ኣብ መቐለ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብፖሊስ ተበቲኑ

2023-09-08 06:31:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 653 times

ብሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን “ኪዳን ንመሰረታዊ ለውጢ ኣብ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽላል 7 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊሲ ከም ዝተበተነ እተን ውድባት ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጠን። ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከሎ ጋና ዘይተፈቕደ ምንባሩን እቶም ወደብቲ ንግዜኡ ከቋርጽዎ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ስለ ዘይኮኑ፡ ብውሕልነት ከም ዝበተኖ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ንጋዜጠኛታት ብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይተን ውድባት መግለጺ ኣብቲ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ መቐለ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰልፊ ዝተሳተፉ 50 ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ናይተን ውድባት ዝርከብዎም ኣስታት ሚእቲ ሰባት ከም ዝተኣስሩን ኣብ ልዕሊኦም ምግፋዕ ከም ዘጋጠመን ጠቒሱ። ፡ ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ ካብቲ ቦታ ክለቁ ብፖሊስ ተመኺሮም ዝኣበዩን ህውከት ከልዕሉ ዝፈተኑን  40 ዝኾኑ  ሰባት ጥራይ ብጥንቃቐ ከም ዝተኣሰሩ ሓቢሩ።

መግለጺ ናይቶም ተቓወምቲ እቲ ሰልፊ ሰላማዊ ከም ዝነበረ ክጠቕስ እንከሎ፡ ፖሊሲ ከተማ መቐለ ግና፡ እቲ ዝመረጽዎ ዕለትን ቦታን ቅቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሕቶኦም ብመትከል ቅቡል ኮይኑ፡ ግዜን ቦታን ክቕይሩ ተነጊርዎም ከብቅዕ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ጀሚሮም ህውከት ከም ዝፈጥሩ ክፍክሩ ከም ዝቐነዩ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣተሓሒዙ ብደርጃ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታጨው ረዳ ከይተረፈ፡ መደቦም ክቕይሩ ተነጊርዎም ከም ዝነጸግዎ ሓቢሩ።

ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣቐዲሞም ኣብቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕዎም 38 ጭረሖታት ከም ዝነበርዎም ከፋልጡ እንከለዉ፡ ካብቲ ጭረሖታት “ህልውና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኸትም ኣለዎ” ዝብል ከም ዝርከቦን፡ እዚ ጭረሖዚ ካብቲ ምስቲ ናይ ትግራይ ጉዛእቲ ውድብ ህወሓት ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምኽንያታት ሓደ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብሓፈሻ ክረኣይ እንከሎ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተተግብሩ፡ ከባብታት ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ዘምውጽኡን ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን ኣብ ትግራይ ወጥሪ  ፈጢሮም ካብ ዘለዉ እዮም።

Last modified on Friday, 08 September 2023 20:52