ናይ ሓዘን መግለጺ

2018-03-30 18:10:54 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 2379 times

Ibrahim Mohamed 2መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ) ብሕማም ምኽንያት ብ26 መጋቢት 2018 ከምዝዓረፈ ሰሚዕና። መስዋእቲ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ዝእመነሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ መምህር ኢብራሂም ቅኑዕን ዘይፈላልን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድምን ዕጉስን ተቓላሳይ ብምንባሩ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦምን ራሕሱ የውርደሎምን እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Last modified on Friday, 30 March 2018 20:27