ኣብ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ዝመርሕዎ ዕልዋ ተኻይዱ

2021-10-26 08:35:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 997 times

ድሕሪ ዕልዋ ዝተኣስሩ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ር ሓምዶክን ፡ ዕልዋ መሪሖም ህጹጽ ኣዋጅ ዝኣወጁ ጀነራል ኣልቡርሃንን

ኣብ ሱዳን ብ25 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሲቪል መራሕቲ ኣሲሩ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ከም ዝተኣወጀ ማዕከን ዜና ቢቢስን ካለኦት ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ገሊጸን። ናይዚ ዕልዋ መራሒ ጀነራል ኣልቡርሃን ናይቲ ዕልዋ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ምዃኑ ገሊጾም።

ነዚ ዕልዋ ዝተቓወሙ ሱዳናውያን ኣብ ኣብ ካርቱምን ካለኦት ከተማታትን ኣብ ኣደባባያት ወጺኦም ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑን ኣብቲ ኩነታት ተኹሲ ከም ዝነበረን እውን ተፈሊጡ። ብዛዕባቲ ሓድሽ ተረኽቦ ብተለቪዥን ሱዳን ዝገለጹ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ናይታ ሃገራዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ህጹጽ ኩነታት ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ከኣ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ክመርሕ ዝጸንሐ ልኡላዊ ቤት ምኽርን  ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ከም ዝፈረሱ ገሊጾም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጀነራል ኣል ቡርሃን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሪሱ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምርጫ ከም ዝካየድ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብኣንጻሩ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከይፈርስ ህዝቢ ክቃለስ ክጽውዑ እዮም ጸኒሖም።

ኣብታ ሃገር ዕልማ ከም ዝተኻየደ ምስተገለጸ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከብዎም ሰቪል ሰብ መዚ ብወተሃደራት ከም ተታሒዞም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ነቲ ዕልዋ ተቓዊሞም ናብ ኣደባባያት ካብ ዝወጹ ሰባት ብውሕዱ 12 ሰባት ተጐዲኦም።

እቲ ዜና ከም ዝሕበሮ ጀነራል ኣልቡርሃን ኮኑ ካለኦት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሱዳን፡ ናይ ግብጺ፡ ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረይትን ደገፍ ኣለዎም። ብኻልእ ወገን ከኣ ዝተፈላለያ ሃገራት ነዚ ዕልዋ ተቓዊመንኦ ኣለዋ። እዚ ዕልዋ ዝፍጠር ዘሎ ሱዳን ኣብ መንጎ ወተሃደራትን ሲቪልን መራሕቲ ዝነበረ ዝምድና ሓርፊፉ  ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሕመስ ምስ ጸንሐትን ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ውጽኢታዊ ዘይነበረ ዕልማ ምስ ተፈተነን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ናይ ኢንትርኔት ርክብን መዓርፎ ነፈርትን ዕጹዋት ከም ዘሎ ተገሊጹ።

Last modified on Tuesday, 26 October 2021 10:44