መግለጺ ሰናይ ትምኒት
2024-12-31 16:47:08 Written by ገረዝጊሄት ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 388 timesእነሆ 2024 ኣፋኒና ናብ ሓድሽ ዓመት 2025 ንኣቱ ኣለና። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ዝብል ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ። ዓመተ 2024 ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ከቢድ ወጽዓ መሊሱ ክገድድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ዝተራእየላ ዓመት ኣይነበረትን። በቲ ካልእ ወገን ግና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምድልዳል ዕዉት ኮንፈረንስ ዘካየድናላ ተስፋ እትህብ ዓምት ስለ ዝነበረት፡ ኣብ 2025 ከኣ ዝያዳ ከም እነሕይሎ ትስፉዋት ኢና።
ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብ ሃገርና ራህዋ ዝዓስለሉ ኩነታት ንምፍጣር፡ ካብ ህግደፍ ንጽበዮ ዘይኮነ፡ ህዝብናን ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን፡ ኩነታትና ካብቲ ዝጸንሖ ብቓልሲ ኣሕይልና እነረጋግጾ እዩ እሞ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ክንበቅዕ መጸዋዕታይ የቕርብ።
ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ከባቢናን ዞባናን ካብ ወጥርን ስግኣትን ኣይደሓነን። እንርከባ ኣብ ዘለና ሓዳስ ዓመት ዘሰሓሕቡን ዘዋግኡን ዘለዉ ጉዳያት፡ ረብሓ ህዝብታት ማእከል ብዝገብሩ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባባት ክፍትሑ እሞ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ትጽቢተይ ልዑል እዩ።
ኣብ 2024 ዓለምና’ውን ብኣዝዮም ኣዕነውትን ኣህለቕትን ውግኣትን ወጥርታትን ክትሕቆን እያ ጸኒሓ። ኣብ 2025 እዞም ወጥርታት ተፈቲሖም ዓለምና፣ ምሉእ ቆላሕተኣ ናብ ልምዓትን ሰላምን ዝኾነሉ ኩነታት ክቕየር ከኣ ትምኒተይ ኣዝዩ ዕዝዙ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደጊመ “እንኳዕ ናብ ዓመተ-2025 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበልኩ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከኣ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ 2025 እውን ፖሊሲታት ሰልፎም ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ምሕያልን እቲ ልሙድ ተወፋይነቶም ከም ዘበርኹ ዘለኒ ትምኒት ልዑል ምዃኑ እገልጽ
ገረዝጊሄት ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
31 ታሕሳስ 2024