ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብጃምላ ይግፈፉ ኣለዉ

2022-03-23 07:28:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 766 times

ገለ ካብ ግዳያት

ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብከባብያዊ ሓይልታት ጸጥታ ገፊፍካ ናይ ምእሳርን ንብረቶም ናይ ምርሳይን ወፈራ ከም ዝካየድ መርበብ ኤርትራ ሁብ (Eritrea Hub) ምጭታታ ካብቲ ቦታ ብምጥቃስ ብ22 መጋቢት 2022 ሓቢራ። ካብ ሱዳን ብቐጻሊ ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣባላት ፖሊስን ወታደራትን ሱዳን ኣብ ጐዳናታት፡ ቦታ ስረሖምን መንበሪ ቦትኦምን ንዝረኸብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ገፊፎም ናይ ምእሳር ወፈራ ቀጺለምዎ ኣለዉ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ናይቶም ኤርትራውያን መንበሪ ፈቓድ ርእዮም ግዜኡ ዝሐለፈ እንተኮይኑ ካብ 200 ሺሕ ክሳብ 400 ሺሕ ናይ ሱዳን ፓውንድ የኽፍልዎም። ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ከኣ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይውሰድዎም ። ሓንሳብ ምስ ከፈልካ ካልእ ኣካል ተጠውዩ ከየኽፍለካ ውሕስነት የብሉን። እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ሱዳን ሳጹን ድዩ ዝኣቱ ወይ እቶም ኣብ ጐደናታት ዝርከብዎ ኣባላት ፖሊስ ንግሎም ይጥቀምሉ ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ወገናት ከም ዝብልዎ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ንኤርትራውያን ከም ሓደ ምንጪ ኣታዊ እዮም ዝጥቀምሎም። እዚ ዝኽፈል ዓቐን ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ተዋሒጦም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ። እቲ ዜና ከም ዘዘኸኸሮ እቲ መንበሪ ፈቓድ ዘሕድስ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ሱዳን ካብ ዝዕጾ ዝያዳ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ መንበሪ ፈቓዶም ግዜኡ ክሓልፍ እንከሎ ዘሕድስሉ መተካእታ የብሎም።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ዘገድሶ ኣካል፡ ነዚ ብዝምልከት ናብ መንግስቲ ሱዳን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብቲ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ድማ፡ 1ይ መንበሪ ፈቓድ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ብቕልጡፍ ክኽፈት፡ 2) ኩሎም ብሰንኪ መንበሪ ፈቓድ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ብህጽጹ ክሕደሰሎም። 3) ናይ ምሕዳስ ዕድል ኣብ ዘየብሉ ዝተኸፍለ ገንዘብ ክምለሰሎ ዝብሉ ምሕጽንታታት ይርከብዎ።

Last modified on Wednesday, 23 March 2022 08:54