ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ጨንፈር ሰዲህኤ ጉባኤኡ ኣካይዱ

2019-12-18 20:02:28 Written by   ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2216 times

ብዕለት 14 ታሕሳስ 2019 ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር ደቡብ ስሩዕ ጉባኤኦም ኣካይዶም። ጉባኤ ጨንፈር ድሕሪቲ ካብ መጠረስታ ሓምለ ጀሚሩ ብዕለት 01 ነሓሰ 2019 ዝተኻየደ ዕዉት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ንመጀመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

ጉባኤ ጨንፈር ዝጸንሔ ኣቦ-መንበር ብዘቕረቦ ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን ድሕሪ ምቕራብ፣ ጉባኤ ኣብ ድሮ ምፍናው 2019 ምቅባል 2020 ይካየድ ስለዘሎ፣ ዝመጽእ ዓመት ናይ ሰላምን ጥዕናን፤ ስኒትን ፍቕርን ምልኪ ፈሪሱ ፍትሒ ዝነግሰሎ፡ ራህዋ ህዝብና ዝረጋገጸሉ ዓመት ክኸውን ትምኒቱ ብምግላጽ፣ ናብዚ ንምብጻሕ ድማ ዝያዳ ጻዕርን ተወፋይነት ናይ ቃልሲ ከምዝሓትት ብምትምባህ እዩ ተጀሚሩ።

ስዒቡ፡ ኣብ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ንዝረኤ ዘሎ ትስፉው መጻኢ ዘለዎ ዝመስል ናይ ውድባትን ማሕበራት ሓባራዊ መግለጺታት ዘለዎ ደገፍ ብምሕባር፣ ይኹን እምበር እቲ ዕማም ኣብዚ ከይተደረተ ናብ ዝላዓለ ግብራዊ ሓባራዊ ዕዮ ክብርኽን ተሳትፎ ተቓውሞ ክሰፍሕን ጉባኤ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ቀጺሉ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ኲነታት ሰልፍን ጨንፈርን ብምቱካር፡ ንሓፈሻዊ ንጥፈታት ጨንፈር  ዝምልከት ብመሪሕነት ጨንፈር ኣብዝቐረበ፣ ኩሉ መዳያዊ ጸብጻብ ብዑምቆት ተመያይጦም፣ ኣብ ጉዕዞ ዝጸንሐ ድኹምን ሓያልን ጎድኖም ብምግምጋም፣ ተሳትፎ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ከባቢኦም ክካየድ ኣብዝጸንሐ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ ሓደስቲ ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራ ከካይድዎ ዝጸንሑ ምትሕብባርን ናይ ቋንቋ ትምህርትን ኣገዳስነቱ ብምርኣይ ኣመጒሶም። ኣብ ዝቐረበ ጸምብጻብ ድሕሪ ሰፊሕን ጠቓምን ዝርርብ ምክያድ ምስ ኩሉ ምምሕያሻቱ ብሓባራዊ ድምጺ አዲቆም። ስዒቡ፡ ኣብዝቐረበ ጸብጻብ ዝተመርኮሰን ትጽቢት ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ናይ መጻኢ መድባት ጨንፍር ብምትላም፣ ንዝወጸ መደብ እትፍጽም ብቕዋም ሰልፊ መሰረት ሓዳስ ሽምግለ ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምርጽ፡ ጉባኤ ጨንፈር ብስኒት ምርድዳእን ተደምዲሙ።

ኣብ መጠረስታ፡ መዕጸዊ ዓመት 2019 ምኽንያት ብምግባር እውን ኣባላት ጉባኤ ብሓባር ክዛናግዑ ምምሳዮም ተፈሊጡ።

Last modified on Wednesday, 18 December 2019 21:06