ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ጀሚሩ

2019-07-29 14:27:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2762 times

ሎሚ ዕለት 29 ሓምለ 2019 ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ኣብ ቪስቫደን ብድምቀት ጀሚሩ ውዒሉ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ሓድነታዊ ጉባኤዚ ካብ ኣወስትራልያ፡ ካናዳ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣባላት ክልቲኤን ፖለቲካዊ ሓይልታት መሪሕነትን ተወከልትን  ዝተሳተፍዎ ጉባኤ እዩ።

News Item 29.07 Tiebe

ጉባኤ: ብጸይቲ ትዕበ ተኪኤ ብዘቅረበቶ ናይ እዃ ዳሓን መጻእኩም ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን መግለጺ ክጅምር ከሎ፣ ዕዉት ጉባኤ ክኸውን ተመልያ፡ ኣብዚ ጉባኤዚ ንኽንበጽሕ ንእተራእየ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣባላትን ኣድኒቓ፡ መድረኽ ንኣደ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣረኪባ።

kkkkkkkkkkkkkkkkk Adiam tefera

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ጉባኤ፡ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ኣደ-መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ተመኩሮ ዝሓለፈ ጉዕዞ ናይቲ ምስንዳእን  ካብ ኣባላት ክልቲኡ ሓይልታትን መሪሕነታትን ዝተገብረ ምድጋፍን ጻዕርን ብዝርዝር ኣቅሪባ። ብዘይካዚ ነዚ ጉባኤ ክዉን ንዝገበሩ ኣባላትን ተሓባበርትን ደቂ ኣባላትን ማሓዝቶምን ኣመጒሳን ንኢዳን። ምትሕብባር ናይዚ ዝተጠቕሰ ኣካላት እንተዘይነብር ድማ ጉባኤና ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ክጐድሎ ከምዝኽእል ዘኪራ።

News Item 29.07 haile

ድሕሪ መግለጺ ኣደ-መንበር፣ ብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤል ምክትል ኣሰናዳኣኢት ሽማግለ ብወገኑ ኣብ ምስንዳእ ንዝነበረ ምትሕብባርን ሰናይ ምርድዳእን ኣድሚቑ ብምሕባር፡

News Item 29.07 Mengisteab

መድረኽ ንኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣረኪቡ። ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንኣሳናዳኢት ሽማግለን ተሳተፍቲ ጉባኤን ኣባላት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ድሕሪ ምምስጋን፣ ህልዊ ኲነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብፍላይ፡ ዝካየድ ዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ናይ መን ሓየለን ጸለወን ውድድራት ድማ ብሓፈሻን ዘስዕቦ ጽልዋ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ገሊጹ። ክልቲኡ ሓይልታት ናብዚ ጉባኤዚ ንምብጻሕ ዝተሰማማዓሎም ነጥብታት እውን ገሊጹ።

News Item 29.07 Kiflezghy

ኣስዒቡ ብጻይ ክፍልዝጊ ገብርመድህን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ፡ ኣመጻጽኣ ናይቲ ውድብ ከመይ ከምዝነበረ ብሓጺር ድሕሪ ምትንባህ፡ ዝተፈተነ ናይ ስኒትን ሓባራዊ ስራሕ ጸዋዒትን ጻዓታት ንዝነበረ መልስታትን ኣብሪሁ። ኮይኑ ግን፣ ናይ ሰዲህኤ ጸዋዒት ሓባራዊ ዕዮን ዝተበገስናሉ ዕላማን ሓደ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ካብቲ ዝተረኽበ እወንታዊ መልስታትን ስለዝነበረ እነሆ ሎሚ ናብዚ ኣነካይዶ ዘላና ጉባኤ በጺሕና። ኣብዝቐረበ መግለጺታት መንገዲ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ምቕያር ውልቀ መላኺ ስርዓት ዘቀላጥፍ ምዃኑ ብምዝካር፡ ዝያዳ ክንደፍኣሉን ክንጽዕረሉን ዘላና፣ ግዜ ዘይህብ ዕማም ከምዝኾነ ተገሊጹ።

News Item 29.07 debesu

ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ብሸነኹ፡ ብድሆታት ሓድነትን ሕልክልኻትን ምስዝሓለፈ ተመኩሮ ብምዝማድ ሰፊሕ መግለጺ ከቕርብ ከሎ፣ ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ዜተታትን ቃላት እንዳቆናጨልካ ዝዋሃቦ ትርጉማት ሓጋዚ እዃ እንተዘይ ነበረ፣ ብሳላ ምጽውዋርን ምብልሓትን  ግን ከምዝተሰግረን፡ ደስ ዘይበሎ እንተነበረውን ክምለሰሉ ዝኽእል ባይታ ተነጺፉ ምህላዉ ኣነጺሩ። ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ሓድነት ድማ ብሓያል ምጽውዋርን ሕድገታትን ዝተበጽሔን ንድሕሪ ዘይምለስን ኣብርእሲ ዘይምዃኑ ንኻልኦት ሓይልታት ኣብነት ንኽኸውን ዘለዎ ሰንይ ትምኒት ገሊጹ።

Last modified on Monday, 29 July 2019 23:44