ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

2023-07-30 07:03:20 Written by  Published in EPDP News Read 1089 times

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ‘’ንቅዋማዊ ምሕደራ፣ ንደሞክርስን ምዕባለን ንቃለስ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ 23-26 ሓምለ 2023 ብተሳትፎ ወከልቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣባላቱ ኣብ ከተማ ቪስባደን፣ ሃገረ ጀርመን ተጋቢኡ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ብዓውት ኣቃኒዑ።

4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብ ትኸደሉ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ውግእ ሃለዋት ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለምና ሓድሽ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተቐላቐለሉ ኩነታት ይካየድ ምንባሩ ነዚ ክውነታት’ዚ ጉባኤ ዕዙዝ ኣትኩሮ ሂቡ ዘትይሉ።

ጉባኤ ብዕሊ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ካብ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡   ኣወሃሃዲ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፣ ወኪል ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ብኣካል ኣብ ቦታ ጉባኤ ተረኺቦም ናይ ምሕዝነትን ደገፍን ቃሎም ኣስሚዖም።  እቶም ክመጹ ዘይከኣሉ መሓዙት ምንቅስቓሳት፣ ማሕበራትን ናይ ሚድያ ትካላትን ናይ ሰናይ ድሌት መልእኽቶም ብጽሑፍ ሰዲዶም።

ጉባኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ፣ ቁዋም ሰልፊን ጸብጻባት ጠቅላላ ተቆጻጻርን ዓሚቊ ምይይጥ ኣካይዱ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ከም ሕጋዊ ሰነዳት ሰልፊ ኮይኑ ንኽስረሓሉ ኣጽዲቑ።

ኣብ 4 ዓመታት ዝተኻየደ ስራሓት ዝጠርነፈ ስኑድ ጸብጻባት ናይ ኣቦመንበርን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማገለን ንጉባኤ ቀሪቡ። ኣብቲ ሰነዳት ንዝቐረቡ ሕቶታት፡ መልስን መብርህን ካብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተዋሂቡ። ከም ሰነድ ጉባኤ ድማ ብድምጺ ጸዲቑ።

ጉባኤ፡ ኣስዒቡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርና፣ ዞባናን ዓለምን ኣትኲሩ ዓሚቕ ዘተ ብምክያድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉድያት ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።  

እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕሉ ንዘቖሞም ትካላቱ’ውን ጠሊሙ ናብ ክቱር ክሕደት ስለዝጠሓለ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታት ኣብ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ደረጃ ከምዝበጽሐ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ገምጊሙ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ጉባኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳቡ ንኽገብር ኣጠንቂቑ፡ ሰደህኤ ከም ቀደሙ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ቅድሚት ከምዝስለፍ ብምርግጋጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ጐኑ ንኽስለፍ ጸዊዑ።

ኤርትራዊ ልኡላውነት፣ ኣብ ሃገርነት ኤርትራ እሙን ዘይኮነ ስርዓት ህግዲፍ ብዝኽተሎ ፖሊሲ ናጽነት ኤርትራ ዘይተወሕጠሎምን ንባሕሪ ኣፍደገ ምስምስ ብምግባር፡ ንልዑላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ትርጉም ዝኸልኡ ወስታታት ኣብ ዝስምዑሉ፤ ሰዲህኤ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ባሕርን ኣየርን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ ምዃኑ የረጋግጽ።

መስሪሕ ሓባራዊ ስራሕ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሰዲህኤ ንተዳላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምርዳእ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት፣ ግንባራትን ምንቅስቃሳትን ተጀሚሩ ንዘሎ መስሪሕ ዘተ ክቅጽል ብዕቱብ ክቃለሰሉ ምዃኑ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ትስፉው መስርሕ ምቅርራብ ንኽቀላጠፍ ንሓድሽ መሪሕነት ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

ህዝባዊ ናዕቢ፣ 4ይ ጉባኤ፣ህዝባዊ ማዕበል ብሓፈሽኡ ማዕበል ህዝቢ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝግለጽ ምንቅስቃስ ህዝቢ ድማ ብፍላይ ንመጻኢ እውን ብቀንዱ መሰረቱ ሕጋዊ ኣገባብ ዝኽተል መኸተኡ፣ ንህግዲፍ ካብተን መንግስታትን ህዝብን ብዝንጽልን ብዘይምዝምዝን ኣገባብ ክቅጽሎ ኣተባቢዑ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብ ጐኒ ሕጋውን ትካላውን መኸተ ብርጌድ ንሓመዱ ኮይኑ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ 4ይ ጉባኤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ክነሱ፣ ህዝቢ ኤርትራን ንሱን ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘይረብሑሉን ውግእን ወራርን ትግራይ ምእታዉ ኮኒኑ። ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ሎሚውን ዝኾነ ምኽንያት ፈጢሩ ካልእ ኣዕናዊ ውግእ ካብ ምኽፋትን ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ካብ ምእታውን ስለዘይዓርፍ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ ካብ መቑሕ ህግዲፍ ክወጽእን መድሕን ህዝቡ ክኸውንን ጉባኤ ጸዊዑ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት መግዛእቲ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑ፣ ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉ ጉባኤ ተገንዚቡ።

ህዝብና ካብዚ ኣስቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፣ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ንገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ንምልጋስ ክቃለስ ጉባኤ ደጊሙ ጸዊዑ። ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦም ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት  ክቕበሉን ክናብዩን ንዝጸንሑ ሃገራትን ህዝብታትን ኣመስጊኑ።  

ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ክህሉ ዝግብኦ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ኣብ ግምት ዘእተወ ብድልየት ውልቀ መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽ ስምምዓትን ዝተዋሕሰ፣ ኣብ ፖሊሲ ሕድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ዝምድና ክህሉ መትከላዊ እምነቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ኣካላት ከም ሓዲሽ ዝዋዕዋዕ ዘሎ ጉዳይ ዶብን ኣፍደገ ባሕርን ናብ ዘየድሊ ውግእ ንኸይእቱ ዝሓደሮ ሻቅሎት ገሊጹ። ነቲ ህግዲፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉድያትን ዝምድናን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ዝርጋን ድማ ይዂንን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ንኤርትራ ዝምልከት ዝኸዶ መንገዲ ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝገበረ ክኸውን ድማ ጉባኤ ጸዊዑ።

ርክብ ኤርትራን ሱዳንን፣ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ህዝቢ ሱዳን ኩነታቱ ተቐይሩ ናብ ዝሓሸ ህይወት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ እናረጋግጸ፣ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊሶም ባህጊ ህዝቦም ከውሕሱ ይጽውዕ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ዞባና ክህውኽ ዝኽእል ጉዳይ ሱዳን ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጉባኤ ተማሕጺኑ።

ብዛዕባ ክልል ትግራይ፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብብዙሓት መምዘኒታት ዝቀራርብ ጎረባብቲ ኣሕዋት እዮም። ዝተፈጥረ ግዝያዊ ቁስሊ ሓውዩ ሕውነት ናይቲ ነባሪ ህዝብታት ልዑላውነት ሓድሕድ ኣኽቢሩ፣ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ምምላስን፣ ሽርሕታት ኢሳያስ ንምፍሻልን ሰዲህኤ ቃልሱ ከምዘሐይል 4ይ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። 

ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራን፡ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ንብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ሕግታት ብምጥሓስ፣ ንኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ጋዜጠኛታትን ሃገራውያን ተቓለስትን ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ከይኣኸሎ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ሊዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ተሓታቲኡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ልኡኻቱን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ መቅጻዕቶም ክስከሙ ከምዝግባእ ጉባኤ ርእዩ።  

 ኣብ መወዳእታ ከይዲ ናይቲ ጉባኤ ሓጻዪት ሽማገለ ካብ ዘቕረበቶም ሕጹያት መሪሕነት ንመጻኢ ኣርባዕተ ዓመታት ሰልፊ ዝመርሑ 35 ቀውምትን 5 ተጠባበቕትን ዘለዎ ማእከላይ ባይቶ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።

ራብዓይ ጉባኤ ክውን ንምግባር ከይተሓለሉ ኩሉ መዳያዊ ወፈያ ዝገበሩ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ከምኡውን ንኹሎም ደገፍቲ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት እዚ ጉባኤ’ዚ ዘበርከትዎ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣምስጊኑ።  

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ሓባራዊ ስራሕ ፖሊቲካዊ ውድባትን ምንቅሳቓሳትን ይዓንብብ!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!!

26 ሓምለ 2023

Last modified on Sunday, 30 July 2023 09:17