ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬትን እሳተ-ጐመራን ህዝቢ መረበቶም ይለቁ’ለዉ

2025-01-07 20:32:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 167 times

ኣብ  ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 165 ኪሎሜተር ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብሰንክቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬትን ምንታጒ እሳተ-ጐመራን መረበቶም ገዲፎም ይለቁ ከም ዘለዉ ቢቢሲ-መደብ ኦሮሞ፡ ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣብ ዓፋር ዝርከብ ኣርታለ ዝበሃል ቦታ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ንጡፍ እሳተ-ጐመራ ዝሓቖፉ 6 ቦታታት ምዃኑ ድማ እቲ ማዕከን ዜና ተሓቢሩ።

ሱልጣን ካሚል ዝተባህለ ነባሪ ከባቢ ኣርታለ፡ ዶፋን ኣብ ዝተባህለ ጐቦ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ዝሓዘ ደበናዊ መልክዕ ዘለዎ ፈሳሲ ካብ መሬት ገንፊሉ ሰማይ ከም ዝዓረገ ጠቒሱ። ናይ ኢትዮጵያ ትካል ምምርማር ጀኦለጂ’ውን ነቲ ሱልጣን ካሚል ዝበሎ ጠቒሱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ። ኣብቲ ከባቢ ብቕጥራን ዝተለበጠ ዋና ጐደና ከይተረፈ ከም ዝተሰንተቐ ከኣ ነበርቲ ብምስልታት ዘርጊሖም።

ዓብዱ ዓሊ ዝተባህለ ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ብወገኑ፡ ሰባት በቲ ዝረአ ዘሎ ምግንፋል እሳተ-ጐመራን ምንቅጥቃጥ መሬትን ከይጉድኡ ካብቲ ከባቢ ናይ ምጎዓዞም ስራሕ ከም ዝተጀመረ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬት መመሊሱ ሓይሉ ወሲኹ ክሳብ 5.8 ሬ ክተር ስኬል ከም ዝበጸሐን ቀጻሊ ከም ዘሎን  ኣረዲኡ።

ዶ/ር ሺፈራው ተኽለማርያም፡ ሓላፊ ኮሚሽን ምምሕዳር ማህሰይትን ናይ ሓደጋ ቅሩብነትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡  ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ንኸጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ንምግጣም ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ  ብምሕባር ኣስታት 51 ሺሕ ሰባት ውሑስ ናብ ዝበሃሉ ከባቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ከም ዝተወስዱ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 42 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕተናታት ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኾር ከሰም፡ ፋብሪካኦም ስራሕ ከም ዘቋረጸን ንሳቶም ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ምግላጾምን መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

እዚ ዝረአ ዘሎ ክስተት ኣብ ኢትዮጵያ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብ ካለኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ልሒሙ ምፍጣር ሓድሽ ኣቀማምጣ መሬት ከይፈጥር ዝሰግኡን  ናይ ኣፍሪቃ ምምቓል ክርከብ ከም ዝኽእል  ዝሰግኡን ወገናት ከኣ ግምታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

Last modified on Tuesday, 07 January 2025 21:49