መግለጺ ወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018
2018-08-25 20:49:54 Written by ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018 Published in EPDP News Read 3472 timesኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ፍራንክፎርትዝ ተኻፈላ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን፣ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መጋባእያ ዘቕረበኦ መደረታት፣ ኣብ ቀጻሊ ናይ ድራር ግብጃ ዝበጸሐኦ ስምምዕ፣ ኣብ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተ (panel discussion) ቀሪበን፡ ነዚ ዝሰዕብ መግለጺ ሂበን።
ወከልትን መራሕትን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝአከበ መኣዲ ዘተ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ፈስቲቫል ብኩሎም ወከልቲ ዝተዋህበ መደረታት፣ ዝመሳሰልን ነንሕድሕዱ ዝመላላእን ምንባሩ ገምጊሙ። ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ብመድረኽ ንሃገራዊ ልዝብን ዝተበገሰ መጸዋዕታታት ንምውህሃድ ቀጻሊ ርክብን ዘተን ክካየድ ኣድላዪነት ከምዘለዎ ድማ ኣስሚርሉ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፡ ጉዳይ ዶብ ጎስዩ ዝኸይድ ዘሎ ስምምዕ ጥለምትን ክድዓትን ስርዓት ህግዲፍ ዘግህድ ተረኽቦ ምዃኑ መዚኑ።
ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018
3-5 ነሓሰ 2018