ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ እስራኤል ብጽሖት ክገብር ኣብ ተላቪቭ ኣትዩ

2018-04-01 11:18:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3338 times

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝዀኑ ሓው ትኩእ ተስፋይን ሓውቲ ፈቨን ግዴዎንን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ31 መጋቢት 2018 ኣብ እስራኤል ኣትዩ።

 

ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ፡ ዕታሮ ዕንባባ ብዝሓዙ ነበርቲ ኣብ’ታ ሃገር ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ።

 

EPDP Deligation arrived Israel 01.04.2018

 

ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ምስ’ቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ንማእሰርትን ምብራርን ተቓሊዖም ዝርከቡ ስደተኛታት ምድግጋፉ ንምርኣይ ክኸውን እንከሎ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ሰዲህኤን ደምበ ተቓውሞን መብርሂታት ክህቡ ኢዮም።

 

ልኡኽ ሰልፊ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጕዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ካልኦት ትካላትን ክራኸብ ክጽዕር ኢዩ።

EPDP Deligation arrived Tel Aviv Aport 01.04.2018

 

ዝርዝር ሓበሬታ ንጥፈታት ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ከነስዕበልኩም ኢና።

Last modified on Sunday, 01 April 2018 14:18