ኣኼባ ጨናፍር ሰዲህኤ ጀርመን ተኻይዱ

2023-11-27 18:02:49 Written by  ሽማግለ ጨናፍር ሰደህኤ ጀርመን Published in EPDP News Read 504 times

ብዕለት 26.11.2023 ሰንበት ምሸት ኣባላት 2 ጨናፍር ሰደህኤ ኣብ ጀርመን ስሩዕ ኣኼባኦም ኣካይዶም። እዚ ከምዚ ዝኣመስለ ኣኼባ፣ ድሕሪ 4ይ ጉባአ ሰደህኤ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ኣባላት ክልቲኡ ጨናፍር ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኦም፡ ውጽኢትን መስርሕን 4ይ ጉባአን ፈስቲቫልን ሰልፊ ገምጋም ምግባሮም ዝዝከር ኮይኑ፣ ብናይ ሓባር ኣረዳዳኣ ደምዲሞም። ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ እዋን   ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ስራሕ መደባት፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተታሒዙ ዘሎ ጉዕዞን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ናይ “ይግባኣኒ እዩ” ምጉብዕባዕን ኣብ ዝብሉ ኣጀንዳታት’ዮም ኣኼባ ዘካይዱ።

  1. ድሕሪ 4ይ ጉባአ ሰልፊ፡ ዋላ’ዃ ብስራሕ ምኽንያት ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰደ ይኹን እምበር ፣ ንጉባአን ፈስቲቫልን ኣመልኪቱ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝተጸውዐ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር ምክያዱ፣ ንውሽጣዊ ጉዳያት ሰልፊ ዝዳህሰሰ፣ ቅኑዕ ምርድዳእን መደምደምታን ከም ዝነበሮ ሓባራዊ ኣኼባ ክልተ ጨናፍር ገምጊሙ። ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ምንቕቓሕ፡ ጽፈት ኣሰራርሓን ምቁጽጻርን ዝምልከት ሰሚናራት ብጻዕቂ ክግበር ኣኼባ ኣገዳሲ ምዃኑ ርእዩ፣ ንዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቱ ለበዋ ብምትሕልላፍ ኣመልኪቱ።
  2. ብዘይካ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት፣ ነቲ ተተሊሙ ዘሎ ሓባራዊ መስርሕ ንምዕዋት፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘየለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምጥርናፍ ድማ ዝያዳ ክጽዕት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተገንዚቡ። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ናይ ምስግጋር ኣመራርሓ ዝተበጽሔ ስምምዕን ተበጊሱሉ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕማምን ከኣ፡ ንህዝቢ ዘተስፉ፡ ንህግደፍ ድማ ዘሕምም ምዃኑ ብምእማን፡ ልዕሊ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ካልእ መዋጽኦ ከምዘየለን ብምግንዛብ ብትብዓት ክቕጽሉዎ ኣኼባ ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ሰልፊ ነቲ ብደረጃ ጉባኤ ዝወሰዶ መርገጽን፤ ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ምትብባዕን ምእላይን ጻዕርታት ክቕጽል፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከባቢታትን ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ተግባራዊ  ቃልሲ ናይ’ዚ ህዝባዊ ናዕቢ’ዚ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ምስ ብርገድ ንሓመዱ ኣብ መላእ ዓለም ክገብሩዎ ዝጸንሑ ምትሕብባርን፡ ንዘበርክትዎ ዘለዉ ግደን ኣኼባ ንኢዱ። ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዘዘሎዉዎ ከተማታት ኣብ ፖለቲካውን ውደባውን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት፡ ንዝጸንሖም ተሞኩሮ ተጠቒሞም ንመጻኢ’ውን ኣበርቲዖም ክቅጽልዎ ተማሕጺኑ።

  1. ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘልዕሎ ዘሎ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ “ይግባኣኒ እዩ” ሕቶ፡ ካብ ቀዳሞት ገዛእቲ ስርዓታቱ ዝወረሶ ሕማም ስለዝኾነ፡ ንኤርትራውያን ዝሕድሰና ከምዘይኮነ፣ የግዳስ ክብሪ ልኡላውነትና ቀጥ ከነብል፡ ክልቲኡ ህዝብታት ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክነብር ክንጽዕር፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ተሳንዮም ህዝብን ሃገርን ከጥፍኡ እንስዕቦም፣ ክባኣሱ ድማ እንጻላእ ህዝብታት ከምዘይኮና ክማሃሩ ምጽዓት ከድልየና እዩ። ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልትት ብፍላይ፣ ሕጂውን እቲ ምትፍናን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ብሓደ ድምጺ እምቢ ንውግእ፡ እወ ንሰላምን ድሕነት ህዝብን ክንብል ይግባእ ብዝብል ምሕጽንታ እዩ፣ ኣኼባ ጨናፍር ተደምዲሙ።   

ሽማግለ ጨናፍር ሰደህኤ ጀርመን

Last modified on Monday, 27 November 2023 19:06