መግለጺ ኣወስትራልያ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ

2021-10-21 21:10:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1122 times

ኣወስትራልያ እቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ  ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርትን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ እናዐረገ ምምጽኡን ከም ዘሻቕላ ብምጥቃ ብ20 ጥቅምቲ 2021 መግለጺ ኣውጺኣ። ኣወስትራልያ ኣብዚ መግለጺኣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምኽልካል ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም እትኹንን ጠቒሳ። እቲ መግለጺ እቲ ውግእ ዓመቱ ክመልእ ኣብ ዝተቐራረበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ኣዕናዊ ተጽዕኖ የሕድር ከም ዘሎ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ሃገረ ኣወስትራልያ ኣብዚ መገልጺኣ፡ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ውግእ፡ ካብ ምቕጻልቲ ውግእ  ክዕቀቡን ጥሕሰታት ከወግዱን ጸዊዓ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣወስትራልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብህጹጽ ህውከት ጠጠው ኣቢሎም፡ ብቕልጡፍ ተዛትዮም ምእንቲ ምርግጋእ ህዝብን ሃገርን ኣብ ፍታሕ ክበጽሑ ጸዊዓ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ ብዙሓት ኣወስትራላውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ዝምድና ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ምስቶም  በዚ ኩነታት ዝተገድኡ ኣዕሩኽን ቤተሰቦምን ዘለዋ ምድንጋጽ ገሊጹ

Last modified on Thursday, 21 October 2021 23:22