ኣብ  ኤርትራ ግፋን መቕጻዕትን ብዝገደደ ይቕጽል ኣሎ

2022-10-01 08:34:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 709 times

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝጀመሮ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝኸፈአ ኣገባብ ዝካየድ ግፋ፡ ኣብ ከተማታት እውን ይቕጽሎ ከም ዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ ኣለዉ። ናይዚ እዋንዚ ግፋ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ዝኸፈአ ዝግበሮ ደቅኹም ኣይተረኽቡን ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ስድራቤታትን ንብረቶም ዝውሰድ  ዘይሰብኣዊ ተግባር እዩ።

ንኣስመራ ወሲኽካ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ክሳብ 30 መስከረም 2022 ዝተሓበ ውላዶም ከቕርብዎ ዝተሓተቱ ውለዲ እንተዘይተግቢሮም ዝጽበዮም ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘሎ ተነጊርዎም እዩ። ወለዲ ጥራይ ዘይኮኑ ወነንቲ ትካላት እውን ንግዱድ ውትድርና ዝህደን ሰብ ከስርሑ እንተተራኺቦም፡ ቅድም 30 ሺሕ ናቕፋ ክቕጽዑ ድሕሪኡ ድማ ትካሎም ክዕጸው ምዃኑ ተነጊርዎም ኣሎ።

ካብ ኣስመራ ይኹን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምስ ስድራኦም ዝጸንሑ እሞ ብናይ ጉልበት ዕለታዊ ስራሕ ደቆም ከዕንግሉ ዝጸንሑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ተገዲዶም ናብ ውግእ ስለ ዝተወስዱ፡ ስድረኦም ኣብ ኣዝዩ ቁጠባውን ሰብኣውን ጸገማት ወዲቖም ምህላዎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ ኣለዉ።

እቶም ተገዲዶም ናብ ውግእ ትግራይ ዝውሰዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ውትህድርና ዝጥቀምሉ ከም ኣንሶላን መግብን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ካብ ገዞም ክሰንቁ ዝግደዱ ምዃኖም  ነቲ ናይ ሎሚ ግፋ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሉይ ከም ዝገብሩ እቶም ግዳያት ይገልጹ ኣለዉ። ብዝዕባቲ ንዕድመኦምን ናብ ውግእ ተገዲዶም ዝኣተውሉ ኣገባብ እንተኾይኑ ድሮ ኣብቲ ትርጉሙን ሳዕቤኑን ከይተረድእዎ ውግእ ዝተማረኹ ዝርዝር መንነቶም  ከባቢኦምን ጠቒሶም ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ ምርዳእ ዝከኣል እዩ።

እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ከተማ ኣስመራ ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ኤርትራዊ ዝመበቆሎም እውን ግዳይ ናይቲ ክተት ናይ ምዃን ሓደጋ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ነዚ ከም ኣብነት ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ሓደ ካብ ካናዳ ናብ ኣስመራ ዝገሸ በቶም ዝገፉ ወተሃደራት ምስ ተታሕዘ፡ ፓስፖርቱ ኣርእዩ “ኣነ ካናዳዊ እየ’ሞ ኣይምልከተንን እዩ” ምስ በሎም፡ “ዝተገርነበ ካናዳዊ የለን” ተባሂሉ ከም ዝተወስደ ምስክርነቶም ሂቦም።

እዚ ምስ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ምእታዉ ተኸቲሉ፡ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ተተሓሒዙ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ክረአ ጸኒሑ እዩ።  ነዚ ዘይምኽኑይን ዘይሰብኣውን ግፋ  ዝተቓወሙ ኤርትራውያን ስድራቤታት ገለን ገዛውቶም ተዓሽጉ ንብረቶም ተወሪሱ ፈቐዶ በረኻ ክነብሩ ክግደዱ እነከለዉ፡ ካለኦት ከኣ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክዳጐኑ  ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።

Last modified on Saturday, 01 October 2022 10:40