ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩዅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ኣብ ክልተ ቦታታት ተስላሲሉ። እዚ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዋ ጨናፍር ሰልፊ ዝተወከሉ ኣባላት ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ጀርመንን ኢትዮጵያን ዝተቓንዐ ጉባኤ፡ ንደረጃ ሓላፍነቱ ማዕረ'ቲ ሃገርና ኤርትራ እትሓልፎ ዘላ ኩነታት ክብ ዘበለ ኢዩ ኔሩ።
ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩነታት ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ፣ መንእሰያትና ዝፈትዉዋ ሃገሮም ዘይትንበር ረመጽ ኮይናቶም ናብ መውደቒኦም ዘይፈልጥሉ ጉዕዞ ብምጉዓዝ፤ ግዳይ ሞትን መከራን ኣብ ዝኾንሉ፣ ኣብ ሃገርናን ዞናናን ድማ፡ ዝተፈላለየ ሓደጋታት ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን እዩ ተኻይዱ። ምስዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ካብ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ፍጹም ተነጽሎ ኣብ ዝኣተወሉን ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተፈላለይ ግፍዕታት ዝፍጽም ስርዓት ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘቕረበሉን እዋን'ውን ኢዩ ነይሩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር ሰብኣውነት ገበናት ዝፈጸመ ስርዓት ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ነቶም ፈጸምቱ ንምልላይ መርመራታት ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኤርትራውያን ስደኛታት ኣብ ልዕሊ'ቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ባሕርን ምድረበዳን ንጨካን ሽበራዊ ዓመጽ ምቅልዖምን ርድኡና ዝብል ኣውያቶም ኣብ ዘስምዕሉን ዘለዉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጕባኤ ስለዝዀነ ፍሉይን ከቢድን ሓላፍነት ኣለዎ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ድማ እዮም ጉባኤኛታት ንመላእ ዕዮታት ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ድሕሪ ምምራጾም፡ ናይ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ሰልፊ ዘሰላሰሎ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ዝዓመመ ጸብጻብ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ናብ ጉባኤ ዝቐረበ።
ካብ'ዚ ቀጺሉ ጉባኤ ዝኣተዎ ስራሕ፡ ንድፊታት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ሰልፊ፣ ከምኡ'ውን፡ ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝምልከቱ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ምምያጥን ምጽዳቕን ነበረ። ንኹሉ'ቲ ዝቐረበ ዛዕባታትን ሰነዳትን ኣርእስቲ ብኣርእስቲ ብምውሳድ፡ ዕቱብ ክትዕ ኣካይዱሉ።
ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ካብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሕሱም መነባብሮን፡ ከምኡ'ውን ካብ ኣህጉራውን ከባብያውን ምዕባሌታት ብምንቃል ሓያለይ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥብታቱ ከኣ፡
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ ኣብ መንጎ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኣምንን ዝቃለስን ሰልፊ ኢዩ። ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ብቐዳምነት ምልካዊ ስርዓት፡ ንምልጋስን ምቹእ ባይታ ሃገራዊ ዕርቂ ንምምድማድን፣ ኣብ መንጎ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ዝሰመረ ስራሕ ንምስልሳልን ዝሰመረ ድምጺ ንምጕላሕን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣትክሮ ብምሃብ፡ ናብ ዘተ ክኣቱን ሓባራዊ ዕዮ ከዐውትን ብዅሉ ዓቕሙ ክቃለስ እዩ።
- ኣብ ሓድነታዊ ጉዕዞ፡ ካዕባዊ ዘተታት ብምክያድ ኣብ ሓሳባውን ግብራውን መዳይ ዝተቐራረበ ኣረኣእያታት ክጥረ ኣብ ዝተኻእለሉ፡ ኣብ መስርሕ ምጽንባር ክኣቱ ከምዝኽእል ይኣምን። ዝተፈላለየ ኣርኣእያታት ምስ ዘለዎም ውድባት ድማ ኣብ ናይ ቀረባ ዕላማታት ዘቅንዐ ጽላል ወይ ምሕዝነት ክገብር ድልውነቱ የረጋግጽ።
- ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ድምጺ ናይ'ቶም ጸረ ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዀኑ ማሕበረ-ኮማት፡ ሲቪላውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከጕልሕን ንዕዮታቶም ከተባብዕን ክተሓባበርን እዩ።
- ተሳትፎ መንእስያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቃልሲ ንምዕዛዝ ፍሉይ ኣትኩሮ ክህቦንን ዘይሕለል ቃልስን ክካየድን እዩ።
- ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽእል ናይ ፖለቲካ ፍልልያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘቅንዐ ሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከምዝኽእሉ ሰልፍና ይኣምን።
- ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎና ዝምድና ንምድልዳልን ኣብ ምክብባርን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝተመርኰሰ ምትሕግጋዝ ክህሉን ክቃለስ እዩ።
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘላቒ ሰላም ኣብ ሃገርና ከውሕስ ዝኽእልን፡ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝጻወሮን ዝጠልቦን ብምዃኑ ሰልፊ ተኸቲልዎ ክኸይድ ዝግባእ ኣገባብ ቃልሲ ከምዝኾነ ጉባኤ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ግዳም/ዲያስፖር ዝርከብ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ምልዕዓላት እውን ነዚ ሓቂ'ዚ ከም ዘምልክት መዚኑ።
- ህሉው መላኺ ስርዓት ኣልጊስካ ብቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትካእ ብዘይ ሙሉእ ተሳትፎ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና ከምዘይረጋገጽ ብምእማን፤ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ተራ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር መሰረታዊ ምዃኑ ብምእማን ህዝባዊ ምልዕዓል ንክስስን ንውሽጢ ኤርትራ ዓቢ ጠመተ ዝገበረ ቃልሲ ክካየድ ከምዘለዎ ወሲኑ።
ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ንዘሕልፎ ዘሎ ኢሰብኣዊ ህይወት ተመልኪቱ፣ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ምምርማር ገበናት ስርዓት ህግደፍ ኣበርቲዑ፡ እዚ ዝቃለለሉ ለውጢ ግቡእ ኣድህቦ ሂቡ፡ ኣድላይን ነቲ ጉጅለ ፈልዩ ዝቐጽዕ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ተማሕጺኑ። ከምኡ'ውን ንጐረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ክባቢና ሰላምን ርግኣትን ዘረጋግጽ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ፈልዩ ዝርኢ ፖሊሲ ተኸቲለን፤ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታትን ምትሕብባረን ክብ ከብላ ጉባኤ ጸዊዑ። መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ንዘለዉ ኤርትራውያን ምዕቋቦምን ሂወቶም ዝመርሕሉ ምድግጋፍ ምግባሮምን፡ ንዝገበሩልና ምትሕግጋዝን ጉባአ ኣመስጊኑ።
ኣብ መደምደምታ ጉባኤ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ንሰልፊ እትመርሕ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ሓዳስ መሪሕነት ብምምራጽ ስራሑ ብዓወት ዛዚሙ።
ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩኽ!
30 ሓምለ 2015
ካላኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ቃል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015
Monday, 03 August 2015 22:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክቡራንን ክቡራትን ኣቦ-መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015
ክቡራንን ክቡራትን ኣቦ-መንበርን ኣባላት መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)
ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኩሎም ተሳተፍቲ እዚ ሰፊሕ ፈስቲቫል’ዚ ብሓበራ
ቅድሚ ኩሉ ምሉእ ጥዕና ክትረኽቡ ካብ ልቢ ዝነቐለ ሰናይ ምንዮትና ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ብዓወት ክዛዘምን ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ ናይ ቃልሲ ንጥፈታትኩም ኣሳልጦ ክትጓጸፉ ዘለና ጽቡቕ ትምኒት ክንገልጸልኩም ከለና ዝስመዓና ባህታ ልዑል እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምውሳድ ድማ ናብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ ክንሳተፍ ብኽብሪ ንዝገበርኩሙልና ክቡር ዕድመ ምስጋናና ክንገልጽ ደስ ይብለና።
ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ እዚ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ!
ኣብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ ከም ቀዳማይ ኰይኑ ዝቐርብ ዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ምዃኑ ዘጠራጥር ጉዳይ ኣይኰነን። እዚ ኣብ ግምት ወሲድና፣ ንሕና ከም ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ኣብ ቅድመኹም ኰና ብዛዕባ ኲነታት ኤርትራ ዘርዚርና ምዝራብ ከም ንቀባራይ ምርዳእ ከይኰነና መታን ብዙሕ ንብሎ ኣይክህሉን እዩ። ይኹን እምበር ሃገርና ኤርትራ ካብ ሕማቕ ናብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኩሉ እንተናዊ ኲነታት ትኸይድ ከም ዘላ ህዝብና ብቓንዛ ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር መድረኽ ምዃኑ ግን ከነስምረሉ ንደሊ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ካብ’ተን ሰላም፡ ቅሳነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ብልጽግናን ከስተማቕራ ዕድል ዝረኸባ ሃገራት ኣይኰነትን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ጭቆና ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ትርመስ ዘላ ሃገር ከም ዝዀነት ግሉጽ መጽሓፍ ኰይኑ ኣሎ። ህዝብና ግዝኣተ-ሕጊ ብምርግጋጽ ኣቢሉ ዝደልዮ መንግስቲ ናይ ምምራጽ መስርሕ ከካይድስ ይትረፍ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ብውሽጢ ብስርዓት ህግደፍ ብብርቱዕ ይህረምን ይፈራርስን ከም ዘሎ ንማንም ተዓዛባይ ብሩህ ምዃኑ ይርድኣና እዩ። ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ዓንዲ ሕቖ ሃገር ዝዀነ መንእሰይ ኤርትራ መነባብርኡ ሓሲምዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣማዕዲዩ ክርእዮ ዝኽእል ብሩህ መጻኢ ዕድልን ተስፋን ብምስኣን ናይ መጻኢ ዕድሉ ደልሃመት ስለ ዝዀኖ፣ ሃገር ጠንጢንዋ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሃገር ጠንጢኑ ዝወጽእ ዘሎ ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ኣድራዓትን ቅዝፈትን ክኸውን ከሎ ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ።
ብቊጠባዊ መዳይ እንተረኣና መሬት ተሃጊሩ፡ ጉልበት ደቂ-ሰባት ንረብሓ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተመዝሙዙ፡ ኩሉ ናይ ቊጠባ ንጥፈታትን ዕዳጋታትን ተገቢቱ ከም ውጽኢቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ድኽነት ክሳብ ዓጸቦ ዝኸደ ኲነታት እንዳሃለወ፣ ዝያዳ ንኽደክን ክደክምን ከኣ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያታት ገዛውቲ ናይ ህዝብና ከፍርሶ ይውዕል ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሸነኽ’ውን እንተዀነ ንክቡር ያታታትና ኣብ ክንዲ ምምዕባል ምፍራስ፡ ዘይስነ-ምግባራዊ ስራሓት ምዕንባብ፡ ህዝቢ ብስኒት ከይነብር ምጽዓር፡ መሰረት ሕብረተ-ሰብ ዝኸኑ ስድራ-ቤታት ከም ዘይሰርሑ ምግባር፡ ሕማምን ድንቁርናን ከም ዝስዕርሩ ምግባር፡ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ዲፕሎማሲ ወተሃደራዊ ቋንቋ ጥራሕ ዝጥቀም ምስ ጐረባብቲ’ውን ውግእ ወረ ውግእ እንተዘይኰይኑ ካልእ ቋንቋ ዘይፈልጥ፡ ምዃኑ ወዘተ፣ ስርዓት ህግደፍ ውራየይ ኢሉ ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ’ዩ።
ስርዓት ህግደፍ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ፖለቲካዊ ደሞክራስያውን መሰላት ምኽባርስ ይትረፍ፣ ብመሰረቱ መሰል ጠቀስ ዝዀነ ኣምር ኣብ መዝገበ-ቃላት ህግደፍ ከም ዘየሎ ዝበርሀ ኰይኑ፣ ኣብዛ ግዝኣተ-ውልቀ-ሰብ እምበር ግዝኣተ-ሕጊ ክህልዋ ዘይተዓደለት ብፍርሕን ራዕድን እትነብርን ትመሓደርን ዘላ ሃገርና፣ ውልቀ-መላኺ መራሒ ህግደፍ ከም’ቶም ኣብ ማእከላይ ዘመናት ዝገዝኡ ዝነበሩ ነጋዉስ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ልዕሊ-ሕጊ ኰይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጸሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና።
ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ግሉጽ ዝዀነ ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ-መሰላት ተጣበቕቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶን ዝመስከርዎን ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ብውዱብ መልክዕ ተወጢኑ ብሽርሒ ዝግበር መጠነ-ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ምስጢር ንምርካብ ተባሂሉ ዝፍጸም መግረፍቲ፡ ግዱድ ናይ ባርነት ዕዮ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዝረውይሉ ናይ ስጋዊ ርክብ ባርነት፡ ጅምላዊ ቅትለት ወዘተ ኣብ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ተርእዮ ምዃኑ ንዓለም ግሉጽ ኰይኑ’ሎ።
እዚ ኩሉ ኣብ ግምት ተወሲዱ እዚ ስርዓት’ዚ ፈጺሙ ክልወጥ ዘለዎ ስርዓት ምዃኑ ርግጽ’ዩ። ስለ’ዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ኣብ ኢዱ ክሕዞ ይግባእ ዝብል እምነት ናይ ግሃድኤ-ሕድሪ እዩ። ናይ’ዚ መሰረታዊ ምስጢር ከኣ ነዚ ስርዓት’ዚ ቀይርካ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ንምትካል ህዝቢ ዋኒኑ ኣብ ኢዱ ክሕዝ ክቃለስ ውሁብ ገርና ኢና ንወስዶ። በዚ ምኽንያት’ዚ ግሃድኤ-ሕድሪ ንኩሎም መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ህዝብና ዋኒን ሃገሩ ኣብ ኢዱ መታን ክሕዝ ተሓጋጊዝና ብጥቡቕ ክንሰርሕ ጸዋዒትና ነቕርብ።
በቲ ካልእ ወገን’ውን ደምበ ተቛውሞ፣ ነዚ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ደይመደይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ብስም ደምበ-ተቛውሞ ዝጽውዑ ኣካላት ንርእሶም ጸገማት ኣለዎም። ገለ ካብቶም ጸገማት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-
- ቅደም ተኸተል ናይ ዕማማቶም ዘይሰርዑ፣
- ኣሎ ዝበሃል ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ንናይ ሓባር ኣፍራዪ ስራሕ ድሉዋት ዘይኰኑ፣
- ኣብ ክንዲ ብሓባር ምስራሕ ነንሕድ-ሕድካ ምጽራፍን ምትሕንዃልን ከም ዕማም፡ ኣገባብን ባህልን ዝወሰዱ ወዘተ እዮም።
ነዚ ንምቕልባስ እምበኣር ተቛወምቲ ውድባትና ኣብ ዝተሓተ ነጥበ-ስምምዕ ዘትከለ ብሓባር ንምስራሕ ክቀዳደሙ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ናይ ሎሚ ዕማሞም ገይሮም ክሕዝዎን ክሰርሕሉን ከም ዘለዎም ወላኳ ናይ ቀደሙ መርገጽ እንተነበረ ማ.ባ.ግሃድኤ_ሕድሪ ደጊሙ ብዝያዳ የረጋግጽ። ወላ እተን ፖለቲካዊ ውልቀ ውድባት ኤርትራ’ውን እንተዀነ ግቡእ ተርአን ኣይተጻወታን ክበሃል ይከኣል። ብካእባዊ ይኹን ሳልሳዊ ወላ ካብኡ ንላዕሊ ብሓባር ክሰርሓ መደባት እንዳ-ሰርዓ ኣይተቓለሳን።
እዚ ኣጋጣሚ ብምውሳድ እምበኣር ግሃድኤ-ሕድሪ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፣ ምስ ኩለን ምሳና ክሰርሓ ድሉዋት ዝዀና መሓዙት ውድባት ኣብ ንጹር ተግባራዊ ዕማም ንምእታው ብካእባዊ፡ ብሳልሳዊ፡ ወዘተ ርኽክባት እንዳ-ገበርና ናብ ብሓባር ከስርሓና ዝኽእል ናይ ስራሕ መደብ ክንትልም ድሉዋት ምዃና ነረጋግጽ ኣለና። ካብ’ዚ ብሓባር ምስራሕ ዝሰገረ ክሳብ ናብ ሓድነት ክንበጽሕ ዕማምና ገርና ሒዝናዮ ዘለና ስራሕ እዩ።
ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!
ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ
ዕለት 01 -08-2015
Eritrea Festival Addressed by Mayor of Frankfurt and all Major German Parties
Monday, 03 August 2015 16:56 Written by EPFP Information OfficeThe city of Frankfurt and all the major German political parties this year gave an unprecedented attention to the Eritrean opposition by attending and addressing the Eritrea Festival held in the European financial capital of Frankfurt between 31 July and 2 August 2015.

The major event of the Eritrea Festival, annually organized by the Eritrean Democratic Association (EDA) in close cooperation with the branches in Europe of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), took place in the afternoon and evening hours of Saturday, 1 August 2015 under the moderation of Ms Adiam Teferi and Mr. Ghirmai Zemichael speaking in Tigrinia and Arabic.

The Festival Panel that lasted for nine hours and attended by a large number of people including a significant number of youth, was launched by a welcoming address of Mr. Tesfamariam Kibreab, the EDA chairman, who spoke in German and Tigrinia to explain the objectives and significance of the annual politico-cultural even attended by hundreds of –Eritreans of different political orientation coming from many countries.

The history-making occurrence was the presence at the festival for the first time by the Major of Frankfurt, Mr. Peter Feldmann, a member of the German Social Democratic Party (SPD). In his speech, the mayor recounted the welcoming spirit of Frankfurt and its multicultural people, majority of whom consisted of migrants of 180 ethnic origins. He noted that the city is also home to many Eritreans and urged them to accept Frankfurt as the permanent home of their children and grand children and take part in its every-day life, including its politics.

Delegates of the ruling Christian Democratic Union (CDU); the Free Democratic Party (FDP) and the German Green Party also addressed the festival expressing support to the Eritrean struggle for democratic change. In particular, Dr. Klaus Dieter Grothe of the Green Party, expressed strong support to the cause of justice-seeking Eritreans and apologized for a mistaken support the Greens gave to the regime in Asmara for quite a long time. He said no country can develop without democracy and human rights, all of which are absent in today’s Eritrea. He urged Eritreans in diaspora to unify and prepare for a smooth transition from dictatorship to democracy.

Also invited to the podium for their moving reflections on the past and present situations in Eritrea were two former journalists, Mr. Bo Bouvelstam and Ms Christina Bjork from Sweden who spoke on their involvement with Eritrean liberation fights since 1969. In introducing the two old friends of the Eritrean struggle, Mr. Gherezgeher Tewelde of Canada said the two friends were among other Swedish nationals who established the Eritrea Gruppen in the early 1970s and made significant medical and other social contributions to the Eritrean people. These historic friends of our people hoped that the current struggle for democracy will triumph as soon as possible.

EPDP Chairman Menghesteab Asmerom presented his keynote speech in Tigrinia and Mr. Hamid Drar helped to convey the message to the audience in Arabic. Mr. Menghesteab Asmerom warmly welcomed all invited guests and festival participants and explained the situation of Eritreans in 2015, the status of the struggling forces and the core objectives that require immediate attention for democratic change in Eritrea. He also read 12 political resolutions of the second party congress that was held in parts in Ethiopia and Germany.

Presentation of statements by German political parties the two historic friends and the EPDP chairman was followed solidarity messages from 12 Eritrean political and civil society organizations. These included chairpersons and leadership representatives of two wings of the Eritrean National Salvation Front (ENSF and ENSF-Hidri); the Eritrean People’s Unity Front (Sagem); the Eritrean Nahda Party (ENP); the Eritrean Democratic Party (EDP); the Eritrean Forum for National Dialogue (EFND - Medrek); the Eritrean Unity for National Salvation (EUNS); Eritrean Initiative for Eritrean Women in Germany, Network of Eritrean Women, and Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC). Also speaking on the significance of the Geneva demonstration of 26 June was Dr. Daniel Rezene of Geneva who emphasized the need of new initiatives to seize the momentum created by the mass manifestation in support of the decisions by the UN Human Rights Council.

After a short break, a lively festival panel discussion was started under the able moderation of Mr. Haile Woldu of UK and Ms Feven Ghideon of Germany. All the 12 speakers were invited as team to the front stage. They were Mr. Menghesteab Asmerom of EPDP; Dr. Habte Tesfamariam (ENSF); Mr. Bahta Hailemariam (Sagem), Mr. Fessehazion Ghebre (ENSF-Hidri);
Mr. Abdulaziz Anwar (Nahda); Mr. Menghesteab Kidane (EDP); Ms Amal Ali Mohammed Saleh of Medrek; Dr. Almaz Zerai of women’s network; Ms Alganesh Ghebre of women’s initiative; Dr. Harnet Bokrezion of EYSC and Mr. Dirar Abraha of EUNS.
The panelists exchanged with the audience their understanding of unity of action in the opposition camp, the various shortcomings of all forces opposed to the dictatorship in Eritrea and the expectations of the general public from the younger generation which is suffering of the consequences of state failure in Eritrea.
The audience was engaged not only in asking questions but also in providing answers to the burning national issues of the current stage as well as the challenges ahead in post-dictatorship Eritrea.

The political discussions were followed by an all-night folkloric music and dancing staged by young singers and musicians from different parts of Europe.
Details on the speeches as well as the solidarity messages will be posted soon in www.harnnet.org.
ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015
Sunday, 02 August 2015 23:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክቡር ኣቶ ፒተር ፈልድማን፡ ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፣
ክቡር ኣቶ ሚካኤል-ሱ ሎቨንሽታይን፡ ተወካሊ ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት(CDU)፣
ክቡር ኣቶ ሚካኤል ሩቢን፡ ተወካሊ ናጻ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (FDP)፣
ክቡር ዶክተር ክላውስ ዲተር ግሮተ፡ ተወካሊ ሓምላይ ሰልፊ (Gruene)፣
ክብርቲ ክርስቲና ብዮርክን ክቡር ቡ ቡቨልስታምን፡ ሽወደናውያን ኣዕሩኽ ሰውራ ኤርትራን ሰዲህኤ፣
ክቡራትን ክቡራንን መራሕትን ተወከልትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ፣
ክቡራትን ክቡራንን መራሕትን ተወከልትን በርገሳውያን ማሕበራት ኤርትራ፡
ክቡራት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ፣
ኣቐዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩም ኣብ ፈስቲቫል 2015 ብምርካብኩም ብስመይን ብስም ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እናበልኩ ከኣ፡ ሓጐስን ምርድዳእን ዝሰፈኖ ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ቀጺለ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳን ብምትሕብባር ከም'ዚ ዝኣመሰለ ዕቱብ ምድላዋት ክገብራ ምኽኣለን ብስም መሪሕነት ሰዲህኤ ንኣሰናዳኢት ኮሚቴ መጐሰይን ናእዳይን ከቕርበላ እፈቱ።

ክቡራትን ክቡራንን
ፈስቲቫል 2015 ኵሉ መዳያዊ ህይወት ናይ ህዝብና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብ ዘንቈልቍለሉን፣ ከምኡ'ውን፡ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሕ ኣብ ጀነቫን ዕዉት ካልኣይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል ስለዝዀነ፡ ብዙሓት ክንዛረበሎም ዘለና ኣገደስቲ ኣጀንዳታት ዝሓዘለ ሃብታም ፈስቲቫል ክኸውን ኢዩ።
ቀጺለ፡ ብምኽንያት ናይ ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ንዅሎም እስላም ዓለምን ነስላም ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ ርሑስ በዓል ይግበረልና። ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዝሰፈኖ ዓመት ከዀነልና ዘለኒ ትምኒት ድማ ክገልጽ እፈቱ።

ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ። ኣባል መስራቲ ጕባኤ ናይ'ቲ ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ማሕበረ-ዲሞክራስያውያንን ማሕበራውያንን ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ብምዃን፡ ኣብ ጀርመን፡ ስዊድን፡ ሆላንድን ቲኒስን እተኻየዱ 4 ዋዕላታት ተኻፊሉ ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሶሺሊስት ኢንተርናሽናል ናይ ተዓዛቢ ቦታ ብምርካብ ኣብ ኒያሚ፡ ኒጀር ኣብ እተኻየደ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ጨንፈር ኡፕሳላ፡ ብምክፋል፡ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያንን ኤርትራውያን ዝመበቆሎም ወጻእተኛታትን ዘኽፍሎ 2% ዘይሕጋዊ ግብሪ ደው ክብልን መንግስቲ ሽወደን ንደለይቲ ፍትሒ ክድግፍን ይግብኦ ዝብሉ ውሳኔታት ክሓልፉ ሰልፍና ዓቢ ድርኺት ጌሩ ኢዩ። ኣብ መበል 37 ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ እዘን ነጥብታት እዚኣተን ቀርበን ከምዝጸድቓ ተገይሩ። ሰዲህኤን ኤርትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን፡ ኣብ'ቲ ን15 ሃገራት ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ ዝጥርንፍ ንሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ኤርትራ፡ ስዋዚላንድ፡ ፍልስጤምን ምዕራብ ስሃራን ዝጣበቕ ናይ ምድግጋፍ/ሶሊዳሪቲ ማሕበር ዝጸውዖ ኣኼባ ተሳቲፎም ሽግራት ህዝብና ክገልጹ ዕድል ምርካቦም ውን ዓቢ ዓወት'ዩ ነይሩ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ብኣደ መንበርነት ሓውትና ኣድያም ተፈራ ምክያዱ ድማ፡ ኣብ ተመኵሮ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ናይ መጀመርያ ምዃኑ፡ ንሓውትና ኣድያም ተፈራ፡ ንሰልፍናን ንደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ብሓበራ ዓቢ ሓበን ኢዩ። ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት ኣቶ ፒተር ፈልድማን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ምስታፉ'ውን ተወሳኺ ዓወት ኢዩ። እዚ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ሓቢሮም እንተሰሪሖም ብዙሕ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ 4 ኤርትራውያን ጳጳሳት ዘልዓልዎ፡ ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓፍተይ ኣበይ ኣላ? ህዝበይ ኣበይ ኣሎ እናበለ ክሓትት ዝጸንሐ ሰልፊ ኢዩ። ብዛዕባ ሃለዋት ስደተኛታት ከይሰልከየ ብኣካላዊ ርኽክባትን ብመዘክራትን ናይ ርዱእና ኣውያት ናብ ዝምልከቶም ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለምን ተጣበቕቲ ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ከመሓላልፍ ጸኒሑን ኣሎን። ብዛዕባ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘጋጥሞም ጸገማት ምቅላሕን ምጥባቕን ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ኣጀንዳታቱ ገይሩ ክዋስኣሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ'ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ናይ ሞያን ኣካዳሚካውን ስልጠና ክውሃቦም፣ ብነጋዶ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከውሊ ክረኽቡ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰግርሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክኽፈተሎም ክጕስጕስ ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብ ርእሲ'ዚ ኣባላት ሰዲህኤ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣብ ዝጽውዕዎም ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣካል ብምስታፍ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምብርካት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ሓልዮት ክገልጹ ወይ ድማ ሓወይ፡ ሓብተይ፡ ህዝበይ ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ክሓቱ ብግብሪ ተራእዮም ኢዮም።
ካብ 650 ንላዕሊ ዝዀኑ ስደተኛታት ህጻናትን መንእሰያትን ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ምቛምን ንምቕጻሉ ከቢድ ሓላፍነት ምጻርን ምትግባርን፡ እሞ ከኣ ምስ'ቲ ትሑት ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ግምት ብምእታው ክርአ እንከሎ፣ ሰዲህኤ ክሳብ ክንደይ ኣጆኻ ሓወይ፡ ኣጆኺ ሓፍተይ፡ ኣጆኹምን ኣጆኽንን ደቀይ ዝብል ሓልዮትን ተገዳስነትን ኣብ ህዝቡ ምህላዉ ዘረጋግጽ ህያው ምስክርነት ኢዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሰዲህኤ ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ እምነትን ኣብ መጻኢ ዕድል ህጻናትን ዘለዎ ትጽቢታትን ዘንጸባርቕ መርኣያ ውን ኢዩ።
ክቡራትን ክቡራንን
ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ተቓውሞ'ዚ ግን፡ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ምእንቲ እቲ ንዅሉ ዘርብሕ ዕላማታት ዝቃለስ፡ ኣነ ካባኻ እሓይሽ ኣብ ዝብል ግዜኡ ዘይሓለወ ውድድራት፣ ኣብ ሕድሕድ ምጥርጣር፣ ኣብ ግዝያውን ውልቃን ረብሓታት፡ ኣብ ህልኽ ተጸሚዱ፡ ንትጽቢት ህዝብናን ፈተውትናን ከማልእ ኣይከኣለን ዘሎ። እዋናዊ ናይ'ዚ ሰዓት'ዚ ሕቶ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ምድሓን ኢዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣሊኻ፡ ናብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዘስፍን ጐደና ምሓዝ ማለት ኢዩ። ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ብዙሕ ድኽመታት ኣርኢና ኢና። እቲ ጽቡቑ ሎሚ ጠንቅታት ናይ ድኽመታትና እንታይ ምዃኖም ብግቡእ ክንግንዘብ ምኽኣልና ኢዩ። ፈውሲ ድኽመታትና ክንረክብ ዘይምኽኣልና ግን፡ ፖለቲካዊ ድሌትን ትብዓትን ዘድልየና ምዃኑ ጥራሕ ኢዩ ዘመልክት።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ካልኣይ ጕባኤኡ ንህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ተቓውሞናን ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋም ነዞም ዝስዕቡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ።
1. ተራን ተሳትፎን መንእሰይ
ብሩህ መጻኢ ሃገርና ክንብል ከሎና: መጻኢ ዕማም ናይ'ቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 70% ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ማለት ምዃኑ ብምርግጋጽን፣ ናይ ምስግጋር ሓላፍነቱ ብምስትውዓልን ብምዃኑ፡
ኣድማዕን ዕቱብን ተሳትፎ መንእሰይ፡ እምነ-መሰረትን ሞተረን ቃልሲናን ዋሕስ ቀጻልነቱን ዓወቱን ምዃኑ ዘየጠራጥር ስለዝዀነ፣ ብሰንክ'ቲ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባርዐ ውግእ ዝተፈጥረ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኲነታት፡ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስእነት ሰላማዊ ናብራን ትምህርትን ስራሕን ንመንአሰይ ወለዶ ከምቀንዲ ግዳይ ገይርዎ ምህላዉ፣ ከምሳዕቤን ናይ ህልው ስርዓት ህግደፍ፡ ዘሕደረሉ ስምብራትን ድኽመት ደምበ ተቓውሞን፡ ተራን ተሳትፎን ኤርትራዊ መንእሰይ ብግቡእ ከምዘይተወደበን ኣብ ኣዕጋቢ ደረጃ ከምዘይበጽሐን ብምግንዛብን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ 60ታት ዝነበሮ ታሪኻውን ሓርበኛውን ናይ ምልዕዓል መሪሕ ግደ ብምዝካርን፡-
ዝያዳ ኩሉ ድማ እቲ ሃገር ናይ ምህናጽን ምቕጻልን ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ፡ ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ናብ'ቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ስደት ከምርሕ እንከሎ ዘጋጥሞ ዘሎ ህልቂት ኣዚና ስለ እንሓዝን፡
ካልኣይ ጉባኤ እዚ ዝስዕብ ወሲኑ፡
ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታት ምዃኑ የረጋግጽ። ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ። ካብዚ ሓሊፉ ሓድሽ ኣወዳድባን ዘመናዊ ናይ ርክብ መስመራት ንክዝርጋሕን ከኣ ጉባኤ ወሲኑ። ብዘይካ'ዚ መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንክሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።
2. ተራ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ
ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾናን ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ቃልሲ ከም ዘየለ ካልኣይ ጉባአ ሰልፍና ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣብ'ዚ እዋን ዋሕዲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቀንዲ ኣሰከፍቲ ጉዳያት ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓደ ምዃኑ ጉባአ ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ሰልፍና ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት መጽናዕቲ ከም ዘካይድ እንዳረጋገጸ፡ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዝወርድ ብዘሎ ተደራቢ ግፍዕን ስቃይን ኣብ ሃገራዊ ዕላማታት ቀንዲ ሰብ-ጉዳይ ብምዃነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብትግሃት ኣብቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ተሳታፍነተን ከረጋግጻ ሰልፍና ይጽውዐን።
3. ኣገባብ ቃልሲ
ሕሉፍ ተመክሮታትን ውጽኢታትን ብዕምቆት ምዝታይን ምግምጋምን፣ ብሕልፊ ከኣ፡ እቲ ካብ ተስዓታት ዝጀመረን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እተራእየን ዝቐጸለን ህዝባዊ ኣገባብ ተቓውሞ ብምስትብሃልን ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሐይልዎ ዘለዉ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብምግንዛብን፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ቃልሲ፡ ሕጂ እውን ህልው ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝጠልቦን ዝጻወሮን ብምዃኑን፣ ንመጻኢ እውን፡ ህልው ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኪቕጽል ጉባኤ ወሲኑ።
ሰዲህኤ፡ ህልው ስርዓት ኣልጊስካ ብቅዋማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምትካእ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎን ኣበርክቶን ዝሓትት ይኹን’ምበር፡ ንምቅልጣፉን ናይ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ተሳትፎ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ዘሎ ኤርትራዊ ተራ ወሳኒ ምዃኑ ይኣምን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ነቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝብል እምንተኡ ጉባአ ደጊሙ የረጋግጽ።
4. ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት
ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝግበር ቃልሲ ንምምራሕን፣ መተካእታን ኣማራጽን ህልው ስርዓት ህግደፍ ንምዃንን፣ ብቕዓት ዘለዎ ሃገራዊ ውደባ ምድልዳል ይጽንሓልና ዘይብሃል ህጹጽ ናይ ሓባር ዕማም ምዃኑ ብምእማን፤
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ኪግበር ዝጸንሐ ናይ ምቅርራብን ምጥርናፍን ፈተነታት፡ ሕሉፍ ተመክሮታት ብዕቱብነት ከይተገምገመ፡ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝቢ ዝግባእ ግምት ከይተዋህቦ፡ ብቑዕ ምድላው ዘይተገብረሉ ወይ ዝጎደሎ ምንባሩ ብምስትብሃል፤
ነፍስወከፍ ውድብ/ሰልፊ፡ ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣኽቢሩ፡ ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ኣብ ህዝቢ ብምውራድን ብምውድዳርን ተቐባልነት ህዝቢ ከሲቡ፡ ዕላማታቱ ከተግብር ዝኽእል፡ ህልው ስርዓት ድሕሪ ምልጋሱ ስለዝኾነ፡ ምእላይ ህልው ስርዓት፡ ናይዚ መድረኽ ቀዳምነት ገይሩ ክሰርሓሉ ካብ ዘለዎ ድሌት ብምብጋስ፣
ጉባኤና ነዚ ዝስዕብ ወሲኑ፡-
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሓ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።
5. ሉኣላውነት ኤርትራ
ናይቲ ኤርትራውያን ንነዊሕ ዓመታት ዝኸፈልዎን ጌና ዝኸፍልዎ ዘለዉን ረዚን ዋጋ ማእከላይ ዕላማ ልኡላዊት ኤርትራ ምዕቃብ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ባህግታትን ድሌታትን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። በዚ መሰረት ጉዳይ ልኡላውነት ወትሩ ዘይንዝገዖ ኣጀንዳና እዩ። ናይ ኤርትራ ህልውናን ቀጻልነትን ካብ ዘውሕሱ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነታ እዩ። ንኹሉቲ ስርዓት ህግደፍ ንክቱር ፍቕሪ ሃገር ህዝብና መዝሚዙ ዝወስዶ ካብ ልኡላውነት ሃገርና ፈሊኻ ዘይርአ ቀጻልነት ህዝብና ዝህድድ ኣተሓሕዛኡ ንኹንንኖ። ቀጻልነት ህዝብናን ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገርናን ከም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት ብማዕረ እንሕልዎምን እንዕቅቦምን እምበር ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ምዃኖም ከኣ ንኣምን።
ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ፡
- ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብሽምግልና ሳልሳይ ኣካል ጥራይ መዕጸዊ ኪግበርሉ ከም ዝኽእል ብምእማን፤
- እቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ፡ ቀያዲ፡ ናይ መወዳእታን፡ ይግባይ ዘይብሃለሉን፡ ኢሎም ብ2000 ዓም ዝፈረሙሉ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ክሳብ ንምምሕያሹ ክልቲኦም ዘይተሰማምዑ፡ ከም ዘለዎ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ብምጋስ፤
- መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሃገራዊ ናጽነት ብህዝባዊ ወኸሳ (ሪፈረንዱም) ንምርግጋጽ ዝተሓባበረን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን፡ ሕጂ’ውን፡ ኣቐዲሙ ዝተሰማምዓሉ፡ ኣህጉራዊ ኣካል ዘሕለፎ ውሳነ ብምቕባልን ኣብ ባይታ ክትግበር ብምትሕብባርን፡ ምቹእ ሃዋሁ ንምፍጣር፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊን፡ ሞራላዊን ክዴትኡ ከተግብር ካብ ዘሎ ትጽቢት ኣብ ግምት ብምእታው፤
- ክልቲኦም መንግስታት፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት፡ ኣብ ጽቡቕ ጉርብትና፡ ምትሕብባር፡ ሓድሓዳዊ ረብሓን፡ ምክብባርን ዝተመስረተ፡ ሰላማዊን ሓባራዊን ህላወ ነባሪ፡ ንሳቶም ግን ሓለፍቲ፡ ምዃኖም ተረዲኦምን ኣሚኖምን፡ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢታት ከቐድሙን፡ ነዊሕ ዓመታት ዝተጋደሉሉ ዕላማን መትከልን ከኽብሩን ከም ዝግባእ ብምርዳእ፤
- መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ምስምስ ብምግባር፡ ዶብ ከይተሓንጸጸን ሉኣላውነት ሃገር ከይተረጋገጸን፡ ሕቶ ዲሞክራሲን ቅዋማዊ መንግስትን ኣብ ኣጀንዳኡ ከም ዘይህሉ ንዝህቦ መመኽነይታን ምንዋሕ ምልካዊ ግዝኣቱን፡ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ ምስምሳትን መመኽነይታታትን ጠንቂ ምዃኑ ብምግንዛብ፤
ጉባኤ፡
- መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ከረጋግጾን፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።
- መንግስቲ ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላት፡ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕጊን፡ ማሕበራዊ ፍትሒን ርግኣትን ኣብ ኤርትራ ከይረጋገጽ፡ ንኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ከም ረቛሒ ጌሩ ዝህቦ ምስምስ ይዅንን።
6. ስርዓት ህግደፍን ቅዋምን
“ብስርዓት ህግደፍ ተነዲፉ፡ ካብ ዝጸድቕ 18 ዓመታት ዘሕለፈን ዘይተተግበረን ናይ 1997 ቅዋም ኤርትራ፡ ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ጥራሕ እዩ ባይታ ረኺቡ ከካትዕ ዝኽእል፡፡ ብምልኡ ናይ ምቕያሩ ይኹን ወይ ናይ ምምሕያሹ ጒዳይ ከኣ ብህዝበ-ውሳኔ ወይ ድማ ህዝቢ ብዝመረጾ ባይቶ/ፓርላማ ዝውሰን እዩ” ዝብል ካብ ነዊሕ ግዜ ዝሓዝናዮ መርገጽ ሰልፍና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ብዘይትግባር መብጸዓታት ህዝቢ ንምዕሻው ጌና እቲ ኣጽዲቐዮ ዝበሎ ቅዋም ተቐባልነት ዘይብሉ ምኽንያታት እንዳመሃዘ፡ ብተግባር ከይተፈተነ “ካልእ ሓድሽ ቅዋም ከጽድቕ እየ” ምባሉ ካብ ምትላል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከም ዘይውሃቦ ጉባአ መዚኑ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም በዚ መታለሊ ተግባራት ከይግራህ ንተግባራት እቲ ስርዓት ተቓውማኡ ከርእን ንጽውዕ።
7. ጉዳይ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት
ሰዲህኤ፡ ኤርትራውያን በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሕዝዎ እምነትን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምትን ይድግፍ። ሕጂ እውን እዚ ተጀሚሩ ዘይተፈጸመ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ መስርሕ ኣብ ፍረ ንኽበጽሕ ሰልፍና ዝከኣሎ ኣበርክቶ ክገብር ምዃኑ ሕጂ'ውን የረጋግጽ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል ዘይስሙ ሂቡ ከበርዕኖ ዝገብሮ ፈተነታት ሰልፍና እንዳኾነነ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሓደገኛ ምህዞ ህግደፍ ከይተታለለ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ቃልሱ ክቕጽል ንጽውዕ። ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍልይ ከኣ ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላት፡ ነዞም ብዘይካ ካብ በጃ ህዝቦም ምሕላፍ ካልእ ገበን ዘይብሎም ብናይ ሓሶት ክሲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ከሐይል ካብ'ዚ ጉባአና ንጽውዕ።
8. ጸብጻብ መርማሪት ኮሚስዮን ብዝምልከት
ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖማ መርማሪት ኮሚስዮን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ዘቕረበቶ ናይ 483 ገጻት ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ክፍጸም ንዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ናብ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይምዕብል ከምዘሎ ኣቃሊዓ እያ። ሰልፍና ነቲ ንኤርትራውያን ግዳያት መሰረት ገይሩ ዝወጸን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ መጻብቦ ኣእትይዎ ዘሎን ጸብጻብን ንዓኡ መሰረት ገይሩ ንዝተወስደ ውሳነታትን ካብዚ ጉባአኡ ይድግፎ። ኣብ ቀጻሊ ስራሓት ኣጻራይት ሽማግለ ክተሓባበር ድልዊ ምህላዉ ድማ የረጋግጽ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከምቲ ዝጀመርዎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንኸብቅዕ ዝገብርዎ ተጽዕኖ ኣብ መወዳእታ ንኸብጽሕዎ ደጊምና ንጽውዕ።
9. ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫን ህዝባዊ ምልዕዓልን
መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ስደት ክኸፍሎ ዝጸንሐ ተከታታሊ ሕሰምን ጥፍኣትን፡ እቲ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ዘጥፋአ ህልቂት ላምፓዱዛ ዘበገሶ ህዝባዊ ነድርን፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ከጠራነፉን ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ቃልሶም ከበርትዑን፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስ ተራኦም ከበርክቱ ተራኣዮም እዮም።
ከም መቀጸልታኡ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምኹናን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ መርማሪት ኮሚቴ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ንምድጋፍ ብዓብይኡ ኣብ ጀነቫ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ኣብ 26 ሰነ 2015 ዝተኻየደ ሰፋሕቲ ሰልፍታት፡ ሰልፍና ደገፉን ኣድናቖቱን ይገልጽ። ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ እዚ ከም'ዚ ዝዓይነቱ ናይ ሓባር ዕማም ሓንሳብ ተራእዩ ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ ብቐጻሊ ክሳተፍዎን ክሰርሕሉን ዘለዎም ምዃኑ ክግንዘቡ ንጽውዕ። ሰልፍና ድማ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰሉ መስርሓት እጃሙ ከበርክት ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋግጽ። እቲ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞና ተወዳዳሪ ከም ዘየብሉ ብዙሓት ዝመስከርሉ ሰልፊ ጀነቫ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘሰንበደ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓባር ክንሰርሕ እንከሎና ክሳብ ክንደይ ከነድምዕ ከም እንኽእል ዘመስከረ ስለ ዝነበረ ክንቅጽሎ ዘተባብዕ ምዃኑ ከኣ ጉባአና መዚኑ።
10. ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ኤርትራ
ስርዓት ህግዲፍ በብግዜኡ መልክዕ እንዳቐየረ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞም ንዕቀትን ገበናትን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያንስ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተጋሂዱ እዩ። እነሆ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ናይ ዜጋታት ኣባይቲ ምፍራስ ብዝሰፈሐ መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ቀጺልዎስ ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብዚ ናይ ዝናብ ግዜ ብዘይ መዕቆቢ ንኹሉ ሓደጋት ይቃልዑ ኣለዉ። ኣባይቶም ምፍራስ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ ወገናት ይእሰሩን ህይወቶም ይኸፍሉን ምህላዎም ውን ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ተወሳኺ ሰብኣዊ ግህሰት ክፍጽም እዚ ናይ መጀመርታኡ ከም ዘይኮነ እንዳተረዳእና ነዚ ንዜጋታትና ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘውሓስዋ ሃገር ብዘይ ንጹር ሕግን እቲ ዋና ህዝቢ ዘይርደኦ ኣገባብን የካይዶ ንዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ጉባአና ይኹንኖ። ሕቶ መጽለሊ ኣብ ህልውና ዘለዎ ወሳንነትን ክብደት ግህሰቱን ብምርዳእ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።
11. ዝምድናና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት
ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና “ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር።” ዝብል ዘስፍሮ ፖሊሲ መሰረት ብምግባር ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለና ጉርብትናን ታሪኻውን ባህላውን ዝምድናን ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ፖሊስና ብዘይጻረር መልክዑ ቀጻሊ ክኸውን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሰልፍና ካብዚ ዝምድናዚ ንዝረኽቦ ምትሕብባር ከም መሐየሊ ቃልሲ ክጥቀመሉ እዩ።
12. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ፣ ኣካል ናይ'ቲ ብጨቋኒ ስርዓት ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ብምዃኑን፡ ከቢድ ጾር ተሰኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነን ኣብ።ቲ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊስካ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ሃገራዊ ግዲኡ ከበርክትን ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክስከምን ጉባኤ ምሕጽንትኡ የቕርብ።
ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና ብሓድነትና ይዓኵኽ
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና
ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ
ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ኣቶ ፒተር ፈልድማንን ሎሚ ሰዓት 1 ድ.ቀ ኣብ ፈስቲቫል 2015 መግለጺ ከቕርብ ኢዩ
Saturday, 01 August 2015 09:43 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቶ ፒተር ፈልድማን፡ ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሎሚ ሰዓት 1 ድ.ቀ ኣብ'ቲ ሎሚ ኣብ ቦከንሃይም ቫርተ ዝካየድ ዘሎ ኤርትራዊ ፈስቲቫል 2015 መግለጺ ከቕርብ ኢዩ። ብደረጃ ከንቲባ፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ክሳተፍ፡ ኣቶ ፒተር ፈልድማን ናይ መጀመርያ ኢዩ።

57 ዝዕድሚኡ፡ ኣቶ ፈልድማን፡ ኣባል ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን Social Democratic Party) ኰይኑ ኣብ ሓምለ 2012 ኢዩ ከንቲባ ፍራንክፈርት ክኸውን ተመሪጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል እውን ብውልቁ ደገፍ ኣበርኪቱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ዘቕርቦ መደረ ድማ፡ ንቃልሲ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝድግፍ መግለጺ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት ናይ ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት (CDU): ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ (SPD): ሊበራላዊ ሰልፊ (FDP)ን ሓምላይ ሰልፍን (ግሩነ) ተረኺቦም ናይ ደገፍ መግለጺታቶም ከቕርቡ ኢዮም።
ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ትማሊ ዓርቢ ዕለት 31 ሓምለ 2015 ኢዩ ስርሓቱ ጀሚሩ። ከምኡ'ውን፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ኤርትራ ውን ናይ ደገፍ መግለጺታቶም ከቕርቡ ኢዮም።
Peter Feldmann, Mayor of Frankfurt to Address Eritrea Festival 2015 Today, 2 August, at 1pm
Saturday, 01 August 2015 09:19 Written by EPDP Information OfficeThe Mayor of Frankfurt, Mr. Peter Feldmann, is scheduled to address the Eritrea Festival today, 1 August, at 13 hours (1pm). This will be the first time ever that a mayor of Frankfurt, which is the European financial capital, is addressing an Eritrean event in the city.

It is expected that Mr. Feldmann, a 57-year old member of the Social Democratic Party, known as SPD in its German abbreviation, was elected as the Mayor of Frankfurt in July 2012.
It is to be recalled that the mayor sent a modest financial contribution to the Eritrea Festival last year through is representative who address the festival on his behalf.
In his address to the Eritrea Festival tomorrow, Mr. Feldmann is expected to support the cause of Eritreans struggling for democratic change in their country.
Also scheduled to talk at the Eritrea Festival today are representatives of other major German political parties including the ruling party CDU, its coalition member SPD and the German Green Party. Many Eritrean political and civil society organizations are also scheduled to address the festival and continue a panel discussions on the issues they will be able to raise in their solidarity messages.
The annual Eritrea Festival has officially opened on Friday although the major events are scheduled to take place today, Saturday 1 August.
EPDP Winds Up its 2nd Congress with Great Success in Wiesbaden, Germany
Friday, 31 July 2015 15:37 Written by EPDP Information OfficeProceedings of the second congress of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) ended on 30 July with great success in Wiesbaden, Federal Germany, after adopting basic party documents including timely political resolutions and recommendations.
The congress also elected a new 33-person Central Council that included 36% new council members and included youth. All five women candidates in the election registered resoundingly high scores to become Central Council members. In fact, the highest scorer of votes was Ms Adiam Teferi followed by Mr. Mesfin Hagos, a veteran freedom fighter.
Some members of the New Leadership
This five-day second part of the congress in Wiesbaden, the capital of the Frankfurt region or the Federal Hessen state, was a follow up of the first phase of the congress that took place in Gondar, Ethiopia, between 15 and 19 July 2015. Of the total 93 actual participants for the second party congress, 27 attended the congress in Gondar and 66 in Wiesbaden. According to earlier estimates up to 120 delegates were expected to take part in the congress but some could not make it due to several technical hiccups.
Women elected to the Central Committee
The results of discussions in Gondar and Wiesbaden on every article of the political programme, party constitution, political resolutions as well as the voting outcomes were computed to give the final decisions.

The two-part congress also adopted 12 very important resolutions on several burning national issues including the joint tasks in removing the dictatorship in the country; the roles of the young generation, the Eritrean women, the army and the various justice-seeing forces in the current struggle as well as in post-dictatorship Eritrea.
The outcome of the congress, including the political resolutions, will be released during the Eritrea Festival in Frankfurt that opens on August 1, 2015.
EPDP Winds Up its 2nd Congress with
Great Success in Wiesbaden, Germany
EPDP Information Office
Proceedings of the second congress of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) ended on 30 July with great success in Wiesbaden, Federal Germany, after adopting basic party documents including timely political resolutions and recommendations.
The congress also elected a new 33-person Central Council that included 36% new council members and included youth. All five women candidates in the election registered resoundingly high scores to become Central Council members. In fact, the highest scorer of votes was Ms Adiam Teferi followed by Mr. Mesfin Hagos, a veteran freedom fighter.
This five-day second part of the congress in Wiesbaden, the capital of the Frankfurt region or the Federal Hessen state, was a follow up of the first phase of the congress that took place in Gondar, Ethiopia, between 15 and 19 July 2015. Of the total 93 actual participants for the second party congress, 27 attended the congress in Gondar and 66 in Wiesbaden. According to earlier estimates up to 120 delegates were expected to take part in the congress but some could not make it due to several technical hiccups.
The results of discussions in Gondar and Wiesbaden on every article of the political programme, party constitution, political resolutions as well as the voting outcomes were computed to give the final decisions.
The two-part congress also adopted 12 very important resolutions on several burning national issues including the joint tasks in removing the dictatorship in the country; the roles of the young generation, the Eritrean women, the army and the various justice-seeing forces in the current struggle as well as in post-dictatorship Eritrea.
The outcome of the congress, including the political resolutions, will be released during the Eritrea Festival in Frankfurt that opens on August 1, 2015.
ካብ ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንስለ ዓወት ጉባኤኩም ዝቐርብ ናይ ደገፍ መግለጺ
Friday, 31 July 2015 08:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን ካድራትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ
29 ሓምለ 2015
ብቐዳምነት ኣብ ጉባኤኹም ክንርከብ ዝገበርኩሙልና ዕድመ እናኣመስገንና ኣብ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እትገብርዎ
ውሳኔታት ዓወት ንምነየልኩም።
ውድባዊ ጉባኤኹም ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ኩነታት ይጋባእ ምህላዉ ኩላትና ብቐሊሉ እንሳማማዓሉ ጉዳይ ኮይኑ፡ ነዚ ህጹጽ ኩነታት ዝገጥም ኣገዳሲ ህዝባዊ ውሳኔ ንምውሳን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ትብዓትን ልቦናን ዘድሊ ምዃኑ ግን ከየገንዘብና ኣይንሓልፍን።
ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ዕድሚኡ ከምዘየፍረየ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኩሉ ነቲ ካልእ ክሓምን ሓላፍነት ከሰክምን እንተዘይኮይኑ ብልቢ ንውሽጡ ጠሚቱ ብጌግኡ ናይ ምእራም ተበግሶን ንኻለኦት ናይ ምሕጋዝ ዝምባሌታትን ገና ብሕጂ ከነጥርዮ ዘድልየና ገና ዘይጨበጥናዮ ሰውራዊ ባህሊ ምዃኑ እናሓዘንና ንቕበሎ ሓቂ እዩ። ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ዕድሚኡ ኣይሰሰነን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ብስርሑ ክዓብዮን ክበልጾን ኣብ ክንዲ ምጽዓር፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ሓንኲሉ ብምውዳቕ ካብቲ ዝወደቐ በሪኹ ክረኤ ጥራሕ ምፍታን እቲ ዝኸበደ ሓጥያት ደንበ ተቓውሞ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ብርግጽ ኣብዚ ጉዳይ ኩሉ ማዕረ ሓጥያት የብሉን ዝብል መጎት ክመጽእ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ግን እቶም ካብዚ ነጻ ኢና ዝብሉውን ነቶም ኣብዚ ጭቃዚ ጥሒሎም ዘለዎ ክበልጽዎምን ክገርሕዎምን ብዘይምኽኣሎም ዝሕመዩሉ ነጥቢ ምህላዉ ምርኣይ ኣገዳሲ እመስለና።
ስለዝኾነ ድማ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እተን ዝርካበን ነኣሽቱ ቁም-ነገራት ናይ ኩላትና ብሓንሳብ ደሚርና ከነዕብየን
እንተዘይክኢልና እተን ደቀቕቲ ፋሕ ኢለን ከድምዓ ከምዘይክእላ ምግንዛብ የድሊ። በበይንና ከነድምዕ ከምዘይንኽእል ዝሓለፈ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ተመኩሮታትና ምሂሩና እዩ። ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ተዋራዝዩ ከምጽኦ ዝኽእል ፋይዳ ከምዘየብሉ እውን እናተላሓሓጽና ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ እዩ። ሎሚ ናይ ብሓቂ ነቲ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ ዝብል ናይ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ጭረሖ ብግብሪ ንዕኡ ምምሳል የድሊ። ሎሚ ምዝናይ ዘድልዮ እዋን ኣይኮነን።
ኣብ ተቓወምቲ ውድባትና ይውሓድ ይብዛሕ ፍልልያት ከምዘሎ ንኣምን ኢና። ፍልልያትና ክንድቲ ብዝሒ ውድባትና ከምዘይኮነ ግን ኣሜን ኢልና ክንቅበሎ ዝግበኣና ይመስለና። ይኹን እምበር ቁጽርና ብዘየገድስ ኣብቲ መድረኻዊ ዕማም ብፍላይ ድማ ነዚ ንኹሉ ህዝብናን ተቓወምቲ ውድባትናን ዝዕምጽን መሰላቶም ዝግህስን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምዳቕን ድሒሩ ዝስዕብ ሰላማውን ደሞክራሲያውን መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምትካልን ግን ክንፈላለ ዝግባእ ኣይኮነን ኢልና ንኣምን።
ጉባኤኹም እቲ ንነዊሕ እዋን ኣቋሪጽኩሞ ዝጸናሕኩም ምስ ካለኦት ውድባት ኮንካ ነዘን ክልተ መድረኻዊ ዕማማት ብሓባር ናይ ምቅላስ ስራሕ ክትቅጽልዎን ኣብ ሓድነታዊ መስርሕ ደንበ ተቓውሞ ኣዎንታዊ ተራኹም ክትጻወቱን ሰውራዊ ጻውዒት
ነቕርበልኩም። ውድብና ኤስደለ ብኽልታዊ ውድባዊ ዝምድናታትና ይኹን ብእኩብ ምስ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዝግበር
ሓባራዊ ሃገራዊ ስራሓት ሎሚውን ከም ትማሊ ድልውነትና ነረጋግጸልኩም።
ደጊምና ዕዉት ጉባኤ ክገብረልኩም ንትምነ
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ፈጻሚ ሽማግለ - ኤስደለ

الإخوة قيادة وقواعد حزب الشعب المحترمون :
الإخوة رئيس وأعضاء اللجنة التحضيرية الموقرون :
السلام عليكم ورحمة الله وبركاته
v في البدء نشكر لكم دعوتكم الكريمة , لحضور افتتاح مؤتمركم العام الثاني , وكنا نأمل أن نشارك في مناسبتكم العزيزة – حضورا - بنشاط وإيجابية , توكيدا لحق الزمالة النضالية ضد نظام هقدف الديكتاتوري , وتوثيقا للعلاقة البينية التي تربط بين تنظيمينا , ومع ما بذلناه من جهد لتأكيد رغبة حضور حفل افتتاح مؤتمركم إلا أننا– للأسف لم نتمكن - لظروف خارجة عن إرادتنا , نأمل أن تكون محل تقديركم .
v ومن هذا المقام يطيب لي وبإسم قيادة المؤتمر الإسلامي الارتري وقواعده , أن انقل لكم أحر التهاني وأخلص التبريكات بمناسبة انعقاد مؤتمركم العام الثاني , متمنين لكم التوفيق والنجاح الباهر على طريق تحقيق الأهداف التي تناضلون من أجلها دون كلل أو ملل .
v ونحن – في المؤتمر الإسلامي الارتري إذ نشد على أياديكم مهنئين ومباركين بفرحتكم هذه – فإننا على ثقة - بأن مؤتمركم سيخرج برؤى وقرارات تسهم في تعزيز وتمتين جبهة المعارضة السياسية والمدنية ضد نظام هقدف الديكتاتوري , وتسرع بعملية إخراج الشعب الارتري من محنته التي يواجه فيها أبشع أنواع الظلم وأقسى أشكال الاستبداد , لينعم بحياة حرة وكريمة في ظلال دولة الحق والقانون , وهو ليس حلما بعيد المنال بل هدف مشروع وقابل للتحقيق إذا خلصت النوايا وصدقت الإرادة .
v في الختام : مرة أخرى نهنئكم بإنعقاد مؤتمركم العام الثاني , ونتمنى لحزبكم دوام التوفيق والسداد في مسيرته النضالية ، ونؤكد لكم مجددا حرصنا على تعميق دائرة التواصل مع حزبكم والمضي بها لآفاق أوسع وأرحب .
رئيس المؤتمر الاسلامي الارتري
عبدالله حامد هايلس

መምህር ሳልሕ ሓምደ ብሰኑይ ዕለት 27 ሓምለ 2015 ዓሪፉ። መምህር ሳልሕ ዝበዝሕ ክፋል ካብ ዕድሚኡ መምህር ኰይኑ ንህዝቡን ሃገሩን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ውን ከገክግል ዝጸንሐ ዜጋ ኢዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት በተን ዝመሃረለን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቢሎም ዝተፈላለየ መዓርግ ብምርካብ ተመሪቖም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሞት መምህር ሳልሕ ሓምደ፡ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓሰን ተኻፋላይ ምዃኑ እናገለጸ፣ ንነብስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ ድማ ጽንዓት ይሃቦም፡ ራሕሱ ድማ የውርደሎም ይብል።