ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ናብ ዝርከቡ ዜጋታቶምን ናይ ሓባር መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብዚ መጸዋኦታኦም ኣብዚ ኣንጻር ሓደገኛን ዝያዳ ዘስፋሕፍሕን ኮይንሉ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብሰንኪቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ካብ ካለኦት ዝያዳ ኤርትራውያን ክሃሲ ዝኽእል ብምጥቃ ለበዳ ኮረኖ ቫይረስ ንውግእ ዝያዳ ምድላው ክገብሩንን ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስዱን ጸዊዑ። 

ነዚ መልእኽቲ ብሓባር ዘመሓላለፉ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ስለ ዘይረኸቡ፡ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ውድብ ሕድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓለ)ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)እዮም።

እቲ ብ31 መጋቢት 2020 ዝወጸ ሓባራዊ መጸዋዕታ፡ ኣብቲ ናብ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ “ነቲ ሓደገኛ ኩነታት ብጥንቃቐ ኣቕልብሉ” ብዝብል፡ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲን ዳይረተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስን ተላኢኹ። ናይዚ መልእኽቲ ቅዳሕ ከኣ ናብ ካለኦት ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበሙለን ናብ ዘለዋ  ሃገራት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናብ መንግስታት ሱዳን ኢትዮጵያን እስራኤልን ተላኢኹ።

እዚ ምሕጽንታ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ዘዘኻኸሮ፡ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ፡ ዘቤታዊ ማሕበረ-ኮማዊ ትካላት ዘየለ፡ ገበርቲ ሰናይ፡ ካብ ዝምስረታዊ ነዊሕ ዕድመ ዝነበረን ሃይማኖታዊ ናይ ረዲአት ትካላትን ናይ ማሕበራዊ ድሕንነት መርበባትን ብፍሉይ ሜላ ከም ዝዓነዋ ጠቒሱ።

ኣብቲ ብ1 ማዝያ 2020  ብትግርኛን ዓረብን ተዳልዩ ብቐጥታ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ከኣ፡ ብፍላይ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን መደበራት ስደተኛታትን  ንምድሓት ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ምግባር ዝምልከት እዩ።

እቲ መልእኽቲ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ናይቲ ተላጋቢ ሕማምን ኣብቲ ኤርትራውያን ተዳጒነምሉ ዘለዉ ዝተጻበበ ኣብያተ-ማእሰርትን መንእሰያት ኣብ ጉረባብቲ ሃገራት ተኣኪበምሉ ዘለዉ መደበራትን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ብዘለዉ ናይ ጥዕና ክኢላታትን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ንጡፋት ምስ ናይ ጥዕና ክኢላታት ብምትሕብባር ብዛዓብቲ ሕማም ይህብዎ ንዘለዉ  መምርሕታትን ምኽርን ክከታተል ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፉ፡ 

  1. ኩሉ ኤርትራዊ በዚ ተላጋቢ ሕማም ብዘየቃልዖ ኣገባብ ክንቀሳቐስ።
  2. ነቲ ልሙድ መታለሊ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ወፈራ ብትኹረት ምክትታል።
  3. ንኣሕዋት ህዝብታትን ሓይልታትን፡ ስርዓት ኤርትራ እሱራት ክፈትሕን ኣብ ግዱድ ውትህድርና ዘለዉ መንእሰያት ከፋኑን ሓያል ተጽዕኖ ንክገብሩ ተሪር ጥርዓን ምቕራብ።
  4. ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ብክልኻልን ብሓባር፡ ብዛዕባቲ ህዝቢ ካብ ባንክ ካብ 5ሺሕ ናቕፋ (300 ዶላር) ንላዕሊ ከየውጽእ ተነቢርዎ ዘሎ እገዳ ክሓቱ።
  5. ኣብ ርእሲ እዚ፡ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብሚልዮናት ዝግመት ካብ ሽያጥ ማዕድናት ዝተኣከበ፡ ካብ ኣገልግሎት ወደባት ዝተረኽበን ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝተለገሰን ገንዘብ ኣብ ምኽልኻልዚ ሓያል ተላጋቢ ሕማም ክውዕል ክሓቱ። 

ህጹጽ ሓባራዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ!

ካብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራርዲ - ኮምሽነር ላዕላዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ

ክቡር ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም - ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕላሊ - ጀነቫ

ቅዳሕ፡-

ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቆብቲ ሃገራት

31 መጋቢት 2020

ጉዳይ፡-

ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ጸረ-መቕዘፍቲ ኮሮና ቫይሩስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕጽንታ

ክቡር ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ

ክቡር ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር. ተድሮስ ኣድሓኖም

 ንሕና ፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ስደት እንውክል፣ ናብ ክብርነትኩም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዚ ኣገዳሲ ምሕጽንታ ከነቕርበልኩም ከለና ሓላፍነትና ምዃኑ ብግቡእ ብምግንዛብ እዩ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና፡ ናይ’ዚ ምሕጽንታ’ዚ ቅዳሓት ከኣ ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ’ውን ዝምልከተን ሕቡራት ሃገራት ኣካላትን፣ ብፍላይ ድማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤልን ሊብያን ክወሃብ ምዃኑ ከነፍልጥ ንፈቱ። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሃለዋት ናይ’ዞም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተበቲኖም ዝተፈላለየ ወጽዓታት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቓልቦን ቆላሕታን ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ፣

እዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (ኮሮና  ቫይሩስ) ዝላባዕ ዘሎ ሕማም’ዚ፣ ናብ’ተን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋን፣ ኣብ ተነካኢ ዝዀነ ክፍለ-ዓለም ዝርከባን፣ ነዚ ናይ ኮሮና ቫይሩስ ለበዳ ንምግጣም ዘይተቐረባ፣ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት ድሮ እቲ ለበዳ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ኲነታት ኮሮና ቫይሩስ ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ነውጺ ዘለዎ ቦታታት ምዃኑ ከኣ ብምስትውዓል፡ ብዙሓት ካብ ህዝብና ድማ እቲ ቀንድን መሰረታውን ባእታ ዝዀነ መከላኸሊ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ኢድ ምሕጻብ ብምዃኑ፣ ኢድ መሕጸቢ ዝዀኑ መሳለጢታት ከም ማይ ኮነ ሳምና ናይ ምርካብ ዘለዎም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፣ በዚ ተላባዒ ሕማም’ዚ ምኽንያት ክቕዘፉ ዘሎ ተኽእሎታት ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ንዓና ኣዝዩ የሰክፈናን የተሓሳስበና’ዩ። ብምዃኑ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣብ ግዜኡ ህጹጽ ኣትኩሮ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መታን ክረክብ ብሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተመሪሑን ተወሃሂዱን ዕቱብ ተበግሶ ክውሰድ ኣትሪርና ንምሕጸን።

ብእምነትና፣ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማት ብዙሕ መንእሰያዊ ሓይሊ ካብ ህዝብና፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣረጋውያንን ኣብ ተኣፋፍን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንድሕሪት ገዲፎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ፣ ካባኻትኩም ዝተኸወለ እዩ ኣይንብልን። ብካልእ ወገን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ነቶም ንድኹማት ሓገዝ ክህቡ ዝጸንሑ ግብረ-ሰናይን ሃይማኖታዊ ትካላትን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ትካላትን ኩሎም ኰነ ተባሂሉ ብመደብ እቲ ዘሎ መንግስቲ ኣፈራሪስዎም ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ካብ ዘቋርጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም እዮም።  

 ክቡራት ኣህጉራውያን ሰብ-መዚ!

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ኲነታት ተዳኺሙን ነብሱ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኲነታት ከም ዘየብሉን ርኡይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ፣ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ካብ 300 ንላዕሊ ዝኸውን ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ተጸፋጺፉ መሊኡ ምህላዉ፣ ነዚ ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ’ዚ ክከላኸል ዝኽእል ዓቕምን መሳርሕን የብሉን። እቲ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ግፋን ዝእከብ ዘሎ ናይ ባርነት ስራሕ ዝሰርሕን፣ ገዚፍ ኣሃዱታት ሰራዊት እንተዀነ’ውን ኣዝዩ ጻዕቂ ኣብ ዘለዎ “መደበራት” ስለ ዝነብር ነዚ ለበዳ ሕማም’ዚ ንኽላባዕ ክፉት ዕድል ዝህብ ኲነታት እዩ ዘሎ።  

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ መዕቆቢ “መደበራትን” ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መዕቆቢታትን ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስሉጥ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ተዋሳእቲ ብተግባር ዝንቀሳቐሱ እንተዘይሃልዮም፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ’ዚ ለበዳ’ዚ ክኾንሉ ዝኽእሉ ዕድላት ዓቢ እዩ። ኣብ መደበር ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እተን ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ብተገዳስነት እንተደኣ ብዝምልከቶም ኣካላት፣ ብፍላይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ሰብ-መዚ፡ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝን ምኽርን ዘይተሓዊስዎ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ኮሮና ቫይሩስ ኰይኖም ንሓደጋ ክሳጥሑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።

ብምዃኑ እምበኣር “ኮቪድ-19” ናብ ኤርትራ ከይላባዕ ንምክልኻል፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርአ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ብጻዕቂ ዝቕመጥሉ ኲነታት ስለ ዘሎን፣ ሓደጋ ኮሮና ቫይሩስ ከይዝርጋሕ ንምክልኻል፣ ኣትሪርና ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሎ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ ብፍላይ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ንምሕጸን፡-  

  • ኣብ’ዘን ኤርትራውያን ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ቦታታት እኩል ናይ ክንክን ጥዕና ማእከላት እኹል ቀረባት ናይ ማይ፡ መሕጸቢ ሳምናታት፡ ጸረ-ለኽፊ ዝዀኑ ፈሰስቲ፡ “ጓንቲ”፡ መሸፈኒ ኣፍን ንጽርየት ዘገልግሉ ወረቓቕትን ከም ዝህሉ ምግባር፣
  • እቶም ቦታዊ ናይ ክንክን ጥዕና መርበባትን ትካላትን በዚ እከይን ሓደገኛ ኮሮና ቫይሩስ ዝተለኽፉን ዘይተለኽፉን መፍለጢ ዝኸውን ናይ መመርመሪናውትን መሳለጢታትን ከም ዝህልዎም ምርግጋጽ፣
  • ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ መደበር ስደተኛታትንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ሓደገኛ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መቕዘፍቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምድሓን ዝከኣሎም ክገብሩ፣

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

ብእምነትና ትሕዝቶ እዚ እነቕርበልኩም ዘለና ኣገዳስን ሕልኽልኽ ዝመልኦ ኲነታት ናይ’ዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጥ ሃገር ከምኡ’ውን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዘሎ ለበዳ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ትርድእዎ ኢኹም ኢልና ንኣምን።

ኣኽበርትኹም፡-

ኣቦ-መንበራት፣

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓደለ)
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ(ሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)

The entire ensemble of Eritrean political forces in exile have issued joint statements to the international humanitarian community and their own compatriots at home and in exile to make an extraordinarily especial preparation and concrete action to fight the fast looming dangers of the corona-virus pandemic which can harm more Eritreans than others because of the sad situation of Eritrea and its people.

Both joint messages were from the Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC); the Eritrean National Front (ENF); the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP);  the Organization  of Unity for Democratic Change (UDC); United Eritreans for Justice (UEJ) and the Red Sea Afar Democratic Organization (RSADO), all in exile because political organizations are not allowed to function inside Eritrea.

Appeal to the World Community:

Their joint  31 March appeal to the world humanitarian community urging for “seriously look at the precarious situation” in Eritrea was addressed to the UNHCR High Commissioner Filippo Grandi and the WHO Director General, Dr. Tedros Adhanom  Ghebreyesus, with copies to other humanitarian bodies and  Governments hosting Eritrean refugees, on top of them the Sudan, Ethiopia and Israel.

The appeal reminded the global community that the situation in Eritrea should concern  everybody because Eritrea is now a place where “local community structures, charities and long-established religious support institutions and other societal safety networks have been systematically demolished and exist no more.” (See full appeal below).

Message to the Eritrean People:

Their other message of 1 April, prepared both in Arabic and Tigrigna, was a direct address to every Eritrean to do all what is possible to save many Eritrean lives, especially at home and at the refugee camps.  

After giving guidelines for prevention and also extensive background on he current pandemic and its potential danger to Eritreans in congested prisons, concentration    centers of conscripts an refugee camps in the neighboring countries, the message to the   Eritrean people included calls for joint action to help health workers in Eritrea and promote awareness about the pandemic in cooperation with Eritrean health experts in diaspora. The message also included these calls:

  1. Every Eritrean conduct activities that can help vulnerable Eritreans from being harmed by the pandemic,
  2. The be  watchful  against the known deceptive voices  campaigning for funds;  
  3.  To earnestly appeal to friendly peoples and forces in the world to make pressure bear on Eritrean authorities to free prisoners and release conscripts in the “national service”;
  4. The Eritrean people and the armed forces to jointly demand for the denied right of drawing more than 5,000 Nacfa (c.$300) per month from the Eritrean banks;  
  5. Also the Eritrean people and the armed forces to ask the Eritrean authorities to use the millions obtained from the sale of minerals, use of ports and “donations” from the Arab states in the current fight against the coronavirus.  

Printed below is the full text of the appeal of Eritrean political forces to the international humanitarian community:

To:  H.E. Mr. Filippo Grandi 

High Commissioner, UNHCR, Geneva,

To: H.E. Dr. Tedros Adhanom,

Director General, WHO Geneva

CC:

Other Concerned UN Bodies,

Host Countries of Eritrean Refugees

March 31, 2020

Subject:

An Appeal for Protection of Eritreans at Home

and abroad from the Scourges of Corona virus

Dear UNHCR Commissioner, Mr.  Filippo Grandi,

Dear WHO DG, Dr. Tedros Adhanom,

We, the undersigned entities representing the ensemble of Eritrean political organizations in exile, felt the obligation of sending this earnest appeal to Your Excellencies at UNHCR and WHO, with copies to concerned UN organs and countries hosting Eritrean refugees, on top of them Sudan, Ethiopia, Yemen, Israel and Libya, in order to draw the attention of the international humanitarian community to the plight of Eritreans in many countries of the world.

We are deeply concerned, Sirs, that the pandemic caused by COVID-19 has now reached our ill prepared country and the countries in the region that provide shelter to most of the Eritrean refugees in one of world’s most conflict ridden and sensitive regions.  We are worried that, given the situation where many of our people lack access to hand washing facilities and detergents - the most effective preventive treatment, the pandemic would leave an even bigger number of people killed and cause more societal disruption than in any other country in the world. For that we need the timely and immediate attention and support of the international community led by appropriate initiatives from your esteemed organizations, the UNHCR and WHO.

We believe you are well aware of the problems in Eritrea where young people flee the country in thousands leaving the old and vulnerable at home. Local community structures, charities and long-established religious support institutions and other societal safety networks have been systematically demolished and exist no more. Most of the UN humanitarian organizations and INGOs have not been active in Eritrea for decades.

Excellencies,

The general public in today’s Eritrea is left pauperized and helpless.  The reported over 300 dungeons in the country where thousands of pollical prisoners languish under inhuman conditions are congested and poorly equipped to handle the current pandemic. Divisions of the Eritrea’s huge army of conscripts and “national service” forced-labor workers living in spartan and overcrowded camps will be an easy prey to the pandemic.

On the other hand, Eritrean refugees in camps and urban concentrations in Sudan, Ethiopia, Yemen and Israel are likely to be ravaged by this pandemic without an effective intervention of international humanitarian actors. Eritrean refugees in reception camps and temporary shelters in many countries, including in many European countries, shall be exposed to danger unless the host countries are advised and supported by concerned bodies, especially the UNHCR and WHO. 

We, therefore, strongly appeal for your most urgent measures that could prevent the spread of COVID-19 in Eritrea, and in particular in the refugee camps and urban concentration of Eritreans in several countries, especially in Africa. Needless to say, the topmost priorities of action will include:

  • Making sure that health clinics in those areas have access to adequate supply of water, detergents, disinfection liquids, gloves, masks and napkins;
  • Looking to it that local health centers and agencies have check-up facilities for timely identification of persons infected with the vicious corona virus;
  • The international humanitarian community to do what it takes to help people inside Eritrea from the scourges of this pandemic.

Dear Sirs,

We very much feel that you understand the essence of this modest call to you to seriously look at the precarious situation of the estimated four million Eritreans at home and about two million Eritreans in the diaspora who are exposed to the looming danger facing our world today.

Sincerely yours,

(Signatories) Chairpersons of

  1. Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC)
  2. Eritrean National Front (ENF)
  3. Eritrean People’s Democratic Party (EPDP)
  4. Organization Unity for Democratic Change (UDC)
  5. United Eritreans for Justice (UEJ)
  6. Red Sea Afar Democratic Organization (RSADO)

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብዘይተሓስበ ቅልጣፈ ተላቢዑ ዘሎ፣ ብኮቪድ19 ዝፍለጥ ሕማም፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ሂወት ደቂሰባት ኣውሪዲዎ ዘሎ ቅዝፈትን ኣብ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሃገራት ኣስዒብዎ ዘሎ ክሳራታታትን ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ ዓለም ናብ ሓንቲ ጸባብ ቁሸት ተሳጊራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ክፍለዓለም ናብ ክፍለዓለም ብዘሰንብድ ፍጥነት ብምልባዑ፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ን203 ሃገራትን ግዝኣታትን ዓለም ለቢዱ፡ 42,528 ህይወት ከኣ ወሲዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ክቡር ህዝብና በዚ መልእኽቲ’ዚ ኣቢልና፣ ኩነታትካ ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ኣውዲቑና ምህላዉ ብምሕባር፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምብዳህ ዝከኣለና ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸልካ። 

ሃገርና ኤርትራውን፡ ከም ኩለን ሃገራት፡ ካብዚ ሕማቕ ማዕበል' ከተምልጥ ኣይኮነትን። ብዛዕባ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ቁጽሪ ዜጋታት ድሮ 15 በጺሑ ኣሎ። እዚ ቁጽሪ' ክሳብ ሕጂ ብመርመራ ዝተረጋገጸ ቁጽሪ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ግን ካብኡ ዝበዝሐ ክኸውን ከምዝኽእል፣ ካብ ተርእዮ ናይ’ተን በዚ መድረኽ ዝሓለፋ ሃገራት ክግመት ይከኣል ኢዩ። ኣብ መጻኢ እዋን እናሰፍሐ ከምዝኸይድ'ውን ባህሪ ናይዚ ሕማም' ዝሕብሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ቁጠባዊን ተክኖሎጅያዊን ምዕባሌ ሃገረ ኤርትራ ትሑት ብምዃኑ፡ ዘመናዊ ናይ ኢንተርነትን ናይ ተለፎንን መራኸቢታት ኣጸቢቑ ድኹም ኢዩ። እዚ ድማ ቅልጡፍ ሓበሬታት ንምምሕልላፍን ስሉጥ ረዲኤት ንምርካብን ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ዜጋታት ብብዝሒ ዝእከብሉን ዝነብርሉን፡ ከም ናይ ትምህርትን መዓለሚን መደበር ሳዋን፡ ብኣማእታት ዝቁጸሩ ኣብያተ ማእሰርትን፡ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ19  ዝተቓልዑ ቦታታት እዮም። መነባብሮ ሰራዊትን "ሃገራዊ ኣገልግሎትን" እውን ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ሕማም' ዝተሳጥሐ ኢዩ። 

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይዝርጋሕ ንምዕጋት ዝሕግዙ፡ ከም ሳሙና፡ ጓንቲ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝኣመስሉ ኣገደስቲ ናይ ጽርየት ሃለኽቲ ኣቕሑ ኣብ ዕደጋ ኣይርከቡን። ኣይግበሮ'ምበር እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ሃገርና እንተተዘርጊሑ ንምግጣሙ ዘድሊ ዓቐንን ዓይነትን ናይ ሰብን መሳርሒታትን ዓቕሚ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ  

እቲ ለበዳ ከየሰፋሕፍሕ ንምክልኻል ክውሰድ ዝግባእ ተበግሶታት ዝያዳ ክብርትዕ ኣለዎ። እቲ ክስዕብ ዝኽእል ኣብ እንተታት ዝምርኰስ ሳዕቤናት ንምብዳህ ድማ ዘድሊ ምቅርራባት ኣቐዲሙ ክማላእ ይግባእ። ነዚ ብዝምልከት፦   

  • ካብዚ ተላባዒ ሕማም ገንዘባዊ መኽሰብ ንምርካብን፡ ህዝብና ነዚ ሓደገኛ ሃለዋት ንምግጣም ዘርእዮ ተወፋይነት ንምምዝማዝን፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ወፈራ፡ ህዝብና ሕጂውን ከይግራህን፡ ክጥንቀቕን፡ እናተሓሳሰብና፡ ማዕረ ሓደጋ ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ምንቅስቓስ ጥራሕ ከካይድ ነተባብዕ፤
  • እዚ ንእሱራትን ኣሰርቶምን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኤርትራውያን እሱራት ብቐጥታ ዘንጸልላዎም ዘሎ ሓደጋ ብምዃኑ፡ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፡ ኣብ ሳዋን ግዴታዊ ኣገልግሎትን ተኣኪቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ተለቒቆም ናብ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ቃልስታት ክካየድ ንጽውዕ፤
  • ኣብ ባንክታት ኤርትራ፡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከተውጽኡ ኣይትኽእሉን ብማለት ተኣሲሩ ዘሎ ገንዘብ ኤርትራውያን፡ ብመሰረት ድሌት ዋናታቱ ክፍታሕ፣ ናይ ወርቂ፡ ናይ ፖታሽ፡ ናይ ወደባት እቶት፡ ከምኡውን ካብ ሃገራት ዓረብ ብሚልዮናት ዝተለገሰ ሓገዛት፡ ናብ ምክልኻል ናይዚ ተላባዒ ሕማም ንኽውዕል ህዝብን ሰራዊትን ተጽዕኖታቱ ከበርትዕ ንጠልብ፤
  • ናይ ጥዕና ክኢላታትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብምውህሃድ፡ ነቲ ለበዳ ክከታተሉን ክቆጻጸሩን ዘኽእል ባይታ ከንጽፉ፡ ነዚ ሕማም ብዝምልከት ጽዑቕ ናይ ትምህርቲ መደብ ከዳልዉን ከተግብርዎን፡ ከምኡውን ሓባራዊ ናይ ህጹጽ መኸተ ወፍሪ ከካይዱ ንጽውዕ፤
  • ሓካይምን ናይ ጥዕና ሞያውያንን ነቲ እንተታት ብትብዓት ንምብዳህ ዘድልዮም ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብቲ ዝለዓለ መከላኸልን መሳርሕን ኣቐዲሙ ንኽዳሎ መደባት ብምስራዕ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ክነጥፉሉ ነተባብዕ። ኣብ ተሞክሮ ሃገራት ይረአ ከምዘሎ፡ ነዚ ለበዳ' ንምግጣም ዝሓተት ዓቕምን ሃብትን ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተሳትፎኦም ከበርክቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ክኢላታት፡ እምነቶምን ፖሊቲካዊ ዝንባሌታቶምን ብዘየገድስ፡ ክተሓባበሩን ተሞክሮ ክለዋወጡን ነተባብዕ፤

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ፡ እዚ ተላባዒ ሕማም ክሳብ ክንደይ ኣሰንባዲ ከም ምዃኑ መጠን፡ ማዕሪኡ ከኣ ህዝብና፡ ዝግባኦ ጥንቃቐታት ከዘውትር እናጸዋዕና፡  ክቡር ህዝብና፡ ምስ ኩሉ ሓደጋታታት ናይዚ ለበዳ፡ ነዚውን ከም’ቶም ኣቐዲምካ ዝገጠምካዮም ሽግራት፡ ብሓድነት፡ ብትብዓትን ተወፋይነትን፡ ክትሰግሮ ከም ዝኾንካ ንተኣማመን ኢና። ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ጐድንኻ ምህላውና ድማ ነረጋግጸልካ።

እዚ ዶባትን ደረታትን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብናውን ብብርቱዕ ሻቕሎት ከቢብዎ ከምዘሎ እናተገንዘብና፡ ነዚ ጽንኩር ኩነታት፡ ብጽንዓት፡ ሓድነቱ ኣትሪሩን ጥንቃቐ ተሓንጊጡን ከም  ዝምክቶ እምነትና እዩ። ብወገንና ከኣ ንኩሎም እቶም ስደተኛታትና ኣዕቊቦም ዘለዉ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣድላዪ ቆላሕታን ምክልኻልን ንከበርክቱ፡ ኩሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ከም እነካይድ ነረጋግጽ።

ጥዕና ህዝብና ንምሕላው ንተዓጠቕ!

ኤርትራ ብነጻነታ ተኸቢራ ንዘልኣለም ትንበር!

 

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)                                
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)                      
  4. ውድብ ሓድነት ሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)   
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) 

 

ኤርትራውያን ኣብ ፈታኒ ቀራና መንገዲ ካብ እንኣቱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝመጻእናዮ መንገዲ ኩሉ ሳላ ተስፋ ዘይምቑራጽና ዝተሰግረ እምበር ኩርኳሕ ዘይተፈልዮ እዩ ነይሩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን። ነቲ ኩሉ ሰጊርና ክንበጽሖ እንምነዮ ህይወት ከኣ ጌና ኣይበጻሕናዮን።

ኣብዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ጉዕዞና እቲ ብደሆ፡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ፡ ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን መሰል ምስኣን፡ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ፡ ኣብ ፍጹም ኢደወነናዊ ምልክን ኣርዑት ምውዳቕ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዘይምህላው፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ምእታው ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑ። ነዚ ኩነታት እዚ ብቃልሲ ስዒርና ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ከኣ መላእ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ጸኒሑን ኣሎ። እዚ ከም ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ ብደሆ፡ ምስ ናይ ካለኦት በዚ ንሕና ንሓልፎ ዘለና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉን ስዒረምዎ ኣብ ዓወት ዝበጽሑን ተመሳሳልነትኳ እንተለዎ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ኣብ ኤርትራ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ።

ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ እነሆ ሎሚ ካልእ መላእ ዓለም ዘንቀጥቅጥ ብደሆ ተደሪቡና። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስቲ ምሳና ዝጸንሐ ኤርትራዊ ጸገም ነናቶም መንቀሊ፡ ኣተሓሕዛን ምምሕዳር ዘለዎም ኮይኖም፡ ኣይጸላለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ክሓልፎ ዝጸንሐ ኣሻኹ ህይወት፡ እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ሕማም ዝያዳ ሃሳዪ ንክኸውን ባይታ ዝምድምደሉ እዩ። እዚ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ነተን ብኹሉ መለክዒ “ከኣልቲ ኩሉ ኢና” ኢለን፡ ናይ  መሬት ወዴን ኣብ ናይ ህዋ ውድድር ኣትየን ዝነበራ ሃገራት፡ ክሳብ ክንዲዚ ከፍረሐን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ከም ህዝብና ዝኣመሰለ ብብዙሕ ናይ ወጽዓ ቀጸላታት ክሳቐ ዝጸንሐ ከውርዶ ዝኽእል ማህሰይቲ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህዝብና ከምቲ ዝተገልጸ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ሓድሽ ናይ ሻቕሎት ምዕራፍ፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን ኣብ ዝለዓለ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ዝጸንሐ እዩ። እቲ  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣቐዲሙ እውን ንብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ከሻቕል ዝጸንሐ፡ ስእነት ጽሩይ ማይ፡ ስእነት ሓይሊ መብራህትን ስእነት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዕዳጋን ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ምስዚ ዓለም ለኻዊ ሓደጋ ተጐዝጒዙ ንህዝብና ከም ዝሃስዮ ምስትብሃል ኣድላዪ እዩ። ዓቕሚ ትካላትን ክኢላታትን ጥዕና ኣብ ኤርትራ እውን ካልእ ዘየቕስን ጉዳይ እዩ። እዚ ሕጽረት እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ከምብሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወትሩ ርኡይ ናይ ምሕባእ ኣመል ዘለዎ ጉጅለ ህግዲፍ እውን ብዘይካ “ክንድዚ ዝኾኑ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም” ዝብል መጻኢ መዋጸኦ ዘይእምት ቁርጽራጽ ሓበሬታ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ንምስጋር ከለዓዕልን ኣፍ ኣውጺኡ ሓገዝ ክሓትትን ኣይስማዕን። ወያ “ምምሕዳር ህግዲፍ  ሓገዝ መፈወሲ መሳርሕታ ኣይቅበልን ኢሉ” እትብል ሓበሬታ እውን ፈኸም ትብል ኣላ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ምጽቃጥን ካብታ ዝርካባ ሚድያኡ ምሕባእን ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ምናልባት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታት፡ ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ነብስና ስለ እንኽእል ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ” ኢሉ ከይሕክል ዘየስግእ ኣይኮነን።

እምበኣር እዚ ጉዳይዚ፡ ናብቲ ካብ ቀደሙ እውን ዝቐበጽናዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝገበረ ይግበር ኢልካ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን በቲ ልሙድ ልግስና ክንተሓጋገዝ ይግበኣና። ሓቂ እዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህግዲፍ ንኹሉ ብገዛእ ብገንዘቡ ናይ ምጥቃም መሰሉ ገዲቡ ስለ ዘድከዮ፡ ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ንዕዘቦ ዘለና ርኹባት ዝበሃሉ ወገናት ነብሶም ክኢሎም ንዜጋኦም ክሕግዙ ኣይክእሉን እዮም። ምናልባት እውን ብውሱን ዓቕሞም ሓገዝ እንተገበሩ “ካበይ ኣምጺእኩም ትሕግዙ ኣለኹም” ከይበሃሉ ዘይሰግእሉ ምኽንያት የብሎምን። ብዝኾነ ግና ዋላ እውን ንእሽቶ ትኹን፡ ንጐረቤትካን ኤርትራዊ ወገንካን ካብታ ዘላትካ ናይ ምክፋል ባህልና ሎሚ ኣብዚ ወሳኒ ኩነታት ከነዘውትሮ እዋኑ እዩ። ከምቲ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፡ ዋላ ደም ትተሓለበልካ” ዝበሃል፡ ተስፋ እውን የዕንግል እዩ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ሓሊፉ እንጸውየሉ እዋን ክመጽእ እዩ እሞ “ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” ከም ዝበሃል ልግሲ እንዳሓደረ ዘሕጉሰና ተግባር ምዃኑ ኣይንረስዕ።

ብዘይካዚ እዚ ከቢድ ጸገም ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካተን ንህግዲፍ ምጽብባቕ  ዝሓዳረን፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጠን ሚድያታት፡ ህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ዘበናዊ ሚድያ የብሉን። ሓበሬታ ቀንዲ መከላኸሊ ናይዚ ሓደገኛ ሕማም ኮይኑ ከም ዘሎ ከኣ፡ ከካብ ገዛእ ርእስና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ስለዚ እቶም ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለዉ ንጡፋት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ፡ ብቐጻሊ ንህዝብና ሓበሬታ ከስንቑ ይግበኦም። ህዝብና ከኣ ነቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዘለዎ ዓቕሚ ከይነዓቐን በቲ ተጻዒንዎ ዝጸንሐ ጸገም ከየማረረን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ይግበኦ። ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ደጋጊሙ ናይ ምሕጻብ ጸገም ከም ዘጋጥሞኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተረሓሒቕካ ምኻድን ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ግና ንህግዲፍ ዘይጽበየሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ከተግብሮ ይግበኦ። ስነስርዓት ጸሎትን ካልእ ተኣኪብካ ዝዝውተር ባህላዊ ጉዳያት እውን ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከዘውትር ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ይገደሰሉ።

April 4, 2020 News

Source: Assenna

Isaias’s holocaust moment:  The threat of mass deaths in SAWA camp By Petros Tesfagiogis Human crisis is looming large on the horizon because of the killer COVID-19 pandemic spreading all over the world.  Governments are issuing guidelines

Isaias’s holocaust moment:  The threat of mass deaths in SAWA camp

By Petros Tesfagiogis

Human crisis is looming large on the horizon because of the killer COVID-19 pandemic spreading all over the world.  Governments are issuing guidelines to their citizens to stay put in their houses to avoid the spread the virus to the public.  People leaving their houses are advised to keep their distance from other people and avoid shaking hands.   Governments are closing schools and churches and mosques. This is a global guideline and all governments are duty bound to follow it.

The Regime in Eritrea did not adhere to the guidelines and has not closed the most crowded place in the country, the high school and national service training centre in SAWA.  In Sawa, every year thousands of students gather to complete their 12th grade, the school leaving year.  After finishing their studies, they are made to stay there to do military training and continue to serve in the indefinite national service, widely known as forced/ slave labour.  They are assingned to work in different fields or kept as foot soldiers in the trenches to defend the country, mainly from the threat of Ethiopian invasion. It is an excuse to hold hostage the youth so they will not oppose the gross human rights violations in Eritrea for the same reason that the regime closed the only university in Eritrea. The indefinite national service policy has destroyed the future of the Eritrean youth and deprived the country of its most productive members of the society. It gave rise to the influx of huge number of refugees to exile.

As a priority, the Eritrean government should have sent all the occupants of the camp to their houses/families and not ignore the world wide expert advice for people to avoid any crowding or gatherings and stay isolated in their homes. Furthermore, the regime should have released all prisoners of conscience and those incarcerated for petty crimes to avoid the spread of the disease in the prisons. This is another evidence that Isaias does not care about the welfare of the Eritrean people.

The corona virus has already made it into Eritrea with passengers carrying the virus found on arrival at Asmara Airport and the number of cases is quickly spreading. The students in Sawa remain highly vulnerable and a single carrier could contaminate the entire camp and people could die in their thousands unless the necessary measures are taken urgently.  It could be a mayhem and a catastrophe of historical proportion. It will be the same for the prisoners of conscience and other prisoners dumped in 360 prisons around the country.

The spread of the disease in Sawa and the prisons will be Eritrea’s holocaust caused by Isaias’s arrogance and inaction. They are abandoned to die from the virus.  For the people of Eritrea this is not new.  A few months ago the regime closed 27 health centres that were run by the Catholic Church and used to serve more than 200,000 people a year. For Isaias, the lives of Eritreans are not a concern. He has subjected the entire population to gross human rights violations for years. All the violations are recorded by international human rights organisations such as Amnesty International, Human Rights Watch, Journalists Without Borders, Defend the Defenders and others and by various Eritrean human right activists. All these has given rise to protests, appeals and condemnations by Eritreans abroad.

The UN Commission of Inquiry on Eritrea’s report was a confirmation of what the humanitarian organisations the world over were saying. Presenting the findings in June 2015, Mike Smith the chairman of the UN inquiry commission said: “The many violations in Eritrea are of a scope and scale seldom seen anywhere else in today’s world. Basic freedoms are curtailed, from movement to expression; from religion to association. The commission finds that crimes against humanity may have been occurred with regard to torture, extrajudicial executions, forced labour and in the context of national service. “

Therefore, it is doubtful that the Government of Eritrea will seriously act to stop the spread of the Coronavirus. The guidelines it issued forbidding people to gather in groups of more than 10 people is a public relations exercise designed to mislead the population. Despite the much celebrated peace deal with Ethiopia, Isaias did not bother to release a single prisoner of conscience. He used the peace with Ethiopia to come out of international isolation and perpetuate repression. It is against the wish people of Eritrea who want a genuine peace with the people of Ethiopia. This was proved during the short time when the border with Ethiopia’s Tigray region was opened. No one could forget the joy and happiness expressed by the people from the border regions of Eritrea and Ethiopia. It was an unforgettable moment. But their jubilations were cut short as the border was closed soon by Isaias.

The Eritrean People have given up on Isaias. The justice seekers in Diaspora are rising up in masses and established powerful mass movements (YIAKL), saying ENOUGH, Isaias has to go. It started in Washington DC and spread to Europe, Canada, and Australia etc. In United Kingdom the Yiakl movement was also celebrated.  On March, Eritrean women from many states in USA held a successful conference in Washington DC and pledged to contribute to the struggle to get rid of Isaias. The Eritrean women in the United Kingdom did the same.  This shows that there is a noticeable growth in the confidence and determination among Eritrean women.

The Eritrean just seekers in diaspora are concerned about the corona virus and are trying to help.  The dilemma is that the regime cannot be trusted.  How can a regime that brought poverty and destitution to the population be trusted?  Isaias is corrupted by power and he is morally bankrupt and nothing good can be expected from him.  The only way for help is to come through the UN.

It has become apparent that the poor third world countries do not have the capacity and the resources to prevent the spread of the virus.  The Economist magazine predicts that COVID-19 would be much more devastating for the world’s poor countries were running water and basic medicine is still a luxury, let alone intensive care for hundreds of thousands of patients.

Ethiopian Prime Minister, Dr Abiy Ahmed has written to the world’s rich countries of the consequences of failing to help the poor counters to prevent the spread of Covid-19. The title of his article reads: “If Covid-19 is not beaten in Africa it will return to  haunt us all”. Advanced economies are unveiling unprecedented economic stimulus packages. African countries by contrast, lack the wherewithal to make meaningful interventions. Yet if the virus is not defeated in Africa, it could bounce back to the rest of the world.  He concluded “We can defeat this invisible and vicious adversary – but only with global leadership. This goes to show that there is a consensus the poor countries need help.

In the case of Eritrea, is the Eritreans in Diaspora who must take the initiative to expose the Eritrea repressive regime. They must seek help for the people of Eritrea.

What is encouraging is that Eritreans are showing concern and want to help. But many people are in a dilemma how can they trust the regime who has total grip on the people. For example, Awet T. Weldemichael, in his facebook page said the following: “Eritrea during this covid-19 pandemic. The country needs robust inter-ministerial task-force on covid-19, led by capable professionals. Composed of senior representatives of relevant ministries, the taskforce transparently. Without  such an accountable, transparent body, & effectiveness and flexible policy framework informed with up-to-date science, no amount of resources will be adequate. Such a body and framework will give nationals the confidence to do their utmost.” He further put 6 points work and responsibility details.

This is well thought but the regime do not have the capacity and the manpower to do it. There is no functional ministry in the country. There are many capable Eritrean professionals abroad willing to go and help. But the regime does not welcome such Eritrean people and their safety would be in danger.

The only way is to campaign to have UN bodies to send volunteers to Eritrea to asses the needs and provide support. WHO (the world Health organisation) and UNESCO are already working in Eritrea.   The presence of the UN bodies to help in building the capacity and do the monitoring is crucial. Help could be requested from the Chinese who are offering help to both developed and developing in a big way.

It is the Chinese who are sending ventilators and medical teams to Italy and face masks to Africa. A Chinese charity sent 300,000 face masks to Belgium in a container on which was written the slogan “Unity Makes Strength” in French, Flemish and Chinese. 

The world would definitely respond to the plea of Eritreans in the diaspora and help Eritrea. But the just seekers must initiate a task-Force composed of professionals with a workable organisational structure that enables the various units to act in a centralized manner, with speed and effectiveness as the task-force will face unpredictable challenges. The Task force can use skype to engage in discussions clarify the objectives and the action plan. Then, they could formulate the request to put pressure to the regime so it sends home the occupants of SAWA and the 360 illegal prisons.

In this collective effort Eritrea Focus could contribute a lot. Through its persistent work it has many sympathisers in high government officials in UK, the States and in some European countries.

It has already sent a letter of protest to H. E  Dr Abiy Ahmed, Prime Minister of Ethiopia  not to  close the Hitsats  refugee camp were 18,000 Eritreans are languishing, with copies sent to local and international bodies in Europe, Ethiopia and Africa. It is also looking into ways to put in place  a watch dog on the situation of refugees and the risk of exposure to the corona virus.

This not the time for complacency. Those of us who live in the democratic countries have to translate the slogan “We are the voice of the voiceless” into action.          

Diaspora Eritreans have a very challenging responsibility to expose the conspiracy of the dictator Isaias in his decision not to close Sawa and the illegal prisons.

Saturday, 04 April 2020 19:47

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 04.04.2020

Written by

April 4, 2020 News

Source: VOA

ADDIS ABABA – Much publicized COVID-19 supplies donated by Chinese billionaire Jack Ma and his Alibaba Group never made it to Eritrea, despite Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed’s saying the supplies had been delivered to the entire continent.

The reasons why the goods did not reach Eritrea are unclear, but rights activists accuse the government of ignoring the needs of its people.

Two officials at the Africa Centers for Disease Control and Prevention, which helped organize delivery of the coronavirus masks and test kits to various African countries, confirmed to VOA that no supplies reached Eritrea.

A senior Africa CDC official, who spoke on the condition of anonymity because he was not authorized to speak publicly about the matter, said the plane carrying the supplies was supposed to fly from Sudan’s capital to Asmara on March 23, but Eritrean officials never authorized the plane to land.

Forced to bypass Eritrea, the pilots instead flew to Djibouti and Kenya before returning to their starting point, Addis Ababa, he said.

James Ayodele, a spokesperson for the Africa CDC, said “the issue is still being discussed at a diplomatic level.”

Threat to health

Whatever the reason for Eritrea’s failure to accept the medical supplies, Meron Estefanos, executive director of the Eritrean Initiative on Refugee Rights, said the government is severely jeopardizing the health of its own citizens.

“I don’t believe that it was incompetence. I believe it’s just that they don’t care. If it was just because of bureaucracy, they would have just fixed the airline and they would have had it the next day. This is a country that can do lots of things. Importing something from Ethiopia to Asmara is a one-hour flight. They could even allow them to land right now, you get the point, just for medical purposes,” Meron said.

Health experts and human rights activists are gravely concerned that Eritrea is severely under-equipped in the event of a severe coronavirus outbreak. The government has confirmed 18 COVID-19 cases to date.

Meron said that rather than accepting goods from abroad, the government is asking its diaspora across the globe to give money to the government.

”Eritrea is not ready for anything. First of all, just eight months ago they shut down 29 Catholic clinics. These were the best clinics in the country, giving free service to the public. But because of the Catholics’ call for peace [and the] release of political prisoners, they shut down the clinics. But who is getting hurt?  It’s the people,” Meron said.

Talks continuing

Asked to comment on the matter, Billene Seyoum, a spokesperson for Ahmed, said only that talks were ongoing to resolve the issue. The Alibaba Foundation declined to comment.

Daniela Kravetz, the U.N. special rapporteur on human rights in Eritrea, said she did not want to specifically address the matter of Jack Ma’s supplies as she did not have firsthand information.

She did underline the dire need for medical supplies in Eritrea and the need to open the door to humanitarian aid.

“I am concerned about the fact that, if this continues to escalate, the reality is that many Eritreans will not be able to seek or obtain medical help. There is a lack of functioning intensive care units with adequate ventilators, shortage of water, shortage of medical staff, shortage of labs to carry out tests. I don’t really think the country has the medical capacity to deal with a pandemic like this one,” Kravets said.

She also called on Eritrea to release political prisoners and low-risk offenders because of the risk of COVID-19 spreading inside the country’s overcrowded prison system.

ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራርዲ - ኮምሽነር ላዕላዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ

ክቡር ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም - ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕላሊ - ጀነቫ

ቅዳሕ፡-

ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቆብቲ ሃገራት

31 መጋቢት 2020

ጉዳይ፡-

ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ጸረ-መቕዘፍቲ ኮሮና ቫይሩስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕጽንታ

ክቡር ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ

ክቡር ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር. ተድሮስ ኣድሓኖም

 ንሕና፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ስደት እንውክል፣ ናብ ክብርነትኩም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዚ ኣገዳሲ ምሕጽንታ ከነቕርበልኩም ከለና ሓላፍነትና ምዃኑ ብግቡእ ብምግንዛብ እዩ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና፡ ናይ’ዚ ምሕጽንታ’ዚ ቅዳሓት ከኣ ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕበን ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ’ውን ዝምልከተን ሕቡራት ሃገራት ኣካላትን፣ ብፍላይ ድማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤልን ሊብያን ክወሃብ ምኑ ከነፍልጥ ንፈቱ። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሃለዋት ናይ’ዞም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተበቲኖም ዝተፈላለየ ወጽዓታት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቓልቦን ቆላሕታን ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

እዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (ኮሮና  ሩስ) ዝላባዕ ዘሎ ሕማም’ዚ፣ ናብ’ተን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋን ኣብ ተነካኢ ዝዀነ ክፍለ-ዓለም ዝርከባ፣ ነዚ ናይ ኮሮና ቫይሩስ ለበዳ ንምግጣም ዘይተቐረባ፣ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት ድሮ እቲ ለበዳ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ኲነታት ኮሮና ቫይሩስ ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ነውጺ ዘለዎ ቦታታት ምዃኑ ከኣ ብምስትውዓል፡ ብዙሓት ካብ ህዝብና ድማ እቲ ቀንድን መሰረታውን ባእታ ዝዀነ መከላኸሊ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ኢድ ምሕጻብ ብምዃኑ፣ ኢድ መሕጸቢ ዝዀኑ መሳለጢታት ከም ማይ ኮነ ሳምና ናይ ምርካብ ዘለዎም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፣ በዚ ተላባዒ ሕማም’ዚ ምኽንያት ክቕዘፉ ዘሎ ተኽእሎታት ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ንና ኣዝዩ የሰክፈናን የተሓሳስበና’ዩ። ብምዃኑ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣብ ግዜኡ ህጹጽ ኣትኩሮ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መታን ክረክብ ብሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተመሪሑን ተወሃሂዱን ዕቱብ ተበግሶ ክውሰድ ኣትሪርና ንምሕጸን

ብእምነትና ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማት ብዙሕ መንእሰያዊ ሓይሊ ካብ ህዝብና፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣረጋውያንን ኣብ ተኣፋፍን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንድሕሪት ገዲፎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ ካባኻትኩም ዝተኸወለ እዩ ኣይንብልን። ብካልእ ወገን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ነቶም ንድኹማት ሓገዝ ክህቡ ዝጸንሑ ግብረ-ሰናይን ሃይማኖታ ትካላትን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ትካላትን ኩሎም ኰነ ተባሂሉ ብመደብ እቲ ዘሎ መንግስቲ ኣፈራሪስዎም ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ካብ ዘቋርጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም እዮም።  

 ክቡራት ኣህጉራውያን ሰብ-መዚ!

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ኲነታት ተዳኺሙን ነብሱ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኲነታት ከም ዘየብሉን ርኡይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ፣ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ካብ 300 ንላዕሊ ዝኸውን ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ተጸፋጺፉ መሊኡ ምህላዉ ነዚ ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ’ዚ ክከላኸል ዝኽእል ዓቕምን መሳርሕን የብሉን። እቲ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ግፋን ዝእከብ ዘሎ ናይ ባርነት ስራሕ ዝሰርሕን፣ ገዚፍ ኣሃዱታት ሰራዊት እንተዀነ’ውን ኣዝዩ ጻዕቂ ኣብ ዘለዎ “መደበራት” ስለ ዝነብር ነዚ ለበዳ ሕማም’ዚ ንኽላባዕ ክፉት ዕድል ዝህብ ኲነታት እዩ ዘሎ።  

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ መዕቆቢ “መደበራትን” ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መዕቆቢታትን ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስሉጥ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ተዋሳእቲ ብተግባር ዝንቀሳቐሱ እንተዘሃልዮም፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ’ዚ ለበዳ’ዚ ክኾንሉ ዝኽእሉ ዕድላት ዓቢ እዩ። ኣብ መደበር ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እተን ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ብተገዳስነት እንተደኣ ብዝምልከቶም ኣካላትብፍላይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ሰብ-መዚ፡ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝን ምኽርን ዘይተሓዊስዎ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ኮሮና ቫይሩስ ኰይኖም ንሓደጋ ክሳጥሑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ

ብምዃኑ እምበኣር ኮቪድ-19 ናብ ኤርትራ ከይላባዕ ንምክልኻል፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርአ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ብጻዕቂ ዝቕመጥሉ ኲነታት ስለ ዘሎን፣ ሓደጋ ኮሮና ቫይሩስ ከይዝርጋሕ ንምክልኻል፣ ኣትሪርና ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሎ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ ብፍላይ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ንምሕጸን፡-  

  • ኣብ’ዘን ኤርትራውያን ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ቦታታት እኩል ናይ ክንክን ጥዕና ማእከላት እኹል ቀረባት ናይ ማይ፡ መሕጸቢ ሳምናታት፡ ጸረ-ለኽፊ ዝዀኑ ፈሰስቲ፡ “ጓንቲ”፡ መሸፈኒ ኣፍን ንጽርየት ዘገልግሉ ወረቓቕትን ከም ዝህሉ ምግባር፣
  • እቶም ቦታዊ ናይ ክንክን ጥዕና መርበባትን ትካላትን በዚ እከይን ሓደገኛ ኮሮና ቫይሩስ ዝተለኽፉን ዘይተለኽፉን መፍለጢ ዝኸውን ናይ መመርመሪ ናውትን መሳለጢታትን ከም ዝህልዎም ምርግጋጽ፣
  • ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ መደበር ስደተኛታትን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ሓደገኛ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መቕዘፍቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምድሓን ዝከኣሎም ክገብሩ፣

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

ብእምነትና ትሕዝቶ እዚ እነቕርበልኩም ዘለና ኣገዳስን ሕልኽልኽ ዝመልኦ ኲነታት ናይ’ዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጥ ሃገር ከምኡ’ውን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዘሎ ለበዳ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ትርድእዎ ኢኹም ኢልና ንኣምን።

ኣኽበርትኹም፡-

(ኣቦ-መንበራት

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓደለ)
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍት (ሓኤፍ)
  6. ሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)