ደንበ ተቃውሞ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ከኽብሩ ተሰማሚዖም ( ሰባር ዜና ካብ ሃገረ ስዊደን/ Breaking News)

2015-04-19 09:02:47 Written by  SESADU/ Swedish- Eritrean Community For democratic Partnership Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2276 times

 

Sesadu 2ሕዝባዊ መግለጺ-ስዊደን        

ጽላል ስዊደናውያን/ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ትማሊ ቀዳም ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካዪዱ። ኣብዚ አኼባ እዚ ካብቶም ወሪዶም ዝነበሩ ዛዕባታት እቲ ቀንዲ መካትዕን መዛረብን ዝነበረ ድማ ከመይ ገርና ኢና ናብ ናይ ሓባር ራእይ ከመርሓና ዝኽእል ንባህግታት ድልየትን ሕዝብና ዘማልእ ስትራተጂ ንሕነጽ ዝብል ኢዩ ነሩ።

ኣብ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ማዕበል በብግዜኡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ዝንባለታት ክረኣዩ ባህርያውን ናይ ግድን ኢዩ፣ እቲ ሕቶ ነዚ ዝንባላታት እዚ ከመይ ገርካ ትኣልዮን ተመሓድሮን ኢዩ።

አኼባ ኣባላት ጽላል ብሰፊሑ ብኩነታት ደንበ ተቃውም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ካብ 2001 ጀሚሩ ክሳብ ኣብዚ ግዜዚ ዝተጓነፎ ብድሆታትን ዕድላትን ብህዱእ ተመያዪጡን ተረዳዲኡን።

አኼባ ኣባላት ጽላል ንዝኾነ ተበግሶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ መን ኣበገሶ ብዘየግድስ ብጽቡቅ መንፈስ ክቅበል ከምዝጸንሔን ሕጂ እውን እንተኾነ በዚ እምነቶ እዚ ዝኾነ ምንቅስቃስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ዝመጽእ መርሓባ ኢልና ንቅበሎን ነተባብዖን ምኽንያቱ እቲ እንካይዶ ሕዝባዊ ጉዳይ እምበር ናይ ውልቀ ዝናን ስልጣንን ብሕታውን ጉዳይ ኣይኮነን ብዝብል ኣረዳድኣ ኣሰሚሩሉ።

ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ተዋፋይነትን እምነትን ኢዩ። በዚ መትከላዊ እምንቶ ድማ ኢና ንኩሉ ዝገጥመና ተጻብኦታት ብልዝብ ክንፈትሕ ጽኒሕና።ሕጂ እውን እንተኾነ ነቲ ተበግሶ ናይ ምቅርራብን ናብ ናይ ሓባር ስራሕ ዝመርሓና ከነዋሃህድ ብወገና ጸገም የለን።

እቲ ኣብዚ ግዜዚ ክኽበር ዘለዎ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓንሳብ ምስቶም ሓይሊ ዕማም ነዚ መደብ ሒዞም ዘለዉ ክሳተፉ እቲ ኣኼባ ኣባላት ጽላል ወሲኑ፣ ተማ ጽንብል እምቢ ንምልኪ ናይ ሓባር መልእኽትና ኢዩ፣ እቶም ነዚ ጽንብልዚ እዚ ዓጂቦም ንሕዝብና ዘነቃቅሑን ዘለዓዕሉን ድማ ናይታ ጽባሕ ንጽበያ ኤርትራ ወረስቲ ቃልስና ኢዮም ቅድም ቀዳድም እውን ብሰንኪ በብይንናን ክንከይድ ብምጽናሕን ሓቀኛ ሓበረታ ብዘይ ምርካብን ምንባሩ እቲ ኣኼባ ኣሰሚሩሉ፡፤

ሎሚ ድማ ናይ ሓባር ስራሕና "ክንበል በለ እምበር ኣይተኻዕወን" ስለዚ ምእንቲ ድህነት ሕዝብና ሃገርናን፣ ነዚ ተሪኻዊ መዓልቲ ብሓባር ከነኽብሮን ንትስፉእ መጻኢ ድማ ኣብ ኩሉ ቃልስታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊደን ብምውህሃድን ምርድዳእን ክኸውን እቲ አኼባ ለበዋኡ ኣቅሪቡ።

 


[1]SESADU is a Swedish- Eritrean Community for democratic change established and registered in 2009 in Stockholm. Membership is open to all Eritreans struggling for democracy and human rights. It has achieved a lot in Sweden by influencing the swedish political opinion, awakening and engaging the people against the dictatorship in Eritrea. It has been supporting all forces for democratic change. For further information see our home page by; www.sesadu.se

Last modified on Sunday, 19 April 2015 11:18