ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዓመታዊ መደብ ኣብያተ-ጽሕፈቱ ኣጽዲቑ

2018-08-25 13:21:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2591 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ24 ነሓሰ 2018 ብመሪሕነት ኣቦ መንበሩ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ዘካየዶ፡ ስሩዕ ኣኼባ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተነዲፉ ዝቐረበሉ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ዘድሊ ምምሕይያሻት ገይሩ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክሓልፍ ወሲኑ። ኣብዚ ዓመታዊ መደብ ዕዮኡ ንኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ፡ ምስንዳእ ዕዉት 3ይ ጉባአ ሰልፍን መደባት ምሕዳስ ሰልፍን ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ተዘራሪብሉ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ብዝርዝር ዝርኣዮ ካልእ ዓብዪ ጉዳይ፡ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ወሳኒ እዋን ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይ ኤርትራ ደንበ ተቓውሞ ሓቢርካ ምስራሕ ነይሩ። በዚ መሰረት ቅድሚ ሕጂ ሰዲህኤ ዘቕረቦም ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመን፡ ነዚ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ሓቢርካ ብዛዕባ ምግጣሙ ዘቕረቦ መጸዋዕታን ኣብ ግምት ኣእትዩ ብደቂቕ ተመያይጡ። በዚ መሰረት በቲ ብማእከላይ ባይቶ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ነቲ ምስ ውድባት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ተፈጢሩ ዘሎ ኣዝዩ ዘተባብዕ ተስፋታት ኣብ ዘድምዕ ደረጃ ንምብጽሑ ዘድሊ ጻዕርታት ከካይድን፣ እቲ ጻዕሪ ኣብዚ ጠጠው ከይበለ ምስቶም ንምዝታይ ቅሩባት ዝኾኑ ካልኦት ኣካላት ርክባት ክጅመርን ወሲኑ። ኣብ’ዞም መዳያት’ዚኣቶም ዝዋስኡ ኣካላት እውን መዚዙ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ናብቲ ኩሉ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ዝሳተፈሉ ስፊሕ ጽላል ንምብጻሕ ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ቀጻሊ ክኸውን ከኣ ውሳኔኡ ደጊሙ ኣሐዲሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ዞባና ሃገራትን ጀሚርዎ ዘሎ ግሉጽነት ዘይብሉ ዝምድናታትን በብኸባቢኡ ኣንጻር ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ህግዲፍ ዝግበር ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ምልዕዓላትን ዝምልከቱ ሓበሬታታትን ጸብጻባትን ሰሚዑን ንኣተሓሕዘኦም ዝምልከት ኣቕጣጫ ቀይሱን ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይዚ ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዙርያ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገሩን ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ብሓባር ክስጉሙ ደጊሙ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ብመሪሕነት ተተሊሙ ዘሎ መደባት ንምዕዋት ኣባላት ሰዲህኤን ፈተውቱን እቲ ልሙድ ተወፋይነቶምን ትግሃቶምን ክቕጽልዎ ምሕጽንታኡ ብምቕራብ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

Last modified on Saturday, 25 August 2018 15:23