ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረቢያን ኣፍሪቃን ኣብ ሪያድ

2023-11-10 20:12:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 530 times

ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረቢያን ኣፍሪቃን ብ10 ሕዳር 2023 ኣብ ሪያድ ተኸፊቱ። ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ርክብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓዊስካ፡ ናይ ናጀርያ፡ ጋቦን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ማውሪታንያ፡ ማውሪተስ፡ ማላዊ፡ ታንዛንያን ኢትዮጵያን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ናይዚ ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕብባር ምሕያል፡ ምድህሳስ ዘባዊ ጸጥታዊ ስግኣት፡ ብምምርማርን መጽናዕትን ዝተሰነየ ቁጠባዊ ዝምድና ምሕያል፡ ሓድሽ ጸዓታዊ መፍትሒ ምርካብን ወፍርን ምትሕብባርን ምትብባዕን  ከም ዝርከብዎ  ማዕከናት ዜና ሳዑዲ ዓረብ ዝሃበኦ ኣፈናዊ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ መንጎ እዛ ዝለዓለ ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ሳዑድ ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ዓመታዊ ንግዳዊ ልውውጥ ክሳብ 18 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ እዩ። ካብዚ እቲ 13 ቢልዮን ዶላር ካብ ሱዕድያ ናብ  ኣፍሪቃ ዝለኽ እዩ።

ሱዕዲያ  ነዳዲ፡ ሓጺን፡ ፕላስቲክ፡ ተፈጥሮኣዊ ቀመማትን ዘመናዊ ድዅዒን ዝኣመሰሉ ናብ ኣፍሪቃ ክትልእኽ እንከላ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገነን፡ ኮፐር፡ ስርሓት ሓጺን፡ ፍረታት፡ ቡን፡ ቆጽሊ ሻህን ዝርከብዎም ፍርያተን ናብ ሱዕዲያ ይልእካ።

እቲ ማዕከን ዜና ከም ዝገለጾ፡ እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ንግስነት ሳዑድ ዓረብ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብተናጸል ኮነ ምስ ዝተፈላለያ ዞባዊ ትካላት ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ጻዕርታት እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሳዑዲ ዓረቢያ እቲ ኣብ መንጎ ዓረብን ኣፍሪቃን ክካየድ መዲባቶ ዝነበረት ርክብ፡ ብሰንክቲ ኣብ ፍልስጥኤም ዘሎ ኩነታት፡ ንካልእ ግዜ ምስተሰጋገረ  እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን  ክካየድ ከም ዝወሰነት  ክፍለጥ ተኻኢሉ።

Last modified on Friday, 10 November 2023 21:14