ካብ ጉባኤ ናብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019

2019-07-26 19:52:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2997 times

ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ዕለት 29 ሓምለ 2019 ጀሚሩ ክሰላሰል ከምዝኮነ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ክቃላሕ ምጽንሑ  ዝዝከር እዩ። እዚ ጉባኤ እዚ ድሕሪ  ዓመት ዝወሰደ  ጽዑቕ ልዝብን ዘተን፡ ንቕድሚት ዘማዕደወ ሕድገታት ሰረት ገይሩ፣  መድረኽ ዝጠልቦ ጉዳያት ቀዳምነታት ብምስራዕን ዝረጋገጽ ዘሎ፣ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ክልተ ኣሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት እዩ። ናይ ሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻይትን ሽማግለ ኩሉቲ ንጉባኤ ዘድሊ ተክኒካዊ ምድላዋት ኣጻፊፈን፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ፍራንክፎርት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሳተፍ ዘይኽእል ትካላት እውን፡ ተሳታፍነቱ ንምንርግጋጽ ዘኽእሎ ኣገባብ መድሚደን ፍርቂ ናይቲ መስርሕ ከይደናኦ ምህላወን ተረጋጊጹ ኣሎ። በዚ መሰረት ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ኣወስትራልያ፡ ካናዳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ።

ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤን፡ እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርትን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ይሰላሰል ምህላዉ ድማ’ዩ፣ ካብ ጉባኤ ናብ ፈስቲቫል ዘብሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕማማት ኣብ ሓደ ዝተዛመነ ሰሙን ክፍጸም ከሎ ጻዓታት ኣባላት ክልተ  ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምንባሩ ዘረጋግጽ እዃ ይኹን እምበር፡ እዚ ግን መጀመርታ እምበር መወዳእታ ኣይኮነን። እቲ መወዳእታ፡ ካብ ሕሉፍ  ተመኩሮ ጉባኤታት ሓይልታት ኤርትራ ተማሂርካ ብመንገዲ ስጥመቱ ዘረጋገጽ ሓይሊ ንኩሉ ደላይ ለውጢ ዝጥርንፍ መሳርሒታት ፈጢርካ ኣብ ዑናታት ምልኪ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ምርግጋጽ እዩ።

ኣባላት ጉባኤ ብቀጥታ ናብቲ ጽባሕ ጉባኤ ዝሰላሰል፣ ንምዕዋቱ ኣዋርሕ ዝወሰደ መራከቢ ህዝብን ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዝኮነ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ምእታዎም እዩ።  ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 መደባቱ ሰሪዑ፣ ክሳብ ሕጂ እወንታዊ መልስታቶም ዘቐደሙ ጀርመናውያን ዕዱማት ኣጋይሹ ፈሊጡ፣ ኤርትራውያን ወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ህዝባውያን ባይቶታትን ናይ ዜና ትካላትን ንተሳትፍኦም ዝምልከት መልስታት ኣቐዲሞም ምህላዎም ካብ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣሎ።

ወከልቲ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ኣብዝሓለፈ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018  ዝቐረበ ዝተመሳሰለ መግለጺታት ተበጊሶምን ግዜ ንምቁጣብን ኣብ ፈስቲቫል 2019 ብሓደ ቃል ክቐርቡ ምዃኑም ኣረጋጊጾም ብምህላዎም ከኣ ሓደ ካብ ምልክታት ሓባራዊ ስራሕን ናይ ምትእምማን መስርሕን እዩ። ምስዚ ወከልቲ ባይቶ ዳርምሽታትን ህዝባዊ ምልዕዓል ስቱትጋርድን ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ብዘይካዚ ኣምበሳደር ዓንደብራሃን ወልደገርግስ እውን ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፍን ቃል ከቕርብ ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ካልእ ፍሉይነት ናይ 2019 ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ድማ፡ ካብ ኤርትራውያን ናይ ዜና ትካላት ፋኑስ ኔትዎርክ fanus Network ከምኡውን ተለቪዝዮን ድምጺ ኣሰና ATV ክሳተፍዎን ካብ መድረኽ ፈስቲቫል  ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ምቕልሖምን ክኸውን እዩ።

ብዘይካዚ፡ እታ ዘይትሕለል ማሓዛ ገድልን ህዝብን ኤርትራ ዝኮነት ንጎበጣ ስርዓት ሃይለ ስላሰን ሕሰማት መግዛእትን ዘጋልጽ The Land by the See ዘርእስቱ ፊልም ዝቐረጸት፡ ሕጂውን ንተመኮሮ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኢ መጽሓፍ ብሽወደንን ብእንግሊዝኛን ዝሓተመት ሽወደናዊት ክርስትና ብዮርክን፡ ናይ ሰልስተ ጀርመናውያን ሰልፍታት ተወከልቲ፣ ንተሳትፍኦም ዘረጋግጽ ኣወንታዊ መልሲ ምሃቦም ተሓቢሩ ኣሎ። 

  1. Stephan Deusingen CDU Frankfurt Fractionvorsitzender
  2. Katherina schreiner FDP Kreisvorsitzender Frankfurt
  3. Frau Laura Knierim Bundnis 90 die Grünen Frankfurt

በዚ ኣጋጣሚ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019ንኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኮነ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ክሳተፎን ምስ ኣጋይሽ ፈስቲቫል ክላዘብን ደጊምና ንዕድም።

ኣብ ፈስቲቫል ብሰላም ንራኸብ።

Last modified on Friday, 26 July 2019 22:15