
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳቪድ ሳተርፊልድ ምክትሎም ፓይቶን ክኖፕፍ ኣኸቲሎም ብ13 ማዝያ 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተጓዕዙ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY) እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ መዘቶም ከም ዝወርዱ ኣፍሊጣ።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ወከልቲ ሰብኣዊ ትካላትን ዲፕሎማትን ከም ዝራኸቡ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዕላማ መገሸኦም ነቲ ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት፡ ህውከት ጠጠው ንምባል፡ ቀጻሊ ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንጽጉማት ንምቕራብ፡ ግሉጽ ምጽራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰትን ጥሕሰትን ንምትግባርን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብዓብይኡ ብዘተ ንክፍታሕን ክትገብሮ ዝጸንሐት ጻዕሪ ምቕጻል ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY) ብዛዕባቲ ጉዳይ ብቐረባ ይፈልጡ ዝበለቶም ብምጥቃስ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትሕቲ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ብምግልጋልን ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዘይረገኣሉን ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ መዝነቶም ከም ዝወርዱ ሓቢራ። ናይዞም ልኡኽ ካብ መዝነት ምውራድ ኣብ ትጽቢት ከምዘይነበረን ምክትሎም ብግዝያውነት ከም ዝትክእዎምን ድማ ጠቒሳ።
ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናይ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ ምቅይያር፡ ምምሕዳር ፕረሲደንት ባይደን ናይቲ ዞባ ጸገማት ንምፍታ ብዛዕባ ዘለዎ ቅሩብነት ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ተዋሳእቲ ወገናት ዝዓለመ ሕቶታት ክለዓል ከም ዝጸንሐን፡ ሱዳን ብወገና ኣብ ዝተመሳቐለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ከም እትርከብ እቲ ዜና ኣስፊሩ።
ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ መርበብ “ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት” መብርሂ ሂቡ፡
Saturday, 09 April 2022 12:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መርበብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት፡ ”ኣረኣእያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ኣንጸላልዩ ዘሎ ምዕባለታት” ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ክህብ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ብ8 ሚያዝያ 2022 ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ሃለዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መርገጻት ሰዲህኤ ኣብቲ ምዕባለታትን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ንዝብሉ ዛዕባታት ቆላሕታ ሂቡ።
ብጻይ ተስፋይ ኣብቲ ዝርዝር መግለጺኡ፡ ከም መበገሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበሃል ከባብን ኣብዚ ከባቢ ዝሕቆፋ ሃገራትን ኣላልዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክሳዳዊ ኣገዳስነት ናይዚ ከባቢ ዳህሲሱ በብግዜኡ ክረኣዩ ዝጸንሑ ምዕባለታትን ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሱናት ሃገራት ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዘርዚሩ። ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ እትርከብ ሃገር ብምዃና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ቆላሕታ ክትስሕብ ምጽነሓን ብሰንኩ ክወርዳ ዝጸንሐ ተጽዕኖታትን ገሊጹ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘሰክፍ ውግእ እሞ ኤርትራ እውን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ምምሕዳር ህግደፍ ኣካሉ ብምህላዋ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ዘለዎ ደረጃን ኣውሪድዎ ዘሎ ማህሰይትን ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሱዳን ዝተጀመረ ለውጢ፡ ተነቢርሉ ዝነበረ ተስፋን ሎሚ ዘለዎ ደርጃ ኣብሪሁ። ጉዳይ የመን ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ዕንወት ኩነታት እውን ጠቒሱ። እዘን ሃገራት ጐረባብትና ጥራይ ዘይኮና ኣብ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ምስ ዝነበረን ታሪኻዊ ግደ ጽልወአን ኣብ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ።
ሰዲህኤ ነዚ ሎሚ ናይ ብዙሓት ወገናት ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኩይኑ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩን ድሕሪኡን ክከታተሎን መርገጻት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐን ኣብሪሁ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ቅድሚ ውግእ ብሰላማዊ መንገድን ዘተን ክፍታሕ ተስፋ ከም ዝነበሮ፡ ውግእ ምስ ተጀመረ ከኣ ኣብ ርእሲቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወስደ ቅልጡፍ መርገጺ፡ ካብ 3ይ ጉባአኡ ጀሚሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ጽፍሕታት ኣኼባታት ብምክያድ መርገጻት ክሕዘሉ ምጽንሑ ጠቒሱ መርገጻቱ ከኣ፡ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ዝኹንን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ነዚ ኢድ ኣእታውነት ንምግታእ ተጽዕነኦም ከሕይሉ ዝጽውዕ፡ ውግእ ጠጠው ኢሉ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝዕድም፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ከባብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓለዋ ክገብርሎም ዘዘኻኽር፡……..ወዘተ ምንባሩ ዘርዚሩ። እዚ መርገጻት እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝድግፍዎን ንምትግብራሩ ዝጽዕርሉን ዘለዉን ምዃኑ ከኣ ኣዘኻኺሩ። ብእምንቶ ሰዲህኤ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ካለኦት ሃገራት ዝግበር ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘውሕስ፡ ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድን ንናጻ ውሳነና ዘይጻባእን ክኸውን ከም ዝግበኦ ጠቒሱ።
ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብዚ ህልዊ ምዕባለ ኣድማዒ ጽልዋ ክህልዎም፡ ከረጋግጽዎ ካብ ዘለዎም ብሓባር ዘቃልስ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ከም ዘድልዮምን ናብኡ ንምብጻሕ ሰዲህኤ ከም ወትሩ ግደኡ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናብ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ጻዕሪ ጠቒሱ ድማ ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ምህላዉ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኩሎም ወገናት ነዚ ንምዕዋት ዝሕተት ዋጋ ንክኸፍሉ ኣዘኻኺሩ።
ድሕሪዚ ኣዝዩ ሰፊሕ መብርሂ፡ ብተሳተፍቲ ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ሕቶታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ውግእ እንታይ ኣፍልጦ ኣለኩም፡ እቲ ውግእ እንተተኻይዱኸ ናበይ ገጹ ክምዕብል ይኽእል?፡ ኣብዚ እዋንዚ ንትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዲኹም ትርእይዋ?፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ብኣገዳስነት ምምስራት ጽላል ዝሰማምዑ ክነሶም፡ ስለምንታይ ኣብ ምትግባሩ ይድንጉዩ?፡ እቲ ዝምስረት ሰፊሕ ጽላል ነቲ ዘይተወደበ ግና ኣብ ቃልሲ ዘሎ ኤርትራዊ ኣካላት ብኸመይ ከመሓድሮ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ብጻይ ተስፋይ ነዞም ሕቶታት ግዜ ወሲዱን ብተመኩሮታት ኣሰንዩን ሰፊሕ መልሲ ሂብሎም።
ኣብ መወዳእታ ብጻይ ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ንዝወደቡ ኣካላትን በቲ መጸዋዕታ መሰረት ንዝተሳተፉን ሃናጻ ሓሳባት ንዘቕረቡን ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣቕሪቡ። እቶም ዝዓደሙ ኣመሓደርቲ ናይታ መርበብ እውን ስለቲ መጸዋዕታኦም ኣኽቢሩ ምምቕላሉን መርገጽቲ ዝመርሖ ሰልፊ ብግቡእ ምቕራቡን ንኣቦመንበር ተስፋይ ኣመስጊነምዎ።
ባይቶ ውሕሃ ኣባልነት ሩሲያ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ኣንጠልጢሉ፡ ኤርትራ ዘላቶ ወገን ተሳዒሩ
Friday, 08 April 2022 13:22 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ7 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባልነት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ካብ ዝመርሕ ዓለም ለኻዊ ትካል ከም ዘንጠልጠለ ኣሶሼት ፕረስ (AP) ኣፍሊጡ። ሩሲያ ኣባልነታ ዝተንጠልጠለ ንዩክረይ ኣብ ዝወረትሉ ወተሃደራታ፡ ሕቡራት ሃገራትን ዩክረይንን “ገበን ውግእ” ዝሰየምዎ በደላት ስለ ዝፈጸሙ እዩ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ብጽምጺ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን 5ተ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ እዚ ናይ መጀመርያ ምናልባት ከኣ ሳሕቲ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ኣንበሳድር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊልድ ነቲ ተረኽቦ “ታሪኻዊ” ኢለንኦ። ኣተሓሒዘን ከኣ በዚ ውሳነ ኣቢልና ስቓይ ግዳያት ሸለል ተባሂሉ ከም ዘይሕለፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ኣለና፡ ሩሲያ ከኣ ተሓታቲት ክትከውን ይግበኣ ኢለን። እዘን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ሩሲያ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣባልነታ ክንጥልጠል ወፍሪ ዘካየዳ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ዩክረይን ኬቭ ቡቻ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብወተሃደራት ዝተቐትሉ ሲቪል ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሑ ምስ ተራእየ ምዃኑ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዩክረናውያን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ እገዳታት ንክውሰን ከም ዘለዓዓለ እውን ተገሊጹ።
ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን በወገኖም፡ እቲ ውሳነ መራሒ ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ክሳብ ክንደይ ሃገሮም ብሰንኮም ተነጺላ ከምዘላ ከም ዘርኢ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ሩሲያ ተሓታቲት ንምግባርን ብቁጠባ ንምንጻላን ዘኽእል ሓበሬታ ንምእካብ ምስ ኩለን ሃገራት ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም። ክሳብ ሕጂ ደድሕሪ ሊቢያ ኣባልነታ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ትንጥልጠል ዘላ ሩሲያ 2ይቲ ሃገር እያ።
እቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝከታተል፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ዘጻርይን ከም ኣድላይነቱ ብኮሚሽናት ዝሰርሕን በብግዜኡ ኣብተን 193 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ገምጊሙ መድረኻዊ ጸብጻባት ዘቕርብን ኣካል ባይቶ ሕቡራት ሃገራት እዩ።
እዚ ንኣባልነት ሩሲያ ካብቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘንጠልጠለ ውሳነ፡ ብ93 ደገፍ፡ 24 ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ካብተን ንሩሲያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃሃገረን ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምሕባእ ዝተቓወማ 24 ሃገራት ሓንቲ እያ። ሩሲያ ኣብ ባይቶን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ደጋፊት ስርዓት ህግደፍ ኮይና ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ።
6 ናይ ቅድም ዲፕሎማት ኣሜሪካውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንህጹጽ ዘተን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ጸዊዖም
Thursday, 07 April 2022 22:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሽዱሽተ ኣሜሪካውያን ናይ ቀደም ኣምበሳድራትን ኣፈጸምቲ ጉዳያትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ትግራይ ንምፍታሕ ብህጹጽ ዘተ ክካየድን ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ፡ እቲ ንሰብኣዊ ረዲአት በቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ተኹሲ ጠጠው ምባል እሞ ብትግራይ’ውን ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጉሳት ምዃኖም ከም ዝገለጹ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማቲን ፕላውት ብ6 ማዝያ 2020 ገሊጹ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ኣተሓሒዞም እቲ ውግእ ብዘኸተሎ፡ ብኹሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዘተሓሳስቦም ጠቒሶም።
ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ብሰንክቲ ውግእ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጽልእን ዝተኸተሎ ሳዕቤናትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ሰብኣዊ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ናብ ምትግባርን ኣገደስቲ ዝበሃሉ ነጥብታት ኣጽኒዖም ናብ ቀጻሊ ዘተ ንክእትዉን ጸዊዖም። እንተ ደኣ እዚ ዕድላትዚ ሓሊፉ እሞ እቲ ውግእ ቀጺሉ ንዝኾነ ኣካል ከምዘይጠቅምን ውጽኢቱ ዝያዳ ሞት፡ ዕንወትን ስቓይን ከም ዝኸውንን እውን ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።
እዞም ነባራት ኣንበሳድራትን ጉዳይ ኣፈጸምትን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እዚ መጸዋዕታ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት እንተላይ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ወጺኦም ነናብ ቦታኦም ክኸዱ ከም ዝምልከት ገሊጾም። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሓትትኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራ፡ ኦሮሞን በንሻንጉልን ዘሎ ኩነታት እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ሓገዝን ቆላሕታን ዘድልዮ ምዃኑ ተጠቒሶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ጸሎትናን ተስፋናን ኢትዮጵያ ናብ ሰላም፡ ሓድነትን ዘተኣማምን ዲሞክራስን እትገብሮ ጉዕዞ ቀጻሊ ክኸውን እዩ ኢሎም።
ክልተ ሰብኣዊ ትካላት ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ከሲሰን
Wednesday, 06 April 2022 21:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ቡዙሓት ዝሞቱሉን ሚልዮናት ዝተመዛበልሉን ውግእ ምዕራብ ትግራይ ንክጋደድ፡ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዓሌታዊ ወፈራ ከም ዘካየዱ ብ6 ሚያዝያ 2022 ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር ጸብጻብ ምኽሳሰን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁይማንራትዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጸአኦ ኣብዚ ጸብጻብ ናይ ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍት፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጥረ ወግእ ናብ ውግእ ገበን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከም ዘዕረግዎ ሓቢረን። እዘን ሰብኣዊ ትካላት ንሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ተግባር ብምስታፉ ከም ዝኸሰስኦ ኣብቲ ጸብጻበን ኣስፊረን። ዳይረክተር ሁማንራይትስዎች ከነዝ ሮዝ፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ሓይልታት ጸጥታን ኣምሓራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣንጻር ተጋሩ በቐጻሊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስጉምትታት ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብካልእ ወገናት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ከኣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰባት ተቐቲሎም ኣስከሬኖም ናብ ሩባ ተከዘ ይድርበ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
ኣቶ ምሉነህ ግዛቸው ዝተባህሉ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግዝቶም ዝቐረበ ክሲ ነጺገምዎ።
ወሃብ ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣዘዝቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ምዕራብ ትግራይን ግና ብዛዕባቲ ክሲ መልሲ ኣይሃቡን። እተን ሰብኣዊ ትካላት ቀንዲ ዘተኮራሉ ጉዳይኳ እንተዘይነበረ፡ ሓይልታት ትግራይ መግቢ ናብ ህዝቢ ከይቀርብ ዕቅፋት ይፈጥሩ ከም ዝበላ’ውን ኣብ ጸብጻበን ጠቒሰን።
ናይዘን ሰብኣዊ ትካላት ጸብጻብ ናይ 427 ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ሰባት ቃለ መጠይቕ ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ዝዓመቖ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምዕራብ ትግራይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመደን መሳርሕቶም ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን ዘቃለዐ ዝኸፈአ ጥሕሰት መሰላት ዝተፈጸመሉ ከባቢ እዩ ተባሂሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዘን ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ መሰረታዊ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምክልኻል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃብ ሰላም ክሰፍር ይግበኦ ክሳብ ምባል በጺሐን።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 3ተ ዝኣባላቱ ኩነታት ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝከታተል ምርማሪ ኣካል ከም ዘቖመ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ መርማሪ ኣካል ምቛም ኣብ ልዕሊ ምቅዋሙ በጀት ከይስለዓሉ ናብ ሕቡራት ሃገራት ስምዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ንምውሳን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብብዝሒ ድምጺ እቲ መርማሪ ኣካል በጀት ተሰሊዕሉ ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ። ካብተን ነዚ ውሳነ ዝተቓወማ 36 ሃገራት ኤርትራ ምስ ገለ ካብተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተፈልጣ ሃገራት ትርከበን።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኤርትራውያ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ጀሚሮም ኣብ ዘለዉሉ ሓደሽ መደበር ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኢሪሳት (ERISAT) ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ዝተወሰኑ ዕጡቓት ብ2 ማዝያ 2022 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት-ጐንደር ዝርከብ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣትዮም ብዝኸፈትዎ ተኹሲ 8 ስደተኛታት ከም ዘቑሰሉን ካብቶም ግዳያት ክልተ ኣዝዮም ህሱያት ምዃኖምን እቲ ዜና ገሊጹ።
ነቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝተባህሉ ሓደጋ ዘውረዱ ዕጡቓት ሒዝካ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ’ኳ እንተሎ ሽዑንሹ ከምዘይተታሕዙ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታላት ጐንደርን ደባርቕን ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ።
ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣጐደ ውግእ ቅድም መደበር ስደተኛታት ሽመልባን ሕንጻጽን ከም ዝፈረሳን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝቐጸሉን ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተኾነ እዘን ክልተ መደበራ እውን ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዝርከባ ምዃነን ዝፍለጥ እዩ። መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከኣ ከም መተካእታ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2021 ዝተኸፍተትኳ እንተኾነት ውሕስቲ ዘይምዃና እዚ ዝተጠቕሰ ናይ 2 ማዝያ 2022 ሓደጋ መረጋገጺ እዩ።
ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን “እንዳ ARRA”፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ፡ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦት ግብረሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር ነዛ ሓዳስ መደበር ከፊተን፡ ብ22 ለካቲት 2022 ኣስታት 1,400 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ክዕቆባ ከም ዝጀመራ እዚ ዜና ሓቢሩ።
ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 2022፣ ኣብ መደበር ስደተኛታት ባራሕሌ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ከም እተቐትሉን እቶም ዝትረፉ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ናብ ሰመራን ካልእ ከባብታት ዓፋር ከም ዝኸዱን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 24 መደበር ስደተኛታት ከም ዘለዋን ኣብኣተን 823 ሺሕ ስደተኛታት ተዓቒቦም ከም ዘለዉን ይንገር። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 70 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝህልዉ ይግመት። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን እዮም።
ኤርትራ ድሕሪ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ካብ ኢትዮጵያ ምምላሱ፡ ኣብ ቦታኡ ኣፈጻሚ ጉዳያት ከም ዝመደበት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ ኣፈጻሚ ጉዳያት ኮይኑ ዝተመደበ ኣቶ ቢንያም በርሀ፡ ናይ ውክልና ደብዳበኡ ብ30 መጋቢት 2022 ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንሓላፊ ፖሮተኮል ዳይረተር ኣቶ ደመቀ ኣጥናፉ ኣረኪቡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ቢንያም በርሀ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣብፍሪቃ ሕቡራት ሃገራትን እውን ክውክል እዩ። ቢንያው ንሓያሎ ዓመታት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ይንገረሉ።
ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኣካላት ከም ዝገልጽዎ፡ ካብ ኣምበሳደር ናብ ደረጃ ኣፈጻሚ ጉዳያት ምውራድ፡ ኣብ መንጎ እተን ልኡኻት ዝለዋወጣ ሃገራት ዝምድና ኣብ ደሓን ደረጃ ዘይምህላዉ ዘርኢ ምልክት እዩ። ናይ ኤርትራ ካብ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ናብ ኣፈጻሚ ጉዳያት ቢንያም በርሀ ምውራድ እውን ብመንጽርዚ ይመዝንዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ከኣ ነዚ ኤርትራ ወሲዳቶ ዘላ ኣመዳድባ ምስቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ኣመዳድባ የዛምድዎ።
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን የሐርፊፎም ካብ ዝበሃሉ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ውግእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ህግደፍ ውግእ ንቐጽልን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ኣቢልና ናብ ልዝብ ክንምለስ ኢና ምባልን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ኣብ ውግእ ዩኩረይን-ሩሲያ ክልቲኦም ወገናት ተመሳሳሊ መርገጽ ክሕዙ ዘይምኽኣሎም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት: ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ተሳጊሮም
Thursday, 31 March 2022 22:10 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ29 መጋቢት 2022፡ 119 ዝኣባላቱ ጉጅለ ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዘሰጋገረ ረሊፍ-ወብ (RELIEF-WEB) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናታን ዝርከብዎ ኮይኖም፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሱማላውያንን ከም ዝኾኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ጉጅለ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ፡ መደበር ህጹጽ መሰጋገሪ ጋሾራ ምስ ዘለዉ 269 ስደተኛታትን ሓተቲ እዩ ተጸንቢሩ። ኣብዚ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ መደበር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት፡ ናይ መጽለሊ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርግጋእ ኣገልግሎትን ናይ ቋንቋ ትምህርትን ይህብ። ኣብ ሊቢያ ናይቲ ኮሚሽን ግዝያዊ ሓላፊ ድጃማል ዛሞውም ነቲ ምስግጋር ኣብ ዝምልከት ከም ዝገለጽዎ እዚ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ሊቢያ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት’ውን ተስፋ ዝህብ እዩ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ናይዞም ስደተኛታት መጻኢ ዕድል ብልግስን ምትሕብባርን ሓለፍቲ ሊቢያን ሩዋንዳን ዝውሰን እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ስደተኛታት ቀጻሊ መፍትሕን ዘተኣማምን መጣየስን ዝረኽብሉ መደብ ንምቅልጣፍ ናይ ካለኦት ሃገራት ሓገዝን ምትሕብባርን እውን ከም ዘደሊ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣስፊሩ።
እዞም ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ፡ ብድሌትካ ናብ ሃገርካ ምምላስ እንተተኻኢሉ’ውን ምስ ህዝቢ ሩዋንዳ ሓቢርካ ምንባር ዝርከብዎ ቀጻሊ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ኣብቲ ኣትየምዎ ዘለዉ መደብር ክጸንሑ እዮም።
ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ኣሕመድ ኣባባ ፎል ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ጸገም ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ብዝብል ብኸምዚ ኣገባብ ጸገም ህጻናትን ኣደታትን መፍትሒ ክረክብ ምርኣይና ዕድለኛታት ኢና ክብሉ ገሊጸምዎ። ኣሕመድ ኣባባ ኣተሓሒዞም ነዚ ዝተጸንዐ መደ ኣብ ምዕዋት ንዘበርከቱ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ገብርቲ ሰናይ ትካላትን ዘለዎም ናእዳ ጠቒሶም ኮሚሽኖም ድማ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክግበር ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሮም።
ህጹጽ መስርሕ ምስግጋር ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ብስምምዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብገንዘባዊ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መፋርቕ 2019 እዩ ጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ብ8 በረራታት ዝሰገሩ 900 ስደተኛታት ክኾኑ እንከለዉ ካብኣቶም 67% ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝተጣየሱ ተፈሊጡ። ነዞም ዳሕረዎት ናብ ሩዋንዳ ዝሰገሩ 119 ወሲኽካ ካብ 2017 ጀሚርካ ብጠቕላላ ካብ ሊቢያ ናብ ካለኦት ሃገራት ዝተሳገሩ ስደተኛታት 8,143 ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ ብ25 መጋቢት 2022 ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ መደበር ባቡር ቨለንሲነስ፡ ዘሊሉ ናብ ናይ ጽዕነት ባቡር ክድይብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብዝተፈጥረ ናይ ኤልክትሪክ ባርዕ ተታሒዙ ከም ዝሞተ ረይልፍረይት ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክልተ ምስቲ መዋቲ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሓደ ሰራሕተኛ ናይታ ናይ ጽዕነት ባቡርን ክልተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓውን በቲ ሓደጋ ከም ዝቖሰሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እታ ናይ ጽዕነት ባቡር ካብቲ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ዝርከብ መደበር ነቒላ ናብቲ ኤውሮጳን ዓባይ ብሪታንያን ዘራኽብ ካላይስ ናይ ትሕተ-ባሕሪ ገለርያ መንቀሊ ተምርሕ ዝነበረት እያ። ካላይስ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምስጋር ስደተኛታት ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ ቦታ እያ።
ድሕርቲ ኣብዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሰባት ሓደጋ ምግጣሙ፡ ንጽባሒቱ 50 ዝኾኑ ካብ ማሕበራትን ስደተኛታትን ዝተወከሉ ሰባት ኣብ ካላይስ እቲ ሓደጋ ንከይድገም ንምጥቃቕን ንግዳያት ቫለንሲነስ ንምዝካርን ናይ ጽሞና ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብዙሓት ኣካላት ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ዘይውሑስ ስጉምቲ ከይወስዱ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፎም መንገዲ ባቡራት ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ጠንቂ ከይኮኑ ቀዋሚ ሓለዋ ንምግበር ዘኽእል ናይ ተመኩሮ ምልውዋጥ ሓሳብ ዘቕረቡ ወገናት ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ተደፋፊኦም ናብ መንገዲ ባቡር ብምእታው፣ ሓደ ኤርትራዊ ብባቡር ተረጊጹ ክመውት እንከሎ፣ ሰለስተ ከምዝቖሰሉ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።