ዛዛሚ ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ

2023-07-18 22:21:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 690 times

ኣሰናዳኢት ሽማገል 4ይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ15 ሓምለ 2023 መበል 11ን ዛዛምን ኣኼባኣ ኣካይዳ። እታ ሽማገል ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት መስርሕ ምድላው ጉባአ ዝዳህሰሰትሉ ኣኼባ፡ ንጉባአ ዝምልከት ኩሉ ምስንደኣት ከም ዝተጻፈፈ  ኣረግጊጻ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ኣባላት ጉባአ ድሮ ናብቲ ብ23 ሓምለ 2023 ዝኽፈት ጉባአ ዝካየደሉ ሃገር ጀርመን ክኣትዉ ጀሚሮም ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ብደረጃ ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምን ዝተፈላለዩ ምዕባለታትን ዝምድናታትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ውዑይ ግዜ ዝጋባእ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ፡ ምልኣት ተሳተፍቲ ድሕሪ ተረጋጊጹ ከም ዝኽፈትን ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከም ዝቐርብን ተፈሊጡሎ።  ብዘይካዚ ኣብቲ  ጉባአ ናይ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምሉእ ንጥፈታት  ሰዲህኤ ዝድህስስ ጸብጻብ በብመዳዩ ብኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ቀሪቡ ምይይጥ  ምስ ተኻየደሉ ከም ሰነድ ሰልፊ ብጉባአ ክጸድቕ እዩ። ከምኡ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ ዝቃለሰሉ ሰፊሕን ዓሚቕን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝምረሓሉ ቅዋምን ዝምልከቱ ንድፍታት  ቀሪቦም፡ ተሳተፍቲ ምስተመያየጥሎም ክጸድቁ እዮም። እዞም ንድፍታት መሰረታት ሰዲህኤ በብትካላዊ ጽፍሖምን ብደረጅ ሰሚናርን ክመያየጥሎም ዝጸንሑ እዮም። ብዛዕባ እዋናዊ ኣገደስቲ ምዕባለታት ኤርትራን ከባብናን  ዘተኰሩ  ፖለቲካዊ ዛዕባታት ብምግምጋም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳነታት ከም ዝውስን እውን ትጽቢት ኣሎ።

ከምኡ እውን 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንቐጻሊ ዓመታት ነቲ ሰልፊ ዝመርሑ ሓጻይት ሽማግለ ብተሳትፎ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣጻርያ ካብ እተቕርቦም ሕጹያት፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ክምረጹ እዮም። ጉባአ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ገንዘብን ንብረትን ሰልፊ’ውን ክመርጽ እዩ። ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ስርሑ ከም ዝዛዘም ድማ ምንጪ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጠቒሱ።

ዕድመ ዝተገብረሎም ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓስን ኤርትራ ናይ ምሕዝነት መልእኽቶም ከመሓላልፉ እዮም። ብዛዕባቲ ጉባአ ዜናዊ ጸብጻባት ንምድላውን ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕን ዝተዓደሙ ማዕከናት ዜና ክሳተፉ እውን ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ናይቲ ካብ 28-30 ሓምለ 2023 ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ምድላዋታ ከም ዘጻፈፈት ገሊጻ።  እዚ ፈስቲቫል ነቲ ብ23 ሓምለ ተኸፊቱ ብ26 ሓምለ 2023 ዝዛዘም 4ይ ጉባአ ተኸቲሉ ስለ ዝጋባእ ተሳተፍቲ ጉባአ ኣብዚ ፈስቲቫል ከም ዝካፈሉን ውጽኢት ጉባአ ንተሳተፍቲ ኣብ መድረኽ ፈስቲቫል ከም ዝግለጽን ተፈሊጡ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 19 July 2023 00:27