ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ

2023-08-02 18:30:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 818 times

ኣብ ኤርትራ ብ1 ነሃሰ 2023፡ ከባቢ ሰዓት 8፡15 ናይ ምሸት፡ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ናይ ጀርመን ትካል ጂኦ-ሳይነስ ኣፍሊጡ። በዚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ከተማ ኣስመራ 65 ኪሎሜተር ወይ 40 ማይላት ኣብ ዝርሕቀቱ ከባቢ ኢራፋለ-ፎሮ ዘጋጠመ  ምንቅጥቃጥ ሽዑ ንሽዑ ዝተመዝገበ ሓደጋ የለን። እዚ ምንቅጥቃጥ ከባቢ 10 ኪሎሜተር ዕምቆት ከም ዝነበሮ ተሓቢሩ። እቲ ምንቅጥቃጥ  ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራን ሰሜናዊ ክፋል ትግራይን ስምዒት ኣሕዲሩ።

ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ክኢላታት፡ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ቀልጢፉ ዝተመዝገበ ጉድእትኳ እንተዘየለ፡ ድሕሪ ምጽራይ ዝፍለጥ ገለ ጉድኣት ኣውሪዱ ከም ዝኸውን ግና ግምት ኣለዎም። ነዚ ንምፍላጥ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ መራኸቢ ዘየብሉ ርሑቕ ከባቢ ዝተወሰነ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ብሰንክቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ምውራዱን ዘይምውራዱን ንምጽራይ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናብቲ ከባቢ ዝወስድ መጐዓዝያ ንግዜኡ ከም ዘቋርጽዎ ግምት ኣሎ። በዚ ምቁራጽ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጸገም ከጋጥም ዝኽእል ኮይኑ፡ ድሕሪ ምጽራይ ግና ቀልጢፉ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ። ኣብቲ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ተረኽቦ ግና ኣገልግሎት እውን ንግዜኡ ከቋርጽ እዩ ዝብል ስግኣታት ኣሎ።

ንግዜኡ ክሳብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ዝህቡ፡ ኣብ ነዋሕቲ ርሻናት ዝነብሩ ሰባት ካብኡ ክርሕቁን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝወሃብ ቀጻሊ ሓበሬታ ክከታተሉን ዝምልከቶም ኣካላት ይምዕዱ።

ብተመሳሳሊ ብ2 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 7፡51 ምሸት፡ 4.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10ኪሎሜተር ዝዕምቈቱን፡ ኣብ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ይዝከር።

Last modified on Wednesday, 02 August 2023 20:42