EPDP News

ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ

ኣብ ዓመተ 2023 ክልተ ሺሕን ዓሰርተ ሰልስተን (2,013) ስደተኛታት ናብ ኤውሪጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃዮም ከም ዝጠፈአ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ 2022 ምሉእ ዓመት ዝነበረ  ኣሃዝ 1,417 ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 24ን 25ን ነሃሰ 2023፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ህይወት ኣድሕን/Ocean Viking፡ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ኣሽርቕ ኣል-ኣውሰጥ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ። ብመስረት ጸብጻብ “ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ”፡ ብ24 ነሓሰ 2023 ናይ 23 ሃገራት ዜጋታት ከም ዝኾኑ ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 272 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ  ከም ዝደሓኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ግዳያት፡ 32 ትሕተ-ዕድመ፡ 9 ህጻናትን 5 ኣካለ ስንኩላንን ምዃኖም እቲ ህይወት ኣድሕን ትካል ከም ዝሓበረ እታ ማዕከን ዜና ኣስፊራ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ25 ነሓሰ፡ 166 ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ በታ ህይወት ኣድሕን መርከብ ካብ ሞት ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ። ብድምሩ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ Ocean Viking ዝተባህለት መርከብ ናይ 438 ስደተኛታት ህይወት ክድሕን ክኢሉ።  

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ  ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ  ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡

1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ  ክስዕቡ ወሲኑ።

2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።

3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር  ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ  ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

 

ሕብረት ኤርትራዊያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብ22 ነሃሰ 2023 ናብ ብሪክስ/BRICS ኣብ ዝጸሓፎ  ደብዳበ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 22 ክሳብ 24 ነሃሰ 2023 ዝቓናዕ ዘሎ መበል 15 ኣኼባኡ ንክሳተፍ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዕዳሙ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ ተቓውመኡ ኣስሚዑ።

እቲ ሕብረት ኤርትራውያን ከም ዝጠቐሶ፡ ንዲክታተር ኢሳያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኮንፈረንስ ምዕዳም፡ ምስ መትከላት ብሪክስ ዝጻረር ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈን  ዘሎን  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምዕፋን መራኸቢ ብዙሃንን ፖለቲካዊ በደልን ዝምልከት ተግባራቱ ንኢሳያስ ናብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክሳተፍ ዘየብቅዖ ምዃኑ   ብምዝኽኻር  ተቓውሞኡ ብትሪ ኣስፊሩ። .

እቲ መልእኽቲ ተቓውሞ ኢሳያስ ንኤርትራ ካብ ነጻነታ ጀሚሩ ብሓይሊ ብዘይሕገመንግስቲ ብምግዛእ፡ ሕጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዘየብላ ሃገር ገይርዋ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ማእሰርቲ፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ስደትን ዓለም ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዘሰካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መለለይ ኤርትራ ኮይኖም ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ “ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብሪክስ ንክቡር ዋጋ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንክተሓባበር  ጸዊዑ።

ብሪክስ/ BRICS፡ ናይ ብራዚል፡ ሩሲያ፡ ህንንዲ፡ ቻይናን ደብቡብ ኣፍሪቃን ናይ ሓባር መድረኽ ኮይኑ፡ ሎሚ  ብዙሓት ሃገራት ኣባላቱ ንክኾና  ሕቶ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዩ።

ስደተናታት ኣብ ጉዕዞ ናብ ሱዕዲያ

ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል/Human Rights Watch፡ ሓለዋ ዶብ ሱዑድዓረቢያ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተናታትን ሓተቲ ዑቕባን ብጃምላ ከም ዝቐተለ ብ21 ነሃሰ 2023 ብዘውጸኦ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከሲሱ። እቲ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ካብ የመን ናብ ሱዕዲያ ዝኣትዉ ዝፈተኑ ኢትዮጵያውያን፡  ካብ መጋቢት 2023 ጀሚሩ  ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እዚ ተግባር ከም ኣካል ፖሊሲ ሱዕድያ ዝተፈጸመ እንተኮይኑ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዘሕትት እውን እቲ  ጸብጻብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ጠቒሱ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህጽናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ዝተፈጸመ  ቅትለት፡ ዝተፈላለዩ ኣጻዋርን ተተኮስትን ብምጥቃም ምዃኑ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ተመራማሪ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ናዲያ ሃርድማን እቲ ቅትለት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎ፡ ኮነ ኢልካ ሕብረተሰብ ዓለም ክከታተሎ   ከይክእል ኣብ ዝተመርጸ  ቦታ ዝተፈጸመ ምዃኖ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦም ኣፍሊጦም። እቲ ትካል ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ዶብ የመንን ሳዑዲ ዓረብን ዝካየድ ቅትለት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክከታተል ከም ዝጸሐ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ግና ብገኣገባቡን  ብዝሒ ግዳያቱን እቲ ቅትለት ብደረጃ ዓለም ዝያዳ እናዓረገ ይኸይድ ከም ዘሎ የመልክት ኢለምዎ።

ነቲ “ወተሃደራት ሱዕዲያ ኣብ ልዕሌና ጠያይት ኣዝኒቦም” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ጸብጻብ ንምድላው 38 ኢትዮጵያውያን ምስ ዝርከብዎም 42 ካብ የመን ናብ ሱዑዲያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሰባት፡  ካብ መጋቢት 2022 ክሳብ ሰነ 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡  ቃለ መጠይቕ ከም ዝተኻየደ ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ።

ካብቲ ቅትለት ሃዲሞም ንትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰባት፡ ወተሃደራት ሱዕዲያ እቶም ስደተኛታት ኣብ መሬት ሱዕዲያ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቅትለት ንምፍጻም ዝተፈላለዩ ኣጽዋር  ከም ዝተጠቕሙ መስኪሮም። ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ እተን ቅትለት ዝተፈጸመለን ነቑጣታት ብሳተላይት ተኸታቲሉ ከም ዘነጸረን እውን ኣቃሊዑ።

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብዚ ጸብጻቡ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ቅትለት ዝፈቅድ ፖሊሲኣ ብህጹጽ ክትስርዝ ጸዊዑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ሱዕዲያ ነዞም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ነዚ ግፍዒ ዝፈጸሙ ከለልዮምን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንክሕተቱ ከቕርቦምን ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ጉዳይ ንምጽራይ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣካል ክምዘዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

 

ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኸፊል

መበል 19 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ፡ ካብ 14 ክሳብ 18 ነሃሰ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስካይ ላይት ኣብ ዝተባህለ ሆቴል ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ኤርትራ ብደረጃ ኣበሳደር ተሳቲፋ። ብደረጃ ኣበሳደር ምውካላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ወኪላ ዘይኮነ፡ ኬንያ ብዘሎ ኣበሳድር በየነ ርእሶም ምስታፋ ሕቶ ዘዘራርብ ኮይኑ ኣሎ።

ናይዚ ኣኼባ ጭረሖ፡ “ከባቢያዊ ብከላ ንምምካት ምምዛን ዓለም ለኻዊ ስምምዓት” ዝብል ምንባሩን ኣብቲ ቀዳሞት መዓልታት ናይ ክኢላታት ርክብ ከም ዝተገብረን  ሕብረት ኣፍሪቃ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረዲኡ። ኣብዚ ኣኼባ ልዕሊ 40 ሃገራት ኣፍሪቃ ብደረጃ ሚኒስተራት ክውከላ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ብዘይካ ኤርትራ፡ ምስ ሚኒስተር ብዝመጣጠን ደረጃ ሓላፍነት እየን ተሳቲፈን።

ኣብዚ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብወካሊኦም ዶር ሞኒኩ መልእኽቲ ዘመሓላለፍሉ፡ ናይ ሲሸልስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን ዝመርሕዎ፡ ብዛዕባ ሓያሎ ዛዕባታት ምይይጥ ዝተኻየደሉ ኣኼባ፡ ወዮ መገሻ ናብ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ማይ ገይርዎ ዝጸንሐ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዘይምስታፉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ጽቡቕ ከምዘየለ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት እዩ። ተሳትፎ ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቓንዐ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ናብ ደረጃ ኣንበሳደር ምውራዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካፈል ዝነበረን ዲፕሎማት ዘይምውካሉ ድማ   ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።

እዚ ኩነታት ነቲ ኤርትራ ምዝድናኣ ምስ ኢትዮጵያ ብምሕርፋፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባስኣ  ዓቕሚ ሰባ ምንካይ ጀሚራ ኣላ ክበሃል ዝጸንሐ ዘግህድ ክኸውን እንከሎ፡ ምስቲ ኢሳያስ ምስ ጅቡቲ ብዘለዎ ጸገም፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተኻየደ መበል 14 ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ዝበኾሮ እውን ዝዛመድ እዩ።

ኣብ ሱዳን ብ15 ሚያዝያ 2023 ኣብ ከተማ ካርቱም ውግእ  ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ 17 ቦታታት ብዘጋጠሞም መጥቃዕቲ 19 ሰራሕተኛት ሰብኣዊ ረዲአት ከም ዝተቐትልዎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ነዚ ዝገለጸ ብምኽንያት ዓለምለኸ “መዓልቲ ሰብኣውነት 19 ነሃሰ” ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ። ኣብቲ መግለጺ ብሞት እቶም ሰራሕተኛታት ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ፡ ነቲ ገበን ቅትለት ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓተቲ ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣቲሓሒዙ ድማ ኣብዚ ብ17 ነሃሰ 2023 ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ሰራሕተኛታትን ዘቕርብዎ ረዲአትን ዒላማ ከይገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ሱዳን ናይ ሕቡራት ሃገራት ረዲአት ኣወሃሃዲ ኢዲይ ሮወ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሰሜን ዳርፎር ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም ተኹሲ ተኸፊቱ 3 ሞይቶም 2 ድማ ምቑሳሎም ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ጠቒሶም። እቲ ኩነታት ሱዳን ኣብ ታሪኻ ኣብቲ ዝኸፈአ ደረጃ ቅልውላ ከም ዘላ ከም ዘመልክት ድማ ሓቢሮም።

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቂ መሓመት

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት፡ ብ16 ነሃሰ 2023 ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም። እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጐንጺ ብዝተተሓሓዘ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ተገዳስነትን ስኽፍታን ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

ኣቦመንበር ሙሳ ፋቂ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ፡   ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ሓድነት ግዝኣትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ክዕቀብ ዘለዎ ዘይቅየር መርገጽ ዳግማይ ከም ዘረጋግጽ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ተኹሲ ጠጠው ከብሉ፡ ውሕስነት ሲቪል ሕብረተሰብ ከረጋግጹን  ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዘተ ክኣትዉን  ጸዊዖም።

እቲ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰላምንን ህድኣትን ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ኢትዮጵያዊ ተበግሶ ክሕግዝ ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ንዝያዳ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ዕዙዝ ብጽሒት ከም ዝነበሮ ዝዝከር እዩ።

ኣዳርጋቸውን ኣብይን መኻርን ተመካርን እንከለዉ

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ዝተባህለ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ 50 ዓመታት ተሳትፎ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ናይቲ ብብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ዝነበረ ውድብ ጉንበት 7 ዋና ጸሓፊ ኮይኑ፡ ኢህወደግ ንምቅዋም ኣብ ኤርትራ  ዓመታት ዝተቐመጠ ምስ ህግደፍ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ፡ ብ11 ነሃሰ 2023 ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደመ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።

ኣንዳርጋቻው ተቓዋሚ እንከሎ፡ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ እናተጓዕዘ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብጸጥታ ኢህወደግ ተጨውዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ምስ ጸንሐ፡ ምስ ናይ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻእ ዝተፈትሐ እዩ። ድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻኡ ናብ ኣስመራ ኣቕኒዑ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዘራኸበ ምዃኑ ባዕሉ ዘረጋገጸ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምረሓሉ ሰነድ ኣዳሊና ዝሃብናዮ ንሕና ኢና ካብ ዝብሉ’ውን ሓደ እዩ።

እንዳርጋቸው ጽገ እንግሊዛዊ ዜግነት ስለ ዘለዎ ፍሉጥ መንግስታዊ ሓላፍነትኳ እንተዘይነበሮ፡  ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ካብ ዘማኽሩ ቀዳማይ ዝስራዕ ኮይኑ፡ ህግደፍ እውን ካብ ኣብይ ንላዕሊ እምነት ዘንብረሉን ተልእኮኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈጽመሉን እዩ ነይሩ። ንዶር ኣብይን እንዳርጋቸውን ካብ ዝፈላለዮም እቲ ቀንዲ  ምኽንያት  ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሳታፊት ክትከውን ነይሩዋ፡ ኢትዮጵያ ምስ ክልል ትግራይ ተዓሪቓ ንኤርትራ ከተቐይማ ኣይነበራን ዝብል መርገጽ እንዳርጋቸው ምዃንኑ ባዕሉ  ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክንጸባርቖ ዝጸንሐ እዩ። ንናይ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታው ምኽኑይ ገይሩ ዘቕርብ እውን ነይሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ይእሰሩ ምህላዎም ዝንገረሎም ኣምሓሩ፡ ኣቶ ክርስትያ ታደለ ኣባል ፓርላማ፡ ዶር ካሳ ተሻገር ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣቶ ዮሃንንስ ባያለው ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራን ምስ ምጅማር ውግእ ክልል ኣምሓራ ተኣሲሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ብዕጡቓት ተቐቲሎም” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ምምሕዳራትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ናይቲ ክልል ብብዝሒ ይቕተሉ ኣለዉ።

ምስሊ ካብ ቢቢሲ/BBC

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግፋ ቀጻሊ ከም ዘሎ  ምግላጹ ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቲ ኮሚሽን እቲ ግፋ ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ ብ14 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብቶም ዝግፈፉ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ከም ዝርከብዎም ተገንዚቡ፡ ንቤተሰቦም ከም ዘዘራርበ እንተኾነ ምስቶም ግዳያት ግፋ ክራኸብ ከምዘይተፈቕደሉ ኣረጋጊጹ። ቢቢሲ ብወገና ኤርትራውያን ኣዘራሪባ እቲ ግፋ ሰፊሕ ምንባሩ ከም ዘረጋገጽት ሓቢራ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ግፋ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ገዛውቶም ንምውጻእ ተጸጊሞም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ሓተቲ ዑቕባን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን  ዝርከብዎም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ዝሓደሮ ሻቕሎት ብምጥቃስ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንክቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ እቶም ኣብ ወረዳ ዳባት መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ፡ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ብሰንኪ ውግእ ዝፈረሳ 4ተ መደበራት ዝመጹ ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ድሕንነትን ሕጽረት ቀረብን ጸገም ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

በሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች

ጀነራል ዳይረክተር  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ፡ 10 ነሃሰ 2023 ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፈጻሚ ጉዳይ ዓባይ ብሪታንያ ብወግዒ ንመብርሂ  ከም ዝጸውዖ፡  ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል  ኣፍሊጡ። እቲ ፈጻሚ ጉዳይ ዝተጸውዐ፡ ብዛዕባቲ ኣበሳድር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ብ10 ነሃሰ 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ብዝሃቦ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምልከት ንዝገለጾ፡ መብርሂ ንክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

በሳደር ዓባይ ብሪታንያ ዳረን ወልች ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝኸዱ ኣባል  ናይቲ   ብፍልይቲ ልእኽቲ ብሪታንያ ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ  ልኡኽ ኮይኖም እዮም።

በስዳር ዳረን ዌልች ኣብ መቐለ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣብ  ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን  ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ኣለዎ፡ ከም ኣካል ናይዚ ስምምዕ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ክወጽእ ናይ ግድን እዩ ዝብል መወጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣተሓሒዞም ከኣ መንግስቶም እውን ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ ከም ዝድግፍ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም። ብዘይካዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸመ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፍ ኮሚሽን ኮነ  ብካለኦት   ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝተረጋገጸ ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ብምፍጻም ብቐጻሊ ዝኽሰስ ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።