Eritrea. Liberty Magazine Issue Nr.78
Written by EPDP Foreign Office Affairsኣብ ከተማ መቐለ ብ1-2 መጋቢት 2023 ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ኣብ ትግራይ ዝምስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምረሓሉ ሰነድን ቀጥዒ ምክፍፋል ስልጣንን ከም ዘጽደቐ ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣስታት 350 ብድምጺ 50 ድማ ብዘይድምጺ ተወከልቲ፡ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ማሕበራት፡ ሰራዊትን ምሁራትን ከም ዝተሳተፍዎ እቲ 11 ነጥብታት ሒዙ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
በቲ መግለጺ መሰረት እቲ ዝቐውም ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ 17 ኣብያተ ጽሕፈትን 9 ክላስተራትን ክህልውዎ እዮም። ካብዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዕቤት ከተማታት፡ ገንዘብ፡ ትምህርትን ጥዕናን ዝርከብዎ 9 ኣብያተ-ጽሕፈትን 5 ክላስተራትን ብህወሓት፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን 2 ክላስተራትን ብሰራዊት ትግራይ፡ ቤት ጽሕፈት ፍትሕን 1 ክላስተርን ብምሁራት፡ ጉዳያት ቱሪዝም፡ ሃብቲ ማይ፡ መንገድን ትራንስፖርትን ዝርከብዎ 6 ኣብያተ-ጽሕፈት ድማ ብተቓወምቲ ውድባት ከም ዝተሓዝ ዩኤምዲ/UMD ዝተባህለ ማሕበራዊ መዲያ ዝዘርግሖ ሰንጠረዥ የረድእ። ብመሰረት እቲ ንምክፍፋል ስልጣን ብዝምልከት ወጺኡ ዘሎ ሰንተረዥ ፕረሲደንት ካብ ህወሓት ዝምዘዝ ኮይኑ፡ ካብ ሰራዊትን ካብ ምሁራትን ድማ ክልተ ምክትላት ይህልዉዎ።
ካብ ኣጀማምራ እቲ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ክቃወሙ ዝጸንሑን ተቓወምቲ ውድባት፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣይተሳተፉን። ዲሞክራስያዊ ውድብ ኢሮብ ግና ተሳቲፉ።
እቶም ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ተሓዚእሎም ዘሎ 6 ኣብያተ-ጽሕፈት ዘይቅበልዎ እንተኾይኖም፡ እቲ 4 ንሰራዊት እቲ 2 ድማ ንምሁራት ከም ዝወሃብ ድማ ካብ ተለቪዥን ኣሰና ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቶም ካብ ምሁራት ዝምዘዙ ብማሕባር ምሁራት ትግራይ ዝሕረዩ ምዃኖም እታ ተለቪዥን ሓቢራ።
እዚ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮና፡ ዝተፈላለያ ናይ ትግራይ ማሕበራዊ መድያታትን ፖለቲከኛታት ‘ውን ክቃወምዎ ዝጸንሑ እዩ።
ባህግና Bahgna 115፡ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታትን ብዙሕነትና ንሓድነትና ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 26.02.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብዙሓት ኢና። እምብዛ ብዝሒ ውዳበታትናን ምንቅስቓሳትናን ከኣ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣሰካፍን ኣዘራብን ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይቲ ስኽፍታት ምኽንያት፡ “ናይ ለውጢ ዓቕምና ተበቲኑ ከይንደክም” ዝብል ሓልዮት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይሩ-ዘይሩ እነረጋግጾ ናይ ሓባር ሸቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካልን ክሳብ ዝኾነ ልብኻ ዝመልስ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣህላኺ መስርሕ ቃልሲ፡ ምብዛሕ ውዳበታት ብኣና ዝተጀመረ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ዕዉታት እውን ዝተራእየ እዩ። ምውዳብ መሰልን ሓይልን ስለ ዝኾነ፡ “ድሕሪ ክንድዚ ውድባትን ማሕበራትሲ ይኣክል” ኢልካ ዝሕጸር ኣይኮነን። ናይ በይንኻ ዝተፈልየ ውዳበ ክህልወካ ዘገድድ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘየብልካ ክነስኻ፡ ኣብ መስርሕ ክጻበብ ዝኽእል ዘይመሰረታዊ ፍልልይ መሰረት ጌርካ “ግድን ባይነይ እንተዘይተወድብኩ” ምባል ግና፡ ምርጫ ናይቲ ተግባሪኡ’ኳ እንተኾነ፡ ዝተባባዕ ግና ኣይኮነን። ብድፍኑ ምብዛሕ ውዳበታት ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋት ጌርካ ምውሳዱ ድማ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ እቲ ውዳበታት ዘሎ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ተጸዋዊርካን፡ ኣብቲ ዘሰማመዓ ብጽንዓትን ቀጻልነትን ኣትኪልካ ብሓባር ዘይምቅላስ ግና ዕንቅፋት ዓወት ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝተመኮረሉ የለን።
ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ካብቲ ንጉዳያት ኣብ ምምዛንን ምንባብን ዘለና ፍልልያት ዝነቅል እዩ። ሓደ ኣካል ጐሊሁ ዝረአ ግጉይ ኣናብባ ከንጸባርቕን ንዓኡ ተኸቲሉ ውዳበ ክፈጥርን እንከሎ፡ ናብ ወድዓዊ፡ ርትዓውን ሓላፍነታውን ኣናብባ ክምለስን ቅኑዕ ኣቕጣጫ ንክሕዝን ክትሕግዞ ምጽዓር ንቡር እዩ። እንተኾነ “ነዓይ ዝረኣየኒ ንባብን ተረድኦን እዚ እዩ። ተረድአይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝቃለሰሉ ውዳበ ድማ ክምስርት እየ” እንተ ኢሉ ግና፡ ነዚ ዝምልከት ቅዋማዊ ሕጊ ሰልፍታት ኣብ ዘይብሉ ስለ እንርከብ፡ ደው ከተብሎ ኣይከኣልን። እቲ ምርጫ እምበኣር፡ ኣብ ሰላማዊ መስርሕ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓሊስካ ክትረትዖ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ተመዓዳዲኻ ትተሃላለኽ ግን፡ ነቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት ዝያዳ ንምሕያልን ፍልልያት ንምጽባብን ዘኽእለካ፡ ናይ ሓባር መድረኽ ምፍጣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ውዳበ፡ በይኑ ናይቲ መቃለሲ ሜዳ በሓትን ቀላስን ኮይኑ፡ ነቲ ካልእ ብጉልበት ደፊኡ ከውጸኦ ወይ ርኢቶኡ ንክቕበል ከገድዶ እንተፈቲኑ፡ ምስ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ምውዳብን ዝራጸም ስለ ዝኸውን ዝምረጽ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር ንቃለሰሉ ዘለና ምኽንያት ተቐራሪብና ፍልልያትና ነጻብበሉን ነቲ ዘሰማመዓና ነስፈሓሉን ነስርጸሉን ዕድል ንምፍጣር እዩ። ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣር፡ ሓደ ካብ ጠለባት ህዝብና ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ዝተበተነ ዓቕምና ከድምዕን ህግደፍ ናብ ንስዕረሉ ደረጃ ንኽብርኽን ንከኽእለና ኢና። በቲ ካልእ መልክዑ “ብሓባር እንተዘይኮይኑ፡ በበይንና እነምጽኦ ናይ ዓወት ውሕስነትን መዋጸኦን የለን” ዝብል ዘይስገር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ናይ ውሱናት ውዳበታት ሓላፍነት ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግዱሳት ግደታ እዩ እንብሎ። ሕቶ ሓድነት ከከም ናይ ኣተሓሳስባ ቅርበትን ርሕቀትን ናይቶም ብሓባር ክጸምዱ ዝገበኦም ኣካላት ደረጃታት ኣለዎ። ንኡስ ፍልልያትካ ኣወጊድካ ብደረጃ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካን ኣመሓዲርካን ብምክብባር ቀዳምነትካ ሰሪዕካን፡ ብደረጃ፡ ግንባር፡ ልፍንቲ ወይ ምሕዝነት ብዝግለጽ ጽላል ይትግበር።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ( ሰዲህኤ)፡ ንሓድነት ብዝምልከት ኣብ ጉባአኡ ዝጸደቐ ውሳኔ ተመርኲሱ፡ ብ4 ሓምለ 2017፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር የቃልሳና እየን ኣብ ዝበለን፡ “1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፡ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል” ኣትኪሉ ናብ ምሉእ ሓድነት የብጸሕና ወይ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል የቃልሰና ዝበሎ፡ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ እማመ ምስተዘርገሐ ዋላ ብሓደ ውድብ ተቓውሞ ኣይገጠሞን። እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ንዓኡ ዝምጥን ግብራዊ ውጽኢት ኣይተራእየን።
ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝንጸባረቑ፡ ኣብ ሰፊሕ ጽላል ብሓባር ንምቅላስ ከዕንቅፉና ዘይነበሮም መፈላለይ ዛዕባታት ብዙሓት እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ብዝጸድቕ ቅዋም እምበር ብውድባት ኮነ ምንቅስቓሳት ክውድኡ ዘይግበኦም እዮም። ካብቶም ፍልልያት ዝንጸባረቐሎም ሓደ፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ጐነጻዊ፡ ዘይጐነጻዊ ወይ ክልቲኡ ዝብሉ ኣገባባት፡ ኣብ መደብ ዕዮ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባተታት ሰፊሮም እንረኽቦም እዮም። ውዳበታት፡ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝኽተልዎ ኣገባብ ብስምዒት ዘይኮነ፡ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ድልውነት ተሳትፎ ህዝቢ፡ ናይ ዝሓለፈ ውግኣት ስንብራት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዓቕሚ፡ ናይ ከባቢና ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ለውጢ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን …….ወዘተ ዝብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ምስትውዓል ዘድልዮ፡ ኮሎም እዞም ኣገባባት፡ እቲ ስርዓት ንክውገድ ናይ ምግዳድ ሸቶ ዘለዎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣገባባት ለውጢ ብኻልእ ኣካል ክመጸሎም ወይ ህግደፍ ክተኹበሎም ዝጽበዩ ኣይኮኑን።
ስለዚ ሎሚ እውን፡ እቲ ቀዳምነት ሂብና ከነጉለሖ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝፈላልየና ዘይኮነ፡ ዘይሩ-ዘይሩ ሸቶና ሓደ ምዃኑ ተገንዚብና ነቲ ዘሰማምዓና ክኸውን ይግባእ።
ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን ዝዝቲ ጉባአ ተጀሚሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ብዙሓት ሃገራትን ዝዝቲ ጉባአ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዕለት 27 ለካቲት 2023 ኣብ ጀነቫ ተኸፊቱ። ኣብቲ ናይ መጀመርያ 4ተ መዓልታት ናይቲ ጉባአ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ወሲኽካ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዕዱማት መራሕቲ ሃገራትን ሚኒስተራትን ክሳተፍዎ እዮም።
እዚ ን5 ሳምንታት ዝጸንሕ ጉባአ፡ ብብዝሒ ተሳተፍቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር እቶም ዝዛረበሎም ዛዕባታት ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብዚ መበል 52 ስሩዕ ጉባአ ናይቲ ቤት ምኽሪ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ቀንዲ ኣጀንዳ ከም ዝኸውንን፡ ነቲ ጉዳይ ከጻሪ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዝተመዘዘ ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽን ጸብጻብ ናብቲ ጉባአ ከም ዝቐርብን ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ኢንሳይደር /ETHIOPIAN INSIDER ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝካድ ዘሎ ውግእ ቀንዲ ኣጀንዳ ከም ዝኸውን ርዱእ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል 4ተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ዝዝተ ጠቒሳ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ 4ይ ሰሙን ናይቲ ጉባአ ከም ዝለዓልን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ይከታተል ናይ ዘሎ ኮሚሽን ናይ ቃል ጸብጻብ ክስማዕ እዩ። ኢትዮጵያ እቲ ሰብኣዊ መስል ዘጻርይ ዘሎ ኮሚሽን ክፈርሰላ ክትምሕጸን ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።
እቲ ንነዊሕ ግዜ ክንከባለል ዝጸንሐ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራኸ ኣብቲ ጉባአ ክለዓል ድዩ ኣይለዓልን ዝሕብር ጸብጻብ ኣብቲ ዜና ኣይሰፈረን። ህግደፍ ግና ኣብቲ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከቶ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ ዓመተ 2022 ንጥፈታቱ ንምግምጋምን ክሳዕ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ክፍጸሙ ብዛዕባ ዝግብኦም ዕማማት ንምዝርራብን ብ26 ለካቲት 2023 ናይ መላእ ኣባላቱ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ ጸብጻብ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ናይ 2022 ዓ.ም፣ ምስ ዝተፈላለዩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝግበር ናይ ሓባራዊ ቃልሲ ዘተ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፡ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ከምኡውን መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን ጽልዋታቱ ኣብ ኤርትራን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብብጻይ ብርሃነ ደበሱ ሓላፊ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ብዝተዋህቦ እዋናዊ ዕማማት ከምኡውን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣቐዲሞም ብዘውጽኡዎ መደብ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስሉጥ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስርሓት ከምዝፈጸመ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተገንዚቦም፡ ኣብ መጻኢ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቶም ኣሐይሎም ምዃኖም ከኣ ኣረጋጊጾም።
ንሓባራዊ ስራሕን ጽምዶን ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝምልከት፡ እቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ዘቕረቦ እማመ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ዳርጋ ብምሉእ ደንበ ተቓውሞ ተቐባልነት ረኺቡ ይስርሓሉ ምህላዉ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም። ሰዲህኤ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ንዘለዎ ጽኑዕ መርገጽ እውን ንኢዶም፡ ከምቲ ዝድለ ንክትግበር ኩሎም ዝምልከቶም ንክጽዕቱ ለበዋኦም ከም ዘመሓላለፉ ከኣ እቲ ካብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ኣብ ዝተመያየጥዎ፡ እቲ ዓለም ዘሰክሐ ውግእ ትግራይ፡ ብሰላም ናብ ዝፍትሓሉ መድረኽ ብምብጽሑ ዝተሰምዖም ሓጎስን እቲ መስርሕ ብዓወት ክፍጸም ዘለዎም ሰናይ ትምኒትን ገሊጾም። ህዝቢ ትግራይ ብዘርኣዮ ጽኑዕ ሓድነትን ተወፋይነት ዝመልኦ መስዋእትን ካብ ዕጽዋን ክባን ወጺኡ ናብ ንቡር ንክምለስ ተታሓሒዙዎ ብዘሎ ጻዕሪ፡ ባህጉን ድልየቱን ዝተማልአ ክኾነሉን ድማ ኣኼባ ተመንዩ።
እቲ ኣብቲ ዘይምልከቶ ኲናት ብልዑል ደረጃ ዝተዋስአ ስርዓት ህግደፍ ብዘውረዶ ናይ ሂወትን ንብረትን ዕንወት ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውንን እቲ ንሱ ደዊኑዎ ዘሎ ክብርን ምስልን ኤርትራ ናብ ንቡር ክምለስን ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብዕቱብ ክንስርሓሉ ኣኼባ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ከባቢና ብዘለዎ ኣቐማምጣን ዝውንኖ ዕቑር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ንዓይኒ ብዙሓት ስሒቡ ኩሎም ሓያላት ዓለምና ከመናጠልሉ ይጓየዩ ስለዘለዉ፡ ምስቶም ንፍትሒ፡ ሰላም፡ ሓድነትን ልኢላውነትን ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት ዝምድናና ንምሕያል ንክንቃለስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዘተሓሳሰኡ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝምድና ንምሕያል ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጽዕቱ ምርግጋጾም እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።
ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ23 ለካቲት 2023 ውግእ ዩክረይ-ሩሲያ ዝተጀመረሉ ሓደ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ነውዮርክ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሩሲያ ነቲ “ምሉእነት፡ ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብምኹናን ካብ ዩክረይ ንክትወጽእ ዝጽውዕ ዳግማይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ወሳነ ኣገዳዲኳ እንተዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን።
እቲ ውሳነ ብዓብላሊ ቁጽሪ 141 ደገፍ፡ 7 ተቋውሞን 32 ዕቃበን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ምስተን ሩስያ ባዕላ እትርከበን ሃገራት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም እያ ኣድሚጻ። እተን ምስ ኤርትራ ዘድመጻ፡ ሃገራት፡ ሩስያ ባዕላ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ማሊ፡ ንካራጉዋን ሶርያን እየን። ኢትዮጵያ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ 32 ሃገራት ኮይና። ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ እተን 15፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ብሩንዲ፡ ናሚብያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ጋቦን፣ ጊኒ፣ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡ ዝርከበአን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዚ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ቻይና ንሩሲያ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ መስኮ ምስ ልኣኸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ፕረሲደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ እቲ ውሳነ ሃገሮም ሓያል ዓለምለኻዊ ደገፍ ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሎም፡ ኣብዚ 2ይ ዓመት ናይቲ ውግእ ንሩሲያ ከም ዝስዕርዋ ኣመልኪቶም። ምክትል ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ነቲ ውሳነ ትርጉም ዘየብሉ፡ ሰላም ዘየምጽእን ንሃረፍቲ ውግእ ዘተባብዕን እዩ ኢለምዎ።
ምዕራባውያን ንዩክረይን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ከዕጥቐኣ እንከለዋ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኔቶን ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነታ ድምጻ ዝዓቀበት ቻይና ንሩሲያ ኣጽዋር ንኸይተቕርበላ ኣጠንቂቐን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ጽዕጹዕ ውግእ፡ ዩክረይንን ሩሲያን ነፍሲ ወከፈን ዳርጋ 100 ሺሕ ወተሃደራት መይተምወን ዝብል ግምት ኣሎ።
More...
ጀነራል ታደሰ ወረደን ምክትሉ መምህር ምሉወርቅ ኪ/ማርያምን
ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ድሕሪኡ ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ርክባትን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ነቲ መስርሕ ትመርሕ ዘላ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተመዘዘት ትሻዓተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እያ። እዛ ሽማግለ ብማዕረ ቁጽሪ ካብ ህወሓት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምሁራት ተጋሩን ዝቖመት እያ።
እዛ ብኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ሌፍተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ምስ ዝተፈላለዩ እቲ መስርሕ ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ተራኺባ ሓሳባት ትእክብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ርክባት ነቲ ቀጻሊ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት ዝተነድፈ እማመ እያ ትገልጽ ዘላ። እቲ ዝምስረት ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዘብጽሕ እዩ።
ኣብቲ ርክባት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይታ ሽማግለ ኣቃውማ ግሉጽን ኣሳታፍን ኣይኮነን ዝብል ተቋውሞታትኳ እንተኣጋጠማ፡ ናይ ብዙሓት ርኢይቶ ግና ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኣመሰራርታ እታ ኣሰናዳኢት ዝተራእየ ሕጽረት ተመሊስካ ንምእራም ግዜ ምብላዕን ነቲ ዕድል ምብኻንን፡ እቲ ቀጻሊ መስርሕ፡ ኣሳታፊ፡ ግሉጽን ዲሞክራስያውን ከም ዝኸውን ጌርካ ምቕጻል ይሓሽ ዝብል እዩ። ብመሰረት መግለጺ ናይታ ሽማግለ እቲ ርክባት ምስተፈጸመ፡ እቲ መስርሕ ብመንገዲ መዛዘሚ ኮንፈረንስ ኣቢልካ ክዛዘም እዩ።
እቲ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ዝድለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዝግባእ በጀት ዝፍቀድን ካልእ ዓበይቲ ውሳኔታ ዝትግበርን ድሕሪ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ምዃኑ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝተበጽሐ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብዛ ደሞዝ ካብ ዝኽፈሉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝሓለፎም ኣሸሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘለዋ ትግራይ፡ ምፍቃድ በጀት ወሳኒ ምዃኑ እቲ ኮሚተ ኣብቲ መድረኻት ይገልጽ ኣሎ።
ኣብቲ ዝቕጽል መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣሰሓሕብቲ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ዛዕባታት፡ ኣሰታትፋ ናይ ህወሓት፡ መሪሕነት ሰራዊት ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡፡ ምሁራት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋሩን ካለኦት ዝምልከቶምን “ከመይ ይኹን?” ኣብ ዝብል ምስምማዕ ሓደ ክኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ፡ ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣገባብ ኣመራርጻ ፕረሲደንትን ኣባላት ካቢነን ቀንዲ ዕማማት ናይቲ መንግስት እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን እውን ድሮ ርሱናት ኣዛረብቲ ኮይኖም ዘለዉ እዮም።
እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተመስረተ ኣብ መወዳእታ ብወግዒ ስርሑ ዝጅምር፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ምስ ጸደቐ ምዃኑ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።
ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስረሓት ስነጥፉ ኤርትራውያን፡ ብ19 ለካቲት 2023፡ ኣብ መእከቢ ኣድራሽ ፓላስ ፕለይ ፓርከ ኣብ ዘላየድዎ ኣኼባ፡ “ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን” ከም ዝመስረቱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።
ኣብቲ ኤርትራውያን ኣባላት ማሕበር ስነ-ጥበባውያን ኡጋንዳን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ መስራቲ ኣኼባ፡ ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበር መምህር የማነ ሓጐስ፡ እቲ ማሕበር ንክምስረት ዝደረኸ ምኽንያትን ዕላማ ናይቲ ማሕበርን ዝምልከት ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ንሱ ዘስመዖ ቃል፡ ዝተወሰኑ ስነ-ጥበባውያን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ገንዘብ ክሕዙኳ እንተኸኣሉ፡ እቲ ሞያ ግና ከም ዝተሃስየ ጠቒሱ፡ ናይቲ ማሕበር ምምስራት ነቲ ኩነታት ንምዕራይ ኣድላይ ምዃኑ ኣረዲኡ።
መምህር የማነ ሓጐስ፡ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኡጋንዳ፡ ናይ ምውሳእ፡ ድርሰት፡ ደርፊ፡ ግጥሚ፡ ስእሊ፡ ቅብኣ፡ ትልሂትን ካልእን ክእለት ዘለዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ እቲ ዝተመስረተ ማሕበር ንኹሎም ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ማሕበር ንክምስረት ንዝጸዓቱ ኣመስጊኑ፡ ማሕበሮም ኣብ መንግስቲ ኡጋንዳ ሕጋዊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ። ሓደ ካብ ኣካየድቲ ናይቲ ማሕበር ያቆብ ዳዊት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ናይ ማሕበሮም ገንዘባዊ ምንቅስቓስን ካልእ ንጥፈታትን ንምክትታል ዘኽእሎም መስመር ኣብ ሞባይሎም ዝረኽብሉ ኣገባብ ከም ዝተማህዘ ጠቒሱ።
በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ክቱር ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ናይ ህዝብና ራህዋ ንምውሓስ ዝካየደ ዘሎ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ነዘኻኽሮም።
ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር እያ። ብዙሕነታ ዝገልጹ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ኣቀማምጣ መሬታን ካብ’ቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ እዮም። እዚ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ጸጋታትና ኮይኑ፡ ኣብ መስርሕ ዝጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እውን ኣለና። እዚ ብዙሕነታት ከምቲ ዕንበባ እውን በበይኑ ሕብርታት ክሓቁፍ እንከሎ ዝያዳ ዝምልክዕ፡ መጸበቒናን ግርማናን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት’ውን ሓደ ካብ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ብግብሪ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ዝኸውን ግና ብምጽውዋርን ምክብባርን ክመሓደር እንከሎ ጥራይ እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ኩሉ ግዜ ንኤርትራን ሓድነት ህዝባን ኣብ ቅድሚት ክንሰርዖም ይግበኣና። ካብዚ ወጻኢ ጸቢብነትን ምንጽጻግን ናብ ዘይተደላዪ ምርሕሓቕ ከም ዝወስደና ዘመልክት ተመኩሮ’ውን ኣለና።
እዞም መግለጺ ብዙሕነትና ዝበልናዮም፡ ኣብ ህይወትና ወሰንቲ እዮም። ኣብ ግብሪ ኣወዓዕለኦም ከከም ከባቢና ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታትን ኣገባባትን ዝዝውተሩ እዮም። ንናይ ሓደ ኣካል ናይ መንነት ኣጠቓቕማን ኣተገባብራን እቲ ካልእ ወገን ከምዘይናቱ ገይሩ ክወስዶ ኣይግባእን። ነቲ ዋናኡ ብሉጽን ክብሩን መንነቱን ዝገልጸሉን ስለ ዝኾነ ከኽብረሉ ናይ ግድን እዩ። እዞም መለለይ ብዙሕነትና ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እምበር፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ተነጺሉ ዝረኣዩ ድማ ኣይኮኑን። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን ባህልን ዘሎ ምጽልላው ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። በቲ ካልእ ወገን እዞም ናይ መንነት ዛዕባታት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞና እውን ናቶም ተጽዕኖን ጽልዋን ኣለዎም።
እዞም ምቓረት ህይወትና ዝኾኑ መግለጺ መንነትና፡ ወትሩ እነዘውትሮምን ኣጀንዳና ኮይኖም እንዛራበሎምን ኣብ መስርሕ ዓበይቲ እዮም። ከከም ኩነታቱ ከኣ ኣጀንዳነቶም ምስ ግዜ ክብ ለጠቕ ክብል ይኽእል። ንሓንሳብ ሃይማኖት ጐሉሑ ቅድሚት ክስራዕ ከሎ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ኣውራጃን እውን ከምኡ በብግዜኡ እዋናዊ ኣጀንዳ ይኾኑ።
እዚ ከም ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥና ጥራይ ዝድረት ዑደት ዘይኮነ፡ መምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ጐረባብትና ህዝብታት እውን የራኽበና እዩ። ብፍላይ ምስቶም ካብ ሃገርና ወጻኢ ዝነብሩ እሞ ምስ ናትና ተመሳሳሊ መንነት ዘለዎም ብትውልዲ፡ ብንግዲ፡ ባህልን መውስቦን እንራኸቦም ወገናት፡ ዝተፈላለዩ ዶብ-ሰገር ምጽልላው ይረአ። ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ከምኡ እውን ትግረን ሕዳርብን ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ምህላዎም ናይዚ ኣብነት እዩ። ቋንቋን ባህልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃይማኖት እውን ካልእ መጸላለዊ እዩ። ምስዚ ኩሉ ናይ መንነት ተመሳሳልነት ግና፡ ነናቶም ዘይስገር ልኡላዊ ዜግነት ሕልዊ ምዃኑ ምግንዛቡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዶብ ዝሰግር ናይ መንነት ተመሳሳልነትን ብዶብ ዝግደብ ሃገርነትን ዜግነትን ብግቡእ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። እምብዛ ነቲ ዶብ ኣትሪርካ ነቲ ማሕበራዊ ርክብ ናይ ተመሳሳሊ መንነት ምግዳብ፡ ወይ ነቲ ዶብ እምብዛ ኣህሲስካ ምድብላቕ መንነትን ዜግነትን ምስ ዝህሉ ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዝመርሕ ኣይኮነን።
ኤርትራውያን ምስ ኩሉቲ ብዙሕነትና ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝፈላልዩና የብልናን። ፍልልያትና ክረአ ዝኽእል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋኒንና ቅድሚት ምስ ዘይንሰርዕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣተሓሳስባ ምርሕሓቕና ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ተርእዮ ኮይኑ፡ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ መናውሒ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ንክጥቀመሉ ከም ዘጋድዶ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ኮነ ኢሉ ካብ ዘጻውዶ መፈላለዪ ተንኮላት ወጺእና ግሉጽነትን ምትእምማንን ብዘለዎ እንገብሮ ናይ ሕድሕድ ዝምድና ንሓደ ኣርቢሑ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ጥቁቕን ሓላፍነታውን መንገዲ እንተተኸቲልናዮ፡ ምጥርጣር ዘወግድ እዩ። ኩልና ክንግንዘቦ ዘለና፡ ምስ ዝኾነ ኣካል ንሓድነትን ሓባራዊ ጠቕምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይውዕል ዝምድና ምፍጣር ተመራጺ ኣይኮነን።
ተጻራሪ ናይ ጫፍ መርገጻት፡ ምስ ናይ መንነት ተመሳስልነት ክትሓሓዝ እንከሎ፡ ነቲ ክሃስስ ዘይግበኦ ሃገራዊ ዶብ እናጸለወ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ምትንኻፍ ከምዝፈጥር ተራእዩ እዩ። ንኣብነት ምስ ህዝቢ ትግራይ ብቐረባ ዝደናገጽ ባእታ ድዩ ውዳበ፡ ቋንቋኡ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝዝረብ እንተኮይኑ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ወገን ከሻቕሎን ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሃሳይ ጽልዋ ከንጸላሉን ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ ከኣ መተካእታ ዘየብሉ ዋሕስ ህልውና እዩ። እንተ’ቲ ምስ ብዱላት ወጊንካ፡ ወራርን ሳዕቤን ውግእን ምኹናን፡ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብውግእ ብሰላም ክፍታሕ ምምሕጻን ግና ነቲ ቀይሕ መስመር ክሳብ ዘይጠሓሰ፡ ብዓይኒ ዘራይን ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ክረአ ዝግበኦ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክወርድ ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ክፍጸም እንከሎ፡ ምቅዋሙ ከኣ ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኮነ ሞራላዊ ግቡእ እውን እዩ። እቲ ምድንጋጽ፡ ቅድሚ ኩሉ ከም ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ክብርታትናን ዝጻረር ከይከውን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ። ህግደፍ ብዘሳውሮ ውግኣት ዕንወትን ጽልእን ዘኸትል ክነሱ፡ መሬት ዘምልስን ልኡላውነት ዝዕቅብን መሲሉካ ኣብ ጐኑ ምስላፍ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተጀመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግዜ ከይበለዐ ዝወሰዶን ሎሚ ህያውን ብብዙሓት ወገናት ዝተደገፈን መፍትሒ ኮይኑ ዘሎን ቅኑዕ ኣቕጣጫ እዩ። ኣብ ውዑይ መድረኻዊ ዛዕባ ሓደ ኣካል ዝወስዶ መርገጽ ንምድጋፍ ኮነ ንምቅዋም ካብ ታህዋኽን ጥርጣረን ወጺእካ እኹል ግዜ ሂብካ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን መዚንካ ምስትውዓሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ከም ኤርትራውያን ዘለና ወጽዓ ናይ ምውጋድ ቀዳምነትናን ምስ ጐረባብትና ህዝብታት ዘራኽቡና ጉዳያትን ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ጉዳይና እቲ ካልእ ወገን፡ ኣብቲ ንሕና እንጠልቦ ክተሓጋገዘና እምበር፡ ማዕሬና በዓል ዋኒን ምስዝኸውን ኢድ ምትእትታው ስለ ዘኸትል፡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንሕና እውን ከምኡ ኣብቲ ናይ ካለኦት ጉዳይ ብጽሒትናን ደረትናን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ክንግንዘብ መሰረታዊ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ከምቲ ህግደፍ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ጐረቤት እዩ ኢልና ንገድፎ ኣይኮነን” ዝብሎ፡ ደረቱ ዝሓለፈ ምትእትታው ግና ሓላላኺ እምበር ሓጋዚ ኣይኮነን።
ስለዚ ብመጽርዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽን ዘይነጸረ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ንብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ናብ ግጉይ ኣቕጣጫ እናወጠጥና ኣብ መረሓሓቕን መዳኸምን ኤርትራዊ ሃገራውነት ነውዕሎ፡ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን መደልደሊ ሓድነትና፡ ካብ ምውዓሉ ካልእ ምርጫ የብልናን። ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ ኣብዚ መዳይ ሓላፍነታዊ ግደአን ክጻወታ ይግበአን።