ህልኽ ዲዩ ወይ ናይ ሓባር ጉዳይና ስለዘይኮነ እዩ

2020-07-14 21:37:25 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1679 times

ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስን ኰራኹሩን፡ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ የመሓድርዋ ኣለዉ ዶ? ንዝብል ኩልና ኤርትራውያን ሓቢርና ክንምልሶ ዝግባእ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይና እዩ። ከመይሲ እዛ ሃገረ ኤርትራ ብመስዋእቲ ሓርበኛታት ሰማእታትና ዝተረኽበት ስለዝኾነት። እቶም ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ናጻ ሃገር ምውሓስ ዓጽሞም ከስኪሶም ደሞም ኣፍሲሶም ዝተዋጉኡላ ደቂ ኤርትራ፥ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎን መን ኢኻ ዘይበሃለሉን ቀሲኑ ክነብር እምበር፡  ልዕሊ ደጋፋይን  ተቓዋማይን ኮይኑ ምምቕቓሉ ጨቋኒ ስርዓት ብዝፈጠሮ ምክፍፋል ኣብ ምንቋት ንምንባር ኣይተቓለሱን።

ኩሎም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ይኹን ህዝባዊ ግምባርን ካልኦት ውድባትን ንመግዛእቲ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ሰጒግካ ናይ ባዕልኻ ኤርትራዊ ምሕደራ ንምምስራት እዩ ነይሩ ዕላማ ቃልሶም። ይኹን እምበር ኩለን ውድባት ኣብ ከመይነት ምሕደራ ኤርትራ ነናተን ናጻ ሓሳብ  ክህልወን ንቡር ስለዝኮን፣ ሽዑ ነይርወን ሕጂ’ውን ኣለወን። ይኹእምበር ነዚ ፍልልያት ናይ ሓሳብ እዚ ብህድኣትን ብጽሞናን ተመራሚረን ዝሓሸን ንህዝቢ ከርብሕ ዝኽእል ሓባራዊ ጠርናፊ ሓሳብ ከመንጭዋ ኣይከኣላን። ኣብ ክንድኡ እቲ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ስለዝሳዕረረ ኣብ ንሕናን ንሶምን ስለዝተኣትወ ነቲ ኮፍ ኢልካ ምዝታይን ምዕቡል ኣገባብ ምኽታልን ናብቲ  ኣዕናዊ ፍልልያት ኣድሃባ።

ምዕቡልን ስልጡንን ኣተሓሳስባ ስለዘይወነና ድማ እነሆ እቲ ባህሊ ናይ ኮፍ ኢልካ ምርድዳእን ዝሓሸ ሓሳብ ወሲድካ ፍትሓዊ ዝኾነ ስርዓት ንምቋም ኣብክንዲ ንሰርሕ፥ ኣብ ተቓወምትን ደገፍትን ዝብል እዃ እንተተኻኸፍፊልና እቲ ዝኸፍኤ ኣብዘየድሊ ምስሕሓባት ምህላውና እዩ። ኤርትራ ግን ናይ ሓባርና እያ። እታ ሃገር ናይ ኩልና ማለት ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ክንሳ ግን፥ ንገለና ዝያዳ ክምትብጻሓና ብኡ መጠን ድማ ሓይለይትን፡ ንገለና ድማ ዘይትብጻሓን እሞ ኣፍረስትን ኰና፣ ዝጨበጥናዮ ኣብዘይብልና ንሓድሕድና ክንወጋገድ ንውዕል ኣሎና። እዚ ድማ እምበርዶ እዛ ኤርትራስ ናይ ኩልና ኮይናስ፣ ናይ ሓባር ዝባሃል ጉዳይ ኣሎና እዩ ኣብ ዝብል ምጥርጣር የእትወካ።

ስርዓት ኢሰያስ፡ ንሃገርና ኤርትራ ሓሚሱ፥ ካብቲ ዝነበረቶ ኣፍደገ  ምዕብልና ንድሕሪት መሊሱ፡ ምስሊ ኤርትራ ይድውን ህዝቢ ውን ይጽንት ከምዘሎ፣ ንደገፍትን ዝስወር ንተቓወምትን ዝጋሃድሲ፡ እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ሓባራዊ ጉዳይና ኣይኮነን ድዩ? ዘየብል ድማ ኣይኮነ። ደቅና ተማሂሮም ኣብ ስራሕ ዘይወፍሩሉ፥ ሓረስታይ ሓሪሱ ንርእሱን ንዕዳጋ ዘበርክተሉን ምህርቲ ዘይሓፍሰሉ፥ ከመይ ገርና ኢና ሃገርና ጽቡቕ ኣላ ክንብል ንደፍር? እስከ እቲ ራህዋን ደስታንስ ይተረፍ፥ እቶም ዝወለድናዮም ደቅና ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተረሸኑ፥ መንእሰይ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ሃገሩ ጠንጢኑ ሃጽ ከምዝብል እናገበረ፥ እቲ ኣነስ ኣብ ሃገረይ ምስ ህዝበይ ዝበለ መንእሰይ ድማ ወግሐ ጸብሐ ውግእ እናጻሕተረ ከጽንቶን፥ ነታ ሃገርውን ኣብ መቐራቕሮ ከእትዋ እንዳረኣናስ፡ ነዚ ስርዓት እንድግፍሲ እምበርዶ ከም ሰባት ህድግለነ ኣለዎም እዩ ኣየብልን ዶ?

ሎሚ ድማ ዝገደደ ብሕማም ለበዳ ከሮና ኣመሳሚሱ  ዝብላዕ የለ፣ ዝስተ ጽሩይ ማይ የለ፣  ሕዝቢ ኤርትራ ብኮሮና ዘይኮነስ ብጥሜትን ጽምእን ንህልቂት ተዳሪጉ ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ እምበኣር፣ ክልእ ኩሉ ገዲፉ እቲ ደጋፍ እየ ዝብል፣ ወረ  እቲ ህዝብን ሰራዊትን  ዝብላዕን  ዝስተ ጽሩይ ማይን  ስለምንታይ ዝስእን ኢሉ  ዘይሓትትከ እንታይ እዩ ወሪድዎ?  ህዝቢ ካብ ብከብዱን ብጎረርኡን ምትሓዝ ንላዕሊ እንታይ ክመጾ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ።? እቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ነቲ ስርዓት ጽቡቕ ኣሎ እንዳበሉ ክውድስዎን ከዳኽሩሉን ከለውኸ ንህዝቦም ተወጺዕና ኢሉ ንኸይዛረብን ይዶቕስዎን ኣፉ ከምዝልጎም ይግበርዎ ከምዘለዉን ይዝንግዑ ዶ ይኾኑ?

እቲ ዝገርም ድማ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ክሰትን ኣደዳ መከራን ውርደትን ተሳጢሑን እናሃለወ፡  ስቕታ ደገፍቲ እቲ ስርዓት እንታይ ገደሰኒ ዶኾን ይኸውን ወይ እቲ ውልቃዊ ረብሓታት ዓዚዝዎም። እዚ ውልቀ መላኺ፡ ኣብ ልዕሊ መረትን ህዝብን ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣሽካዕላልን፥ ንኤርትራ ኣብ መዓሙቚ እናደቕደቓ ከሎስ ብዘይክኡ ንሃገር ዝከላኸል የለን፥ ሳልኡ እያ ኤርትራ ደው ኢላ ዘላ  ክብሉ ከለዉኸ  ናይ ህልኽ ዲዩ ወይ ኩልና ናይ ሓባር ጉዳይ ስለዘይብልናዩ።  ስለምንታይ ከ ነቲ ስርዓት ብዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ክፍኡን ፍሽለታቱን እንዳገለጸ እንከሎ፣ ኣይፋልካን ህዝብና ይጸንት ኣሎ፥ ሃገርውን ካብ ምዕብልና ናብ ዕንወት፡ ካብ ብልጽግና ናብ ድኽነት ተንቆልቆል ኣላ ዘይብሉ። ከሳዕ መዓስ ከ ኢዮም ነታ ሓቂ ደፊኖም ኣብ ባይታ ንዘሎ ዓቢጦም ነቲ ስርዓት ብምክልኻል ንጨቆናን ዓፈናን ህዝቢ ዝቃለል ዶኮን ይመስሎም ይኸውን። ናይ ኣንክሒራ እንተኮይኑ’ውን እስከ ሕራይ፡ ንደምበ ተቓወሞስ ይንጸግዎ፥ ህዝብና ዝሓሸ ናብራን ብቅኑዕ ምሕደራን ክህልዎ ከ ስለምንታይ ዝጻረሩ። ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፍአ ድማ ንደቅናስ እንታይ ዓይነት ባህሊ ኢና ነውርሶም ዘለና ኢሎም ዘይሓስቡ። እናተጨቘኑ ከምዘይተጨቘኑ፥ ደንቚርም ከምዘይደንቆሩ  ሰላምን ምክብባርን ገዲፎም ኣብ ምፍልላይን ምንዕዓቕን ዲዮ ክውርስዎም። ነቲ ንቕድሚት ዝውንጨፍ ናይ ሰላም ብርሃን ገዲፎም ናብቲ ንኣእምሮኦምን ኣተሓሳስባኦምን ዘጸልምት ፍልልያትን ምግርጫዋትን ከማዕብሉ ዲዩ ሕልሞም።

ስለዚ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኮነ ደገፍቲ ካብ ሓድሕድ ምትህልላኽ ወጺእና፥  ንሃገራዊ መንነትና ዘዕኲኽ ናይ ሓባር ጉዳይ ከምዘሎና ኣዳቒቕና ክንፈልጥ ይግባእ።  እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ነባሪ ኣይኮነን፥ ኤርትራ ግን ነባሪት እያ፣  እዛ ሃገር ነጻግን ተነጻግን ዘይብላ ናይ ሓባር ሃገር ንኽትከውን፥ ደገፍትን ተቓወምትን ነቲ ናይ ሓባር ረብሓና ዘደልድል፥ ንጸጋታት ሃገርና ብማዕረ ክንጥቀም፡ ንኹልና ብሕጊ ዝተሓቛቚፍን ዝዳንን ህዝባዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕማም ናይ ሓባር ጉዳይና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ሰራዊት ምክልኻል እንተኾነ እውን ኣካል እቲ ውጹዕ ህዝቢ ብምዃንካ  ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው  ምስ እትብል ጥራይ እዩ ተኸላኻሊ ሃገር ክትክውን እትበቅዕ። በዚ መሰረት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስቲ ጨቋኒ ዘይኮነስ ምስቲ ህዝቢ ወጊንካ ነቲ ለውጢ ክተቐላጥፎ ኣካል ናይቲ ናይ ሓባር ጉዳይና ኢኻ።

Last modified on Tuesday, 14 July 2020 23:40