መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብ ህልዊ ኩነታት ከባቢናን ጻውዒት ንደንበ ተቓውሞን

2018-07-02 21:01:50 Written by  ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3790 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ መመሊሱ ዝጐሃሃር ዘሎን ጽልዋኡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ኣብ ከባቢና ከንጸባርቕ ዝኽእል ምዕብልናታት ዓሚቝ ገምጋም ኣካይዱ። ነዚ ኣወንታዊ ምዕብልናታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብ27 ግንቦት ሚዛናቱ ከም ዘንበረሉን፣ ብ24 ሰነ 2018  ከኣ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዝርዝራዊ መግለጺ ናብ ህዝቢ ከም ዘመሓላለፈ ዝዝከር ኢዩ።

 

 

ብምቕጻል፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ተወሳኺ ገምጋማት ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታት ሚዛኑ እናን'በረ፡ ብወገን ተቓውሞ ኤርትራ እውን ክግበር ኣሎዎ ንዝብሉ ርእይቶን  ጻውዒትን ዝወሰኸ ህጹጽ መግለጺ ከውጽእ ኣድላይ ምዃኑ ርእዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ  እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ኩነታት “ኣይውግእ ኣይሰላም “ በቲ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቦ ቀያድን ናይ መወዳእታን  ብይን መሰረት ክትግበር ክጽውዕን ክጽዕርን ከም ዝጸንሐ ብምዝካር፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ንዝተራእየ ካብቲ ደውታ ናይ ምውጻእ ቅሩብነት መጎሱ ገሊጹ።

ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መሳርሒኡ ዝኾነ ንኡስ ጒጅለ ህግደፍን፡ ብናይ ዶብ ሕቶ ምስምስ ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ግዝኣት-ሕግን መባእታዊ መሰላትን ከሊኦም ኣብቲ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ክሸምዎ ብፍጹም ምኽኑይ ኣይነበረን። ብመሰረት ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ፡ እቲ ኮሚሽን ዶብ ይግባይ ዘየፍቅድ ናይ መወዳእታን ቀያድን ፍርዲ ድሕሪ ምሃቡ፡ ክልቲኤን ሃገራት ብሓገዝ ክኢላታት ኣቢለን ኣብ ዝቐልጠፈ ናይ ዶብ  ምጥራር/ዲማርከሽን መስርሕ ክኣትዋ ኢዩ ነይሩ። እዚ ግን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጅማር መስርሕ ናይ ዶብ ምጥራር ዘተ ብምሕታታ እቲ ጒዳይ ከይተዓወተ ተሪፉ። ግንከ ድሕሪ 16 ዓመት'ውን ይኹን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ ብምልኡ ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዘየወላውል ድልውነት ምግላጹ፡ ንዞባና ሰላምን ቅሳነትን ክህብ ተስፋ ዝንበረሉ ስጒምቲ ኢዩ። 

ግንከ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኤርትራ፡ ነቲ "ዶብ ከይተሓንጸጸ..." እናበለ ክፍክሮ ንዝጸንሐ ዕሽሽ ኢሉ፣ ከምኡ'ውን ናይቲ እተጠቕሰ ሰናይ ተበግሶ ኢትዮጵያ ትርጉምን ኣተገባብራን ብግቡእ ከይተነጸረ፣ እሞ ከኣ ጒዳይ ስምምዕ ኣልጀርስን እቲ ውሳኔ ዶብን ዝምልከቶም ኣካላት ዘይብሉ፡... ንኹሉ ጠንጢኑ ህዝብናን ሕብረተሰብ ዓለምን ብዘይተጸበዮ ናህርን ቅልጣፈን ዳርጋ ንመስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ዝረሰዓ ብዝመስል መልክዑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ልኢኹ። እዚ ከኣ ካብ ቅድም’ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝዓጦ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ከም ዘይነበረን ጠንቂ’ቲ ብርሰት ዘኸተለ ውግእ ጉዳይ ዶብ ከምዝይኮነን መመሊሱ ዝበርህ ዘሎ እዩ ዝመስል። በዚ ኣጋጣሚ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ንልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን ስግኣትና ልዑል ምዃኑ ንገልጽ።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ ናጽነት ዝጀመረ ጸገማት ከም ዝነበረ ኣይከሓድን። ድሕሪ ናጽነት ክፍታሕ ይከኣል ነይሩ፣ እቲ ጸገም ሸለል ተባሂሉ ክሳዕ 1998 ምጽንሑ ከኣ ዓቢ ጌጋ ነይሩ። ሎሚ እዚ ንሃገርናን ህዝብናን ኣንጠልጢልዎም ዘሎ ናይ ዳግመ-ጥልመት ሓደጋ ንዝተወሰነ ውድብ ወይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ንኹልና ሓይልታት ለውጥን በሃግቲ ሰላምን ዘሻቕል ከም ዝኾነ ንርዳእ። ስለዝ ነዚ ሓደጋ ንምምካት ኣብ ቅድሚ ኩልና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ግዱሳት ዜጋታትን ዝምልከት እዩ። በዚ መሰረት ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ከነቕርቦ ዝጸናሕና ናይ “ብሓባር ንስራሕ” እማመ ሕጂ እውን ነዚ ህልዊ ኩነታት ንምብዳህን ሃገርናን ህዝብናን ካብ ሓደጋ ንምድሓንን ብቕልጡፍ ተራኺብና መፍትሒ ንክንረክብ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ህጹጽ መጸዋዕታ የቕርብ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ እውን ከይተረፉ፡ እቲ ብናይ ዶብ ምኽንያት ንደቅኻ ኮነ ኩሉ መነባብሮኻ ጀሆ ሒዙ፡ ንኹሉ መሰረታዊ ሕቶታትካ ብናይ ዶብ ኩነታት ኣመሳሚሱ ሓንጊዱ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ሃንደበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዱ ከም ዝደንጸወካ ተገንዚብና ኣለና። እቲ ሰላም ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንደልዮ ጥራይ ዘይኮነ ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና እዩ። እንተኾነ ወዮ ኣሸሓት መንእሰያት ዝሓለፍሉ፡ ብዙሓት ቤተሰብ ዝተመዛበልሉን ምግማቱ ዘጸግም ንብረት ዝዓነወሉን ከቢድ በሰላ ውግእ ደኣ “መዓስን ኣበይን ተዘትይሉ ተፈቲሑ?”  እዩ ናብዚ ዝተዓዘብናዮ ወዛሕዛሕ ተበጺሑ? ዝብል ሕቶ ከም ዘሕድረልካ ፍሉጥ እዩ። እዚ ኩነታት ምናልባት እውን ጉዳይና ብዘይፈለጥናዮ ናይ ካልኦት ኢድ ኣትይዎ ንሉኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ናብ ዘውርድ ኣቕጣጫ ይኸይድ ከይህሉ ተገንዚብካ ኣንጻርቲ ሸርሕታት ዝተሓወሶ ዝመስል ኣካይዳ ህግደፍ ክትለዓል ንጽወዓካ። ህግዲፍ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ ተቐሊዑ ስለ ዘሎ ደጊም ካልእ መሕብኢ ምስምስ ክምህዝ ዕድል ክንህቦ ኣይግባእን። ጉዳይና ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ብምፍታሕ ዝድቅስ ዘይኮነ እቲ ቀንዲ ጉዳይና ዜቤታዊ ሕቶ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ምዃኑ ከኣ ክትዝንግዕ ኣይግበኣካን። ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ውዱባት ኤርትርውያንን እውን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ክስለፉ ንጽወዖም።

እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዓርፎኡ ንምብጻሕ ዝወሰዶ ተበግሶን ዘርኣዮ ቅሩብነትን ምስቲ ንዓመታት ዝተቓለስናሉ ኣተሓሕዛ ዝሰማማዕ ስለ ዝኾነ፡ ናእዳና ንገልጽ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እቲ ስጉምቲ ንክልቲኡ ህዝብታት ብማዕረ ዘርብሕ ምዃኑ ንኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ክወዳደር እንከሎ፡ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጭቆናን ዓፈናን ዘሎ ምዃኑ ዝፈልጦ እኳ እንተዀነ ደጊምና ከነዘኻኽሮ ግን ሓላፍነትና ኢዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክረጋገጽ ዝውጥኖ ዘሎ ዲሞክራሲ ንህዝቢ ኤርትራውን ይነፍጎ እዩ ዝብል እምነት ከኣ የብልናን። ስለዚ እቲ ምስኡ ክመሓዞ ዝደናደን ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቀን ኣዝዩ መላኺ፡ ጨቋንን ጸረ ህዝብን ምዃኑ ክርዳእን ናይቲ ክግበር ዝድለ ዘሎ ዝምድና ሓደጋን ዘይቀጻልነትን ክርዳእ ነተሓሳስብ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን በቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋ ጥራይ ከይቀሰነ፡ ነቲ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ነዘኻኽር።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሃቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2 ሓምለ 2018

Last modified on Monday, 02 July 2018 23:04