ሰማእታት ኤርትራ ንዝተሰዉእሉ ዕላማ ንምዕዋት ንበገስ

2019-06-20 09:40:07 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 2102 times

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንጐበጣ ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራዊ ምልካዊ ስርዓት ምትካእ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና ዝሰፈና ናጻ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ሰማእታትና ድማ ነዚ ክቡር ዕላማ’ዚ ክብሉ ኢዮም ነታ ዝፈትዉዋ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝወፈዩ።

ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ወይ ውልቀሰብ ሕልሚ ድማ፡ ካብ’ቲ ዘለዎ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክሰጋገር እምበር፡ ብስም ጽንዓት፡ ብስም ምጽማም፡ ንዝኸፍአ መነባብሮ ከም ጥዑም ጌርካ ምውሳድ ኣይኰነን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓመት መጸ፡ እዚ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ናብ ዝሓሸ ደረጃ መንጠሪ ክዀነና ኢዩ፡ ስለ’ዚ ንጽናዕ እናተባህለ ናይ ሓሶት መብጽዓታት እናተገብረሉ ኣብ’ዚ ዘለናዮ መግለጺ ዘይርከቦ ናይ ስቓይን ሓሳረ-መከራን ሕማቕ ኵነታት ወዲቑ ይርከብ። ሕጂ ድማ፡ ከም ወትሩ፡ ጽንዓት ንልምዓት ብዝብል ጥዑም ግን ዘይፍጸም መብጽዓ ብምድግጋም ክታለል ኣይግባእን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ “ይኣክል ንምድንጋር… ይኣክል ንምልኪ… ይኣክል ንድኽነት፡ ምብትታንን ስደትን” ኢሉ ተላዒሉ ኣሎ። እቲ መፍትሒ ድማ ካብ ባዕሉ’ምበር ካብ ዘቕበጹ መራሕቱ ክጽበዮ የብሉን።

ሰማእታትና ንምድባስ፡ መብጽዓ ኣብ ልዕሊ መብጽዓ ምድርዳር ዘይኰነስ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ንግዝኣተ-ሕጊ ምምእዛ፡ ንናጽነት ልዑላውነትን ኤርትራ ምጥባቕ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ፖሊሲታት ምኽታልን ብኣህጕራዊ ውዕላት ምኽባርን ኢዩ።

ኣብ ድሮ 20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገልግላ ዝነበረ ናይ ካቶሊካዊ ቤተ-ክስርስትያን ንብረት ዝዀና ናይ ሕክምና ትካላት ምህጋርን ምዕጻውን ድማ እኹል መረዳእታ ናይ’ዚ ንህዝቡ ጽቡቕ ዘይደልን ዘይምነን ስርዓት ኢዩ።

ውድቀት ንዕላማታት ህዝቢ ዝጠለመ ስርዓት!!!

ሰማእታትና ንዝወደቕሉ ዕላማታት ንምዕዋት ንበገስ!!!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስውኣትና

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Last modified on Thursday, 20 June 2019 11:42