ ሰልፍን፣ ሸምዓ ምዉላዕን፣

2015-04-22 22:17:17 Written by  ግዱሳት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2041 times

ዕለት 25 ሚያዝያ ቀዳም 2015ዓም

ኣብ ሊብያ፣ ብየዘይሓደ በደል  "ክርስትያን ጥራይ ብሙዃኖም" ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብሓይሊ "ኢስላም በሃልቲ" ንዝተሓርዱ ንዝተቐንጸሉን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፋፈት ኤውሮጳ መርከብ ተሰራ ንሞት ዝተጸጥሑን፣ ንምዝካርን ምስ ስድራቤታቶም ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ከምዝኾናን ዘርኢ፣ ነዚ ኢሰብኣብውነት ተቓዉሞና መታን ክንገልጽ፣ ብጸታ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ከምኡውን ሸምዓ ክንዉልዕን'ና። ነዚ ሞት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዘይኣፈላላይ ክልተ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ ካልኦት ፈተውቲ ፍትሒ ጎኒንጎኒ ኮና ክነካይዶ'ና።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት 13:30 ካብ 14 ሮንድ ፑዋ ሪቭ (14h au rond-point de Rive ) ተበጊስና ኣብ ፓርክ ባስቲዮን (parc des bastions, devant le mur des Réformateurs) ኣብ ቅድሚ ሃውልትታት ናይ ዓበይቲ ስዊስ ንለውጢ ዝተቓለሱ ክውዳእ'ዩ።

ሰብኣውነት፣ ሃይማኖት የብሉን ከምኡ'ውን ዜግነትን ርኣይቶ ፖሎቲካን የብሉን።

ኣብ'ሰላማዊ ሰልፊ ብብዝሒ ተኻፊልና መግለጺ ሰብኣውነትና ይኹን።

ዝሰምዔ ንዘይሰምዔ ከመሓላልፍ ሓደራ ንብል።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝኽሪ ንጹሓትዩ፣ ዝኾነ ካልእ ተወሳኺ የብሉን።

ጸዋዕቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ግዱሳት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን  

Last modified on Thursday, 23 April 2015 00:28