ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ጨንፈር ኵንስላንድ፡ ዞባ ኣውስትራልያ፡ ዝተወደበ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ብርዝቤን ተኻይዱ

2014-10-30 17:30:36 Written by  ሰ.ዴ.ህ.ኤ ጨንፈር ኵንስላንድ Published in EPDP News Read 4337 times

ብቐዳም 25 ጥቅምቲ 2014 ሰ.ዴ.ህ.ኤ ጨንፈር ኵንስላንድ ዝወደቦ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ብርዝቤን ተኻይዱ። እዚ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ኣቶ ወሊድ ኢብራሂም ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዴህኤ ኣብ ኵንስላንድ’ዩ ተኸፊቱ። ብምቕጻል ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእካላይ ባይቶ ሰ.ዴ.ህ.ኤ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ኣድላይነት ሓቢርካ ምስራሕን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ብድሕሪ’ዚ ኣቶ ኤፍሬም ገብረ-ልዑል ኣባል ሰ.ዴ.ህ.ኤ: ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መን’ዩ? ነየናይ ዕላማ ኢዩ’ኸ ዝቃለስ? ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ፖወር-ፖይንትን ፕሮጀክተርን ተጠቒሙ ብድምጽን ስእልን ዝተሰነየ ንመትከላትን ተግባራዊ ንጥፈታትን ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘላሊ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ብጀካ’ዚ ኣቶ ኤፍሬም ነቲ ኣብ ሃገርና እተራእየን ገና’ውን ዝቕጽል ዘሎን፡ ንምምሕዳር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወም፡ ምንቅስቓሳት በብመድረኹ ሰሪዑን ዘርዚሩን ብምቕራብ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ህዝብና ርዒምዎን በብእዋኑ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉን ኣብሪሁ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንሕቶታትን ርእዮቶታትን ኣኼበኛታት ብምስማዕን ኣዕጋቢ መልስን መብርህን ብምግናዕ፡ እቲ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ዝጀመረ ዘተ ሰዓት 9፡00 ምሸት ተደምዲሙ።

Last modified on Thursday, 30 October 2014 18:46