ሃገሮም ክበጽሑ ዝገሹ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝንቀሳቐስሉ ሸርፊ ናቅፋ ደልዮም ናብ ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝኽድሉ፣ ብዘይድሌቶም ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍቱ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም። እቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ምስተኸፍተ ከኣ እቲ ባንክ ነቲ ናብ ናቕፋ ክሽረፈሎም ዘቕረብዎ ዶላር ወሲዱ፡ 5,000 ናቅፋ ጥራይ ሂቡ ከም ዘፋነዎም እውን እቲ ነዚ ብዝምልከት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣነጺሩ። እቶም ነዚ ሐበሬታ ዝለኣኹልና ወገናት እዚ ስጉምቲ ቅድሚኦም ናብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝገሸ በጻሕቲ እውን ከም ዝተፈጸመ ኣቃሊዖም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ኤርትራ በተን ብገዛእ ገንዘቦም ብባንክ ዝፍቀዳሎም 5,000 ናቕፋ ደሞዝ ሰርሓተኛታት ክኸፍሉ ብዘይ ምኽኣሎም፣ ስድራ ቤታቶም ኮነ ስድራቤታት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ጸበባ ከም ዝርከባ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብገለ መርበባት ሓበሬታ ከም ዝተገለጸ፣ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እዚ ባንኪ ኤርትራ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ዘሎ ኣገባብ፡ ሰብ መርዓን ካሊእ ውራያትን፡ መዓልቲ ቆጸራ ኣብ ምቅያርን ኣብ ክሳራን ከም ዝበጽሑ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሕጂ ከኣ ውራይ ክህልወካ እንከሎ፡ ካብ ባንክ ከተውጽእ፣ ብገዛእ ገንዘብካ፡ ዝርዝር ወጻኢታትካ ክትጠቅስን ውራይ ከም ዘለካ ንምርግጋጽ መሰኻኽር ከተቕርብን ዘገድድ ቅጥዒ ምውጽኡ ኣብ መርበባት እንተርነት ተለጢፉ ኣሎ።

እዚ ናይ ራስያ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ብጥረ ገንዘብ ኮይኑ ደኣ ብዙሕ የዛርብ ኣሎ እምበር ሓድሽ ፍጻመ ኣይኮነን። ህግደፍ ኤርትራውያን ዜጋታት ርሂጾም ዘምጽእዎ ገንዝብ ኣሕዲጉ፣ ተመሊሶም ባዕሉ ብዘዳለዎ ቀጥዒ መሊኦምን መሳኻኽር ኣቕሪቦምን እሞ ድማ ምስቲ ዝደልይዎ ዓቐን ብዘይመጣጠን ዓቐን ንክወስዱ ምግዳዱ ንውርደቱ ዘቃልዕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቱ እውን ካብዚ ውርደትዚ ዝድሕኑ ኣይኮኑን። በቲ ካልእ ገጹ እዚ ኩነታት ናይቲ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ውድቀት ዘበስር ተርእዮ እዩ።

في مذكرة بعث بها حزب الشعب الديمقراطي الارتري الي رئيسة مفوضية الاتحاد الافريقي ناشد الحزب القمة رقم ( 26 ) للمفوضية الافريقية لحقوق الانسان أن تضع الشأن الارتري الحقوقي ضمن أجندتها وتبادر بالإسراع الي مناقشة الأوضاع المتردية للحقوق السياسية والانسانية في ارتريا.

 

في المذكرة التي بعث بها الي الدكتورة/ نيكوسازانا دلاميني زوما أعرب السيد/ منقستئاب أسمروم رئيس الحزب عن أمله في أن تقوم المفوضية الافريقية لحقوق الانسان بالاهتمام بما يجري في ارتريا بما يحول دون المزيد من تدهور الأوضاع المفضية الي التمزق وما يعقبه من انهيار البلاد الي وضع الدولة الفاشلة. ونوهت المذكرة الي ما صدر في 2015م من المستشارية الأممية لحقوق الانسان من قرارات متعلقة بحقوق الانسان في ارتريا بالإضافة الي ما توصلت اليه لجنة تحقيق خاصة من إدانة صارخة لنظام اسمرا بخصوص المعاملة السيئة للغاية للمرأة.. (انظر نص المذكرة في نهاية هذا التقرير الإخباري..).

 

قمة المفوضية الافريقية لحقوق الانسان رقم ( 26 ) بدأت أعمالها في الحادي والعشرين من يناير 2016م وستتواصل أعمالها الي نهاية الشهر. كانت الدكتورة/ زوما رئيسة مفوضية الاتحاد الافريقي قد استبقت القمة في السابع عشر من يناير 2016م بقاعة نيلسون مانديلا بمكاتب رئاسة الاتحاد بافتتاح النقاش في الملتقى الثامن للاتحاد الافريقي لمناقشة قضايا الجندرة.

 

تحدث هذا اللقاء الإعدادي للقمة عن آمال وتوقعات المرأة الافريقية من القمة ( 26 ) لمفوضية حقوق الانسان الافريقية من التطبيق الفعال لقرارات احترام الحقوق الانسانية ذات الصلة بالجندرة في افريقيا فضلاً عن مشاريع تقوية وتعزيز دور المرأة في المجتمع.

 

AUpic

 

 

 

نص المذكـــِّــــــــرة:

الي حضرة الدكتورة/ نيكوسازانا دلاميني زوما رئيسة مفوضية الاتحاد الافريقي لحقوق الانسان / أديس أبابا

التاريخ: 20 / 1 / 2016م

الموضوع: طلب وضع الشأن الارتري الحقوقي ضمن أجندة قمتها السادسة والعشرين

 

عزيزتي رئيسة المفوضية:

حزب الشعب الديمقراطي الارتري حزب معارض ينشط ويناضل بالمنفى من أجل التغيير الديمقراطي، يسر حزبنا أن يبعث بهذه المذكرة الحاوية لرسالة خاصة وعاجلة للشعب الارتري الي القمة رقم ( 26 ) للمفوضية الافريقية لحقوق الانسان التي تبدأ أعمالها في الحادي والعشرين من يناير 2016م يناشد فيها القمة إعطاء نظرة خاصة لقضايا المرأة بصفة أخص والجندرة بصفة أعم. وبهذه المناسبة الهامة والسعيدة كلنا أمل أن تضع فخامة قمتكم الشامخة أوضاع حقوق الانسان في ارتريا نصب أعينها كما سبقكم الي ذلك مجلس حقوق الانسان الدولي ومفوضية حقوق الانسان بالاتحاد الاوربي.

 

 

سيدتي الرئيسة:

في هذه الأيام التي نتفيأ فيها ظلال الذكرى الثالثة والخمسين لتأسيس منظمة الوحدة الافريقية ومرور ثلاثين عاماً علي إقرار ميثاق حقوق الانسان والشعب الافريقي ينتظر الشعب الارتري وسائر الشعوب الافريقية من قمتكم الأبية الكثير من القرارات الحازمة والفعالة تجاه التدهور المريع لأحوال حقوق الانسان في هذه البلدان عامة وارتريا علي وجه الخصوص. وكما لا يخفى عليكم فإن ارتريا واحدة من دول افريقيا الأربعٍ وخمسين التي ترتكب الانتهاكات الفظيعة التالية لحقوق الانسان:

  • علي الرغم من مرور أكثر من ربع قرن علي استقلال البلاد فإنها حتى اليوم بلا دستور.
  • لا وجود ولا احترام لأي حق من حقوق الانسان الأساسية.
  • لا وجود لحرية التعبير والاجتماع.
  • لا يسمح بحرية ممارسة الشعائر الدينية
  • لا توجد أية ضمانات للتمتع بحق الحياة.
  • لا وجود لحرية الحركة.
  • لا وجود لحرية ممارسة النشاط التجاري الخاص.
  • تدهور التعليم في جميع مراحله الدراسية.
  • العمل غالباً ما يكون سخرةً أو بمقابل غير نقدي.
  • لا وجود لنظام معاشي أو ضمان اجتماعي وحقوق ما بعد الخدمة.

علماً أن ما تقدَّم قليلٌ من كثير.

 

عزيزتي الدكتورة/ زوما:

إن ما يسود ارتريا من وضعٍ سياسيٍّ، اجتماعيٍّ، اقتصاديٍّ لا يطاق، فضلاً عن انتهاك بشع لحقوق الانسان يجب أن يجد التفات واهتمام الاتحاد الافريقي وعامة الافارقة. ارتريا اليوم ثالث دولة في العالم من حيث تصدير اللاجئين، ارتريا في ظل نظام حكم الفرد الدكتاتوري القمعي تنحدر سياسياً واجتماعياً واقتصادياً نحو مصير الدولة الفاشلة لذا فإن شعبها في انتظار كريم نجدتكم وشهامتكم الافريقية المنـْــقـِــذة.

وضع المرأة الارترية لا يختلف في شيء عما تقدم ذكره من أوضاع مأساوية تعيشها البلاد كافة، وفود وممثلو الاتحاد الافريقي علي علمٍ ودراية كافية بما حواه تقرير لجنة مفوضية حقوق الانسان بالأمم المتحدة المكون من 483 صفحة وما صدر عن لجنة التحقيق هذه من قرارات وتوصيات في 2015م. فضلاً عن ذلك ورد في تقرير 2015م أن حكومة ارتريا لم تقم بإنفاذ ما وقعت عليه من الاتفاقية الدولية لمناهضة كافة أشكال التمييز ضد المرأة وغيرها من الاتفاقيات والمعاهدات الدولية والاقليمية المتعلقة بحقوق الانسان عامة.  

 

سيدتي رئيسة المفوضية الافريقية:

وضع ارتريا اليوم قضية عاجلة وملحة من قضايا افريقيا الجديرة بالمناقشة والاهتمام، لذا نحن علي ثقة وأمل كبير أن تضعوا الشأن الارتري عامة ووضع المرأة فيها خاصة علي رأس جدول أعمال قمتكم الموقرة الخاصة بحقوق الانسان. كما لا يفوتني بهذه المناسبة أن أناشد السادة حضور القمة الافريقية (26) لحقوق الانسان إعطاء التفاتة خاصة لقضية المرأة.

 

هذا وتفضلوا بقبول فائق الاحترام والتقدير

منقستئاب أسمروم

رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

 

“ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን  ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።” እዚ ኣብ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ውሳነታት ብፍላይ ንናይ ደንበ ተቓውሞ ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ዝምልከት ዝተወስደ እዩ። ብመንጽር እዚ ሰደህኤ ናብ ምዕዋት እዚ ውሳነኡ የብጽሕ’ዩ ዝበሎ ሓሳብ ብዘይምውልዋል ክድግፍን ክሳተፎን ናይ ግደነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነዚ ውሳነኡ ሒዙ ብመትከል “እንካን ሃባን” ናይ ካልኦት ዝሓሸ መዋጸኦ ኢሉ ዝኣመነሉ ሓሳብ ናይ ምቕባል ኣፍደግኡ ክፉት ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

እዚ ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል ናይ ምፍጣር ዕማም፡ ናይ ሓባር እምበር ናይ ዝኾነ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ብሑት ሓላፍነት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “እንካን ሃባን” ንዝብል ኣምር ከነግንኖ እንግደድ። እዚ ገገዛኻ ዓጺኻ ዘይኮነስ ብሓባር ተራኺብካ ብናይ ሓባር መስርሕ ዝረጋገጽ እዩ። እዚ ዕማም ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ዕማም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውሳነን ኣዋጅን ዘብቅዕ ኣይኮነን። እቲ መስርሕ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናትና ብናይ ሓጐጽገጽ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ዝክኣል ግና ዘይልሙጽ ጉዕዞ ምዃኑ ብዓንተቦ ምርድኡ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ናይቲ ዝተናወሐ መስርሒ ጀማርን ናይቲ ብእንካን ሃባን ዝግራሕ ልዝብን ፈላሚ ወይ ዓዳሚ ኣካል ውሱን ክኸውን ይኽእል። እቲ ዘልዕሎ ሓሳብ ኣብ ሕልና ብዙሓት ዝጸንሐ፡ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ናይ ብዙሓት ንክኸውን ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። ናይቲ ዝለዓል መዛረቢ ዛዕባ ቅኑዕነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ፈላሚ ኣካል፡ ዕጉስ፡ ተስፋ ዘይቆርጽ፡ ጸዋርን ዘይተረድኦም ወገናት ብግቡእ ንክርድእዎ ግዜ ዝህብ ምዃን ከኣ ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ሓደስቲ ተበግሶታት ተወሲድም። ብፍላይ እቲ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተዓደመ ተበግሶ ናይሮቢ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብቲ እትጽበዮ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደ ዘተታትን ክትዓትን ተኻይዱ። ኣካላት መድረኽ እውን ተበግሰኦም እንታይ ከም ዝመስል ንምብራህ ሰፊሕ መብርሂ ክህብሉ ጸኒሖም። እንተኾነ እቲ ዘረባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ሕጂ እውን መሊኡ ኣይሰኸነን። መብዛሕትኡ ካብቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ሚዛናት፡ ካብ ሓልዮትን ጽፉፍ መንገዲ ምብሃግን ዝነቅል ስለ ዝኾነ ዝተባባዕ እዩ። ዝተወሰነ ግና መሰል ናይቶም በሃልቱ ንከይትግህስ’ኳ ጠቕሊልካ ትጉሕፎ ተዘይኮነ ኣተባባዒ ኣይነበረን። ከምዚ ዓይነት ዕድመ ክቐርብ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዓዳሚ፡ ግዜን ቦታን ኣኼባ ክትሓስብ እኳ ንቡር እንተኾነ፡ ቀንዲ ኣድህቦኻ ግና ኣብቲ መዕደሚ ኣኼባ ዝኾነ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰደህኤ ይኣምን። ንሓደ ኣካል ይኽን ፖለቲካዊ ትካል ብዝምልከት፡ ትማሊ ዝብሎ ዝነበረ ምድህሳስ’ኳ ጽቡቕ እንተኾነ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ቅሩብነቱ ከይትቕበል ብናይ ትማሊ ሚዛን ክትእሰር ወይ ግዙእ ክተከውን ምፍታን ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣይኮነን። “ጽባሐ ከምዚ እንተተገብረ፡ ናብ ዘይኣምነሉ ኣቕጣጫ ሒዙኒ እንተኸደኸ?” ዝብሉ ስግኣታት ኣይሃልዉ ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ “ብጽባሕ ሰጊእካ ሎሚ እገለ ቅዱስ፡ እገለ ርኹስ” ክትብል ምፍታን ግና ግጉይን ኣብ ስግኣት ዘንብርን እዩ። ንሎሚ ብናይ ሎሚ ውድዕነት ንጽባሕ ድማ ብናይ ጽባሕ ምምዛን እዩ እቲ ቅኑዕ። ደሓር ኣብ ልዕሊ ካለኦት ካብ ተጠራጠርካ ንስኻውን ከም እትጥርጠር ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እንተ ናይ ጽባሕ ተሓታትነት እታ ሴፍ፡ ዝነበረና መዝነት ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ ኩልና ተሳሒላ ዘላ እያ። ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስለ ዘይነበርካ ጽባሕ ኣይትሕተትን ዝብል ስነ-መጐት ከኣ ኣይስርሕን እዩ።

ከም እምነት ሰደህኤ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ናብ መድረኽ ምስግጋር ምብጻሕን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንክፈርስ ካብ ዘኽእሉ ምዕባለታት ቅድሚት ዝስራዕ ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ከም ናይ ህልውናኡ ዋልታን መኸታን ገይሩ ክወስዶ ዝጸንሐ ሓይሊ እንዳተሸርመመ ክርሕረሖ እንከሎ እዩ። ናይቲ ራሕሪኻዮ ምምጻእ ድርኺት ውጽኢት ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ይኹን፡ ውሽጣዊ ዕግበት ናይቲ ራሕሪሕዎ ዝመጽእ ኣካል ካልእ ኮይኑ፡ ንዓና ንደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ሓደ ኣወንታዊ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ነቲ ስርዓት ዝራሕረሐ ኣካል ስጉምቱ ኣበሪኹ፡ እንተ ምስቲ ዝጸንሐ ውዱብ ሓይሊ ሓቢሩ ወይ በይኑ ከምዚ ናይ መድረኽ ነብሱ ወዲቡ ኣንጻርቲ ንዝተወሰነ ግዜ ዝድገፎ ዝነበረ ሓይሊ ዲክታቶር ምቅላስ ክጅምር እንከሎ ከኣ፡ ንደንበ ተቓውሞና ሓደ ዘይኮነስ ብዙሕ ስጉምትታት ንቅድሚት እዩ። ንሱ እቲ ነባር ሓይሊ ተቓውሞ ከኣ ነዚ ሓደሽ ሓይሊ ተቓውሞ ብሓጐስ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ብዝብል ሰናይ ዜማ እምበር፡ ናብ “ንምንታይ መጻእካና” ብዝዛዘወ ኩራን ጸዋግ ገጽን ክቕበሎ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ቀደም “ ……. ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል ዝነበረ እዩ ዝኸውን።

እዚ ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሜዳ ደንበ ተቓውሞ፡ ብሕጂ ኣብ ደንበ ተቓውሞ መጺኦም ዝውደቡ ወሲኽካ፡ ናይ ኩላትና ኣንጻር ዲክታቶር ክንቃለስ ዝተሰለፍና ወገናት ናይ ሓባር መቃለሲ እምበር፡ ዝኾነ ካባና ግድምና፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ ይኹን ካልእ ሸነኻዊ ማእከል መሪጹ፡ ንዝፈተዎ ናይ ምፍቃድ ንዝጸለኦ ከኣ ናይ ዘይምቕባል ስልጣን ኮነ መሰል ዘለዎ የለን። ንኣብነት ከምዚ ተበግሶ መድረኽ ኣብ ምምዛን ዝንጸባረቕ “ደነጉዩ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝመጸ ኣካል ስለ ዝኾነ ተዓዳማይ ተዘይኮይኑ ዓዳማይ ክኸውን የብሉን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ ከመይ ገይሮም ብዞም ሓደስቲ ተዓዲሞም ይጋብኡ” ዝዓይነቱ ሓሳብ ዝንጸባረቐሉ መድረኻት ኣሎ። እዚ ግጉይን ንቕድሚት ዘየሰጉምን እዩ።ንመሰል ናይቶም ዕድመ ተቐቢሎም ዝተሳተፉ ከይገሃስካ ንገዛእ ርእስኻ ነቲ ዕድመ ዘይምቕባል፡ ግና ነውሪ ኣይኮነን። ዓደምቲ ከኣ ዕዱማት ተሳቲፈምሉ ኣብ ዘተባብዕ ውጽኢት ክበጽሑ እንከለዉ፡ እቲ ውጽኢት ናይቶም ተሳተፍቲ ናይ ሓባር ውጽኢት እምበር ናይ ዓደምቲ ጥራይ ገይሮም ብምውሳድ ክንየቱ እንተ ተፈቲኖም ግጉይ እዩ።

ናይ ሓደ ምቅርራብ ምፍጣር ብቐጥታ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ንምፍራስ ዝዓለመ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነን። እቲ ዳሕረዋይ ተበግሶ፡ ኣብ ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዝሓሸ ኮይኑ ኣብ ናይ ውድድር ሜዳ ተሰዓሮ ግና ዘጋጥም እዩ። ኣብ ፖለቲካ ምንባር ኣብ ውድድር ምንባር ማለት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውድድር ብሰዓርን ተሰዓርን ክስነይ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ እቲ ውድድር ብሰዓራይ/ሰዓራይ ክዛዘም እውን ተኽእሎ ምህላዉ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እዚ ዳሕረዋይ ምዕቡል ክልቴኻ ተረባሕቲ ትኾነሉ ኣወጋግና ፍልልይ ግና ንዓና ብተመኩሮ ህልኽን “ነዛ እምባይ መን ይወርሳን” ዝመጻእና ቀሊል ከምዘይኮነ ንዝንግዖ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ናይሮቢ ዝተሳተፉ ወገናት፡ ዕላምኦም ንሃገራዊ ባይቶ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ምፍራስ ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ክቐርብ ተዓዚብና ኣለና። ኣብዚ ክሲ ሰደህኤ ኣብ ናይሮቢ ስለ ዝተሳተፈ፡ ስሙ ብዙሕ ግዜ ይጽዋዕን ይኽሰስን ነይሩ። ብእምነትና ሓደ ከም ባይቶ ዝኣመሰለ ውደባ እንተ ክፈርስ እንተክሕይል ዝውሰን ብውሻጣዊ ትሕዝቶኡ እዩ። ካብዚ ውደባዚ ብናቶም ነጻ ውሳነ ወጻኢ ዝጸንሑን ዘለዉን ከም ሰደህኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት፡ እንተኾነ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ምፍራስ ባይቶ ከም ቀንዲ ማእከል ቃልሶም ኣይሓዝዎን። ምናልባት ከምኡ እንተዝገበሩ’ውን ድፍኢቶም ግዳማውን ዘይወሳንን ስለ ዝኾነ ዝርገምሉ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የለን። ሕጂ ብዛዕባ ህልውና ባይቶ ቀንዲ ዝፈልጡን፡ ዝሕተትሉን እቶም ከታትይዎ ዝጸንሑ ዋናታቱ እዮም። እቲ ባይቶ ናይ ህዝቢ እዩ ካብ ተባሀለ ከኣ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባኡ ንህዝቢ ክሕብሩ ግደታ ኣለዎም።

ምስ እዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ ናይ ሓባር ጽላል ተቓውሞ ምፍጣር ሓያል ቃልሲ ዝሓትት እምበር፡ ዝከኣል ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። ካብዚ እምነቱን፡ ካብቲ ኣብ ጉባአኡ ነዚ ብዝምልከት “ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሐ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።” ብዝብል ዘስፈሮ ቅርቡነትን ነቒሉ እዩ ኣብ ተበግሶ ናይሮብን ፍራንክፈርትን ዝተሳተፈ። መጻኢ እውን ባና ናይ ራህዋ ዝረኣየሉ ንቕሎ ኮይኑ ክሳብ ዝተራእዮ ክቕጽሎ እዩ።

22 ጥሪ 2016

ኣብ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ዘይሓንጸጾ ቅዋምን፡ ህዝቢ ዘይመረጾ መንግስትን ዝትከል፡ ነቲ ዜጋ ንከገልግል ዘይኮነስ ተገልጋሊ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ህሞት እዚ ከኣ ኩሉ እቲ ጸጋታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ገበተ ኢድ ውሑዳት ስለዝወድቕ እቲ ቁጠባዊ ትሕዝቶን መነባብሮን ህዝቢ ዝደኸመ ይኸውን እሞ ብድኽነት ክላቐ ይነብር ።

እቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መንስቲ እምበኣር፥ ንመሰላትን ፍትሕን ዲሞክራስን ከተኣታቱ እንተኾይኑ እታ ረብሓኡ ክትጠፍእ ምዃኑ ስለዝግምት ኣይቀርባን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝቢ ብምዃኑ ከምድላዩ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ስለዘይክእል። እቲ ዘገርም ግን እቲ ነዚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ለዊጡ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያን ዲሞክራሲያውነትን ከስፋሕፍሕን፡ ፍትሒ ከንግስን ኢሉ ዝብገስ ኣካል እውን እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከውዕል ኣይርከብን።

ብዙሕ ምንቅስቓሳት ነቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ደረኽቲ ዝኾኑ ምስ ተላዕሉ ነቲ ዝተላዕለ ጨውዮም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን መደያይቦ ይጥቀምሉ፡፡ ከም ኣብነት ኣብ 1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ሃይለማርያም ግርም ገይሩ ብዝኣለሙ መሰረት እቲ ስልጣን ኣብ ኢዱ ጨቢጡ። ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ ከኣ “ወይለኺ ዲሞክራሲ” ብዝብል ኣምር ተዋሒጡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድከቱ ኣስትይዎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ነቲ ህዝባዊ ጠለብ ከማልእ ዝግበኦ ክንሱ ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ናይ ስልጣን ምግባት ገጹ ኣድሂቡ።

እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ኣረዳድኣ ማዕረ እንተዘይኮይኑ ሓላፍ ዘላፍ ይኸውን እሞ ዲሞክራሲ ውሕስነት ኣይህልዎን። ከመይሲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲ ኣብ ህዝቢ ከስርጽን ነተን ዘለዋ ሰልፍታት ንዲሞክራሲ ብኸመይ የተግብርኦ ምክትታትልን ስለዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣንጻር ሰልፍታት ክስለፍ ይኹን ንህላዌ ሰልፍታት ምንጻግ ግና ፍትሕን ሰላምን ከውሕስ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ንዲሞክራሲ ብኣፍ ጥራሕ ክጭርሕዋ እንተኾይኖም ምልካዊ ስርዓት እዩ ክዕምብብ። ምኽንያቱ ንርእይቶ ህዝቢ ሰሚዒካ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተግብርን ዝከታተልን ዝቆጻጸርን እንተዘየልዩ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣይትከልን እዩ። እዚ ከእ ምስ ርእይቶን ድሌትን ህዝቢ ይገራጮ እሞ ህዝቢ ኣብ ኣገልጋልነት ደረጃ ወዲቑ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸቕጢ የጓንፎ። ዲሞክራሲ ከምቲ ግቡእ ምስ ክብርን ስራሕን ተወሃሂዱ ክኸይድ ከሎ እዩ ትርጉም ዝህልዎ እሞ ሰልፍታት ንጠለብ ህዝቢ ተግበርቲ፥ ምንቅስቓሳት ከኣ ንጠለብ ህዝቢ ኣቕረብቲ ክኾና ኣለወን። ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን እምበኣር ነንበይነን ወይ ከኣ ከም ተጻረርትን ሓድሕደን ተጓነጽትን ጌርካ ምቕራብ ወይ ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት እምበር ሰልፍታት ኣየድልያን ምባል ንምልኪ ምዕዳም ጥራሕ እዩ

ካብዚ ብዝተረፈ፥ ብስም ዲሞክራሲ እናጨረሐ ዝወዳደብ ሰልፍታት ይኹን ምንቅስቓሳት ኩሉ ንሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ይበቕዖን የተግብሮን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ኩነት እዚ እቶም ተበለጽቲ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ናይ ዲሞክራሲያ ጭርሖ ተሓቢኦም፡ ነቶም ነታ ዲሞክራሲ ክሰርሑላ ዝጽዕሩ ከናሽው፡ ከነኣእሱን ከቖናጽቡን ስረሐይ ኢሎም ኢዮም ዝተሓሓዝዎ። ሽዑ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ እቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ዘሎ ወገን ንኸይዓስል ከም ዝዕገት ምስ ገበሩ ከኣ ንሰልፍታት ከም መነሃሃሪ ሽግር ገይሮም ክቕርቡ ይፍትኑ።ተሳትፎ እቲ መሰረት ኣልሲ ዝኾነ ህዝቢ እንተደኣ ትሑት ኮይኑን ከምኡእውን እቲ ዝነበረ ቁጽሪ መሰረት ቃልሲ እናተባሕጎጐ ከይዱ ዓቕምን ክእለትን እተን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝጎድል ንድልየታት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ክሰርሓ ይሽገራ። እቲ ኣንጻር ሰልፍታት ዝግበር ጐስጓስ ህዝባዊ ተቐባልነት ስኢነን ነቲ ዝኽተለኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እቲ ህዝቢ ከም ዝይበሎ ምግባር ዝዓለመ እዩ።

ከምዚ ካብ ኮነ፡ ውድባት ወይ ሰልፍታት መሰረታት ኣብ ዝወሓድሉ ወይ ከኣ ኣካል ህዝቢ ዝኾኑ ተራ ኣባላት ዘይብሉ ውደባ በየናይ መገዲ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ውድብ እኮ ገንዘብ፥ ተወፋይነት ክኢላ ዓቕምን ሰብኣዊ ጉልበትን የድልዮ። ብዘይ እዞም ዝተጠቕሱ ባእታታት ውድብ ይኹን ሰልፊ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ተመሊስካ ነተን ሰልፍታት ምሕማይን፡ዲሞክራሲ እናጨራሕካ ውድባት ኣየፍረያን ውድባት ፈሽለን እየን እናበልካ ብምምጽዳቕ ዲሞክራሲ ኣይዕንብብን እዩ።

ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፉ ህዝብን ሰልፍታትን ንምፍልላይ ብማለት ንኣድላይነት ሰልፍታት ንምድምሳስ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላው እዩ ዝእምት። እዚ ከኣ ልክዕ ምስቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ ፈለማ መደርኡ ውዳባት ሰልፍታት ኣየድልያን እየን ዝበሎ ዝሰማማዕ እዩ።

ልክዕ እዩ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደራኺ ሓይሊ ናይ ለውጢ ኮይኑ ንሓደ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ እውን የቀላጥፍ እዩ። እዚ ግን ብዘይህላዌ ሰልፍታት ክኸይድ እንተኾይኑ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ብመሰረቱ ናይ ብሓቂ ንህዝባዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ይውክል’ዲዩ? ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ትካላት ኣለዎ’ዶ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መሳርሒ ኮይኑ መላእ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ራኢ ይውንን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን የዋህነት እዩ። ነዚ ዝተፈላለየ ራኢ ናይ ህዝቢ በተን ዘለዋ ሰልፍታት እዩ ዝምእከል።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተግባራት ጽልዋ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እተን ሰልፍታት ክተሓባበራን ክደጋገፋን ይግባእ። እዚ ምስ ዝህሉ እዩ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት፥ ለውጢ ኣብ ባህሊ ክዕምብብ ዝኽእል። እቲ ንግርጭታትን ረብሓታትን ናይ ምምእካልን ጸጋታትን ስልጣንን ናይ ምምቕራሕ ክሰላሰል እተን ሰልፍታት ህዝቢ ብዝጠልቦ ክቕየዳ ይኹን ህዝቢ ዝጠልቦ ንኽፍጽማ ከኣ ይግደዳ።

ድራር መንታይ

للظل أو المأوى قيمة ومعنى كبيرين في ثقافة مجتمعنا، وهذا لا يرجع الي فوائده المباشرة فقط كأن يقينا الحر والبرد والمطر والعواصف، بل لأنه يعني لنا ما هو أكبر من ذلك، مادياً ومعنوياً، إذ إن الظل مأوى ومأمن وعزة وكبرياء وحجم ووزن، وفي مأواه ومسكنه يناقش الانسان ما يهمه من قضايا محلية، اقليمية ودولية. إذاً لا فرق بين الظل أو المأوى من جهة والمجلس الجامع أو التشاوري من جهة أخرى. المسكن أو المأوى يتنوع ويتشكل في بلادنا حسب العادات والتقاليد والتنوع المناخي، فقد يكون من الأخشاب أو الأحجار أو الطين ...الخ. وفوق هذا وذاك فإن المأوى أو الظل مكان ذو طابع اجتماعي يبذل ثماره لتؤوي من بحاجة الي مأوى وحماية. قد يؤوي المنزل الواحد أناساً من مشارب شتى والمنزل هو القاسم المشترك الوحيد بينهم وصاحب الفضل عليهم جميعاً.

 

الظل واحد، لكنه مأوى لكثيرين، وتحت الظل الذي يعترف سكانه بأنه ملكية مشتركة بينهم يسهم السكان بما يستطيعون من قدرات في بناء أو ترميم ما يستظلون به. وحتى يقوم الظل بوظيفة الإيواء للجميع يجب علي السكان التكاتف في بنائه والحفاظ عليه قوياً متيناً بالحرص الدائم علي وحدة القوى المقيمة علي الحد الأدنى مما يتفق عليه السكان من أهداف أو مبادئ. لا يعقل أن يضم المأوى المشترك شخصيات لا تتفق علي شيء من الأشياء، إذ لا يمكن أن يكون المنزل لبعض السكان ملجأً من البرد ولآخرين مكاناً للتلذذ باستنشاق الهواء البارد من جميع منافذ المنزل. إذاً يتوجب علي الكل التعاون مع الكل لإنجاز الأهداف المشتركة انطلاقاً من منصة المنزل الواحد ذي المصالح المتحدة والأهواء المتعددة، إذ لا نصر دون التماسك والتكاتف والحرص المشترك علي المصلحة المشتركة التي هي المأوى المشترك. وكل مأوى يقوم علي النفاق، أي علي إبطان الشر والأنانية وإظهار الحب وطيب المعشر لن يحقق سكانه نصراً ولا نجاحاً. المظلة الجامعة وسيلة لتحقيق النصر وليست في حد ذاتها نصراً تنتهي عنده الغايات.

 

من الناحية النظرية علي الأقل ليس بين مكونات معسكر المعارضة الارترية من خلاف علي إقامة المظلة الجامعة، لكن المشكلة تكمن في ضعف الحرص علي بناء مظلة فاعلة أو تفعيل وتمكين المظلة القائمة، وهذه إشكالية تتخلل أعمالنا كلها لا المظلة فقط. تجاربنا تؤكد أن جميعنا علي علم بما يعوق مسيرتنا نحو العمل المشترك. لكن المؤسف أننا مع إلمامنا بكلٍّ من الداء والدواء فشلنا في إيجاد العلاج المناسب. أهم أسباب هذا الفشل فتكمن في الاستبداد بالرأي وادعاء الصواب المطلق، الدوران حول متاهة المرارات القديمة، عدم التحرر من أسر التشبث بالمصالح الشخصية والفئوية الضيقة، عدم الاعتراف بعطاء الفرقاء الآخرين، النظر الي الماضي وحزازاته بدلاً من روح التسامح والنظر الي الأمام. تناسي دورنا وانتظار المبادرة من الآخرين مع أن الأمر يهم كل المعنيين به. كثرة التنظير وقلة التضحية والإنجاز تجاه كل ما يصب في المصلحة الوطنية العامة. عمداً أو بغير قصد هناك عدم اكتراث لمراعاة خصوصية الوضعية الارترية. 

                    

بما أن الهدف السياسي الأكبر ملك للجميع يجب أن ندرك أنه من المستحيل أن ينجزه كلٌّ منا وحده، وهنا تكمن ضرورة إقامة المظلة المشتركة لإنجاز ذلك الهدف المشترك. إلا أن هذا يستغرق من الزمن ما يستغرقه نضالنا السياسي. عندما ننظر الي قائمة ما أنجز وما لم ينجز من أهدافنا وأحلامنا نجد الكفة السالبة هي الراجحة. وإذا تركنا الماضي البعيد جانباً وقمنا بتقييم تجربة العشرين عاماً الأخيرة من عمر نضالنا نجد أنفسنا قد مررنا بمحاولات عديدة للم الشمل، ففي حقل الائتلافات السياسية نجد قوى سياسية ارترية قد اتحدت فيما عرف بتجمع القوى السياسية الارترية، ثم التحالف الديمقراطي الارتري، فالمجلس الوطني الارتري للتغيير الديمقراطي. إن عدم إنجازنا شيئاً ذا بال بعد كل هذه المحاولات لا شك يعتبر مقياساً كافياً لما انحدرنا اليه من ضعف. نجاحنا في إقامة المظلة الجامعة أو عدم نجاحنا له أثر علي كل ما نحلم به من أهداف قريبة أو بعيدة. تمكـُّــننا من إقامة المظلة خطوة أولى في مسيرة انتصار نضالنا الدءوب. أما إذا فشلنا في هذه المهمة فهذا بالتأكيد سيرد مسيرة إنجاز أهدافنا الي الخلف وفي أفضل الظروف يجعلها تراوح مكانها. وهناك العديد من الأمثلة والنماذج علي ما نقول وتكفي الحالة من العراق الي ليبيا مصدراً ثراً لأخذ الدروس والعبر. ومن المخزي والمخجل أن نمر علي هذه الدروس والعبر مرور الكرام بلا نظرة متفحصة ولا اعتبار.

 

إن إقامة المظلة الجامعة ليس مهماً فحسب، بل هو مهمة من الطراز الثقيل للغاية، وثقل وأهمية ذلك لم نستقيها من تجارب الآخرين، بل نستقيها من تجاربنا. إنها تـُــبـْــنـَـى بجهود الجميع لا بجهود القلة القليلة ولا بالطرق الملتوية والوسائل المبتسرة. قد تتم المبادرة بهذا العمل من ركنٍ ما ثم تنمو وتتسع، لكنها لا تـُــزرع اليوم لتـُــورِق وتـُـحـْــصـَــدْ غداً. كما تقدَّمَ في هذه السطور لم تثمر جهودُنا السابقة لإقامة المظلة، لكن هذا لا يغلق البابَ أمام محاولاتنا الجديدة بحجة فشل محاولاتنا السابقة، ذلك أن قصورنا أيضاً من عوامل الفشل، إذ كل نجاح في المستقبل يعتمد علي استخلاص دروس وأخطاء الماضي والحاضر. فهل نحن جاهزون لتلقي تلك الدروس؟ إن التعلم من الماضي هو اللبنة الأولى في بناء صرح المستقبل.

 

بما أنه لا بديل أمامنا فستظل محاولاتنا إقامة المظلة سوف تتواصل. ضمن هذه الجهود كان لقاءا فرانكفورت ونيروبي في الآونة الأخيرة، وكل تحفظ أو احتجاج علي مكان، زمان، مستضيفي، حضور وأجندة اللقاءين يأتي من قبل من لم تشملهم الدعوة بالذات ليس أمراً مستغرباً ولا يجب أن يكون مثيراً للهلع والانزعاج. المزعج والمؤسف هو أننا بدلاً من أن نعتبر ذلك خطوة في الطريق الي المظلة الجامعة للكل ونتبادل التهاني بيننا بهذا النصر، نعود للخلف ونثير الضغائن ضد من أعدوا أو شاركوا في اللقاءين، أفراداً وتنظيمات، هذا ومع احترامنا لكل من خاضوا في هذا الوحل، فإننا ننبههم الي أنهم بفعالهم هذه وإن نالوا من أشخاص أو هيئات فإن نيلهم من مصالح الشعب والوطن كان أنـْــكـَـى وأكثر. لذا يجب أن نتناسى خلافاتنا ومراراتنا كي ننقذ الوطن ببناء المظلة الجامعة التي نستظل بها جميعاً.

ሰልፊ ደሞክራስ ህዝቢ አርትራ ናብ ኣደመንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍርቃ ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ናይቲ ኮምሽን መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳኡ ክሰርዖን፡ ነቲ እንዳገደደ ዝኽይድ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብዚ ዘለዎ ግዜ ከይበለዐ ንክዛረበሉ ጸዊዑ።

 

እዚ ካብ ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብ ዶ/ር ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ዝተላእከ መዘክር፡ ኣፍሪቃዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ንከምዚ ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ምብትታንን ውድቀት ሃገር ከስዕብ ዝኽእል ዛዕባታት ክዕገተሉ ኣብ ዝኽእል ክዛረብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። እቲ መዘክር ነቲ ኣብ 2015 ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ዝተወሰነ ከምኡ ኣውን ነቲ ብፍሉይ ኮሚተ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መስለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዝቐረበ ነቐፈታ ኣዘኻኺሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መዘክር ብኸምዚ ዝስዕብ ምስዚ ዜና ተተሓሒዙ ኣለና እነሆ።

 

መበል 26 ኣኼባ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ብ21 ጥሪ ተጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ ክጸንሕ እዩ። ዶ/ር ዙማ ኣደመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብ17 ጥሪ ኣብ ማአላይ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሕብረት ኣዳራሽ ነልሰን ማንደላ፡ 8ይ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ጾታ ጉዳይ ቅድመ- ኣኼባ ምይይጥ መድረኽ ከፊተን እየን። ኣብዚ ናይ ምድላው ኣኼባ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መበል 26 ኣኼባ ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ክውሰን ዝጽበየኦን ተዛመድቲ ጉዳያትን ፕሮጀክት ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ተዛሪበን።

***

AUpic

 

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብሰደህኤ ናብ መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተላእከ መዘክር

 

ናብ ክብርቲ ዶ/ር ንኮሳንዛና ድላሚኒ ዙማ ኣደመንበር

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣዲስ ኣበባ

ዕለት 20 ጥሪ 2016

 

ዛዕባ፡ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰለት ኣፍሪቃ ከም ኣጀንዳ ምሓዝ

 

ክብርቲ ኣደመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እዩ። ሰልፍና ነዚ ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዘ መዘክር ናብዚ 21 ጥሪ 2015 ዝጅመር ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ቆላሕታ ዝህብ፡ መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሰድድ እንከሎ፡ ሓጐስ ይስመዖ። ስለዚ ኣኼባኹም ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኢውሮጳን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ከም ቀንዲ ውዑይ ኣጀንዳኹም ጌርኩም ክትዛረብሉ ብሃንቀውታ እንጽበዮ እዩ።

 

ክብርቲ ኣደመንበር

ኣብዚ መበል 53 ምምስራት ኣህጉራዊ ውድብ ኣፍሪቃን መበል 30 ዓመት ምጽዳቕ ቻርተር ዘብኣዊ መስልን መሰል ህዝብን ኣፍሪቃን ዝዝከረሉ እዋን፡ ኤርትራውያንን ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃን ካብዚ ኣኼባኹም፡ ነቲ እንዳኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ብዙሕን ኣገደስትን ውሳነታት ይጽበዩ ኣለዉ። ከም ዘይትስሕትዎ፡ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ ዘሕፍር በደላት ዝፍጸማ ዘሎ ሓንቲ ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

  • ድሕሪ 25 ዓመት ነጻነት ሎሚ እውን ሕገመንግስቲ የለን

  • ዝኽበር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል የለን

  • መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን የለን

  • ናይ እምነት ነጻነት ኣይፍቀድን

  • ናይ ህይወት ነጻነት ውሑስ ኣይኮነን

  • ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት የለን። ብሕታዊ ትካል የለን። ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጽሬት ትምህርቲ የለን

ናይ ስራሕ ክፍሊት የለን። ናይ ጡረታ ስርዓት የለን። ኮታ እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን

 

 

ክብርቲ ዶ/ር ዙማ

 

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይጽወር ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ዝያዳ ኩሉ ድማ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሕብረት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ከተሓሳስቦ ምይግባእ። ሎሚ ኤርትራ ብብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዓለም 3ይቲ ሃገር እያ። ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ናይ ሓደ ሰብ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ሕብረተሰባ ለሚሱ ዳርጋ ናብ ዝፈሸለት ሃገር ትገማገም ስለ ዝኾነ፡ ህዝባ ንክድሕን ኣፍሪቃዊ ስጉምቲ ትጽበ ዘላ እያ።

 

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኩሎም ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኻትን ብዛዕባ’ቲ 183 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራትን መደምደምታ ኮሚተ ውሳነ ሰብኣዊ መሰላት 2015 ዝርድእዎ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ብዛዕ ውዕል ኣንጻር ኩሉ ግህሰታት መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ጸብጻብ 2015፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝፈረመሉ ውዕል ከኽብር ኣይበቐዐን።

ክብርቲ ኣደመንበር ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡

 

ሎሚ ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ዛዕባ ኣያ። ንሕና ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኹም ኣብዚ መበል 26 ኣኼባ ሰብእዊ መሰል ኣፍሪቃ ከም ቀንዲን ውዑይን ኣጀንዳ ብምውሳድን ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ብምሃብን ክትሕዝዎን ብዝግባእ ኣብ ግምት ከም እተእትውዎን ንኣምን። ምስዚ ብምትሓሓዝ ነዚ ዕድልዚ ተጠቒመ፡ ላዕለዎት ልኡኻት መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ክህብዎ መልእኽተይ የቕርበሎም

 

ምስ ኣኽብሮት

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)

In a memorandum sent to the Chairwoman of the Commission of the African Union, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) urges the 26th AU Summit on Human Rights to put Eritrea on its agenda and try to address the ever worsening political and human rights situation in the country before it gets too late.

 

Addressed to Dr. Nkosazana Dlamini Zuma by the EPDP Chairman Menghesteab Asmerom, the memorandum hoped the African organization will seriously tackle issues like the situation in Eritrea which caused a societal breakdown and near state failed. The EPDP memorandum reminds Africa of the 2015 decisions of the UN Human Rights Council as well as the criticisms of the Eritrean regime by a special committee on the rights of women. (The full text of the EPDP memorandum can be read at the end of this news item).

 

The 26th AU Summit on Human Rights, with particular focus on women's rights, is due to open tomorrow, 21 January, and last till the end of the month.

 

Dr. Zuma, the AU Commission Chairwoman, opened at the Nelson Mandela hall at the AU headquarters on 17 January the 8th AU Gender Pre-Summit which is discussing what African women are expecting the current AU Human Rights Summit to decide on effective implementation of decisions on respecting gender related human rights in Africa and women's empowerment projects.

AUpic

 

***

 

Full text of the EPDP Memo to the 26th AU Summit on Human Rights

 

To: Her Excellency Dr. Nkosanzana Dlamini Zuma,

Chairwoman,

the African Union Commission, Addis Ababa

Date: 20 January 2015

Subject: Have Eritrea as Agenda Item of this 26th AU Summit on Human Rights

 

Dear AU Commission Chairwoman,

We in the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), an opposition organization in exile that struggles for democratic change in Eritrea, feel pleased to address this memorandum carrying an exceptionally urgent Eritrean people's message to the 26th Summit of the African Union (AU) on Human Rights, with special focus on women, which is opening tomorrow, 21 January 2016. We thus wait with crossed fingers to learn that the sad human rights situation in Eritrea will be one of your hot agenda items, as it has been recently at the meeting halls of the UN and European Union.

 

Dear Madam,

At this 53rd year of the existence of the continental organization which also marks the 30th anniversary of the signing of the African Charter on Human and People's Rights, Eritreans and the rest of the African peoples are expecting from this AU Summit more serious action on addressing the widespread human rights violations in the continent.

As you  know, Eritrea, one of the 54 AU member states, is, shamefully, a country where:

  • No constitution exists after 25 years of statehood;

  • No basic human rights are respected;

  • No freedoms of press or assembly are allowed;

  • No free worship permitted;

  • No security to life is guaranteed;

  • No free mobility; no private sector; no quality education at any level;

  • Literally no paid work, no pension system .... the list of no's is endless.

Your Excellency Dr Zuma,

The situation in Eritrea should concern the AU and all Africans. Because of the humanly intolerable socio-political, economic and above all human rights situation in the country, Eritrea is one of the third largest refugee producer countries in the world today. Under a ruthless one-man dictatorship, it is already a broken society, nearly a failed state - if it is not already there - and urgently looks for some African action to help salvage of what remains of the society.

Equally distressing is the situation of women in Eritrea. All AU participant delegations may be aware of the 483-page report of the UN Commission of Inquiry and the conclusions of the UN Human Rights Council of July 2015. On top of that, a UN special committee scrutinizing state failures in the implementation of the Convention to Eliminate all forms Discrimination against Women (CEDAW) reported during 2015 that the Eritrean regime has failed to defend and respect women's human rights as enshrined in that Convention which was, ironically, signed by the Eritrean regime.

Dear AU Commission Chairwoman,

Eritrea is an African issue and we trust you will consider having it as one of the hot agenda items of this 26th AU Summit on Human Rights, with special focus on the rights of women. Kindly also let this modest memorandum be shared with all head of delegations to this 26th AU Summit on Human Rights, with particular focus on women's rights.

Respectfully yours,

 

Menghesteab Asmerom,

Chairman, Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in exile.

Wednesday, 20 January 2016 12:51

Analysis: This is Africa’s North Korea

Written by

 Oded Bailty

© Oded Balilty African migrants stand inside Holot detention centre. Eritrea is not at war, but its president, Isaias Afwerki, uses the threat of a bloody conflict to justify human rights abuses, among them indefinite national service. Eritrea is losing its youth through mass migration. But what is everyone fleeing, asks Mercedes Sayagues.

There is something odd in the camps hosting Eritrean refugees in Ethiopia and Sudan. Generally, refugee camps in Africa burst with women and children - but mostly young men cram the Eritrean camps.

Equally odd is that tiny Eritrea (population around 4.5 million) ranks, along with Syria, Afghanistan and Somalia, among the world’s five top source countries of asylum-seekers. Some 5 000 young Eritreans flee every month, by UN estimates.

Up to 10 percent of the population has left. The majority of Eritrean migrants take the deadliest route to Europe, across Sudan, Egypt and Libya. Throughout their desperate journey, they may fall prey to vicious human trafficking.

In eastern Sudan, the Rashaida militias kidnap migrants until relatives pay ransom, then pass them along the trafficking chain. Sinai trafficking is especially cruel. Smugglers torture migrants by open cellphones so their relatives hear their screams. Over the years, it is estimated they have killed between 5 000 and 10 000 Eritreans. Closer to Europe, hundreds of Eritreans have drowned in the Mediterranean.

Yet Eritrea is not at war. What are the refugees fleeing?

“A totalitarian state bent on controlling Eritreans through a vast security apparatus to control, silence and isolate individuals, depriving them of their fundamental freedoms,” says a 2015 report by the UN Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea.

In 483 pages of grim reading, it describes a nation living in fear of forced labour, arbitrary imprisonment, disappearances, extrajudicial executions, torture (including sexual torture), inhumane jails, spies, arbitrary land expropriations, and restrictions on freedom of expression, conscience and movement - human rights violations on a scope and scale seldom seem elsewhere.

The 1997 constitution was never implemented and national budgets never tabled. A census is forever delayed. There are no independent NGOs or media. Internet is scarce and slow. Reporters Without Borders ranked Eritrea last among all countries in press freedom last year.

Only four religions are allowed: Eritrean Orthodox, Sunni Islam, Roman Catholic and Lutheran. Pentecostals and Jehovah Witnesses are persecuted and jailed unless they recant their faith.

UN researchers trying to document Eritrea’s success achieving some of the Millennium Development Goals have been denied entry.

So were members of the UN Commission of Enquiry, which had to rely on 550 interviews with Eritreans abroad.

Eritrea’s repression and isolation have earned it the nickname of Africa’s North Korea - a closed country where people need a pass to travel between towns and a hard-to-obtain exit visa to leave.

The worst is open-ended military conscription lasting up to a decade. Conscripts as young as 15 and as old as 50 work as indentured labourers in mining, infrastructure projects and farms, often owned by the military. They are poorly fed, abused, exploited and enslaved, says the report.

Those caught trying to escape or deported back to Eritrea are considered traitors, tortured and jailed.

For these reasons, Eritreans are automatically granted asylum in many European countries. The government argues that this is a pull factor. In any case, Eritrea is suffering “drastic depopulation”, warned the Catholic bishops in a rare letter of protest in 2015.

Migration levels are becoming “unsustainable”, says the International Crisis Group.

“Ending the exodus requires greater engagement with Eritrea - potentially ending a decade of isolation that has been both self-imposed and externally generated.”

Only Eritrea's latest betrayal

Constant betrayals. This phrase sums up Eritrea’s sad history.

Colonised by the Italians at the end of the 19th century, it was freed of Mussolini’s fascist rule by British troops in 1941. The Brits plundered port and factories, then handed the country over to the UN.

Disregarding Eritrea’s wish for independence, in 1950 the UN set up a federation with Ethiopia. The Ethiopian emperor, Haile Selassie, promptly annexed Eritrea. The UN kept shamefully quiet, and in 1961, a 30-year-long liberation struggle began.

As the Cold War gripped the Horn of Africa in the 1980s, Americans and Soviets successively aided and dropped Eritrea, in a deadly game of shifting military alliances. Throughout these vagaries, Eritrea continued to fight pretty much alone.

Holed up since mid-1970 in a vast underground complex in the harsh, northern Sahel Mountains, the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) eventually overran Mengistu Haile Miriam's army and achieved independence in 1993.

The EPLF was the Western media’s darling: an egalitarian, progressive, communal, frugal guerrilla force united over tribal, religious and gender fault lines. It was big on gender equality, for women’s education and against child marriage and genital mutilation. A third of its fighters were women.

Underground factories produced munitions as well as sanitary pads.

Twenty-three year later, the UN reports that Eritrean woman prisoners are not given sanitary pads, can't shower for months and are crowded in filthy cells without proper toilets.

This shift from liberation to oppression is the work of guerrilla leader-turned-president-for-life, Isaias Afwerki.

In 1998, Isaias provoked a two-year war with Ethiopia. Afterwards, Eritrea plunged into dictatorship.

Eritrean meddling in Sudan, Somalia and Ethiopia, supporting rebels and al-Shabaab, led the US to threaten to declare it a state sponsor of terrorism.

The UN imposed sanctions and began scrutinising its shadow economy. It found an illicit financial system based on money-laundering, arms trafficking and payouts from patrons like Libya, Saudi Arabia and Qatar. Generals shared kidnapping ransoms with the Rashaida militia and exploited conscript forced labour.

The government exacts a 2 percent tax from Eritreans working overseas in exchange for consular services. The newest revenue is gold mining. In 2011, the Canadian company Nevsun, 40 percent owned by the state, started exporting gold. Another profitable asset is Eritrea’s location on the Red Sea. Its closeness to Yemen, Saudi Arabia and Egypt brings opportunities for funding and leverage with Saudis, Iranians, Houthis and Russians.

A small coterie of generals and advisers benefits from business and patronage but running the country is tightly controlled by Isaias.

“Eritrea is a personally owned political-business corporation which risks disintegrating when its founder-owner dies or is removed,” writes Alex de Waal in his book, The Real Politics of the Horn of Africa.

A heavy drinker, Isaias is in poor health and lacks a succession plan. Yet his absence might bring more turmoil.

Eritrea could become “an oligarchic system run by a cartel of generals and party fund managers, or a deregulated and violent political marketplace”, writes De Waal.

This would amount to yet another betrayal to Eritreans’ hopes for democracy.

Testimonies of brutality

A former prison guard recalled: “They cannot wash or shower. There is no health care. The men get to the point that their testicles are infected. They are screaming with pain. They are not allowed to wear shoes, their feet are swollen from the bruises.”

One detainee reported: “It is called the butchery because there is blood everywhere. I saw one pregnant girl lose her baby from the beating. She was caught trying to go to Sudan. I was in the queue after her to be punished. I could see her getting hit with a thin stick… all over her body by four men. She began bleeding.”

Mother of a toddler detained because her husband left the country: “I was handcuffed, very tight, an iron stick placed between my hands, a stick behind my knees and attached to my hands. Then, hung upside down, placing the stick between two tables, and beaten. I was beaten for 17 days with a stick or a whip, sometimes also slapped. They were bringing my baby in front of me and then they were beating me. When my child became sick, they asked me to bring 50 000 nakfa and I was released.”

A man jailed: “We were beaten every other day. My friend was beaten on the testicles with a stick. When he came back, everything was bloody. He could hardly walk, his testicles swelled to bigger than the size of a fist. He was in a lot of pain… He died shortly after.” - UN Commission of Enquiry

Eritrean refugees

Worldwide:

36 000 registered by UN

Of these:

In Ethiopia: 130 000

In Sudan: 126 000

In Israel: 37 000

UNHCR 2015

Mercedes Sayagues is a Knight International Journalism Fellow

The views expressed here do not necessarily reflect those of Independent Media.

ህጹጽ ጸዋዒት ንኹሉ  ኤርትራዊ  ዜጋ
 

Mohammed Brhan Blataዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡

ብቐዳምነት ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ዕዙዝ  ሰላምታይ ብምቕዳም፡ እዚ ዓብን ኣገዳስን ንእዋናዊ ጠልብ ሲፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዩ  ንሃገር ንምድሓን ቁዱስ ሃገራዊ ዕማም ሒዙ ዝጋባእ ዘሎ ገለ ክፋል ናይ ሓይልታት ተቓውሞና  ክቡር ሰውራዊ ሰላምታትይ እንዳቕረብኩ ኣብዚ ዝገዝኣና ዘሎ ተኣፋፊ ህልዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና ንኽንኣልዮ ፍታሕ ክንረኽበሉ  ምእንቲ መድረኽ ይሓተናሎ`ሞ ንሰውራውን ሃገራውን ዕማምና ሃየ  ነበግሶ  ብዕቱብ  ንሓዞ  መታን ከነዕውቶ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን  ነዚ ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጽንኩርን ኣዝዮም ዝተሓላለኹ  ኩነታትን ብምግንዛብ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምና  ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልሲተሞኩሮ ዝተሞርኮሰ ዓቕምና ንዘሎና  ሓሳብን ርእይቶን ከነቕርብ ድልዋት ክንከውን   ክብል ከሎኹ፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ብሃገራዊ ሓላፍነትን ሕልናን  ርኢና ንሕሉፍ ልዕሊ 20 ዓመት ዝወሰደ ናይ ተቓውሞ  ተመኩሮና ብዕቱብ ዳህሲስና ንኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታትና ገምጊምና እቶም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝብድሁና ዘሎዉ ጸገማትና ብዑምቀት ፈሊጥና ነዚ ተበጉስናሉ ዘሎና ቅዱስ ዕላማ ሃገር መታን ከነዕውቶ ኣብ ሓባራዊ ኣስራርሓ ዝኣምን ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ምትእታው ነጻ ኮይኑ ብኤርትራዊ  መንነቱ ዝኾርዕን ዝሕበንን፡ ሓደ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ከነቕውም እዋናዊ መድረኽ ይሓተናን ይጽበየናን ስለ ዘሎ ከይተማእታእና ግዜ ከይወሰድና ክንሰርሓሉ ንዳሎ። 

እዚ ክብል ከሎኹ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ልዑላውነት ህዝብን ምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማዕርነትን ግን  ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ ዝርከብ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ሰላሳ ዓመት ተባዕ ቃልሱ ኣዝዩ ፍሉይን እምብዛ ዘኹርዕን ዘሕብንን  ታሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ  ኣብ ፓሎቲካዊ ተመኩሮኡ ዝተሞርኮሰ ዝተራጋገጸ ናጽነት፡  ናቱ ታሪኽ ዘሎዎ እኳ እንተኾነ፡  ኣብዘካየዶ  ቃልሲ ውጽኢቱ ግን ንረብሓ እቲ ዝተቓለሰ ሰፊሕ ህዝቢ ከምቲ ዝደለ ከብጸሖ   ኣይበቕዖን ኣይተዓወተን  እዩ ዘሎ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋትና ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ  እዩ ብምባል ሓላፍነት ከነሰክሞ ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፡  ብመንጽሩ  ንሕና ኸ እቶም ብሓይልታት ተቓውሞ ንፍለጥን ንጽዋዕን ነዛ ሃገር ንምድሓን ንምልካዊ ስርዓት ካብ ስሩ መታን ክነልግሶ ከምቲ ዝደለ ክንሰርሕ በቒዕናዮዶ ኣይበቓዕናዮን  ንዝብሉ  ሕቶታት   እቲ  ጉዳዩ ብቐንዱ ንዓና ዝምልከት ኮይኑ ብተግባር  ሃገር መታን ከነድሕና ክንምልሾ  ዝጽበየና ዘሎ ህመትና ከም ዝኾነ ክንስሕቶ ኣይግበእን። 

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምና ክንርኢ እንተኾና ካብኦም ከም መወከሲ ተጠቒምና  ክንመሃረሎም  ንኽእል፡ መዳርግቲ ዘይብሎም ብኣወንታን ኣሉታን  ዝግለጹ ተሞኩሮታት፡ ከም ዘለዉ  ኣይሰሓትን ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰውራ ኣካይዱ ሃገር ወኒኑ መንግስቲ ወላኳ እንተኣቖመ ናይ መጻኢ ዕድላቱ ጽልግልግ ዝበለ ዘደናግር መታን ከይከውን ዋሕስ ክገብረሉ ዝግባእ ዋንነትን ኣተዓዳድላን ኣማቛራርሓን ፖሎቲካዊ ስልጣን ስለ ዘየነጸረ፡ ከምኡ ውን ብሰንኪ በሓትነት ናይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝጸንሖ ኣብ  ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዝተሞርኮሰ ሕልምታቱ ስለ ዝተጎርሸ፡ ሎሚ ኢርትራ ኣብ እዝዮም ግናያት ዝኾኑ  ንኽትገልጾም ዘጸግሙ ኣብ ኣእዳው ውሑዳት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ውልቀሰባት ወዲቓ ትሳቐ  ምህላዋ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ከሎ፡ እዞኦም   እዮም  እቶም ዛጊት ክንዕወተሎም  ዘይከኣልና  መዳያት ክበሃል ይከኣል።

ናይዞም ዝተጠቕሱ ከምቲ ዝድለ ከነዕውቶም ዛጊት ዘይከኣልና፡ ከም ሳዕቤናቶም ኸኣ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚእዋን’ዚ ከቢድ ዋጋታት ይኸፍል ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሻቐለሉ ዘሎን ርኡይ ተራኽቦታት  ክኸውን ከሎ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተግባር’ዚ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና መብዛሕተኦም ናይ ኣብ ከባቢ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያትና  ክሳብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ  ዘሎዉ ዜጋታትና ውን ከይተረፉ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ዘመን ባዕዳዊያን ጸላእትና ዝኽፍአ ተግባራት፡ ካብ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡  ዝወርዶም ዘሎ እከይ ተግባራት ክድሕኑ ክብሉ ተገዲዶም ዶብ ክሰግሩ፡ ኣብ ጉዕዞኦም ናይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ  ንኣደዳ ሞትን ካልእ ንክትገልጾ ዘሰክፍ እከይ ተግባራት ይቃልዑ  ከም ዘሎዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮን ንሰምዖን  ኣሎና፡ ነዚ ዝጓነፎም ዘሎ  ፍታሕ ክህሉ ኣሎዎ ንዝብሉ ሕቶታት  ኩልና ደቂ ሃገር ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ብቐንዶም ናትና ሓላፍነት ኮይኖም ዘላቒ ፍታሕ ከነናዲየሎም  ዝጽበዩና  ዘሎዉ  ክኾኑ ከሎዉ፡ እዚ ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነትና  ከም ዝኾነ ውን ኩሉ ወዲ ሃገር ክስሕቶ ኣይግባእን።

ከም ሕብረተሰብን ሃገርን ንዝገጠመና ፍሽለት ምጽብባቕን ምግናንን ዘድልዮ ኣይኮነን፡ ንዘይምዕዋትና ክንሽፍን ብሰንኪ ፍላንዶ ዕላን ኢልና ከነፍኩሶን ክንነጽጎን እንተጀሚርና ፈጺምና ክንእርሞ ውን ኣይክንበቅዕን ኢና። እዚ ዘኹርዕን ዘሕዝንን ፖሎቲካዊ ተሞኩሮን’ዚ ግን ንታሪኽን  ንምንዮትን ምስትንታናትን ጥራይ ዝግደፍ ውን ኣይኮነን፡ ስለምንታይ እቲ ንኾርዓሉ ዝተሰርሐ ቅያን ሓያል ታርኽን፡ እዚ ዘጋጠመና ዘሎ ፍሽለትን ብምግንዛብ ብእኡ ዝተበገሰ ዲናሚካውነትን ከም ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ንኣወንታታትና ዓቂብና ኣሉታትና ኣወጊድና ሓድሽ ማሕበራዊ ሰውራ ንምህናጽ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሃገርን  መታን ክትከውን ብተግባር ክንቃለስ ይግባኣና፡ እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግበኣና ማሕበራዊ ሰውራ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላሰልናዮ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ዝተሓላለኹን ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥሙና እዮም። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላምን ራህዋን ምዕሩይ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣተዕዳድላን ከምኡ ዉን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ማዕረ ዕዳላ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት መሉእ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራውን መንፈሳውን ባህላውን ድልየታቱን ጠለባቱን ንምምላእ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዝረጋገጸሉ ህመት እንተዘይ ፈጢርናሉ ኤርትራ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና  ንውሉድ ወሎዶ ወትሩ ኣብ ናይ ጽልግልግ ጎደና ሓደጋታት ዝተሰጥሐት ኮይና ክተርፍ ማለት፡ ንዓና ነቶም ንነዊሕ ዝተቓለስና ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ ብተግባር መልሲ ክንረኽበሉ ዝብደሃና ዘሎ ግዙፍ ሃገራዊ  ህመት እዩ ክበሃል ይከኣል።

እዚ ክብል ከሎኹ ካብ እንውንኖ ሃብታም ተመኩሮናን  ናይ ነዊሕ ቃልስናን ከምኡ ውን ብቐረባ ናይ ጎረባብትና መንግስትታን ሕብረተሰባትን፡ ሃገራት ዓለምና ዝሓለፍኦን ዘጋጠመንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግራተን ብምርኣይን ምንቃልን እቲ ሓደጋታት ንዓና ውን ዝምልከት ኮይኑ ክጸልወና ውን ስለ ዝኽእል፡ ካብኦም ከም መጠንቀቕን መምሃርን ወሲድና ሃገር ንምድሓን ክንሰርሓሎም ዝግበኣና ሜላታትን ምትዕጽጻፍን ክህልወና  ይግባእ።

ወትሩ ኣብ ግዝየን ዝተፋላለዩ ኩነታት ዝቀያየሩ  ባዕላውን ወድዓውን ተርእዮታት ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም፡ ነዚኦም ከምዚ ብሽም ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ኣብ ክንዲ ነዚ ኔኤርትራን ህዝባን ዘጽንት ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስተባሂልና፡ ካብኡ ብምንቃል  ሓድነትና ዓቂብናን ኣደልዲልናን ኣብ ምውዳቑ ንቃላጠፍ  ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ደገ ኮይና ከነተግብሮም ዘይንኽእል ዝተፋላለዩ ሕቶታት ኣልዒልና ንዓመታት ኣብ ንረብሓ ሃገር ዘይኮነ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኮለል ንብል ምሃላውና  እሞ እዚኦም ንታሪኽን ቃልሲ ሰፊሕ ህዝብና ዘይውክሉ ከምዝኾኑ  ብሃገራዊ ሕልና ብዑምቀት ፈሊጥና፡  ናይ ሓባር ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰብኣውን ንረብሓ ሰፊሕ ህዝብና ኮይኖም ንጹር ሃገራዊ ራእይ  ሃልዩና፡  ቃልስና ኣመዓራሪና፡  ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ድልየትን ሕልምን እንተዘይብልና ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ሃገራዊ ስትራተጂካዊ  መደባትና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና ማለት  እዩ ዘስምዕ። ንመሰል ዴሞራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ሕመረት ተወሲዶም ኣብ ወረቓቕቲ ብውሕሉል ኣገባብ ተጻሒፎም ኣብ ቡዙሕ ኣጋጣሚታት ንኽትዕን ምይይጥን ዝቐርቡ ውሑዳት ኣይኮኑን ምናልባት ገሊኦም ብሓቅነቶምን ሚዛኖምን ንሃገር ከገልግሉ ዝበቕዑ ኮኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብዚ ክርዳእና ዘሎዎ ግን ኣብ ኢድካ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይጨበጥካ  ክትግበሩ ከምዘይክእሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ተቓውሞ ተመኩሮና በሪሁልና ክነሱ መመሊስና ንዓመታት ንዕኦም ክንደጋግም እንተኼና ከም ማይ ኣብ ኢድካ ምዕሟኽ ዝመስል  ዘይትግበር ሕልሚ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ብተግባር ተረጋጊጹ እዩ።

ኩሉና ዘይንፋላለየሎም ንሃገር ዝምልከቱ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብሓይልታት ተቓውሞ ዝቐርቡ ዘስተባሃልናሎም ኣገደስቲ ሃገራዊ ስትራትጂ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም፡ ገለ ካብእቶም ንምጥቃስ ኣምበኣር፦ 
1.  ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮሰ ልዑላውነት ሕጊ ትኣምን ሃገር ክትከውን
2.  መሰል ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን  ሃልዩ  ሓጋጊ ኣካል ሓላፍነቱ ወሲዱ  ብተግባር ክሰርሓሉ ክኽእል።
3. ናጽነት ናይ ሓጋጊ ኣካልን ፈራድን ፈጻምን ሃልዩ ብተግባር ክስራሓሉ፡
4. ህዝቢ ዝቕበሎም ብዙሒነት ፖሎቲካዊ ሰልፍታት  ሃልዮም ንረብሓ ሃገር ክሰርሑ፡
5.  ፕረስ  ኣብ ሕጊ ዝተሞርኮሰ  ምሉእ ናይ ምውሳእን ምክትታልን ናጽነት ክህልዎ፡
ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ናይ ኩሉና ድልየትን እምነትን ከምዝኾኑ ኩሉና ንሰማማዓሎም እዮም። ይኹን’በር እዞም ዝተገልጹ ዓበይቲ ነጥብታት ክትግበሩ እንተ ኾይኖም ብቐዳምነት ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዝኽልክለና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ስልጣን  እንተ ዘይለጊሱ ኩሎም  ኦዞም ዝተጠቕሱ፡ ዘይትግብሩ ሕልምታት ኮይኖም ኣዮም ዝተርፉ እሞ ነዚኦም ኣለሊና ቃልስና ኣሐይልና ናብቲ ንደልዮ ሽቶና ክንበጽሕ እንተዳኣ ኲና፡ ብቐድምነት፡ ነዊሕ ተቓሊሶም ሃብታም ተሞኩሮታት ዝውንኑ ኤርትራዊያን ብብዝሒ ስለ ዘሎዉ፡ ከምኡ ውን ደቀንስትዮን መንእሰይን ዝለዓለ እጃሞም ከበርክትሉ ዝኹእሉ ክነት ፈጢርና ክንጋባእ ክንክእል፡ እሞ ካብኡ ዝመንጨወ ከቃልሰናን ከዕውተናን ዘኽእለና ሓደ ሓያል   ሃገራዊ ግንባር ክነቕውም የድልየና ከም ዘሎ ኣይሰሓትን። ናብኡ ክንብጽሕን ክንዕወትን  ምእንቲ ኸኣ፡  ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓዋማይ  ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ጥሙር ሓያል ቃልሲ ከነካይድ   ከም ዘሎና  ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

ኣብ ዝተፋላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ብዝገበርኩዎ ድህሰሳ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ነዚ ጠለብ’ዚ ብዝውንኖ ዓቕምታቱ ይቃለሰሉን ይደፍኣሉን ከም ዘሎ ብንጹር ይበርህ ኣሎ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቅታት፡  ንሕና  ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ልኡኻት ስለ ዝኾና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንሕድሪ ሰማእታትናን ንሓቀኛ ድልየት ህዝብን ክንምልሽን ከነዕውቶን መድረኽ  ይሓተናን ይጽበየናን ከም ዘሎ ኣይሰሓትን።
                                                

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና         
ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ   ኤርትራ።

መሓመድ ብርሃን ብላታ