እቲ ቀንዲ ጸገም’ሞ ጉዳይ መሃያ መዓስ ኮይኑ!

2016-01-18 18:42:43 Written by  Published in EPDP Editorial Read 2941 times

ኣብ ኤርትራ: ብኢደወነኑ ዝመርሕ ዘሎ ጉጀለ ህግደፍ ብዛዕባ ዝገብሮ ኩሉ ነገራትን ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ምቅይያራትን ንህዝቢ ብወግዒ ኣይሕብርን እዩ። ከምዚ ዝገብረሉ ምኽንያታት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ዝርዝር ከይኣተና ግና እዚ እቲ ጉጅለ በቲ ውሱን ዓቕሙን ጽልዉኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ኣትሒትካ ምርኣይን ዘንጸባርቕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ንምህዳም ዝምህዞ ጸይቂ ጥበብ እዩ። እዚ ድማ ሓደን ቀንድን ናይ ጸረ ደሞክራስነቱን ጸረ ህዝብነቱን ባህሪ ዘርኢ ተግባር እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ እዚ ጉጅለ በየናይ ፖሊስን ብናይ መን ፈጻምነትን ይመርሖ ከም ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ኣይነግሮን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ እቲ ጉጅለ ብዝፈጥሮ ኣጋጣሚ እዩ ብወዝቢ መን ኣበየናይ ቦታ ሓላፍነት ከም ዘሎን በየናይ ፖሊሲ ይመሓደር ከም ዘሎን ዝፈልጥ። ነዚ ናይ ወዝቢ ሓበሬታ ዘይተኸታተለ ኣካል ከኣ ኣበየናይ ዓለም ይነብር ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ። ከም ናይዚ ኣብነት ኣብዚ ለንቅነ እቲ ጉጅለ ንዝተወሰኑ ኤርትራዊ ወገናት ናይ መሃያ ወሰኽ ገይሩ ዝብል በራሪ ወረ ሰሚዕና። ኣብ ገለ ናይቲ መንግስቲ መኻፍልቲ ምስጢር ዝመስሉ መርበባት እውን ተለጢፉ ኣንቢብና። “መንግስቲ እየ” በሃላይ ጉጅለ ህግደፍ ግና፡ ጌና ነዚ ዋናኡ ዘይፍለጥ ወረ ኣብ ምርግጋጽ ኮነ ኣብ ዘይምርግጋጽ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ንዓኡ ዘግለለ ኣካይዳ ላድይሉ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘቕልበሉ ኣይኮነን። ምናልባት ግና እስከ ነዚ ወግዓዊ ዋናኡ ዘይፍለጥ ወረ ወሰኽ መሃያ፡ ከም ክዉን ንውሰዶ ኢልካ ብዛዕባኡ ርኢቶ ምሃብ ይከኣል እዩ። ነቶም ከም ሓቂ እሞ ዓብይ ለውጢ ኣምሲሎም ዝወስድዎ ግሩሃት ወገናትና ናብ ልቦም ኣብ ምምላስ ንክሕግዝ።

ውሳነ ማለት ካብ ብዙሕ መማረጽታት ሓደ ምውሳድ ማለት እዩ። መማረጽታት ኣብ ዘየብሉ ግና ውሳነ ኣይውሰንን እዩ። እቲ መፍትሒ ነቲ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ርኢቶ ከም ዘለዎ ምውሳድ ርዱእ ስለ ዝኾነ። ውሳነ ምውሳን ማለት ከኣ ምስኡ ንዝዛመድ ጸገም መፍትሒ ምርካብ ማለት እዩ። በዚ መንጽር እቲ ጉጅለ ህግደፍ ወሲንዎ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ወሰኽ መሃያ ቅድሚ ምርኣይ፡ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍታሕ ከኣ ዘድልዮ ጸገማት ዕምቆትን ብዝሕን ምስትብሃል የድሊ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ስልጣንን ሓላፍነትን ብሓደ ፍሉይ ጉጅለ ምናልባት’ውን ብሓደ ዝገርነወ ውልቀሰብ ምጭዋይ ዝመሰረቱ ብዙሕ ጸገም’ዩ ዘሎ። እምበርከ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መዳያት ህይወት ጸገምን ብኩራትን እዩ እንተበልናኸ ንክዉን ከም ዘለዎ ምቕራብ እምበር፡ ካብ ሓቂ ምውጻእ ድዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ጓና እዩ። ቁጥባዊ ቅልውላው ሰማይ ዝዓረገ እዩ። ኩሉ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዕጹው ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት’ውን መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ብዘላቶ ዓቕሚ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ከይዕንገል ክልኩል እዩ። ኣብ ዓዱ ዝሰኣኖ መሰልን መስተርሆን ኣብ ዓዲ ጓና ንክረኽቦ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ህይወት ከኣ ንርእዮ ኣለና።

ምስ እዚ ኩሉ እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ነዚ ኩለንተናኡ ግናይ ባህርያቱን ኣሰራርሓኡን ክሓብእን ቅኑዕን ናይ ህዝቢ ሓላዪን መሲሉ ክቐርብን ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣብ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ይፍትን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኤርትራ ያኢ ዝጠፍእ ባርዕ ስኢኑስ “ኣብ የመን ዘሎ ሓዊ ከጥፍእ እየ” ብዝብል ማእከሉ ካብ ረብሓን ኣፍልጦን ህዝቢ ኤርትራ ዝረሓቐን ሳዕቤኑ ዘይተጸንዐን ርቡጽ ዝምድናታት ንክፈጥር፡ ምስቲ ሓደ ክፋታሕ ምስቲ ካልእ ከኣ ቃልኪዲን ክኣስር ንዕዘቦ ኣለና። እንተኾነ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ደገ ብምምዕዳው ክሓባብኦ እንተፈተነ፡ ክንቃለሶ እምበር ክንግረመሉ ዝግበኣና ኣይኮነን። ካልእ ናይ ምሕባእ ሜላታቱ ከኣ፡ ነቲ መሰረታዊ ህዝባዊ ሕቶ ጓሲኻ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ዘይትግበር ተስፋ ምሃብ፡ ምናልባት እንተተግበረ ከኣ ነቲ መሰረታዊ ሕቶ ኣብ ምምላስ ጽልዋ ኣብ ዘየብሉ ጉዳያት ምትኳር እዩ። እዚ ካብ መሰረታዊ ጉዳይ ናይ ምህዳም ፈተነ ኣብ ተመኩሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝውሰን ዘይኮነስ ኩሎም መለኽቲ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝገብርዎ ግና ካብ ውድቀት ዘየድሕኖም ሃቐነ እዩ።

ከምቲ ክውረ ዝቐነየ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ተገዲዶም ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝዋፈሩ መንእሰያት 2,000 ናቕፋ፡ ነቶም ካብተን መሰረታዊ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መሳርሕን ክኢላ ሓይሊ ሰብን ዘየብለን ኮለጃት ዝምረቑ ከኣ 3,700 ናቕፋ መሃያ ገይርሎም ዝብል ሓበሬታ ሰሚዕና። ብመጀመርያ ደረጃ እዚ ኣሃዛዊ ወሰኽ ናቕፋ ሓቂ ተዝኸውን እውን ሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ 17,000 ናቕፋ፡ ሓንቲ 20 ሊትሮ እትሕዝ ጀሪካን ማይ 300 ናቕፋ፡ ሓንቲ ተሰሪዕካ ሓዲርካ እትገዝኣ ሕብስቲ (ባኒ) 5 ናቕፋ ኣብ ዝሽየጠሉ ሃለዋት ምዃኑ ኣይንረስዕ እሞ፡ እስከ በዚ መሃያ’ዚ ክመጽእ ዝኽእል ናይ ህይወት ለውጢ እንተልዩ ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዘይከኣል ኣይንሕተቶ፡ ብጽሞና ንሕልናና ንወከሶ። ካብዚ ወጻኢ እቲ ክንርእዮ ዝግበኣና ቁምነገር፡ “ሕቶ መሃያ ኣብቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐርብ ዝርዝር ሕቶታት ቦታ የብሉን’ኳ ተዘይበልና፡ “ንሱ ድዩ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ወይ ናይ ካልኦት መሰረታዊ ሕቶታት መእተዊ እዩ?” ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ዝዘርዘርናዮ፡ ንወሳንነት ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ፡ ንፍትሓዊ ምምሕዳር፡ ቁጠባዊ ነጻነት፡ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት፡ ቅዋምን ተዛመድቲ ሕግታትን ዝምልከት ሕቶታትከ በዚ ይኹን ኣይኹን ጌና ዘይተፈልጠ ናይ ቁንጣሮ ናቕፋ ወሰኽ መሃያ ክፍታሕ ይኽእል ማለት ድዩ። ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ መሰረታዊ ብኩራታት ነነብሶም ክኢሎም ግቡእ መሰረታዊ መልሲ ዝደልዩ እምበር፡ ናይ ሓደ ሕቶ ምምላስ ነቲ ካልእ ብኩራት ከቶ ኣየዕግሶን እዩ። መልሲ ንቁጠባዊ ሕቶ ናቱ ብጽሒት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ናይ’ቶም ካልኦት መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ንሓደ ኣእምሮኡ ብናይ ብዙሕ መሰላት ጽምኢ ዝናወጽ ህዝቢ ጁባኡ ገንዘብ ብምምላእ ከተሕውዮ ኣይከኣልን እዩ። “ንስኻ ብዝትኮበልካ ቁራስ ከብድኻ ምላእ ጐረሮኻ ኣተርክስ፡ ነቲ ካልእ ጉዳያትካ ዝምልከት ግና ባዕለይ ክሓስበልካ ኣየ” ምባል ከኣ ሓደገኛ ናይ ወጻዕቲ ስልቲ እዩ። ምናልባት ግና በዚ ኣገባብ ግዝያዊ መዕገሲ ምግባር ይከኣል ይኸውን። እቲ ናይ “ዘይተመለሰ ሕቶ ኣለኒ” ህዝባዊ ድፍኢት ግና መሰረታዊ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ፈኸም ምባሉ ዘይተርፍ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝድህሰስ ጉዳያት ዝዓቕምኻ ምብርካት፡ ኣብ ዘይጭበጥ ናይ ሕልሚ ዓለም ምንባር ዝመረጸ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ዘይመሰረታዊ ወስታኡ ብዙሕ ከም ዝጽበ ፍሉጥ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ተረኣናዮ ግና እቲ ጉጅለ፡ በዚ ስጉምቱ ነቲ ኣዝዩ ዝቐርዓነ ምስሉ ከሕውዮ ከም ዘይክእል ስለ ዘልጥ፡ ካልእ መራጐዲ ምህዞ ክደሊ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ሓጥያቱ ሓቢኡ “ህግደፍ ጻድቃን’ዩ ኢልኩም ፈርሙለይ” ዝብሎ ዘሎ ዘይዓርግ ገዓሩ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እቶም መብዛሕትኦም ኣሚነምዎ ዘይኮነስ፡ ፈሪሐምዎ ዘጣቕዕሉ ኤርትራዊ ወገናት “ደጊምስ ብህግደፍ ምትላል ይኣክል” ኢሎም ከቕብጽዎ ነዘኻኽሮም።

Last modified on Monday, 18 January 2016 20:02