ሰዲህኤ፡ ቫቲካን ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ቀጻሊ ስቓይ መዋጸኦ ኣብ ምርካብ ክትነጥፍ ጸዊዑ

2019-06-19 05:44:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2656 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ18 ሰነ 2019 ናብ ቅድስቲ ቫቲካን ኣገዳሲ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብዚ መልእኽቱ ቫቲካን እቲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ በቲ ዘይሓላፍነታዊ “መንግስቶም” ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ስቓይ ኣብ ምውጋድ ክትነጥፍ ጸዊዑ።

እቲ ናብ ጳጳስ ፍራንሲስን ኣምበሳድሮም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ጳጳስ ኢቫን ጁርኮቪችን ዝተላእከ መልእኽቲ ነቲ ብ12 ሰነ 2019 ብሓለፍቲ ኤርትራ ዝተወርሰ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ጠቒሱ።

እቲ መልእኽቲ እቲ ዝተወስደ ዘይቅቡል ስጉምቲ ነቲ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ዝርከብ ኩነታት ኤርትራ መሊሱ ከም ዘጋድዶ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ናይዘን ትካላት ጥዕና ብሓይሊ ምምንዛዕ፡ ነቲ ብሓለፍቲ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣጋዲዱ ኤርትራውያን ክረኽብዎ ዝጸንሑ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዘስእን ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ መልእኽቲ ብምቕጻል፡ ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጭካነን ግህሰትን፡ ብሰንኮም ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደረጃኦም ዘይሓለዉ መቐበልን መዕቆብን መደበራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሳቐይዎ ዘለዉ ጠጠው ዘብል ዓለም ለኻዊ ስጉምቲ ንክውሰድ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

መዘክር ሰዲህኤ ቫቲካንን ሃዋርያዊ ልኡኻ ኣብ ጀነቫን ኣብቲ ዝመጽእ ብ24 ሰነ 2019 ዝኽፈት መበል 41 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝምልከት ስጉምቲ ንክውሰድ ተበግሶ ክወስዱ ተማሕጺኑ።

እቲ መልእኽቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕልቲ ስግረዶባዊ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲ፡ ዋና ጸሓፍን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት’ቲ ብ2016 መርማሪ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝበጸሖ መደምደምታ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዑ። 

EPDP Asks Vatican to Initiate Action on Eritrea 2

እተን ኣስታት 22 ምዃነን ዝግመታ ናይታ ቤተክርስትያን ጥዕናዊ ትካላት  መብዛሕትአን  ኣብ ገጠራዊ ከባቢ ዝርከባ መዓልታዊ ንዓሰርተታን ኣሸሓት ሰባት  ኣገልግሎት ክህባ ዝጸንሓ እየን

Last modified on Wednesday, 19 June 2019 08:03