ኣብ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝቐረበ ቃል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

2023-07-25 18:25:51 Written by  ሓው ነጋሽ ዑስማን Published in EPDP News Read 923 times

ነጋሽ ዑስማን 

ዝኸበርኪ ኣደ መንበርን ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለን 4ይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣቦ መንበርን ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ

ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ኣባላት 4ይ ጉባኤን ሰዲህኤ

 ክቡራት ኣጋይሽ

ሰዉራዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ኣብ’ዚ ኣገዳሲ 4ይ ጉባኤኹም ንኽንሳተፍ ዘቕረብኩሙልና ዕድመ፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም። ዕዉት ጉባኤ ክኸውንን፣ ኣገዳሲ ውሳኔታትን መደባትን ሒዙ ክወጽእን ድማ፣ ብስመይን ብስም መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘሎና ትምንቲ ክገልጸልኩም ደስ እብለኒ።

ጉባኤኹም፣ ኣብ ኣዚዩ ፍሉይ ምዕባሌታት ዝተኸስተሉ መድረኽ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብፖለቲካዊ መዳይ ምስ እንምልከት፣ ብስንኪ ኣዕናዊ መርሆ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ፣ ልዑላውነት ሃገርና ንሓደጋ ተሳጢሑ፣ ኤርትራ ኣብ ዓቢ ፈታኒ መዋእል ትርከብ ኣላ። ብካልኣይ ሸንክ ከኣ፣ ነዚ ብግቡእ ዘስተባሃለ ሰፊሕ ኣካላት ህዝብና፣ ኣንጻር ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ተቓውሞ ድምጹ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ዓቢ ሓበን እናተሰማዓና ክንገልጾ ንፈቱ። ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታትና’ውን፣ ኣብቲ ንብህጎ ደረጃ በጺሑ ክንብል`ኳ እንተ ዘይከኣልና፣ ብተዛምዳዊ ኣገላልጻ፣ ናይ ዘተን ናይ እንካን ሃባን መንፈስ ኣብ ዝሰፈነሎ ጎዳና ይጓዓዝ ምህላዉ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ዝጀመምቅርራብን ምውህሃዳዊ ስራሕን፡ ሓያሎ ብድሆታት ዝገጠሞ’ኳ ይኹንምበር፣ ክሳብ ሕጂ ብዝተወሃሃደ መደባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያትት ብሓደ ድምጺምቕራብ ብዙሕ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ብቐረባ ትከታተልዎ ዘለኹም ጉዳይ’ዩ። ኣብ ኣገዳሲ መዳያት ዘይነዓቕ ስጉምታት ሰጒምና ምህላና’ውን ክንገልጽ ንፈቱ። ሓደ ካብ’ቶም ክንዕወተሎም ዝኻኣልና’ውን ካብቲ ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮና ሰፊኑ ዝነበረ ከንቶ ውድድራትን፣ ሕድሕድ ምክሳስን ምንእኣስን ንድሕሬና ገዲፍና፣ ሕድሕዳዊ ምትእምማንን መንፈስ ምምልላእን ኣብ ዝሰፈኖ ሓባራዊ ጎደና ክንጓዓዝ ምኽኣልና ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ክሳብ’ቲ ጠርናፊ ሰፊሕ ጽላል ኣብ ምምስራት ንበጽሕ፣ ሓባራዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ንምቛም ተሰማሚዕና ምህላውና ከበስረኩም እፈቱ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቲ ድሮ ኣብ መንጎና ተሃኒጹ ዘሎ ምትእምማንን ሓልዮትን ዝያዳ ከዕዝዞ ምዃኑ እምነትና ክንገልጽ ንፈቱ። ከይዱ ከይዱ’ውን እዚ ምውህሃዳዊ ስራሕ ናብ ናይ መላእ ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓድነታውን ምትሕብባራውን ዕዮ ክሰግር ድሌትናን ሃንቀውታናን ስለ ዝኾነ፣ ካባና ዝጥለብ ኩሉ ጻዕርታት ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸልኩም።

ክቡራትን ክቡራንን፣

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ  ትሕቲ  ገባቲ ምሕደራ ህግደፍ፡ ንኣስታት 32 ዓመት ዘሕልፎ ዘሎ፣ ኣሰቃቂ ኩነታት፣ ይትረፍ ዶ ንዓና ኣብ ዓውዲ ቃልሲ ተጸሚድና ዘለናስ፣ ንሰፊሕ ኣካላት ማሕበረ ሰብ ዓለም’ውን ከይተረፈ ዝተፈልጠ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ንሕና ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ኩነታት’ዚ ብግቡእ ኣንቢብና፣ ንቃልሲ ከደንፍዕ ዝኽእል ተበጎሳታትን ሓባራዊ ስራሕን ከነካይድ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ንምግባር ከኣ ካብ ጸቢብ ውድባውን ጉጅለኣውን ሒሳባት ርሒቕና፣ ናይ ሓባር ስራሓት ከነማዕብልን፣ ኣብ ሓደ ተጠርኒፍና ክንዓይን ናይ’ዚ መድረኽ ህጹጽ ዕማም ምዃኑ ክንፈላለየሉ ዘይግባእ ጉዳይ ኢዩ።   

ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ ጉባኤን ኣጋይሽ ዕዱማትን

ኣብ ዞባዊ መዳይ ብዝምልከት፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኲናት ኣቋሪጾም ስምምዕ ሰላም ኣብ ፕሪቶርያ ክኽትሙ ምብቓዖም ደገፍና ብምግላጽ፣ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝተፈጸመ ምፍሳስ ደም ደው ምባሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ዞባና ጸጥታን ምርግጋእን ዘውሕስ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ሰራዊት ኤርትራ፡ ወጻኢ ካብ መሬቱ ኣብ ዝተኻየደ ዘይምልከቶ ኲናት ተጠቢሱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምስሓብ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፣ ሃገራውያን ሓይልታት ዝፈላለይሉ ነጥቢ ኣይኮነን። ቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ዋላ’ውን ካልእ መልክዕን ዝተቐየረ ምልፋን ሓይልታትን ዝሓዘለ እንተኾነ፣  ዝነበረ ግጭት ኣብቂዑ ኢዩ ዝብል ዘተኣማምን ሃዋሁ ሰፊኑ ዘይምህላዉ ንኹላህና ዘሻቐል ኩነታት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ስምምዕ ኣልጀርስ ሰረቱ ዝገበረ ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበርን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽን ኣትሪርና ንጽውዕ። ኣብዚ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ እቲ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና፣ ዛጊት ከም ዘይተዋሓጠሎም ሓሓሊፎም ዝህብዎ መግለጺታት ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ገሊኦም ከይሓፈሩ፣ ቀይሕ ባሕሪ ይምልከተና ኢዩ፣ ብሓይሊ ይኹን ብፍቶት ክንመልሶ ኢና ክብሉ ክትሰምዕ፣ እዚዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ። ሓደጋታት ናይ ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣቃላሊካ ክረአ ኣይግባእን ኢዩ። ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ድሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ንምትካል ዘካይድዎ ዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ፣ ንኸምዚ ዓይነት ኣዕናዊ ጥሙሕ ብትሪ ክምክትዎ’ውን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ጉዳይ ምቕያር ስርዓት ኣብ ኤርትራ፣ ንዓና ኤርትራውያን ደኣ’ምበር ንዝኾነ ባዕዳዊ ኣካል ዝምልከት ጉዳይ ከም ዘይኾነ፣ መትከላዊ እምንትና ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።   

ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተባሪዑ ዘሎ ውሽጣዊ ኲናት፣ ኣዚዩ ከም ዘሕዘነና ብምግላጽ፣ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብቲ ልሙድ ናይ ምጽውዋርን ልዝብን ባህሊ ሓው ህዝቢ ሱዳን ተመሊሶም፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ደው ከብሎን፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ መኣዲ ዘተ ብምእታዊ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ ክጽዕሩን ንምሕጸን። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ንተጻባእቲ ሓይልታት ሱዳን ናብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ንምምጻእ ብዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ደገፍና ብምግላጽ፣ ኩሎም ሓይልታት ሱዳን፣ ካብ ሃገራዊ ጠቕምታቶም ዝኣልዮም ናይ ግዳም ምትእትታውን ተጽዕኖን ነጺጎም፣ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ንምስራዕ ንሃገራዊ ዘተ እንኮ ምርጭኦም ክኸውንን ጻዊዕትና ነቕርብ።

ክቡራትን ክቡራንን፣

ኣብዚ ኣገጣሚ’ዚ ኮሎም ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት፣ ነዚ ገባቲ ስርዓት ብምእላይን፣ ልዑላውነት ሃገርና ንምዕቋብን፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈኖ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምቋምን፣ ዓቕምታቶም ብሓባር ጸሚዶም ዕቱብ ቃልሲ ከካይዱ ህጹጽ ተዳላይነት ከም ዘለዎ ከነዛኻር ንፈቱ።

ኣብ መደምደታ፣ 4ይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓወት ክዛዘም ዘሎና ትምኒት ብምግላጽ፣ ነቲ ነካይዶ ዘሎና ሓባራዊ ዕዮ ዘዕዝዝ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ ትጽቢትና ዓቢ ምዃኑ ደጊመ ከረጋግጽ እፈቱ።

 ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

24/07/2023

 

 

Last modified on Thursday, 27 July 2023 12:14