ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ሓድሽ ኣቦመንበር መሪጹ

2023-07-28 20:35:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1726 times

ሓድሽ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብቲ ካብ 23-26 ሓምለ 2023 ዝተቓንዐ  4ይ ጉባአ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ28 ሓምለ 2023 ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ኣኼባ ንብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ክኸውን ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ መሪጹ። ከምኡ’ውን ኣቦመንበር ዝረቑሖም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ባይቶ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።  ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ልኡል እጃም ዘበርከተን ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎን ዘይሕለል ተቓላሳይ እዩ።

ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ 6፡1፡7፡ እቲ ብዕድመ ብዝዓብየ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር  ነቲ ኣቦመንበር ዝተመርጸሉ ኣኼባ መሪሕዎ። ብጻይ ወልደየሱስ ነቲ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ፡  ኣብ ዘስመዖ ቃል 4ይ ጉባአ ኣገደስቲ ሰነዳት ኣጽዲቑን እዋናዊ ውሳነታት ወሲኑን ብዓወት ተዛዚሙ፡ ኣብ ምምራጽ ኣቦመንበርን ፈጻሚ ሽማግለን ምብጻሑ ዝተሰመዖ ሓጐስ ገሊጹ። ኣባላት ባይቶ ዕላማ ሰልፊ ንምዕዋት ከይተሓለሉ ክሰርሑ ከኣ ኣተሓሳሲቡ።

ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበርነት ምስ ተረከበ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ምውኽኻስ ግዜ፡ ናብ ማእከላይ ባይቶ ዘቕረቦ ዝርዝር ኣባላት 9 ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ  ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ እዩ ጸዲቑ።

ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ድሕሪቲ መስርሕ ምርጫ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቶም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ንክኾኑ ቅሩብነቶም ዘርኣዩ ኣመስጊኑ፡ መጻኢ ግዜ ብሓባር ተቓሊስካ ዓወት ዝምዝግበሉ ክኸውን ዘለዎ ቅሩብነትን እምነትን ዝለዓለ ምዃኑ  ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ባይቶ መስርሕ ጉባአ ንመጻኢ እንመሃረሉ ምእንቲ ክኸውን ከም ሓደ ኣገዳሲ ተመኩሮ፡ ተገምጊሙ  ክሰነድ ከም ዝግበኦ ተላብዮም።

ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት፡ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ብዝለዐል ብቕዓትን ተወፋይነት ሰዲህኤ ክመርሕ ዝጸንሐ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚክኤል (ደጊጋ) እዩ።

Last modified on Friday, 28 July 2023 22:41