መልእኽቲ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2020

2019-12-31 17:14:12 Written by  ኣቦ-መንበር ተስፋይ ወ/ሚካኤል Published in EPDP News Read 3210 times

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ደቂ ሃገር

ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ:  መሪሕነቱን መላእ መሰረታቱን እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2020 ኣሰጋገረና እናበልኩ ሰላምታን   ሰናይ  ምንዮትን አመሓላልፈልኩም።

ዝሓልፈ ዓመት 2019፡ ምስ ኩሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝወረደ ምልካዊ ግፍዒ፡ ምስቲ ንኤርትራዊ ልዑላውነትን ሃገራዊ ክብርን ዝህድድ ናይ ጥልመት ወስታታት፡ ምስ ስደትን ከርተተትን ህዝብና፡ ምስቲ  ሰእነተ ቅሳነትን፡ ናይ መግብን ትምህርትን ጥሜትን፡ ከምኡውን ምስ ዘካየድናዮ ናይ መኸተ ስራሕ ሰጊርናዮ ኣሎና።   ኣብዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ እቲ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ከመይ ነበረ ከነንጸባርቕ፡ ንዝመጽእ ዓመት 2020  ከኣ ብተስፋ ከነማዕዱን ክንሰርሓሉን ግቡእና እዩ።

ነዚ ዝሓለፈ ዓመት ምልስ ኢልና ክንጥምት እንከሎና፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ንኩልና እቶም ነዚ ሓድሽ ዓመት ክንርኢ ዝበቓዕና፡ ጸጋ እዩ። እንቋዕ ኣብቅዓና።  በቲ ካልእ ሽነኽ ግን፡ ኣብ ጉዕዞና ተመሊስና ክንረኽቦ ዘይንኽእል ክሳራታት ገጢሙና እዩ። እንፈትዎም ደቅና፡ መቓልስትናን ብጾትናን፡ መሓዙትናን ፈተውትናን፡ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ኣዝማድና  ዘኸፈልና ኣሎና። ብሕማም እናተሳቐዩ፡ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጊኖም እንከለዉ፡ ብግፍዒ ኣካሎም ሰንኪሉ እንከሎ፡ ን2019 ዝሰገርዋ እውን ኣለዉና። ምስ ምሉእ ኣካሎም እንከለዉ፡ ቤተሰቦም ብዘይካ ብስእሊ ብኣካል ንክረኽቡ ዘይከኣሉ፡ ሰብኣዊ ሓርነት ዝተነፍጎም ኣብ ፍልልይ እንከለዉ ንሓዋሩ ዝተፈላለዩ እውን ኣለዉና።  መርዓን ደርዓን ውላድን ጥምቀትን ዝረኣዩ፡ ዝተሓጐሱ እውን ኣለዉና።   ኣብዚ ሃለዋትዚ  ነቶም ብህይወት 2019  ከሰግሩ ዘይከኣሉ ወገናትና፡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም። ነቶም እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ፡ እንተ ብቐረባ እንተ ብርሑቕ፡ ዝሓለፉ ወገናትና ኣፋኒና፡ ብህይወት ነዚ ክንርኢ ዝበቓዕና ድማ ጽንዓት፡ ዘይቀብጽ ተስፋ፡ ከምኡ’ውን ዛዛሚ ዓወት ይሃበና።

ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር፡

እዚ ዓመት’ዚ እውን፡  ከም’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብድሆታትን  ዕድላትን ሒዙልና ክመጽእ እዩ። ነቲ ብድሆታት ክንሰግሮ ነቲ ዕድላት ድማ ግዜ ከየጥፋእና ክንጥቀመሉ ሃገራዊ ጸዋዒት ኣሎና። ነዚ ዓመት’ዚ ዝኸውን ናይ ቃልሲ ስንቅና ክንጽዕን፡ መዓንጣና ሽጥ ኣቢልና ክንቅጽል የድልየና። ሓይልና ምልላይ የድልየና። ሓይልና ድማ ኣብ ህዝብና እዩ ዘሎ። ህዝቢ እንተነዲሩ፡ ብሓባር   ኣይምእዘዝን  ኣይግዛእን እንተኢሉ፡ መላሲ የብሉን።

ንሃገርን ዕቤታን፡ ኮታ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝህድድ ሓደ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ዘሎ።  እቲ ምልካዊ ስርዓት። ጸረ ህዝቢ ንሱ ጥራይ እዩ። ኤርትራ ካልእ ጸላኢ የብላን። ኣብ ቅድሚ ምልኪ፡ ኩሎም ካልኦት ሓይልታት መሓዙት እዮም። ሃይማኖታት፡ ብሄራት ኣውራጃታት ከምኡን ጾታን ዕድመን ደቂ ሰባት፡ መላፍንቲ እምበር ተጻረርቲ ኣይኰኑን።  ምልካዊ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ከም ተጻረርትን ዘይራኸቡን ገይሩ ክርእዮም ዝፍትን።  ከምቲ ሓሰኻ ኣብ ዝመሽመሸ ኣካል ዝሃጥር፡ ምልኪ ድማ  ኣብ ሕማምን ምፍልላይን ኢዩ ዝነብር። እቲ ቀንዲ ጸገም ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት እዩ። እቲ መጀመርታ ፍታሕ ንጸገማት ኤርትራ ድማ ምልኪ ምልጋስ እዩ። እዚ ቀዳማይ ዕማም እንተተሳሊጡ ድሕሪኡ ዝመጻ ጸገማት ብእዋኑ ክፍታሕ ይከኣል’ዩ።

ሓንሳብን ንሓዋሩን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣለለና፡ እንታይነት ምልክን ግፍዕታቱን ምስ ኣነጸርና፡  ናይ ትማሊ ጸላኣቲ ናይ ሎሚ ኣዕሩኽ ክንከውን ኢና። እቶም ብረት ዓጢቖም  ንምልኪ ዘገልገሉ፡ ምስ ህዝቦም ኣንጻር ምልኪ ጠጠው ክብሉን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ክዓርዱን እዮም።  እቶም ብጉልበትን ብገንዘብን ንምልኪ ከሐይሉ ዝጸንሑ፡ ዓቕምታቶም ስሒቦም ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ከውዕልዎ እዮም። እቶም ብንኡስ ግርጭታት  ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ፍትሒ ድማ  ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ዕርቅን ስኒትን ኣውሪዶም፡ ምስ ህዝቦም  ወጊኖም ነዚ ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዓልውዎ እዮም።  ሽዑ ኤርትራ ብሰላም ናብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክትኣቱ እያ።

ኣሓትን ኣሕዋትን

እወ ኣብ 2019 ዝገጠመ ፈተነታት፡ ዘሕለፍናዮ ሽግራትን መስዋእትን ጠቒስና፡ ግንከ 2019  ረጊጽካዮ ክሕለፍ ዘይከኣል፡ ንሓይልታት ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ፍትሒን  ዘበረኸ  ኣወንታዊ ተረኽቦታት ነይርዋ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳይስ ወረ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣዝዩ ዝሰግኣላ ዓመት ነይራ ክበሃል ይከኣል። ኣወ ስርዓት ኤርትራ ንረብሓኡ ክልውጦ ዝፈተነ ናይ ኢትዮጵያ ምዕባሌታት ነይሩ። ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ትንፋስ ክረኽበሉ ዝሃቀነ ወፈራታትት ነይሩ። ግን ብቅልጡፍ ባዕሉ ንነብሱ ዘቃልዓሉ ኩነታት ድማ ተጋሂዱ። ንቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣቢዩ ኣሕመድ ንኤርትራ ንኽውክል ከፍቅድ፡ ኣፍ ልቡ ኣናሃረመ ሕንቕንቕ ክብል፡  ኣይከሰርናን እናበለ ክምድር ምስ ተራእየ፡ ኤርትራዊ ዓለም ብዓለሙ ተገልቢጥዎ እዩ። ልዑላውነት ክትንከፍ ዝረኣዩ ኤርትራውያን ሰብ ሕልና፡ ብኡ ንብኡ ምስቲ ስርዓት ዝነበሮም ዝምድና በቲኾም፡ ወዶም ጓሎም ሰብኣዮም ሰብይቶም፡ ኣብ ግዳም ወጺኦም መኪቶም’ዮም። ‘ይኣክል’ ኢሎም።  እቲ ገዛኢ ፖሊቲካዊ ቋንቋ ከኣ ‘ይኣክል’ ኮይኑ።  2019 እምበኣር እቲ ብደረጃ  መላእ ዓለም  ካብ ኣውስትራልያ ክሳብ ካናዳ ዝተፈልጠ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል” ዓሚሙ ነቲ ስርዓት ኣብ ሻቕሎት ዘእተዎ ዓመት እዩ።  ብዘይካዚ  ናይ ቲቪ ኣገልግሎት  ከምኒ ኣሰናን ኤሪሳትን ከምኡውን ኩሉ መዳያዊ ማሕበራዊ መድያ፡ ንጸጥታዊ ሓጹር ህግደፍ  በሲዑ፡ ንናይ ስለላ ትካላቱ በታቲኹ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን  ኤርትራውያን ገዛውትን  ኣትዩ፡  ድምጺ ግፉዓት ኣስሚዑ ወረ ተቓለስቲ ድማ ዘርጊሑ እዩ። መርበብ ስለላ ህግደፍ በቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም ድምጺ ግፉዓት ዘቃልሑን ዝመከቱን እውን  ተበዲሁ እዩ።  2019 ዓ.ም ኣብ ላዕሊ ብዝዘርዘርናዮም ክሳራታት በዲልናያ እንተዀና፡ እንሆ እዚ ምልክት ዓወታት ዘርኣየት ዓመት ብምዃና ብምስጋና ክንክሕሳ ግቡእና እዩ።

ብተወሳኺ፡ ዓመት 2019 ናይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ተስፋታት ዝተጋህደላ ዓመት እያ። ኣብ 2019 ሓያሎ መደባት ሓባራዊ ዕዮ ተሰላሲሉ። ብህዝባዊ መዳይ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ሓያሎ ቦታታት ይንህር ኣሎ።  ምስ’ቲ ኩሉ ዝገጥሞ ብድሆታትን ናይ ስርዓት ህግደፍ ወስታታትን፡ ጸላኢኡ ሓደ ጥራይ ምዃኑ፡ ስርሑ ድማ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ልሒሙ ህዝባዊ ናዕቢ ኣባሪዑ፡ ነዚ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ምዕላው  ምዃኑ ኣለለዩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓከዀ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 2020 ዝሰፍሐ ምንቅስቓስን ዝሰፍሐ ህዝባዊ ተሳትፎን ንምነየሉ።  

ብዘይካኡ ንውድባት ከራኽብን ሓባራዊ ዕምማት ክህንድስን ዝጽዕር ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ ከምኒ ዋዕላ ሚኒሶታን ንቕሎ ኣዴታትን ኣብዚ ዓመትዚ ተጋሂዱ ዘበርከቶ ግደ ዕዙዝ ነይሩ። ከምኡውን ናይ መጽናዕቲ ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላላየ መዳያት ብዝተፈላልዩ ኣካላት ቀሪቦም ሓያሎ ሰሚናራት፡ ሲሞፖዝዩማት ኮንፈረንሳት ተካይዶም። ፍረ 2019 ንረብሓ ውጹዓት ኤርትርውያን ነይሩ።

ብደረጃ  ፖሊቲካዊ ውድባት  ከኣ ናይ ሓድሕድ ምፍጣጥ፡ ምጽልላማትን ምርሕሓቕን  ጠጠው ኢሉ፡  ካእባዊ ይኹን ብዙሕነታዊ ዘተታትን ሓባራዊ ዕዮታትን መስርዑ ሒዙ ክቕጽል ተራእዩ። ካብ’ቲ ምርኡይ ሓባራዊ መግለጽታት ናይ ውድባት

ብዛዕባ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ብፕረዚደንት ኢሳያስ  ተወኪለ ብምባል ብወግዒ ብስም ኤርትራ ክዛረብ ምጅማሩ፤

ብዛዕባ ዕሱባት ህግደፍ ኣብ ልዒሊ  ናይ ኣሰና ቲቪ መራሒ ሓው ኣማኑኤል እያሱ  ዘውርድዎ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ፤

ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ዚ መወዳእታ እዋን ዝገጠሞም ግፍዕን ምክልባትን፤

ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዝተጋህደ ናይ ኤርትራውያን ቅትለትን መውጋእትን ነይሩ።

ፖሊቲካዊ ውድባት ከነ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ ነዚ ጉዳያት ኣመልኪቱ ሓባራዊ መግለጽታት ምውጽኡ፡ ደጊም  ፍልልያትና ኣወንዚፍና፡ ከም መላፍንቲ ንነፍስና ፈሊጥና ክንምርሽን ኢና ዘብል እዩ።  እዚ ዓወታት’ዚ ናይ 2019 ዓወታት እዩ።  ንዓኡ ዓቕምና ኣማዕቢልና ናብ 2020 ከነሰጋግሮ ድማ ትምኒትና ኣዩ።

ክቡራትን ክቡራትን

ኣብዚ መድርኽ’ዚ ነቲ  ብቐጥታ ንጉዳይና ዝጸለወ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባሌታት ከይተንከፍና ክንሓልፍ ስለ ዘይንኽእል፡ ሕጂ’ውን  ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጉዳይና ብዕቱብነት ክከታተል ናይ ዞባና ሃገራት ንልዑላውነት  ሃገርናን ሰላም ዞባናን ካብ ዝህድድ ወስታታት ክቑጠባ  ምሕጽንታና ህያው እዩ።

ንሃገራት ዞባና ብዝምልከት ድማ  ሰላመን ሰላምና ብምዃኑ ኩለን ዞባታት ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ንምነየለን፡ ኣውራ ከኣ እተን ብቐጥታ ስደተኛታትና ዘዕቁባ ዘለዋ ሃገራት፡ ብዝምልከት ህዝቢ ኢትዮጵያ  ካብ’ቲ ኣሻቓሊ  ህልዊ ሽግራቱ ወጺኡ ናብ ሰላማዊ መስርሕ ክኣቱ፤ ህዝቢ ሱዳን ድማ ነቲ  ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዘረጋገጾ ዓወት ዓቂቡ፡ ንዝኣተዎ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ከዐውት ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ።

ብውሽጣዊ ውደባዊ  ኩነታትና ንዓና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ( ሰዲህኤ)  ዓመት 2019  ዕዉት መስርሕ ሓድነት ክልተ ኤርትራውያን ውድባት፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ዘረጋገጸትልና ዓመት ምዃና ከይመስከርና ክንሓልፍ ኣይንኽእልን።  ክልተ ድሕረ ባይታታት ዝጸንሖም ውድባት፡ ኣብ መንጎኦም ብዘርኣይዎ፡ ምትእምማን፡ ምትሕልላይ፡  ንሓደ ሓባራዊ ዕላማ ምግልጋል፡ ንድሕሪት ዘይምለስ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ኣብቂዕዎም እዩ’ሞ፡ ምስ ኩለን ኣተን ንሓድነት ኰነ ንሓባራዊ ስራሕ እንብህገን  ሓይልታት ከምኡ ይፍጠረልና።  ኣባላት ሰዲህኤ ድማ  ደኺምና ከይበልኩም፡ ስንቅን ዑቕባን ጽላልን ኰይንኩም፡  እዚ ሰልፊ’ዚ፡ ከይወድቕ ዝተኸላኸልኩም፡  ድሕሪት ከይተርፍ ዝደፋእኩም፡  ናይ ህላዌኡን ቀጻልነቱን ጉልበትን ንዋትን ብምዃን  ዝተወፈኹም፡ ከምኡ’ውን እቶም ኣባላት ዘይክነስኹም ሓልዮት ዘርኣኹምናን ብጉልበትን ንዋትን ዝሓገዝኩምናን  ደረት ዘይብሉ ምስጋናና ይብጻሕኩም።

ክቡራትን ክቡራንን

2019 ኣብ ኣንዛዝመሉ  2020 ድማ ኣብ እንቅበለሉ ግዜ፡ ኣእምሮና ናብ ሓደ ኣንፈት/ ገጽ ከተኩር  ጀሚሩ ኣሎ።  2020 ናይ ተግባር ዓመት ትኹነልና፡  ብተግባር ኩሉ ዓቕምና ኣስሚርና ብመንፈስ ናይ ልዑል ምትሕብባር፡ ናብ ሓደ ኣንፈት፡ ጸረ-ምልካዊ ኣንፈት ምድፋእ የድልየና። በበቲ ንኽእሎን በበቲ ዘሎናን ዓቕምታት  ጉዳይና ንምዕዋት  ንውፈር።  ውራይና ከነዕውት፡ ክሰልጠና፡  መንፈስ ናይ  ወለድና ሕብረት የድለየና’ሎ።  መንፈስ ምትሕብባር፡ ምድግጋፍ፡ መንፈስ “ወፈራ ንማኣቶት”  ኣቦታት፡ ኣዴታት፡  መንእሰያት ኮታ ኩሉ ህዝብና ንወፈራ  2020  ንበገስ። ወፈራ ንምውዳቕ ግፍዒ ንምትካል ፍትሒ።

ብእንረኽቦ ዕድላት ንጠቐም ቅኑዕ ውሳኔታት ንውሰድ። ዕድላት ኩሉ ግዜ ኣይንረኽቦን ኢና። ውሳኔታትና ግን ኩሉ ግዜ ምሳና ኣሎ።  ቅኑዕ ውሳኔና ድማ ንእንረኽቦ ዕድላት ከጸብቐልና ይኽእል እዩ’ሞ ውሳኔና ባዕልና ንጨብጦ።  

ደሓን ኩኒ 2019  ብደሓን ምጺ 2020!!

ንመኸተ ዓመት  ሓይሊ፣ ሽግራት ንምስጋር ዓመት ጽንዓት፡ ቅኑዕ ንምስራሕ ዓመት ትብዓት ይግበረልና!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2020!

ክንዲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋይ ወ/ሚካኤል ( ደጊጋ )

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

1/1/2020

Last modified on Tuesday, 31 December 2019 18:45