ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ንድፊ ነጺግዎ

2023-01-01 10:38:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 694 times

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ30 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ግዜ ውግእ  ዝተፈጸመ  ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ገበናትን ክምርምር ብዓለምለኸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ዝተመዘዘ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ክኢላታት  ክስረዝን ዓመታዊ ባጀት ከይምደበሉን ንዘቕረበቶ ንድፍ-ሓሳብ ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝነጸጎ ኣፍሊጡ።

እቲ መርማሪ ኮሚሽ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይን ካልእ ከባብታትን ከይኣቱ ዝሓትት ርኢቶ ኢትዮጵያ፡ ብ71 ድምጺ ክንጸግ እንከሎ፡ ብ32  ድምጺ ድማ ተደጊፉ። 50 ሃገራት ከኣ ኣብቲ ንድፊ ካብ ምድማጽ ከም ዝተዓቀባ ተፈሊጡ። ኤርትራ እቲ ምጽራይ ብቐጥታ ስለ ዝምልከታ  ካብተን ንድፈ-ሓሳብ ኢትዮጵያ ዝደገፋ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን  ዝተፈላለያ ሃገራትን ኢትዮጵያ እዚ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባብታት ኣትዩ ምጽራያት ከካይድ ክትፈቅድን ክትተሓባበርን ከም ሓደ ቅድመ-ኩነት ናይ ዝምድናታቶም ናብ ንቡር ምምላስን ሓገዝ ምፍቃድን  ዘቕርቡላ ዘለዉ እዩ።

Last modified on Sunday, 01 January 2023 11:44