ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል

2019-03-25 10:49:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2322 times

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኵሉ ብስርዓት ኢሳያስ ዝወረዶ ሓሳረ-መከራ ተጻዊሩ፡ ሓንቲ መዓልቲ ግዲ ትወግሕ ትኸውን ብዝብል ተስፋ እናተጸበየ እንከሎ፡ ብስም ውዕል ሰላም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣባ ጓይላ ኰይኑ ኣብ ዝመርሖ ናይ ምድማር ጭፈራ ኣይከሰርናን፡ ጕዳይ ዶብ ካልኣዊ ኢዩ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ክመርሓና ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ …ወዘተ እናበለ ተዓጢቑ ከዅድድን ብሓጐስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ ክሃርምን ተራእየ። 

ብድሕር’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርክብ ህዝብና “ደጊም ይኣክል” ኢሉ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕጻር ተላዒሉ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ሎሚ ጭርሖና “ይኣክል ተኣለ” ዝብል ደኣ’ምበር፡ ንኢሳያስን መጋበርያታቱን ቅዋም ክትግብሩልና፡ እሱራት ክፍትሑልና፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩልና ምልማን ወይ ምምሕጻን ኣይኰነን። ለባማት ኣቦታትናን ኣደታትናን ከም’ዚ ምስ ረኸቡ ኢዮም “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሉ።

ኣብ ክፍለ-ዓለምና ኣፍሪቃ እኹል ዘይጕዱል ተመኵሮ ምስ ዲክታቶርያውን ስርዓታት ኣሎና ኢዩ። ዲክታቶራውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብቅዋም ዝግዝኡን ንቕዋም ዝምእዘዙን ኣይኰኑን። ስለዝዀኑ ድማ ኢዮም፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ቅዋም ከም ቍሪ ዝፈርሕዎን ተወዳደርቲ ሰልፍታት ክህልዉዎም ዘይደልዩን።

ህዝብና 'ይኣክል፡ ቅዋም ይተግበር' ክብል ከሎ: ገለ ክፋል ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኰነ ገለ ካብ ትካላት ንመስርሕ "ተኣዘዝ-ፈጽም''ምንጻግ ክጅምር እንከሎ: ሃገር ብመላኡ ድማ (ዋላ'ውን ካብ ሰዓቢ ምልኪ ዝነበረ ከይተረፈ) 'ልዑላውነትና ልዕሊ ኩሉ' ብምባል ከድምጽ እንከሎ: ስልጣን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ንክምለስን ቅዋም ንክትግበርን ምልካዊ ስርዓት የልግስ ማለት እምበር: እቲ ስርዓት ይቐጽል ማለት ኣይኰነን።  ደጊም ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ'ምበር ብዊንታ ውልቀሰብ እይትመሓደርን ዝብል እምንቶ ህዝብን ሰዲህኤን እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ መጻብቦ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኰነ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዳግማይ ንምትላል ውዲታዊ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ድሮ እኳ ቅዋም ክትግብር ኢየ፡ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ክሕሎ ጸኒሑ ኢዩ፡ ሕጂ ድማ ብዝያዳ ክስርሓሉ ኢዩ እናበለ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞታት ንምቝጻይን ፋሕተርተር ክብል ይርአ ኣሎ።

ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ’ቲ ብ11-13 መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ (International Covenant for Civil and Political Rights (ICCPR).) ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣደም ዑስማንን ዝርከብዎም ልኡኽ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት የለውን፡ ናጽነት ናይ ርእይቶ ምግላጽ ኣሎ፡ ፓትሪያርክ ኤርትራ ብመንግስቲ ዘይኰነስ ብቤተ-ክርስትያን ኢዮም ተሓይሮም፡ ኣብ ኤርትራ 11 ኣብያተ-ማእሰርቲ ጥራሕ ኢዩ ዘሎ፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ፡ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት መዘናግዕን ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ኣገልግሎት ኣለዎ…ወዘተ እናበለ ነቲ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቅታት ክኽሕድን ብሓሶት መሬት ክጐብእን ዝተሰምዐ።  ካብ’ዚኦምሲ እንታይ ትጽበ?!!!!!!!!!

ህዝብና ግን፡ ድሕሪ ደጊም ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ ሽጣራታት ክታለል የብሉን። እንታይ ደኣ፡ ክሳብ ሕጂ ዘታለልካና ይኣክል፤ ሕጂ ግን ተኣለየልና ጥራሕ ብምባል ጸኒዑ ክብድሆ ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ፡ ካብ  ስርዓት ኢሳያስ  ቅዋም  ክትግበር ምጽባይ ካብ ማይ ምሕቋን ሓሊፍካ ካልእ ትርጕም ክውሃቦ ስለዘይከኣል ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሕላገት መራሕቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ጥልመት፡ ሓሶት፡ ምብሓት ስልጣን፡ ምንጋስ ፍርሕን ራዕድን ምዃኑ ተረዲእና “ተኣለ ይኣክል” ኣብ ዝብል ካልኣይ ሳልሳይ ዘይብሉ ጭርሖ ተኣኪብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግደምን እንርከብ ኤርትራውያን ነዚ እኩይ ስርዓት ንምእላይ በብንኽእሎ ኣገባብ ተወዲብና ክንቃለስ ይግብኣና።  

ስለ’ዚ፡ ሎሚ ጭርሖና “ይኣክል ተኣለ” ዝብል ደኣ’ምበር፡ ንኢሳያስን መጋበርያታቱን ቅዋም ክትግብሩልና፡ እሱራት ክፍትሑልና፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩልና ምልማን ወይ ምምሕጻን ኣይኰነን። “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝብል ምስላ ለባማት ወለድና ከይንዝንግዕ ሓደራ።

Last modified on Monday, 25 March 2019 12:00