ክልተ ሰብኣዊ ትካላት ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ከሲሰን

2022-04-06 19:56:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 798 times

ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ  ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ቡዙሓት ዝሞቱሉን ሚልዮናት ዝተመዛበልሉን ውግእ ምዕራብ ትግራይ ንክጋደድ፡  ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ  ዓሌታዊ ወፈራ ከም ዘካየዱ ብ6 ሚያዝያ 2022 ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር ጸብጻብ ምኽሳሰን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁይማንራትዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጸአኦ ኣብዚ ጸብጻብ ናይ ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍት፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጥረ ወግእ ናብ ውግእ ገበን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከም ዘዕረግዎ ሓቢረን። እዘን ሰብኣዊ ትካላት ንሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ተግባር ብምስታፉ ከም ዝኸሰስኦ ኣብቲ ጸብጻበን ኣስፊረን። ዳይረክተር ሁማንራይትስዎች ከነዝ ሮዝ፡  ላዕለዎት ሓለፍትን ሓይልታት ጸጥታን ኣምሓራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣንጻር ተጋሩ በቐጻሊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስጉምትታት ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብካልእ ወገናት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ከኣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰባት ተቐቲሎም ኣስከሬኖም ናብ ሩባ ተከዘ ይድርበ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ኣቶ ምሉነህ ግዛቸው ዝተባህሉ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግዝቶም ዝቐረበ ክሲ ነጺገምዎ።

ወሃብ ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣዘዝቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ምዕራብ ትግራይን ግና ብዛዕባቲ ክሲ መልሲ ኣይሃቡን።  እተን ሰብኣዊ ትካላት ቀንዲ ዘተኮራሉ ጉዳይኳ እንተዘይነበረ፡ ሓይልታት ትግራይ መግቢ ናብ ህዝቢ ከይቀርብ ዕቅፋት ይፈጥሩ ከም ዝበላ’ውን ኣብ ጸብጻበን ጠቒሰን።

ናይዘን ሰብኣዊ ትካላት ጸብጻብ ናይ 427 ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ሰባት ቃለ መጠይቕ ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ  ካብ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ዝዓመቖ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምዕራብ ትግራይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመደን መሳርሕቶም ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን ዘቃለዐ ዝኸፈአ ጥሕሰት መሰላት ዝተፈጸመሉ ከባቢ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዘን ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ መሰረታዊ  መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምክልኻል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃብ ሰላም ክሰፍር ይግበኦ ክሳብ ምባል በጺሐን።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 3ተ ዝኣባላቱ ኩነታት ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝከታተል ምርማሪ ኣካል ከም ዘቖመ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ መርማሪ ኣካል ምቛም ኣብ ልዕሊ ምቅዋሙ በጀት ከይስለዓሉ ናብ ሕቡራት ሃገራት ስምዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ንምውሳን  ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብብዝሒ ድምጺ እቲ መርማሪ ኣካል በጀት ተሰሊዕሉ ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ። ካብተን ነዚ ውሳነ ዝተቓወማ 36 ሃገራት ኤርትራ ምስ ገለ ካብተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ዝተፈልጣ ሃገራት ትርከበን።

Last modified on Wednesday, 06 April 2022 22:00