ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ክሰግሩ ተታሒዞም

2023-11-28 20:14:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 435 times

ካብተን ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ መካይን

ብክልተ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትሪ ምክልኻል መካይን ካብ  ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 53 ኤርትራውያን፡ ብ26 ሕዳር 2023  ኣብ ክልል ደቡብ ከም ዝተታሕዙ፡ ቢቢሲ ኣብቲ ክልል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ኣሌ-ኮንሶ ኣቶ ኣምሳሉ ኣንጋቶ ብምጥቃስ  ሓቢራ። እዞም ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ብደላሎ ዝተኣከቡን ከምኡ እውን ብሰንኪ ውግእ፡ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ከም ዝርከብዎም  እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጽናትን ከም ዝርከብዎም ዝገለጹ ናይቲ ወረዳ ኣምሓዳሪ ኣቶ ኣምሳሉ ብውገኖም እቶም ተጐዓዝቲ ኤርትራውያን ፓስፖርት ይኹን ካልእ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከርእዩ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ብዘምዃኖም ተጠርጢሮም፡ እተን ዝነበርወን መካይን ድሕሪ ምፍታሸን፡  ፖሊስ  ናይቲ ዞባ  ክኣስርዎም ከም ዝተገደደ ንቢቢሲ ሓቢሮማ።

እቶም ኤርትራውያን  ስደተኛታት ብናይ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ “ኦራል” ዝዓይነተን ተሃደራዊ መካይን  ዝመረጽሉ ምኽንያት ንከይጥርጠሩ ዝመሃዝዎ ምዃኑ ተጠቒሱ። ብኻልእ ወገን ድማ “ማይ ቪውስ ኦን ነውስ/my views on news”፡ ዝተባህለት ማሕበራዊ መዲያ ብወገና፡ እቶም ኤርትራውያን 52 ከም ዝኾኑ ጠቒሳ፡ እቲ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኣብ ናይ ሰባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ተዋፊሩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢላ። ናይተን ዝተታሕዛ መካይ መራሕቲ ብዛዕባቲ ኩነታት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡  “ብሓለፍትና ተኣዚዝና ኢና” ምባሎም እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ናይቲ ስደተኛታት ተታሒዘምሉ ዘለዉ ወረዳ ኣመሓዳሪ ኣቶ ማግሴ ብወገኖም ናይቶም ስደተኛታት መጻኢ  እንታይ ከም ዝኸውን ይጽናዕ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።

Last modified on Tuesday, 28 November 2023 21:24