
ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ዕለት 29 ሓምለ 2019 ጀሚሩ ክሰላሰል ከምዝኮነ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ክቃላሕ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። እዚ ጉባኤ እዚ ድሕሪ ዓመት ዝወሰደ ጽዑቕ ልዝብን ዘተን፡ ንቕድሚት ዘማዕደወ ሕድገታት ሰረት ገይሩ፣ መድረኽ ዝጠልቦ ጉዳያት ቀዳምነታት ብምስራዕን ዝረጋገጽ ዘሎ፣ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ክልተ ኣሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት እዩ። ናይ ሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻይትን ሽማግለ ኩሉቲ ንጉባኤ ዘድሊ ተክኒካዊ ምድላዋት ኣጻፊፈን፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ፍራንክፎርት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳተፍ ዘይኽእል ትካላት እውን፡ ተሳታፍነቱ ንምንርግጋጽ ዘኽእሎ ኣገባብ መድሚደን ፍርቂ ናይቲ መስርሕ ከይደናኦ ምህላወን ተረጋጊጹ ኣሎ። በዚ መሰረት ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ኣወስትራልያ፡ ካናዳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ።
ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤን፡ እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርትን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ይሰላሰል ምህላዉ ድማ’ዩ፣ ካብ ጉባኤ ናብ ፈስቲቫል ዘብሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕማማት ኣብ ሓደ ዝተዛመነ ሰሙን ክፍጸም ከሎ ጻዓታት ኣባላት ክልተ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምንባሩ ዘረጋግጽ እዃ ይኹን እምበር፡ እዚ ግን መጀመርታ እምበር መወዳእታ ኣይኮነን። እቲ መወዳእታ፡ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ጉባኤታት ሓይልታት ኤርትራ ተማሂርካ ብመንገዲ ስጥመቱ ዘረጋገጽ ሓይሊ ንኩሉ ደላይ ለውጢ ዝጥርንፍ መሳርሒታት ፈጢርካ ኣብ ዑናታት ምልኪ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምርግጋጽ እዩ።
ኣባላት ጉባኤ ብቀጥታ ናብቲ ጽባሕ ጉባኤ ዝሰላሰል፣ ንምዕዋቱ ኣዋርሕ ዝወሰደ መራከቢ ህዝብን ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዝኮነ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ምእታዎም እዩ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 መደባቱ ሰሪዑ፣ ክሳብ ሕጂ እወንታዊ መልስታቶም ዘቐደሙ ጀርመናውያን ዕዱማት ኣጋይሹ ፈሊጡ፣ ኤርትራውያን ወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ህዝባውያን ባይቶታትን ናይ ዜና ትካላትን ንተሳትፍኦም ዝምልከት መልስታት ኣቐዲሞም ምህላዎም ካብ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣሎ።
ወከልቲ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ኣብዝሓለፈ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ዝቐረበ ዝተመሳሰለ መግለጺታት ተበጊሶምን ግዜ ንምቁጣብን ኣብ ፈስቲቫል 2019 ብሓደ ቃል ክቐርቡ ምዃኑም ኣረጋጊጾም ብምህላዎም ከኣ ሓደ ካብ ምልክታት ሓባራዊ ስራሕን ናይ ምትእምማን መስርሕን እዩ። ምስዚ ወከልቲ ባይቶ ዳርምሽታትን ህዝባዊ ምልዕዓል ስቱትጋርድን ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ብዘይካዚ ኣምበሳደር ዓንደብራሃን ወልደገርግስ እውን ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፍን ቃል ከቕርብ ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ካልእ ፍሉይነት ናይ 2019 ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ድማ፡ ካብ ኤርትራውያን ናይ ዜና ትካላት ፋኑስ ኔትዎርክ fanus Network ከምኡውን ተለቪዝዮን ድምጺ ኣሰና ATV ክሳተፍዎን ካብ መድረኽ ፈስቲቫል ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ምቕልሖምን ክኸውን እዩ።
ብዘይካዚ፡ እታ ዘይትሕለል ማሓዛ ገድልን ህዝብን ኤርትራ ዝኮነት ንጎበጣ ስርዓት ሃይለ ስላሰን ሕሰማት መግዛእትን ዘጋልጽ The Land by the See ዘርእስቱ ፊልም ዝቐረጸት፡ ሕጂውን ንተመኮሮ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኢ መጽሓፍ ብሽወደንን ብእንግሊዝኛን ዝሓተመት ሽወደናዊት ክርስትና ብዮርክን፡ ናይ ሰልስተ ጀርመናውያን ሰልፍታት ተወከልቲ፣ ንተሳትፍኦም ዘረጋግጽ ኣወንታዊ መልሲ ምሃቦም ተሓቢሩ ኣሎ።
- Stephan Deusingen CDU Frankfurt Fractionvorsitzender
- Katherina schreiner FDP Kreisvorsitzender Frankfurt
- Frau Laura Knierim Bundnis 90 die Grünen Frankfurt
በዚ ኣጋጣሚ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019ንኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኮነ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ክሳተፎን ምስ ኣጋይሽ ፈስቲቫል ክላዘብን ደጊምና ንዕድም።
ኣብ ፈስቲቫል ብሰላም ንራኸብ።
EPDP-ENS/Hidri Entering Unity Congress & Annual 2019 Festival in Frankfurt, Germany
Friday, 26 July 2019 17:37 Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) and the Eritrean National Salvation-Hidri are due to open their unity congress on 29 July in Wiesbaden near Frankfurt and on 2 August start a three-day annual Eritrea Festival inside Frankfurt.
Delegations of both sister organizations who are due to merge at the congress are arriving from faraway places like Australia, the United States, Canada, and European countries like UK, Norway, Sweden, Denmark, the Netherlands, France, Switzerland, Italy and different regions and cities of Germany, the host country.
Preparation Underway for upcoming Eritrean events in Wiesbaden and Frankfurt
Mandated congress delegates who will not make it to Wiesbaden due to technical problems will have special arrangements to participate in making the unity congress a major success. These include congress delegates in the Sudan, Ethiopia, Saudi Arabia, Israel and some remaining delegates of party branches in Australia.
Delegates to the Third and Unity Congress at Wiesbaden will arrive at the venue on Sunday, 28 July, and start deliberations in the morrow following solidarity speeches of fraternal Eritrean organizations.
Eritrea Festival 2019:
Soon after winding up the congress on 1 August, the unified party members will open the three-day festival in Frankfurt on 2 August. The main Eritrea Festsival Panel on Saturday, 3 August, will be addressed by several key speakers including Ambassador Andebrhan Weldegiorghis and other representatives of Eritrean sister political and civic organizations.
Germans Parties at Eritrea Festival: Friendly German parties that so far responded positively for attending the Festival shall be represented by Dr. Stephan Deusingen, CDU Frankfurt branch, Ms. Katherina Schreiner, FDP representative for Frankfurt environs, and Ms. Laura Knierim, Bundnis 90 Green party representative for Frankfurt. Also attending the Festival will be German friends representing the Darmstadt City Council and Stuttgart People’s Movement.
Swedish Friend at Eritrea Festival 2019: Ms Christina Bjork, the perennial friend of the prolonged Eritrean struggle for national liberation and democracy, will be among those addressing the Festival Panel this year. Producer of a film on Eritrean struggle entitled Eritrea by the Sea, Ms Bjork has also promised Festival organizers to launch her new book on Eritrea at the event.
This year’s Eritrea Festival shall be covered by some Eritrean media channels like the Fanus Network and the Assena television (ATV), a powerful voice of the voiceless Eritrean people that reaches them on daily basis.
The Eritrean Democratic Association (EDA) in Germany, which organizes the annual festival in cooperation with party branches in Europe, is inviting the general public not to miss this grand Eritrean event where the slogan of the Enough-is Enough Movement shall be chanted repeatedly.
ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባአ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብ29 ሓምለ 2019 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ከም ዝኽፈት ነበስር። ነዚ ጉባአ ክተዳሉ ዝጸንሐ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ መጋብኢ ኣዳራሽን ኣቀባብላ ኣጋይሽን፡ ንኣጋይሽ ዘድሊ ቀረባትን፡ ኣብ ጉባአ ቀሪቦም ናይ ዝጸድቑ ሰነዳት ንድፊ ምድላው፡ ተሳተፍቲ ጉባአን ዕዱማት ኣጋይሽን ምንጻርን ዝኣመሰሉን ጉዳያታ ምሉእ ብምሉእ ዛዚማ ኣላ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኣባላት ጉባአ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ቦታ ጉባአ ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ።
ጉባአና ኣብዚ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ “ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን” ከቢድ ብደሆ ኮይንዎ ዘሎ ግዜ ዝጋባእ ዘሎ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነቱን ኣብነታውነቱን ዕዙዝ እዩ። እዚ ማለት ሓድነታዊ ጸዓትና ኣብዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ነዚ ከም መንጠሪ ተጠቒምና፡ ክሳብቲ ኣንጻር ህግዲፍ ወቒዑ ዘድምዕ ስጡም ኤርትራዊ ናይ ለውጦ ዓቕሚ ዝፍጠር ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ኮይና ንክንቅጽሎ ዝሕግዝ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ።
እዚ ጉባአ፡ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሉ ሰነዳት ምጽዳቕ፡ ኣብ ኤርትራውን ንኤርትራዊ ኩነታትና ዝጸልዉ ከባብያዊ ጉዳያትን ምምዛንን ውሳነታት ምሃብን መሪሕነት ምምራጽን ካብ ቀንዲ ስረሓቱ ክኾኑ እዮም። ጉባአና ዝያዳ ኩሉ ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግዲፍ፡ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝሕግዝ ኩነታት ምጥጣሕ ዝያዳ ቆላሕታ ዝህቦ ከም ዝኸውን ከኣ ትጽቢት ይንበረሉ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ነቶም ጉባአና ናብዚ ደረጃ ንክበጽሕ ዝጸዓቱ ኣባላት ውድባትና ኮነ፡ በሃግቲ ሓድነት ኤርትራውያን ንዝገበሩላ ሓገዛትን ምትሕብባር እንዳመስገነት ጉባአና ዝውስኖም ውሳነታት ኣብ ምዕዋት እውን ኣብ ጐኒ ሰልፍና ክስለፉ እምነታ ምዃኑ ትገልጽ።
ውጽኢት ጉባአና፡ ኣብቲ ካብ 2-4 ነሓሰ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝጽንበል ተወከልቲ ኤርትራዊ ውድባትን ማሕበራትን፡ ወጻእተኛታት መሓዙትን ብዙሓት ኤርትራውያንን ተዓዲመምሉ ዘለዉ፡ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ክብሰር ትጽቢት ኣሎ።
ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ መበል 36 ዓመተ ትምህርቲ ብ 686 ተመሃሮ ትጅምር
Tuesday, 16 July 2019 11:32 Written by ብኢድሪስ እስማዒልወድ–ሸሪፈይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ትርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከባ ንእሽቶ ከተማ እያ። ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ንክንድዚ ዓመታት ዝኣክል᎓ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ከይሰልከየት ብትግርኛን ዓረብን ኣገልግሎት ክትህብ ዝገብራ ብልጫታት᎓ እኩብ ድምር ናይዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እዩ። ንሳቶም ድማ፤ ተወፋይነት መማህራና ᎓ ናይቶም ዘይሕለሉ ኣባላት ኣሰ Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE) ጻዕርን᎓ ምትሕብባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላን᎓ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ሰሜን ኣመሪካን᎓ መሓዙት ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ኣብ ሽወደንን ግዱሳት ውልቀሰባት ኣብ መላእ ዓለምን እዩ።
ወድ–ሸሪፈይ ብቤት ትምህርቲ ድኻታት ዝብል ቅጽል ስም እያ ትጽዋዕ᎓ እቲ ምኽንያት ካኣ᎓ ተመሃሮ ዝኸፍልዎ ዓመታዊ ክፍሊት ምስ ካልኦት ብምዝማድ ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑን ተመሃሮ ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኣይ ዓመት ብነጻ ዝዕደልዎ ዩኒፎርምን እዩ። ካብቲ ብተማሃሮኣ ዝረአ ጽቡቕ ውጽኢት ተመርኩሶምውን ሰበስልጣን ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን᎓ ነታ ቤት ትምህርቲ ናይ ታሽዓይ ክፍሊ ትምህርቲ (ማእከላይ ደረጃ) ዘይትህበሉ ምኽንያት የልቦን እዮም ዝብሉዋ። ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ነዚ ክዉን ንምግባር᎓ ዘድሊ ፋይናንስያውን ንዋታውን ንምድላው ምስ መሓዙቶም ኣብ ምርድዳእ ይርከቡ።
እታ ንመበል 35 ዓመታት ኤርትራዊ ካሪክለም እናተኸተለት ንስደተኛታት ቆልዑ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ከተወፊ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ሕጂውን ከምቲ ልሙድ ብዕለት 23 ሰነ ናይ 2019–2020 ዓመታዊ መደብ ትምህርቲ 686 ተመሃሮ ብምምዝጋብ እያ ስራሓ ጀሚራ ዘላ። ብመሰረት መምርሒ ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን᎓ ኣከደሚካዊ ትምህርቲ ኩለን ቤት ትምህርትታት ሱዳን᎓ ካብ ወሒ ሓምለ ክሳብ ወርሒ መጋቢት እዩ ዝወሃብ።
ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ወቕተ–ትምህርቲ፤ ዝተፈላለዩ ባህርያዊ ዕንቅፋታት ከም ዕልቕልቕ ናይ ዝናብን ተላጋቢ ሕማምን ስለዘጋጠማ ስሩዕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብግቡእ ከተካይድ ተጻጊማ ጸኒሓ እያ። ብተወሳኺ ድማ ብሰንኪቲ ከጋጥም ዝጸነሐ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት᎓ ባንክታት ሱዳን ብግቡእ ክሰርሕ ብዘይምጽንሑ᎓ ደሞዝ መማህራን ኣብ ግቡኡን ዕለቱን ክወሃብ ስለ ዘይተኻእለ᎓ ኣብ መነባብሮ መማህራን ሃስያ ኣስዒቡ እዩ። እተን ስሩዕ ትምህርቲ ዝወሃበለን ግዜታትውን እንተኾና ካብ ክቱር ዋዒ ተማሃሮ ይኹን መማህራን ብኣድማዕነት ክዋስኡ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ነዚ ሽግርዚ ንምቅላል ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ፤ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ናይ ምስሓብ ፍቓድ ኣብ ምውጻእን ምስ ተኾናተርቲ ኣብ ዝርርብ ይርከብ።
ብኢድሪስ እስማዒል
Wad Sherifey Refugee School Starts 36th Academic Year with 686 Students
Tuesday, 16 July 2019 11:25 Written by Idris IsmailBy Idris Ismael, School Supervisor
The Wad-Sherifey School for Eritrean refugees, located near the Eritrean border in Eastern Sudan, started another new academic year on 23 June 2019 with 686 refugee children.
Thanks to the uninterrupted generosity of friends of the school, both charities and individuals, this is the 36th academic year for Wad-Sherifey School to give hope and a better future for children and families who fled home in search of safety.
Per guidelines of Sudanese education authorities, academic years in the country extend between July and March each year in both private and public schools.
The Wad Sherifey School, teaching in Eritrean curriculum, and using both Arabic and Tigrigna in the elementary classes, was founded and is still administered by the Eritrean Red Cross-Crescent Society (ERCCS). Each year, the school enrolls up to 700 students, with about equal number of boys and girls.
During the previous academic year that ended last March, the school faced various challenges that included damage on school buildings due to heavy rains; interruption of classes due to insecurity in the Sudan as well as an infectious epidemic caused by so-called chikungunya virus, and lack of air conditioning facilities. The school administration is in contact with the city council to acquire the necessary legal permission for power supply.
ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ክራቨትዝ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተላ ኣናዊሑለን
Saturday, 13 July 2019 09:29 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብ11 ሓምለ 2019፡ ዝተጋበአ መበል 41 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንክከታተላ ኣናዊሑለን።
ዊ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እተን ፈቓደን ዝተሓደሰለን ውይዘሮ ናብ ኤርትራ ኣትየን ዘድሊ ሓበሬታ ንክረኽባ ተማሕጺኑ። ኣብ ርእሲዚ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት እዘን ወይዘሮ ንኤርትራ ዝምልከት ኣድላይ ሓበሬታ ዝረኽባሉ ኩነታት ክሰርዓለን እሞ፡ ኣብ ናይ 2020 ኣኼባ ናይቲ ባይቶን፡ መበል 75 ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ቃልን ጽሑፍን ጸብጻበን ከቕርባ ዝኽእላሉ ኩነታት ክፍጠረለን ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት እቲ ፈቓድ ናይተን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ክከታተላ ዝምደባ፡ኣብቲ ስራሕ ናይ ምቕጻል ፈቓደን ብናይ ተሳተፍቲ ምሉእ ደገፍ እዩ ክሕደስ ጸኒሑ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግና ኤርትራ ብዝተወሰኑ፡ ናይ ኣፍሪቃ፡ ዓረብን ካለኦት ጨቆንቲ ሃገራትን፡ ምውካላ ስለ ዘተባብዐ፡ ዝተፈለየ ኩነታት ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ እዘን ሓላፊት ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክቕጽላ፡ 21 ሃገራት ደጊፈንአን። 13 ተወከልቲ ከኣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ወጊኖም ኣድሚጾም። 13 ተወከልቲ ድማ ካብ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ተዓቂቦም።.
UN Human Rights Council Renews Mandate of Eritrea Rapporteur Kravetz
Saturday, 13 July 2019 01:08 Written by EPDP Information OfficeThe 41st Session of the UN Human Rights Council on 11 July voted to extend the mandate of the Eritrea Rapporteur for Human Rights, Ms Daniela Kravetz.
Besides urging Eritrea to cooperate fully with the UN expert on human rights and to give her access to the country, the Council also decided to ask the UN Secretary General to provide the Special Rapporteur with all the information and resources necessary to fulfill the mandate, and Ms Kravetz to present oral and written reports during Council meetings in 2020 and also present her repot to the UN General Assembly during its 75th Session.
For the past six years, the mandate was being renewed by unanimous vote. It was made different this year when Eritrea asked for open vote encouraged by several favourable votes from African, Arab and authoritarian states. There were 21 votes for the motion for extended scrutiny on Eritrea while 13 votes supported Eritrea. Other 13 states abstained from voting.
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆናን ግፍዕን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ልዑላውነት ኤርትራ ዕሽሽ ኣብ ዝበለሉን ኲነታት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነትን ተሓሪምዎ ኣብ ዝሕመሰሉን ዘሎ እዋን፡ እዩ ካብ ዕለት 29-30 ሰነ 2019 ምዱብ ሓሙሻይ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐረበ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ጸብጻብ ሰሚዑን ተመያይጡን።
ማእከላይ ባይቶ፡ ነዞም ጸብጻባት ዘድሊ መአረምታን ምምሕያሽን ድሕሪ ምግባር ኣብ’ቲ ቅድሚ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ኣባላት ሰዲህኤ ኣውሪዱ ክመያየጠሉን ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ክገብረሉን ምዃኑ ወሲኑ ኣሎ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እተኸናወኑ ጕዳያት ኣዝዮም ብዙሓትን ዕዉታትን ምንባሮምን እኳ እንተመዘነ፡ ሰዲህኤ ዝሓለፎም ውሽጣዊ ቅልውላዋትን ብዝተበገሶ ናህሪ ንኸይቅጽል ዘጋጠሞ ማሕለኻታትን ሃሰያታትን ቀለልቲ ከምዘይነበሩ ገምጊሙ። ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣባላቱን ግን፡ ንዅሉ ሰጊሩ፡ ኣብ ልዳት ናይ 3ይን ሓባራውን ጕባኤ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ምብጽሑ ከምዘሐበኖ ኣስሚርሉ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ማእከላይ ባይቶ ን3ይ ሓባራውን ጕባኤ ንምክያድ ብኣባላት ክልቲኡ ውድባት ዝተገብረ ወፈያ፡ ክብ ዝበለ ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣብጺሑ። ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ጕባኤን ንሓጻዪት ሽማግለን ድማ፡ ዕዉት ጕባኤ ንምክያድ ዝገብርኦ ዘለዋ ምድላዋት ኣድናቖቱን መጐሱን ገሊጹ። ከምኡ’ውን፡ ነዚ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ውድባት እተበጽሐ ስምምዓት ክውን ንምግባር ከይሰልከዩ ዝጻዓሩ ኣባላት ሽማግለ ልዝብ ክልቲኡ ውድባትን መሪሕነታቱን ምስጋናኡ ገሊጹ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ካብኡ ዝጥለብ ጻዕርታት ከበርክት ድልዊ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ክርአ ዝጸንሐን ዘሎ ምዕባለታትን ውን ዳህሲሱ። እቲ ኣብ መንጐ ስርዓት ኢሳያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን እተገብረ ውዕል ሰላም ኰነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮ መብጽዓ ምፍጻም ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ካብ መብጽዓ ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ መዚኑ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ብመራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ክውሃብ ዝተሰምዐ መግለጽታትን ብጽሖታትን ንልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ፡ ንምጥራር ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕሽሽ ዝብል፡ ንናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታው ዕድል ዝህብ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ድማ ንኽስደድ ዘገድድ ኣስጋኢ ኵነታት ፈጢሩ ምህላዉ መዚኑ። “ይኣክል” ዝብል ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ድማ ግብረ-መልሲ ናይ’ዚ ኣሰካፊ ክስተታት’ዚ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ዘጃጀወን መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚኡ ክካየዱ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ምዃኑን ገምጊሙ። እዚ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ኵሎም ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝነብርሎም ከተማታት ክቕጽልን ንውሽጢ ኤርትራ ክልሕዅን ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ ንምእላይ ዝግበር ፈተነታት ኵሉ ዘየዐዉት ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግሃድ ዘሎ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ብሓፈሻ፤ ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ብ22 ሰነ 2019 ዝተኸስተ ቅትለታት ድማ ብፍላይ፡ ጕድለት እርኑብን ውሁድን ኣተሓሕዛ ዘስዓቦ፡ ንኢትዮጵያን ህዝባን ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ዘምርሕ ሓደገኛ ቃራና መንገዲ ኣብጺሕዋ ምህላዉ ተገንዚቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ምብትታትን ነቲ ዞባ ብምሉእ ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ ጕዳይ ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ብሰንክ’ቲ ብ22 ሰነ 2019 ዘጋጠመ ናይ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ጽንዓት ይሃቦ እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ብመሰጋገሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝውሃብ ዘሎ ጐነጻዊ መልስን ብትዅረት ተመልኪትዎ። ሰዲህኤ፡ ነቲ ዘይምኽኑይ ጎነጻዊ መልሲ ወተሃደራዊ መሰጋጋገሪ ባይቶ ሱዳን ቅኑዕ መፍትሒ ኢዩ ዝብል እምነት ስለዘይብሉ ብትሪ ይነጽጎ። ብሰንኪ እዚ ጉጉይ መልሲ እዚ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ንጹሃት ዜጋታት ኣመልኪቱ ድማ፡ ንህዝቢ ሱዳን ጽንዓት ይሃብካ ይብል። ህዝቢ ሱዳን ፍትሒ፡ ብልጽግናን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ መጐሱ ይገልጽ። መንግስቲ ኤርትራን መሓዝቱ ዝዀኑ መለኽቲ መንግስታትን ንረብሓታቶም ክብሉ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሱዳን ዝገብርዎ ዘለዉ ምትእትታው ደው ከብሉ ድማ ይጽውዕ።
ምልኪ ንምፍራስን ፍትሒ ንምንጋስን ሓቢርና ንቃለስ
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
6 ሓምለ 2019
ወይዘሮ ዳኒኤላ ክራቨትዝ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ2 ሓምለ 2019 ኣብ ቀዳማይ ዓመታዊ ጸብጻበን ንኤርትራ ዝምልከት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብጽሑፍ ኣቕሪበን። ኣብዚ ጸብጻበን መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ሰላም ስምምዕ ምግባሩን ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምጽንባራን፡ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዘይምምሕያሹ ዝሓደረን ሻቕሎት ገሊጸን። ኣስዒበን ድማ ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ከተመሓይሽ ትኽእል እያ ኢልካ ንምግማት ዘኽእል ዋላ ሓንቲ ምልከት ከምዘየለ ሓቢረን።
እተን ክኢላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብብዝሒ ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ኣለዉ ኢለን። ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብጀርመናዊ ዲፕሎማት ንዝቐረበን ሕቶ ክምልሳ እንከለዋ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ሶማላውያን ስደተኛታት እውን፡ ካብቲ ዘለዉዎ መደበር ወጻኢ ክራኸቡ ስለ ዘይፍቀደሎም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሮም ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ ኣለዉ ኢለን፡ ናይ ህድማኦም ጠንቂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ስለ ዘይተስመዖም እዮም ክብላ ገሊጸን።
እዘን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ክራቨትዝ፡ ኣብ መእተዊ ጸብጻበን፡ እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ ምስበላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 21 ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትካላት ጥዕና ብመንግስቲ ኤርትራ ምምንዝዐን ሓደ ምልክት ምዃኑ ኣስፊረን። ኣስዒበን ከኣ በዘን ትካላት ክጥቀም ዝጸንሐ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ብሰንክዚ ስጉምቲ ክሳቐ እዩ ኢለን።
መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ጸብጻብ ምስተገንዘቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ እቲ ዝተሓተ ተገዳስነትን ፍቕርን ብዘይምርኣዩ ዝሓደሮም ሻቕሎትን ስንባደን ኣንጸባሪቖም።
ልኡኽ ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ከምቲ ልሙድ ነቲ ዝቕረበ ጸብጻብ “ዘይቅቡል” ኢልዎ። ከምኡ እውን ከም ቬንዙዋላን ኢራንን፡ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ልኡኽ ኤርትራ ወጊነን። ካብኡ ሓሊፈን ቀጻልነት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣየድልን ክሳብ ምባል በጺሐን።