ንሰማዒኡ ዘገርም ክሕደት ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ክኢላታት ኣብ ጀነቫ

2019-03-16 07:27:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3263 times

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኤርትራ ኣቀራርባ እንደጋና ኣብ ቅድሚ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ተሳተፍትን ናይ ዝለዓለ፡ ስንባደን ጽልእን መርኣያ ኮይኑ። እቲ ቀዳማይ ርክብ ናይቲ ልኡኽ ምስ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ11 መጋቢት 2019 ነይሩ። ኣብዚ ርክብዚ ልኡኽ ኤርትራ ዓይኑ ኣዕሚቱ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግጉይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል የለን ኢሉ። እቲ ካለኣይን ልኡኽ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተወጠረሉ ከኣ ኣብ 12ን 13ን መጋቢት 2019 ምስቲ 18 ኣባላት ዘለዉዎ፡ ምትግባርን ዘይምትግባርን፥ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ሲቪላውን ፖለቲካውን መስል (ዓስሲፖመ) ዝከታተል ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሮ ርክብ እዩ።

ኤርትራ ነዚ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ፡ መባእታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ህዝባ ከም እተኽብር፡ ቃል ብምእታው ብ2002 እያ ፈሪማትሉ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ነቲ ዝኣተወቶ ቃል ብምጥሓስ፡ በዚ ናይ ምትግባርን ዘይምትግባርን እቲ ስምምዕ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ንዝቐርበላ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ዓንቂጻ እያ ጸኒሓ። ኤርትራ ኣብዚ ዓመትዚ’ኳ ኣብ መበል 125 ርክብ ናይቲ ኮሚተ ክትርከብ እንተተሰማምዐት፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ልኡኻ እቲ ዝተሓተቶ ሓበሬታ ብስኑድ ኣገባብ ከቕርብ ኣይከኣለን።

መራሒ ልኡኽ ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱን መጋይሽቱ ኣቶ ኣደም ዑስማንን፡ ምስቲ ኮሚተ ኣብ ዝገበርዎ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ርክብ፡ ካብ ናይቲ ኮሚተ ሕቶታት ብምህዳምን ብዘይሕፍረት ኣብ ኤርትራ ዘየለ ሓቂ ብምዝርዛርን ኣባኺነምዎ። እቲ ዝለዓለ ክኢላታት ዝኣባላቱ ዓለምለኻዊ ላዕለዋይ ኮሚተ፡ ልኡኽ ኤርትራ ግሁድ ክሕደት ገዲፉ ሓቂ ንክዛረብ’ኳ እንተጸዓረ፡ ልኡኽ ኤርትራ ግና ናብቲ ቅኑዕ መንግዲ ክመጽእ ኣይከኣለን።

እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ካብቲ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣቶ ኣደም ዑስማንን ዝኣባላቱ ልኡኽ ኤርትራ ንሕቶታት ናይቶም በተን ንኤርትራ ወሲኽካ ነቲ ስምምዕ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰል ዝፈረማ ሃገራት ዝተመርጹ እሞ መዝነቶም ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ዝጸደቐ፡ ዓለምለኻዊ ክኢላታት ካብ ዝሃቦ መልስታት እዩ።

1፡ ኣብ መላእ ኤርትራ 11 ኣብያተ ማእሰርቲ ጥራይ እየን ዘለዋ።

2፡ ብዘይካ ውሱናት ኣብ ጉዳይ ሃገር ገበን ዝፈጸሙ፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ እሱራት የለን።

3፡ ፕትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጠኒዮስ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዝተሓዙ ዝወሰነት ባዕላ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን እያ።

4፡ ኣብ ኤርትራ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ የለን።

5፡ ማእሰርቲ 11 ኣባላት ጉጅለ 15፡ በቲ ፈጻሚ ኣካል ዘይኮነ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝተኣዘዘ እዩ።

6፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ንሞት ዝተፈርደ የለን። ብዛዕባ ብዘይፍርዲ ምቕታል ዝቐርቡ ክስታት ከኣ መሰረት የብሎምን።

7፡ መንግስቲ ክቡር መሰል ወዲ ሰብ የኽብር እዩ። ኣብ ልዕሊ ንጹሃት እሱራት ምስቓይ ኣይፍጸምን።

8፡ ኣተሓሕዛ እሱራት ብመንጽር ምርካብ ኣገልግሎት ጥዕና፡ መዘናግዕን  ሚድያን ጽቡቕ እዩ።

9፡ ናይ ሚድያ ምቁጽጻር የለን። ፖለቲካዊ ርኢቶኡ ብምግላጹ ዝተኣስረ የለን።

10፡ ምቲ ናይ ጸላእቲ ግጉይ ጸብጻባት ዝሕብሮ፡ ኤርትራ ህዝቢ ዘየብላ ኣይኮነትን። ናይ ከተማታትና ጐደናታት ብመንእሰያት ዝተመልኣ እየን።

11፡ ኣብ ህዝቢ ስግኣትን ምቁጽጻርን የለን። ዝኾነ ዓይነት ምክትታል የለን። ኤርትራ ረቂቕ ጸጥታዊ ትካል የብላን። ፖሊስ ንቡር ስራሑ እዩ ዝሰርሕ።

12፡ ኣብ ኤርትራ ፍርዳዊ ኣካል ናጻ እዩ። ፍትሒ ብግቡእ እዩ ዝወሃብ።

13፡ ኣብ ኤርትራ 190  ማሕበራት ኣለዋ። እዚ ድማ ናይ ምውዳብ ናጽነት ኣብነት እዩ።

14፡ ኣብዛ ሃገር ሕገመንግስታዊ ሃጓፍ የለን። ናይ ግንባር ቻርተርን ኣብኡ ተመስሪቱ ዝወጽእ ሕግታትን ኣለና። ሓዲሽ ሕገመንግስቲ ከኣ ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ኣሎ።

15፡ ካብ ናጽነት ንደሓር ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተፈጸመ ጥሕሰት የለን። ስለዚ ናይ ዝይነበረ ሕሉፍ ገበን ተሓታቲ ዝኸውን የለን።

ከምዚ ተጠቒሱ ዘሎ ልኡኽ ኤርትራ በቲ ኮሚተ ንዝቐርበሉ ሕቶ እንዳጓሰየ፡ ናቱ ሓሳብ ዘቕረበሉ፡ ምስማዑ ዘስደምም ነይሩ። ማለት ካብቲ በቲ ኮሚተ ክኢላታት ዝቕርበሉ ዝነበረ ተባራዒ ሕቶታት ዝሃቦ ግቡእ ምላሽ ኣይነበሮን 

Last modified on Saturday, 16 March 2019 08:35